እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ዝተዓግተ ሃብቲ ኢራን፡ እቲ ገንዘብ ኣበይ ኣሎ፡ ስለምንታይከ ኣገዳሲ ኰይኑ?

  2. ትግራይ፡ በቲ ግዱድ ኣዋጅ ዕስክርና ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሕጊታትን መሰላትን

  3. ኤርትራ፡ ንባጤራ ናቕፋ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ

  4. ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ሰፊሕ ተቓውሞታት ክካየድ ውዒሉ

  5. ላዕለዎት ዳያኑ፡ ትራምፕ ደቂ ስደተኛታት ብቐጥታ-ዜግነት ከይረኽቡ ዘመሓላፎ ትእዛዝ ኣጊዶም

    ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ኣብ ምድሪ ኣመሪካ ዝወተወልዱ ብቐጥታ ዜግነት ከይረኽቡ ዝገበሮ ፈተነ ነጺግዎ።

    እቲ ፕረዚደንትን ናይ ሕጊ ጉጅለኡን፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝሓዝዎ ቅዋም፡ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ኣካል ቤት ፍረዲ ክሳብ ቀረፅቲ ሕግን ክኢላታት ሕግን ብዙሕ ደገፍ ከይረኸበ ፀኒሑ።

    እዚ ንብዙሓት ኣብታ ሃገር ዝተወልዱ ኣሸሓት ደቂ ስደተኛታትት ዝፀሉ ውሳነ፡ በዚ መልክዑ ከብቅዕ ምኽኣሉ፡ ንተሓለቕቲ መሰላት ዘደንቕ ዓወት ከምዝዀነ እዩ ዝግለፅ።

    ዝበዝሑ፡ ካብቶም ትሸዓተ ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ እዚ ቋንቋን ትርጉምን ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ ዝቕይርን፡ ን150- ዓመታት ዝፀንሐ ፅኑዕ ሕጊ ዳግማይ ዝኽልስን ትእዛዝ፡ ምእንቲ ዓወት ትራምፕ ክበሃል፡ ኣይነፀድቕን ክብሉ እዮም ወሲኖም።

    ብርግጽ እዚ ውሳነ እዚ፡ ነቲ ፕረዚደንት ከቘጠዖ ምዃኑን፡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝኽእሉሉ መገድታት ኩሉ ንምድራት ሓድሽ ሜላታት ክእልሽ ክግደድ ምኳኑን ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

    እቲ ናይ ሎሚ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ንመሰል ውልደት ዜግነት ንምኽባር 6ን 3 ድጋፍ ከምፀንዐ፡ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    እቲ ብይን ብላዕለዋይ ዳኛ ጆን ሮበርትስ ዝተጻሕፈ ኮይኑ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ወይ ንግዚኡ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝነብሩ ወለዲ ዝተወልዱ ህጻናት፡ ብመሰረት ቅዋም ኣመሪካ፡ ብቐጥታ "ዜጋታት" ምዃኖም ይገልጽ።

    እቲ ውሳነ፡ ነቲ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካ፡ ንሕቶ ዜግነት ናይቶም ሓራ ዝወጹ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተወልዱ ባሮት ነበር ንምፍታሕ: ዝተደንገገ መበል 14 መመሓየሺ ሕጊ ከም መርትዖ ይጠቅስ።

  6. ታሪኻዊ ምሸት ንኣፍሪቃ፡ ሞሮኮ ንሆላንድ ብፍጹም ቅላዕ ረቲዓ ናብ ዙር 16 ሓሊፋ

  7. ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ስለምንታይ እየን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዘጠንቅቓ ዘለዋ?

  8. ብሪጣንያ፡ ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ዕቝባ ስደተኛታት 10,000 ፓውንድ ክኸፍሉ እዮም

  9. ኣመሪካ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ዝወጸ ሓድሽ ትእዛዝ

  10. ወከልቲ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ቐጠር ክራኸቡ'ዮም - ትራምፕ, ኣብ ቴክኒካዊ ኣካል'ቲ ስምምዕ ልዝብ ክቕጽላ እየን- ተባሂሉ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ማሕበራዊ ገፁ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ ፡ "ኢራን ኣኼባ ክግበር ሓቲታ ኣላ፤ ፅባሕ ኣብ ዶሃ ክካየድ'ዩ" ኢሉ።

    እንተኾነ ግን ዶናልድ ትራሞፕ ብዛዕባ እቲ ጽባሕ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ኣኼባ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

    ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሌቪት ግን፡ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ላዕለዎት ተደራደርቲ ኣመሪካ ጃረድ ኩሽነርን ስቲቭ ዊትኮፍን “ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንላዕለዋይ ኣኼባ ሰበስልጣን፡ ናብ ዶሃ ክጓዓዙ እዮም” ኢላ።

    ብተወሳኺ ጎኒ ጎኒ እቲ ላዕለዋይ ኣኼባ ቴክኒካዊ ዝርርብ ከምዝካየድ'ውን ሓቢራ።

    ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ቴክኒካዊ መዳያት እቲ ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሓሉ ምቍራፅ ተኹሲ፡ ልዝብ ክቕጽላ ምዃነን፡ ሓደ በዓልስልጣን ዋሽንግተን ሓቢሩ ምንባሩ ቅድም ኢሉ ተገሊፁ ነይሩ።

    እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓልስልጣን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ ኩሉ ቴክኒካዊ መዳያት እቲ ስምምዕ ዝግበር ዘተ ክቕጽል እዩ” ክብል'ዩ ተዛሪቡ።

    "ንግዚኡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭት ካብ ምግዳድ ክቑጠቡ እዮም፤ መራኽብ ብናጽነት ብሰላም ክጓዓዛ ክኽእላ እየን" ድማ ኢሉ።

    ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ሓላፊ ጉጅለ ዘተ ኢራን፡ ካዘም ጋሪባባዲ ግና፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ሰሙን ቴክኒካዊ ዝርርብ ንምክያድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ ንዝብል ጸብጻባት ነፂጉ።

    ብሰንኪ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝተለዓለ ምስሕሓብ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ቴህራንን ዋሽንግተንን ተጋጭየን ነቲ ስምምዕ ሰላም ብምጥሓስ ነንሕድሕደን ክካሰሳ ከምዝቐነያ ዝዝከር እዩ።

  11. ትግራይ፡ ህወሓት ንመግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሃቦ ምላሽ

  12. ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ምስ ልዑል ሙቐት ብዝተኣሳሰር ኣማኢት ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ

  13. ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ብለይቲ ዝግበሩ ጕዕዞ ኣውቶቡሳት ኣጊዱ

  14. 27 በረራታት 24 ግጥማት፡ ፕረዚደንት ፊፋ ብኸመይ ኣረኻኺቡሉ ሳዕቤናቱኸ?

  15. ኲናት ኢራን ንዞባዊ ፖሊሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብኸመይ ቀዪሩዎ?

  16. መጠን ዘርኢ ወዲተባዕታይ ንምውሳኽ ዝምከሩ ዘለዉ ልምድታትን መድሓኒትን

  17. ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ እናኸረረ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ

    ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ትግራይ እናወሰኸ ብዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ሰኸፈት ከምዝሓደሮ ገሊጹ።

    ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእዩ ምዕባለታት፡ ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ዘብቅዐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከዳኽም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ትማሊ 27 ሰነ 2026 ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ነባር ክልላዊ ቤት ምኽሪ ምቘሙን: ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋን ብምጥቃስ፡ “ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐሎ” እዩ ዘመልክት።

    ሕብረት ኤውሮጳ፡ እዚ ስጉምትታት ንውዕላት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝጥሕስ ምዃኑ እውን ኣስሚሩሉ ኣሎ።

    ፌደራል መንግስቲ ይኹን ህወሓት ምሉእ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ብህጹጽ ዘተ ክጅምሩ ኣተሓሳሲቡ።

    ብተወሳኺ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ከም ዝድግፍ እውን ኣረጋጊጹ።

    እዚ መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ብ26 ሰነ ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ ስዒቡ ዝመጸ እዩ።

    እቲ ኤምባሲ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ “ምሉእ ብምሉእ ክትግበር” ጸዊዑ እዩ።

    ነዚ መግለጺ ዘውጽአ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ "ኣኽረርቲ" ኣባላት ህወሓትን ናይ ቀረባ ስድራቤቶምን ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዘንበረት ካብ እትገልጽ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ።

  18. ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ውዕል ሰላም ብምጥሓስ ነንሕድሕደን ይካሰሳ

    ኣመሪካ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብቐዳም ኣብ ልዕሊ ባንዴራ ፓናማ እተምበልብል መርከብ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ድሕሪ ምፍፃሙ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (ሴንትኮም)፡ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ንዝግበር "ቀጻሊ መጥቃዕቲ" ቀጥታዊ ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ መላእ ኢራን ዝተፈላለየ ዕላማታት ከምዝሃረመ ገሊጹ።

    ሕነ ንምፍዳይ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ኣብ ኩዌትን ባሕሬንን ኣብ ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ኣመሪካ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን መጥቃዕቲ ከምዘውረደ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

    ድሕሪ እቲ ምልውዋጥ ተኹሲ፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብምጥሓስ ነንሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ።

    ሴንትኮም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኢራን ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ከተኽብር ዕድል ተዋሂብዋ'ኳ እንተነበረ፡ ሓይልታታ ግን ንባንዴራ ፓናማ እተምበልብል ታንከር ‘ኤምቲ ኪኩ’ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምፈፀመት’ ገሊፁ።

    ከም መልሲ ናይዚ ድማ፡ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝን ከባቢኡን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ 10 ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን መጥቃዕቲ ከምዘካየዳ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

    እዚ ድማ ወተሃደራዊ ናውቲ፣ ስርዓተ ርክብ፣ መከላኸሊ ኣየርን መኽዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ዘጠቓለለ እዩ።

    መግለጺ ኢራን፡ ኣመሪካ "ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን( IRGC) ኣብ ልዕሊ’ታ ገበነኛ መርከብ ንዝወሰዶ ስጉምቲ" ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ኢራን ሓሙሽተ መደበራት ገማግም ባሕሪ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ገሊፁ።

    ነዚ ሕነ ንምፍዳይ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ኩዌት ኣብ ዝርከብ መደበር ዓሊ ኣልሳለምን ኣብ ፖርት ሳልማን ባሕሬን ኣብ ዝርከብ ሓሙሻይ መርከብ ሓይሊ ባሕሪን ኣብ "ሸሞንተ ወሰንቲ ትሕተ ቅርጺ" ባሊስቲክ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዘዕነወ ገሊፁ።

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየደቶ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ምስ ተገልፀ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል፡ ቴህራን "ፈጺማ ከምዘይትመሃር ዘርኢ እዩ" እዩ ኢሉ።

    "ድሕሪ ደጊም ርትዓውያን ዘይንዀነሉ እዋን ክመፅእ ይኽእል'ዩ፡ ነቲ ኣዝዩ ብዓወት ዝጀመርናዮ ስራሕ ድማ ብወተሃደራዊ መንገዲ ክንዛዝሞ ክንግደድ ኢና" ክብል ትማሊ ቀዳም ምሸት ተሓንዩ።

    እቲ ጽሑፍ ኣስዒቡ፡ "ከምኡ እንተኾይኑ፡ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ድሕሪ ደጊም ኣይክትህሉን እያ!" ይብል።

  19. ኪነታዊ ብልሒ ንሙዚቃ ኢትዮጵያ ብኸመይ ይጸልዎ ኣሎ?

  20. ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ወርሒ ኲናት ዓለም ክውላዕ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?