እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሕቡራት ሃገራት፡ ባሕረኛታት ካብ ሆርሙዝ ንምውጻእ ዝነበሮ መደብ ንምንታይ ደው ኣቢሉዎ?

  2. ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ባንኪ ጸባ ጡብ ኣደ ተኸፊቱ

  3. ትግራይ፡ እቲ ተቓውሞ ዝገጠሞ ኣዋጅ ክትግበር ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

  4. ምንቅጥቃጥ ኣብ ሓንቲ ዞባ ጥራይ ዘስዓቦ ዓቢ ዕንወት

    ብዙሓት ነበርቲ ግዝኣት ላ ጓይራ ኣብ ጎደናታት ወይ ስድራቤቶም ኣብ ምድላይ ከምዝሓደሩ፡ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቦም።

    ወዲ 49 ዓመት ላሪ ሮሃስ፡ ስድርኡ ተኸርዲኖም ኣብ ዝርከብሉ ኣብ ቅድሚ ሓደ ዝፈረሰ ህንጻ ደው ኢሉ፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ዋላ ሓንቲ ዝተረፈ ነገር የብልናን፡ ዋላ'ውን ናብኡ ክንኣቱ ሓይሊ ወይ ትብዓት የብልናን" ይብል።

    ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ፍርስራስ ናይ ሓደ 12 ደብሪ ህንጻ ዜና ህላወ ጓላ እናተጸበየት፡ "ኣብዚ ብህይወት ዝተደብዩ ሰባት ኣለዉ፡ ከድሕኖም ዝመጽእ ዋላ ሓደ ሰብ የለን" ኢላ።

    ኣብ ሃገረ ቬንዙዋላ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒቡ፡ ኣብ ከተማ ላ ጓይራ ጥራይ ልዕሊ 100 ህንጻታት ከምዝዓነዉ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

    እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፡ ግዝያዊ ፕረዚደንት ደልሲ ሮድሪገዝ፡ ኩለን ጉጅለታት ምድላይን ምድሓንን ሕቡራት ሃገራት፡ ንኻልኦት ሓደሽቲ ጉጅለታት ረድኤት- ሎጂስቲክስን ካልእ ድጋፍን ንኽህባ ፍቓድ ከምዝሃበ ይሕብር።

    ዓለማውያን ጉጅለታት፡ ኣብ ላ ጓይራን ካራካስን ትኹረት ክገብራ እንከለዋ፡ ሲቪላዊ ሓለዋን ትካለት ውሽጢ ዓዲን ኣብ ካልኦት ኩሎም ከባቢታት ቬንዙዌላ ይንቀሳቐሳ ከምዘለዋ ይገልጽ።

    ሮድሪገዝ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዞባ "ዓሰርተታት" ህንጻታት ከምዝዓነዉን፡ ኣዝያ ዝተሃስየት ግዝኣት ምዃናን ገሊጽዋ ነይሩ።

  5. ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቬንዙዌላ፡ ቊጽሪ ምውታት ይዓርግ ዝወረደ ዕንወት ይቕልቀል, ብስእሊ

    ኣብ ቬንዙዌላ ሎሚ መሬት ምስ ወግሐ ነቲ ትማሊ ዘጋጠመ "ድርብ" ምንቅጥቃጥ ምድሪን ሳዕቤኑን ዘርኢ ስእልታት ይቕልቀል ኣሎ።

    ገለ ሰባት ካብ ዝፈረሰ ህንጻታት ውልቃዊ ንብረቶም ሒዞም ክወጹ ይረኣዩ።

    ካልኦት ድማ ኮፍ ኢሎም: ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዝበፅሐ ኣዕናዊ ትርኢታት ፍርስራስ ይዕዘቡ።

    ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 164 ከምዝዓበየ ግዝያዊት ፕረዚደንት ቬንዙዌላ ከምዝገለፀት ሮይተርስን ኤኤፍፒን ሓቢሮም።

    ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ዓለም ህጹጽ ደገፍ ክህባ ቅሩባት ምዃነን ይገልጻ ኣለዋ።

    ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ደልሲ ሮድሪገዝ ብተለፎን ከምዝተዘራረበ ዝገለጸ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ ሃገሩ እትህቦ ደገፍ "ቅልጡፍን ኣድማዒን" ከምዝኸውን ቃል ኣትዩ።

    ጀርመን ብወገና ንሰብኣዊ ረዲኤት ዘገልግላ 6 ዓበይቲ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ከተዋፍር ቅርብቲ ምዃና ኣፍሊጣ። ስዊዘርላንድ'ውን 80 ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓደጋ ክትሰድድ እያ። ነዘርላንድስ (ሆላንድ) ድማ 2 ሚልዮን ዩሮ ቀሪባ'ላ። ስጳኛ፡ ፈረንሳ፡ ቻይናን ህንድን'ውን ደገፍ ክህባ ከምዝደልያ ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

    "ድርብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ" ዝብሃል ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ተኸታቲሉ ዝኽሰት እዩ። ኣብዚ ናይ ቬንዙዌላ፡ ፈለማ 7.2 ነጥቢ ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ'ዩ ኣጋጢሙ፡ ድሕሪ 38 ካልኢታት (ሰንከንድስ) ድማ እቲ ዝዓበየ 7.5 ዝበጽሕ ምንቅጥቃጥ ስዒቡ።

    ኣብ 2023 ኣብ ቱርኪን ሶርያን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ኣስታት 55,000 ሰባት ምቕታሉ ይዝከር።

  6. ኤውሮጳ ኣብ ሓያል ዋዒ፣ ፈረንሳ፡ ብሪጣንያን ስጳኛን ክብረ-ወሰን ዝሰበረ መጠን ሙቐት ኣመዝጊበን

  7. ኢትዮጵያ፡ ዓንቀጽ 39 ጉዳይ ኣዲስ ኣበባን ስርዓተ-መንግስትን ቀንዲ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ምምኽኻር

  8. ጻዕሪ ህይወት ኣድሕንን ብድሆታት ቬነዝወላን

    ኣብዚ እዋን ጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ትሕቲ እቲ ዝፈረሰ ሓያሎ ደርብታት ዘለዎ ህንጻታት ተደጒሎም ንዘለዉ ሰባት ንምድሓን ኣብ ህጹጽ ስራሕ ይርከቡ ኣለዉ።

    ይዅን እምበር፡ እዚ ሓደጋ ዘጋጥም ዘሎ ቬነዝወላ ኣብ ከቢድ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ተሸሚማ ኣብ ዘላትሉ እዋን እዩ።

    ካብ ተመኵሮን ኵነታት እታ ሃገርን ክግምገም ከሎ፡ እዚ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ንዓቕሚ ትካላት ጥዕናን ህይወት ኣድሕንን እታ ሃገር ዓቢ ብድሆ ኰይኑዎ ኣሎ።

    ስእነት መድሃኒት፡ ማሽነሪታትን ነዳድን ነቲ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ብኸቢድ ዘዳኽሞ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

    እዚ ድርብ ርእደ-መሬት ነታ ብድሮኡ እውን ብስእነት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ጽንኩር ኵነታት እትርከብ ሃገር፡ ናብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝሸምም ታሪኻዊ ሓደጋ ኰይኑ ኣሎ።

  9. ኣዋጅ ህጹጽ እዋንን መግለጺ መንግስትን

    ግዝያዊት ፕረዚደንት ቬነዝወላ ዴልሲ ሮድሪገዝ ኣብ መላእ እታ ሃገር 'ኣዋጅ ህጹጽ እዋን' (State of Emergency) ኣዊጃ።

    ንሳ ብዛዕባ ቍጽሪ ምዉታት ብንጹር ኣሃዝ እኳ እንተ ዘይገለጸት፡ ነቶም ግዳያት ዝዀኑ ዜጋታት ግን መልእኽቲ ምጽንናዕ ኣመሓላሊፋ።

    ምኒስተር ጕዳያት ውሽጢ ዲዮስዳዶ ካቤሎ ብወገኑ፡ ብተሌፎን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዞባታት ትሩሒዮ፡ ያራኩይ፡ ካራቦቦ፡ ኣራጓ፡ ሚራንዳ፡ ካራካስን ላ ጓይራን ብኸቢድ ከም ዝተሃስያ ኣረጋጊጹ።

    ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ድማ ብፍላይ ከባቢታት ፓሎስ ግራንደስን ኣልታሚራን ዝለዓለ ዕንወት ከም ዘጋጠመን እቲ ምኒስተር ወሲኹ ሓቢሩ።

  10. ምፍራስ ህንጻታትን ስግኣት ዝለዓለ ቍጽሪ ግዳያትን

    እዚ ሓደጋ ኣብ ቬነዝወላ ሃገራዊ በዓል ኣብ ዝኽበረሉን፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣብ ገዛውቱ ኣብ ዝነበረሉን ዕለት ብምኽሳቱ፡ መጠን እቲ ጕድኣት ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።

    ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ሓያሎ ነዋሕቲ ህንጻታት ዝፈረሱ ኰይኖም፡ ትካል መጽናዕቲ ጂኦሎጂ ኣመሪካ እቲ ሓደጋ "ኣዝዩ ሰፊሕ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ልዑል ቍጽሪ ምዉታትን ከቢድ ዕንወትን ክህሉ ከም ዝኽእልን ብትሪ ኣጠንቂቑ።

    ብተወሳኺ፡ እቲ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቬነዝወላ ብሰንኪ ዝወረዶ ከቢድ ዕንወት ንኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ዕጹው ኰይኑ ኣሎ።

    እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን ረድኤት ከየደናጕዮ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

  11. ቬነዝወላ፡ ዘስካሕክሕ ድርብ ምንቅጥቃጥ-መሬትን ስፍሓት ሓደጋን

    ኣብ ቬነዝወላ፡ ርእሰ ከተማ ካራካስ ሓዊሱ ሓያሎ ዞባታት ዘናወጸ፡ ኣዝዩ ሓደገኛን ዘስካሕክሕን ድርብ ምንቅጥቃጥ-መሬት ኣጋጢሙ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ትካል መጽናዕቲ ጂኦሎጂ ኣመሪካ (USGS)፡ እቲ ቀዳማይ 7.2 ዝዓቐኑ (ብገሊኡ ጸብጻባት 7.1) ምንቅጥቃጥ-መሬት ኣብ ከባቢ ሞንታልባን 13.2 ኪሎሜተር ኣብ ትሕቲ መሬት ዘጋጠመ እዩ።

    ድሕሪ 39 ካልኢታት ድማ 7.5 ዝዓቐኑ ካልኣይ ሓያል ምንቅጥቃጥ-መሬት ካብ ዩማረ 23 ኪሎሜተር ርሒቑ፣ ኣብ 10 ኪሎሜተር ዕምቈት ተኸሲቱ።

    እዚ ፍጻመ (ኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ) ሰዓት 18:04 ድሕሪ ቐትሪ እዩ ኣጋጢሙ።

    እቲ ምንቅጥቃጥ ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝነበረ ጽልዋኡ ክሳብታ ርእሰ ከተማ ጐረቤት ሃገር ዝዀነት ኮሎምብያ ዝዀነት ቦጎታ ብርኡይ ተሰሚዑ።

    መጀመርታ ንቬነዝወላን ደሴታት ቨርጂን ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘጠቓልል መጠንቀቕታ ሱናሚ ተዋሂቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ዳሕራይ ግን ተሰሪዙ።

  12. ቤት ፍርዲ፡ ኣሜን ተኽላይ ኣብ ልቡ ብሴፍ ተወጊኡ ከም ዝሞተ ገሊጹ

  13. ብመንሽሮ ማህጸን ናይ ምሟት ሓደጋ ናብ ኣስታት ዜሮ ዘጕደለ ክታበት

  14. ኣብ ሆርሙዝ ንኣዋርሕ ዝተዓግተት መርከብ ኢትዮጵያ

  15. ሕቡራት ሃገራት: ተቖጻጸርቲ ኑክሌር ናብ ኢራን ክሰድድ ምዃኑ ኣፍሊጡ

    ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ምቁጽጻር ኑክሌር፡ ብመሰረት ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ መባእታዊ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ኢራን መርመራ ከካይዱ ምዃኖም ገሊጹ።

    ዋና ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት፡ ራፋኤል ግሮሲ፡ ኣብ ጃፓን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ መርመራታት ናይ ግድን ክካየድ'ዩ" ኢሉ።

    "ኣብቲ መስርሕ፡ ኣገባባት፣ ዕለታትን ቦታታትን - ኣብ ቀረባ እዋን ክንሰርሓሉ ኢና። እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ምዕናው ናይቲ ኣዝዩ ዝተሃብተመ ዩራንየም ኢራን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቲ ትካል- IAEA ኰይኑ ከምዝፍጸም "ብግልጺ ከምዝሰፈረ ወሲኹ ተዛሪቡ።

    ይኹን’ምበር ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ምርኣይ ዝተሃስዩ ማእከላት ኑክሌራዊ ትካላትን ንብረትን፡ ኣብ መፈፀምታ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ጥራይ ከምዝኸውን ኣሚቱ።

    ግሮሲ ነዚ ዝገለጸ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብምብጻሕ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ኣብ ዝዘራረበሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ትማሊ ረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ከምዝተራኸበን፡ ናብ ኩዌትን ባሕሬንን ክገይሽ ምዃኑን ተፈሊጡ።

  16. ሊብያ፡ ንዜጋታት ኤርትራ ኢትዮጵያ ሱዳንን ሶማልን ዘውጽኣቶ ሓድሽ ኣዋጅ

  17. ኣብ ስራሕካ ሕጕስ ክትከውን ዝሕግዝ ሜላ

  18. ትግራይ፡ ኣዋጅ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክስረዝ ሕቶ ቀሪቡ

  19. ዓባይ ብሪጣንያ ስለምንታይ'ያ መራሕታ ትቐያይር ዘላ?

  20. ኤርትራ፡ ምኒስተር ዜና ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘቕረቦ 6 ነጥብታት