እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ጃልባ መሪሑ ንመትረብ እንግሊዝ ከም ዝሰገረ ዝተኸሰሰ ኤርትራዊ፡ ንዝቐረበሉ ክሲ ነጺጉ
ካብ ብሬክሲት ክሳብ መረጻ 2027፡ ብሪጣንያን ኤውሮጳን ኣብ መስቀላዊ መንገዲ
መሲ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዋንጫ ዓለም ኰይኑ፡ ኣብዚ ጫፍ ብቕዓት ክጸንሕ ዝሓገዞ ምስጢር?
ኣመሪካን ኢራንን፡ ቀዳማይ ዙርያ ዝርርብ ብፅቡቕ ከምዝተዛዘመ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ገሊፁ
ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄ.ዲ.ቫንስ፡ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝገብርኦ ዘለዋ ዝርርብ፡ "ጽቡቕ ምዕባለ" ከምዝተርኣየን ንናይ መወዳእታ ስምምዕ "ጽቡቕ መሰረት ከምዘንበረን" ተዛሪቡ።
ልኡኽ ኢራን ድሕሪ'ቲ ዝርርብ ምጅማሩ፡ ካብቲ መድረኽ ረጊፁ ክወፅእ ደልዩ’ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ናይ ሰዓታት ልዝብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣወንታዊ ምርድዳእ ከምዝበጽሐ ይግለጽ።
ኣህጉራዊ ኣቶሚካዊ ጸዓት (IAEA)፡ ኒዩክለራዊ ተቘፃፀርቲ ናብ ኢራን ብምእታው ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ዝርርብ ዝተሰማምዑሉ ነጥብታት ተኽብር ምህላዋ ከረጋግጹ ትጽቢት ይግበር።
ኣመሪካ ብወገና፡ ኢራን ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝተፈላለዩ ፍርያት ሕርሻ ከይትዕድግ ተነቢሩላ ዝፀንሐ ገደብ ክተልዕል ትፅቢት ይግበር።
እቲ ወሳኒ መስመር ባሕሪ መጻብቦ ሆርሙዝ "ክፉት" ምዃኑ ዝገለጸ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ኣብ ሊባኖስ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከምዝተዘርበሉ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ ቴክኒካዊ ዝርርብ ኣብ መፃኢ ሰሙን ክቕጽል ምዃኑ እቶም ሸምገልቲ- ቐጣርን ፓኪስታንን- ኣፍሊጦም።
ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 60 መዓልታት ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣብ ሓደ ፍኖተ-ካርታ ከምዝተሰማምዑ'ውን ይግለጽ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዝርርብ “ዓቢ ምምሕያሽ” ከምዝተራእየ ተዛሪቡ።
"ኣብ ልዕሊ ሰደድ ነዳድን ፔትሮኬሚካልን ኢራን ተነቢሩ ዝፀንሐ እገዳ ተላዒሉ'ሎ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኢትዮጵያ፡ 7 መናብር ዝረኸበ ጥምረት ናብ ቤት ምኽሪ ከምዘይኣቱ ኣፍሊጡ
ኤርትራ፡ ሰባት ብሓደጋ መኪና ሞይቶምን ብኸቢድ ቆሲሎምን
ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ኣብ ህይወት ሰብ ከቢድ ጉድኣት ኣስዒቡ።
ኣብቲ ኣብ መስመር ኩዶብዑር-መንደፈራ ዘጋጠመ ሓደጋ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሓያሎ ካልኦት ከቢድ ማህሰይቲ ወሪድዎም ኣሎ።
መንግኣስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከምዝበልኦ፡ ሓሙሽተ ሰባት ከቢድ ማህሰይቲ ከጋጥሞም እንከሎ ክልተ ድማ ብፈኲስ ቆሲሎም ኣብ መወከሲ ሆስፒታል መንደፈራ ይእለዩ ኣለዉ።
"ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ቲ ሓደጋ ሸለልትነት ዝመንቀሊኡ ሓደገኛ ኣመራርሓን ልዕሊ መጠን ጽዕነትን ከምዝኾነ" ንመርማሪ ሓደጋ ትራፊክ ደሴ ተኽላይ ብምጥቃስ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እታ 9 ሰባት ጽዒና ካብ ኩዶብዑር ናብ ከተማ መንደፈራ ትጓዓዝ ዝነበረት ተሽከርካሪት፡ ናይ ገዛ መኪና ኮይና ኣብ መንጐ እምኒ ሓይሊን ድርኮን ኣብ ዝርከብ ድልድል'ያ ጸዲፋ።
ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሕጽረት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ብዙሓት ናይ ገዛ መካይን ብገንዘብ ሰባት ኣብ ምምልላስ ተዋፊረን ከምዘለዋ ይግለጽ።
ኣብታ ሃገር ብዝርአ "ተደጋጋሚ ጥሕሰታት ሕግታት ትራፊክ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት የውርድ ከምዘሎ" ሓላፊ መደበር ፖሊስ ንኡ ስዞባ እምኒ-ሓይሊ ኣጠንቂቑ'ሎ።
በርንሃም ንስታርመር ብምትካእ ከም ቀዳማይ ምኒስተር ክወዳደር ምዃኑ ኣረጋጊጹ
ኤንዲ በርንሃም ድሕሪ መግለጺ ካብ ስልጣን ምውራድ ኪር ስታርመር ሓጺር ርእይቶ ሂቡ ኣሎ።ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ፤
"ኪር ንሃገርና ዓቢ ኣገልግሎት ሂቡ እዩ፤ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ፈታኒ እዋን ንዘርኣዮ መሪሕነትን ተወፋይነትን ድማ ከመስግኖ እፈቱ።
"እዚ ውሳነኡ ናይ ምስግጋር እዋን መጀመርታ ዘመልክት ኰይኑ፡ እዚ መስርሕ እዚ ብስሩዕን ብሓላፍነታውን መንገዲ ክካየድ ኣገዳሲ እዩ። ኣነ ድማ ከም ኣካል ናይዚ መስርሕ’ዚ ንገዛእ-ርእሰይ ንውድድር ከዳሉ እየ።
"እታ ሃገር ርግኣት፡ ረዚንነትን ኣብቲ ዝያዳ ዘገድስ ጉዳያት ዘየባትኽ ትዅረት ክግበርን እያ ትጽበ፤ እቲ ዝወሃባ ድማ ንሱ እዩ። ንቕድሚት ክንግስግስ ከለና፡ ቀዳምነትና ነታ ሃገር ናብቲ ኵላትና ክትበጽሖ ንደልዮ ቦታ ንምምላስ ብሓባር ምስራሕ ክኸውን ኣለዎ።
"ህዝቢ ኣብ ቍጠባዊ ዕብየት፡ ዋጋ መነባብሮ፡ ህዝባዊ ኣገልግሎታት፡መንበሪ ኣባይትን ንዝቕጽል ወለዶ ዝወሃብ ዕድላትን ምዕባለታት ክርኢ ይደሊ እዩ። ፖለቲካዊ ለውጢ ካብቲ ህይወት ህዝቢ ናይ ምምሕያሽ ሓላፍነት ፈጺሙ ከዘናብለና የብሉን።
"ምንቅስቓስ ሰልፊ ዕዮ ወትሩ ዝሓየለ ዝኸውን፡ ብምትእምማንን ብዕላማን ንቕድሚት ክጥምት ከሎ እዩ።
"ካብ ሕጂ ንደሓር ንገብሮ ነገር እዚ እዩ፤ እዚ ምስግጋር እዚ ድማ ንሰልፍናን ሃገርናን እወታዊ መስርሕ ምሕዳስ ከም ዝኸውን ክነረጋግጽ ኢና።"
ብሪጣንያ፡ ስልጣኑ ዝለቐቐ ሰር ኬር ስታመር መን እዩ?
በርንሃም ንኣባላቱ፡ ከንቲባ ኰይኑ ምስራሑ ናይ ህይወቱ ዓቢ ዕድል ከም ዝነበረ ገሊጹ
ኤንዲ በርንሃም ሎሚ ንግሆ ምስ ኣባላት "ግሬተር ማንቸስተር ኮምባይንድ ኦቶሪቲ" ኣብ ዝነበሮ ኣኼባ ተረኺቡ፡ ንዅሎም "ካብ መዓሙቕ ልቡ" ከም ዘመስገኖም ተፈሊጡ።
ነቶም ኣባላት፡ ከንቲባ ሜትሮ ኰይኑ ምስራሑ "ናይ ህይወቱ ዓቢ ዕድል" ከም ዝነበረ ክገልጽ ከሎ ስምዒቱ ከም ዝተንከፎ ተገሊጹ።
ካብ ከንቲባነት ስርሑ ኣብ ዝሰናበተሉ ዘሎ እዋን፡ ቅርጺ ማንቸስተር ዘለዎ ኮረሻ ተበርኪትሉ።
እቲ ኮረሻ፡ ምልክት ማንቸስተር ብዝዀና ኣናህብን ብናይታ ከተማ ሰማይ-ጠቀስ ህንጻታትን ዝተሰለመ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ኮረሻ "ንሕና ኣብዚ ንነገራት ብዝተፈልየ መንገዲ ኢና ንገብሮም፡” ዝብል ጽሑፍ ተጠሊፉዎ ኣሎ።
በርንሃም ከም ኣባል ባይቶ ኰይኑ ቃልማሕላ ቅድሚ ምፍጻሙ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት "ጂኤምሲኤ" ወጺኡ ኣሎ።
ከንቲባ ለንደን ንቐዳማይ ምኒስተር ሞጒሱ
ከንቲባ ለንደን ሳዲቅኻን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመር ስልጣኑ ከም ዝገድፍ ድሕሪ ምግላጹ፡ "ምሉእ ዕዮኡ ንህዝባዊ ኣገልግሎት ዝወፈየ እምብዛ ቅኑዕ ኰይኑ፡ንሃገሩ ዘገልገለ እዩ፡" ኢሉዎ።
እቲ ከንቲባ ለንደን ብተወሳኺ፡ ንሱን ስታርመርን ቅድሚ 30 ዓመታት ንኣሽቱ ጠበቓታት ካብ ዝነበሩሉ ግዜ ጀሚሮም ኣዕሩኽን መሳርሕትን ከም ዝነበሩ ገሊጹ።
"ንሱ ኣብ ሓፈሻዊ መረጻ ዝሰዓረ ሓምሻይ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ጥራይ እዩ፡" ዝበለ ኻን፡ "ስታርመር ንሰልፊ ዕዮን ንሃገርናን ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ፤ ስለዚ ድማ ከመስግኖ እፈቱ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ዝቕጽል ቀዳማይ ምኒስተር እቲ ሰልፊ ከተግብሮም ኢሉንዝተመስረተሎም "ምዕባለኣዊ ክብርታት" ጸኒዑ ክሕዞም ከም ዝግባእ ኣመልኪቱ።
ኤንዲ በርንሃም ድሕሪ ሓጺር እዋን ቀዳማይ ምኒስተር ክኸውን ይኽእል ድዩ?
ዝስዕብ እንታይ ክኸውን እዩ?
ሕጂ ሰልፊ ዕዮ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ክመያየጥ ዕድል ረኺቡ ኣሎ።ስታርመር፡ ንዓኡ ንምትካእ ዝግበር መስርሕ ምሕጻይ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ ኣሎ።
ብዘይ ዝዀነ ውድድር ብቐጥታ መራሒ ናይ ምምዛዝ (ኣኽሊል ምድፋእ) መስርሕ ድዩ ክህሉ? ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ከምኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምቱ።
ኤንዲ በርንሃም እቲ ዝዓበየ ግምት ተዋሂብዎ ዘሎ ሕጹይ እዩ፤ ምስኡ ክወዳደር ዝደሊ መን ክህሉ እዩ?
ዌስ ስትሪቲንግ ቅድም ክብል ከም ዝወዳደር ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ፡ ገሊኦም መሻርኽቱ ንሱ ከም ዘይወዳደር ምእማኖም ዘገርም እዩ። ኣብ ክንድኡስ ብበርንሃም ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ስራሕ ክወሃቦ ይኸውን?
ይዅን እምበር፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ግዜ ሰሌዳ፡ ካልእ ሰብ ናብዚ ውድድር እዚ ክኣቱ ዘለዎ ዕድል ክፉት ይሓድጎ እዩ። ካብ ማእከላይ-የማናዊ መስመር ዝዀነ ፖለቲከኛ ነቲ ውድድር ንምቕስቓስ ድሌት ክሓድሮ ይኽእል ይኸውን?
እንተዀነ፡ ኵሉ ግምታት ኤንዲ በርንሃም ድሕሪ ሓጺር እዋን ቀዳማይ ምኒስተር ክኸውን ምዃኑ እዩ ዘመልክት።
ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር መዓስ ክሽየም እዩ?
ኪር ስታርመር፡ንፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዕዮ፡ ንሕጹይ ሓድሽ መራሒ እቲ ሰልፊ ካብ 9 ሓምለ ክጅምር ክሓትት ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
እዚ መስርሕ’ዚ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ማለት ብ16 ሓምለ፡ ቅድሚ ባይቶ ንኽረምቲ ምዕጻዉ ክዛዘም ምዃኑ ሓቢሩ።
ውድድር ዝህሉ እንተዀይኑ ድማ ባይቶ ካብ ናይ ክረምቲ ዕረፍቱ ብ1 መስከረም ክምለስ ከሎ፡ ሓድሽ መራሒ ተመዚዙ ከም ዝጸንሕ ዘረጋግጽ ምዃኑ ገሊጹ።
ከምቲ ቅድም ክብል ክንሕብሮ ዝጸናሕና፡ ንመሪሕነት ሰልፊ ዕዮ ዝግበር ውድድር ክህሉ ምዃኑን ዘይምዃኑን ገና ንጹር ኣይኰነን።
ንኣብነት፡ እቲ ውድድር ብ9 ሓምለ ክጅምር ከሎ፡ ኤንዲ በርንሃም ብዘይ ገለ ተወዳዳሪ ክቐርብ እንተዀይኑ፡ መስርሕ ምሕጻይ ምስ ተዓጽወ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እዚ ጉዳይ’ዚ ክሳዕ ዝውሰን ድማ ስታርመር ከም ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ስራሑ ክቕጽል እዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመር ስልጣኑ ለቒቑ
ኪር ስታርመር ንዝመጽእ ቀዳማይ ምኒስተር ደገፍ ከም ዝገብረሉ ገሊጹ
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኪር ስታርመር፡ካብ መሪሕነት ገዛኢ ሰልፊ ዕዮ ከም ዝለቅቕ ኣፍሊጡ።
ንሱ ነዚ ስጕምቲ እዚ ክወስድ ዝተገደደ፡እቲ ሰልፊ ንቐጻሊ ሓፈሻዊ መረጻ ንምምራሕ ብቑዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንዘልዓሎ ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ምዃኑ ገሊጹ። ነቲ ካብ ሰልፉ ዝረኸቦ ግብረመልሲ ድማ ብጸጋ ከም ዝተቐበሎ ኣመልኪቱ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ዝወሰዶ ኵሉ ውሳነታት ነታ ዝፈትዋ ሃገሩ ቀዳምነት ንምሃብ ዝዓለመ ምባሩ ብምግላጽ፡ "ካብ መሪሕነት ሰልፊ ዕዮ ክለቅቕ እየ፡" ኢሉ።
እንተዀነ፡ ሓድሽ መራሒ ኣብ መስከረም ባይቶ ዳግማይ ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ ምእንቲ ክምረጽ፡ እቲ ሰልፊ ካብ 9 ሓምለ ጀሚሩ ክሳዕ እቲ ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ዝዛዘም ናይ ግዜ ሰሌዳ ክሰርዕ ሓቲቱ ኣሎ።
ክሳዕ እቲ እዋን'ቲ ድማ ከም ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ስራሑ ክቕጽል እዩ።
ኪር ስታርመር ንዝቕጽል ቀዳማይ ምኒስተር ኵሉ ዝከኣሎ ደገፍ ብምሃብ፡ ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ክሰጋገር ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ።
እታ ዝስዕቦ ቀዳማይ ምኒስተር ዝርከባ ዓባይ ብሪጣንያ፡ካብታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረት ዝያዳ ዝሓሸትን ፍትሓዊትን ሃገር ከም ዝዀነት ኣመልኪቱ።
ኪርስታርመር፡ ንሽዱሽተ ዓመታት ብቕርበት ምስኡን ዝሰርሑ ፈተውቱን መሳርሕቱን፡ከምኡ'ውን ንሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈት ቍጽሪ 10 ዶውኒንግ ስትሪትን ስቪል ሰርቪስን ምስጋና ኣቕሪቡ።
ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝዓበየ ሓላፍነት ንምግዳፍ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ነቲ ዝዓበየ ስራሕ ዝበሎ ሓዳሩን ስድራቤቱን ክከናኸን ዝያዳ ግዜ ክህብ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ስምዒቱ ክቈጻጸር ኣይከኣለን፤ "ንብዓልቲ ቤተይ ቪክን ንደቀይን ዝሓሸ ብዓል ሓዳርን ኣቦን ክኸውን እየ፡" ድሕሪ ምባል፡ ንብዓልቲ ቤቱ ሓቚፉ ናብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈቱ ተመሊሱ።
ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመር ስልጣኑ ክለቅቕ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያን መራሒ ሰልፊ ዕዮን ኪር ስታርመር፡ ካብ መዝነቱ ክለቅቕ ምዃኑ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ ሃንደበታዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ስታርመር ነዚ ናይ ስልጣን ምልቃቕ ውሳነኡ ንንጉስ ቻርለስ ብኣካል ከም ዘፍለጦ ሓቢሩ ኣሎ።
ስታርመር ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈቱ - ዳውኒን ስትሪት ቍጽሪ 10 - ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰልፉ ናብቲ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ምርጫ ንኽመርሕ ንሱ ዝበለጸ ሰብ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ሕቶ ብሰልፉ ከም ዝተላዕለ ብምሕባር፡ “ነቲ ሰልፈይ ዝሃቦ መልሲ ሰሚዐዮ ኣለኹ፣ ብጸጋ ድማ እቕበሎ፡” ኢሉ።
ወሲኹ፡ “ዝወሰድኩዎ ነፍሲ-ወከፍ ውሳነ፡ ነታ ዝፈትዋ ሃገረይ ቀዳምነት ኣብ ምሃብ ዝተሰረተ እዩ፤ ስለዚ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ዕዮ ክለቅቕ እየ፡” ክብል ውሳነኡ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ስታርመር መጻኢ ፖለቲካዊ ህይወቱ ዝግምግመሉ፡ በርንሃም ድማ ናብ ዌስት ምኒስተር የምርሕ ኣሎ
ሰር ኬር ስታርመር፡ ሎሚ ንግሆ ወይ ድሕሪኡ ብቕልጡፍ፡ ካብ ዳውኒንግ ስትሪት ዝወርደሉ ገደብ ግዜ ከፍልጥ ይኽእል እዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ኣንዲ በርንሃም ኣብ መረጻ መከርፊልድ ምስ ዓወተ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸቕጥታት እናበዝሖ መጺኡ ኣሎ።
ብምልኡ እዚ ቅንያት፡ ሓያሎ ፖለቲከኛታትን ኣባላት ሰልፊ ዕዮን እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብዛዕባ መጻኢ ህይወቱ ክሓስብ በይኑ ገዲፎሞ።
ሎሚ እዚ ስቕታ ከብቅዕ ተኽእሎ ኣሎ፤ ምኽንያቱ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ስታርመር ስልጣኑ ክለቅቕን ንተካኢኡ ስልጣን ዘረክበሉ መደብ ከም ከፍልጥን ይጽበዩ ኣለዉ።
እቲ መደብ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ክወስድ ዝኽእል እንተዀይኑ ዛጊት ኣይተፈልጠን።
ውድድር ንመራሕነት ክህሉ ዝከኣል እኳ እንተዀነ፡ ከይተወዳደረ ስልጣን ምሓዝ ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎ ይመስል - በርንሃም ድማ እቲ ቀዳማይ ተረባሒ ክኸውን እዩ።
ንሱ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤትምኽሪ ኮመንስ ከም ኣባል ፓርላማ ቃለማሕላ ክገብር ተመዲቡ ኣሎ።
እንግሊዝ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር እንተ ረኺባ - ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ሓምሻይ ግዜ - ሓድሽ ካቢነ ክምዘዝን ሓድሽ መደብ ስራሕ ወይ ፖሊሲ ክውጠን እዩ።
ተቓወምቲ ሰልፍታት ድማ እቲ ተካኢ ስታርመር ስልጣን ወይ ውክልና ኣለዎ ድዩ ኢሎም ክሓቱ ተኽእሎ ኣሎ።
ክሪስ ሜሰን፡ ኵለን ኣዕይንቲ ናብ ቀዳማይ ምኒስተር ይጥምታ፡ እንታይ ክብል እዩ?
ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ መደቡ ዘፍልጠሉ ኵነታት ኣጋጢሙ ኣሎ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ኣብ ሓፈሻዊ መረጻ ተሳዒሩ ዘይኰነስ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ብዘይ ብኣኡ ‘ይሓይሽ እዩ’ ስለ ዝበለ እዩ።
ሓያሎ ሰባት ኣብ ውሽጢ መንግስትን ኣብ ዝበዝሐ ኣባል ሰልፊ ዕዮን ከምዚ ዓይነት መግለጺ ክህብ ይጽበዩ ኣለዉ፣ ምናልባት ከኣ ሎሚ ክፍጸም ይኽእል እዩ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ሰለስተ ቀዳሞት ምኒስተራት ቀዲሞም ክሳብ ዝመጽኡ፡ ቦሪስ ጆንሰን ነታ ሃገር ይመርሕ ነይሩ። ንሱ ክቕጽል ከም ዝደሊ ብትሪ ይዛረብ እኳ እንተ ነበረ፡ ክመርሕ ዘኽእሎ ዓቕሚ እናተዳኸመ ምስ ከደ ግን እቲ ንያቱ እናተባሕጐገ ከይዱ።
ኣብ መጀመርታ ሓምለ 2022፡ ኣብ ዳውኒን ስትሪት ኰይኑ መደረ ከስምዕ ከሎ ኣብኡ ነይረ። ጆንሰን ቅድሚ ገለ ዓመታት ዓቢ ዓወት ረኺቡ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ናይ ባዕሉ ኣባላት ባይቶ ግን ዓቕሎም ከም ዝወድኡ ስለ ዝገለጹ፡ ብዘይ ድልየቱ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ወሲኑ።
ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ ዳግማይ ኣብቲ ጐደና ነይረ። እዚ ግዜ’ዚ ድማ ሊዝ ትራስ ካብ ሰልፋ ሓገዝ ስለ ዘይረኸበት ካብ ስልጣን ትወርድ ከም ዘላ ኣፍሊጣ።
ሕጂ ከኣ ቀጺልና ኣብዚ በጺሕና ኣለና። ነቲ ሓፈሻዊ መረጻ ተዓዊቱ ካብ ሪሺ ሱናክ ስልጣን ካብ ዝርከብ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ሰር ኪር ስታርመር ስልጣኑ ክሓድግ ኣብ ዝኽእለሉ ኵነታት በጺሑ ኣሎ።