እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. እስራኤልን ሕዝቦላህን ተዅሲ ከቋርጹ ከም ዝተሰማምዑ ኣመሪካ ገሊጻ፡ ተወሳኺ መጥቃዕትታት ኣብ ሊባኖስ ቀጺሉ

  2. ኣብ ቤትፍርዲ ንብዓልቲ ቤቱ ነበርን ዳኛን ዝቐተለ ሰብ ርእሰ-ቕትለት ፈጺሙ

  3. ትራምፕ፡ ጆርጅያ መሎኒ ምስኣ ክሰኣል 'ለሚናትኒ' ይብል፡ ንሳ 'ዝተማህዘ ሓሶት' ትብል

  4. ዋንጫ ዓለም፡ ደገፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት ብዛዕባ ባህሊ ኣመሪካ ዘገረሞም ነገራት

  5. ህወሓት፡ እቲ ብኣመሪካ ዝተነብረ እገዳ ቪዛ 'ጐደሎን ዘይሚዛናውን' ክብል ነጺጉዎ

  6. ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን ይናዋሕ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ይቕጽል

    ኣብ ስዊዘርላንድ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዝነበረ ቀጥታዊ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ተናዊሑ።

    እዚ ዝዀን ዘሎ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ ዲ ቫንስ መገሻኡ ምድንጓዩ ስዒቡ እዩ።

    መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሖም፡ ኣብ ዝርዝር ጉዳያት ክዘራረቡ እዩ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።

    እቲ ስምምዕ፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ መጥቃዕቲ ንከብቅዕ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ኳ እንተነበረ፡ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ግን እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

    ምስ ሂዝቦላህ ዝተኣሳሰራ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዝርርብ ዝተናውሐሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ እቲ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ምዃኑ ጸብጺበን ነይረን።

    እንተዀነ ኣመሪካ፡ ነቲ ዝርርብ ዘድሊ ትልሚ “ገና ኣይተዛዘመን” ክትብል ገሊጻ። “ቴክኒካዊ ዝርርብ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክጅመር” ድሌት ከምዘለዋ እውን ኣፍሊጣ’ላ።

    እቲ መዘክር ምርድዳእ ብዝብል ዝጽዋዕ ሰነድ 14 ነጥብታት ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ኢራን ፈጺማ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይትውንን ይገልጽ።

    እቲ ስምምዕ ንዳግመ ህንጸትን ቍጠባዊ ምዕባለ እታ ሃገር ዝውዕል 300 ቢልዮን ዶላር ንምምዳብ ዝጽውዕ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ግን ኣብዚ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ክትገብር ኣይግድዳን እዩ። እዚ ስምምዕ ዝተበጽሐ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትን እስራኤልን ግጭት ካብ ዝወላዕ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እዩ።

    እቲ ስምምዕ ክልቲኦም ወገናት ተኸታታሊ ዘተ ብምክያድ፡ ክናዋሕ ኣብ ዝኽእል ግን እንተወሓደ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ኣብ ምርድዳእ ክበጽሑ ዘገድድ እዩ።

  7. ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን ይናዋሕ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ይቕጽል

    ኣብ ስዊዘርላንድ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዝነበረ ቀጥታዊ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ተናዊሑ።

    እዚ ዝዀን ዘሎ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ ዲ ቫንስ መገሻኡ ምድንጓዩ ስዒቡ እዩ።

    መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሖም፡ ኣብ ዝርዝር ጉዳያት ክዘራረቡ እዩ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።

    እቲ ስምምዕ፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ መጥቃዕቲ ንከብቅዕ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ኳ እንተነበረ፡ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ግን እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

    ምስ ሂዝቦላህ ዝተኣሳሰራ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዝርርብ ዝተናውሐሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ እቲ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ምዃኑ ጸብጺበን ነይረን።

    እንተዀነ ኣመሪካ፡ ነቲ ዝርርብ ዘድሊ ትልሚ “ገና ኣይተዛዘመን” ክትብል ገሊጻ። “ቴክኒካዊ ዝርርብ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክጅመር” ድሌት ከምዘለዋ እውን ኣፍሊጣ’ላ።

    እቲ መዘክር ምርድዳእ ብዝብል ዝጽዋዕ ሰነድ 14 ነጥብታት ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ኢራን ፈጺማ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይትውንን ይገልጽ።

    እቲ ስምምዕ ንዳግመ ህንጸትን ቍጠባዊ ምዕባለ እታ ሃገር ዝውዕል 300 ቢልዮን ዶላር ንምምዳብ ዝጽውዕ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ግን ኣብዚ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ክትገብር ኣይግድዳን እዩ። እዚ ስምምዕ ዝተበጽሐ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትን እስራኤልን ግጭት ካብ ዝወላዕ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እዩ።

    እቲ ስምምዕ ክልቲኦም ወገናት ተኸታታሊ ዘተ ብምክያድ፡ ክናዋሕ ኣብ ዝኽእል ግን እንተወሓደ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ኣብ ምርድዳእ ክበጽሑ ዘገድድ እዩ።

  8. ሩስያ፡ ርእሰከተማ ሞስኮ ዒላማ ዝሓየለ መጥቃዕቲ ዩክረይን ኰይና

  9. ዝሓመመት ደርሆ ናብ ሆስፒታል ብምውሳዱ ኣዘራራቢ ዝዀነ ቈልዓ፡ ህያብ ተበርኪትሉ

  10. ጌታቸው ረዳ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት ብዛዕባ ዘንበረቶ እገዳ እንታይ ኢሉ?

  11. ኣመሪካ ዳግማይ ንኔቶ ነቒፋ፡ ህላወኣ ኣብ ኤውሮጳ ክትግምግም ምዃና ኣጠንቂቓ

  12. ምኒስተር ዑስማን፡ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዝቕየር ዘሎ ዓለማዊ ስርዓት ግቡእ ቦታኣ ንምሓዝ ክትሓብር ጸዊዑ

  13. እቲ ስምምዕ 'መልእኽቲ ሓያል ኢራን እዩ- ፕረዚደንት ፐዘሽኪያኒ

    ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።

    እቲ ሎሚ ብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈረመ ስምምዕ ን60 መዓልታት ምቊራጽ ተጻብኦታት ደው ብምባል ንዝተረፈ ጉዳያት ብልዝብ ምፍታሕ ዘጠቓለለ እዩ።

    ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ተጻብኦታት እስራኤልን ሕዝቦላህን'ውን ኣካል ናይቲ ምቊራጽ ተዂሲ እዩ። እንተኾነ፡ እቶም ተጻባእቲ ወገናት ነቲ ስምምዕ ኣይፈረምሉን።

    እቲ 14 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ "ህጹጽን ቀዋሚን ምቊራጽ ወተሃደራዊ ስርሒታት"፡ ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከይተማዕብል፡ ከምኡ'ውን መጻብቦ ሆርሙዝ ክኽፈት ዝብል ይርከቦ።

    መራሒ ኢራን ብዛዕባ'ቲ ስምምዕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "መልእኽቲ ሓያል ኢራን" እዩ ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

    "እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ክብራን ናጽነታን እናሓለወት ኩሉ ሳዕ ንዓለማዊ ሰላም ጽኑዕ ቆራጽት ዘለዋ'ያ" ክብል ፕረዚደንት ማሱድ ፐዘሽኪያኒ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

    እንተኾነ፡ ገለ ኣኽረርቲ ስርዓት ኢራን በቲ ስምምዕ ከምዘይተሓጐሱ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ንወላዲኡ ተኪኡ ናብ ስልጣን ዝመጸ ኣያቶላህ ሞጅታባ ኻመኒ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ስምምዕ ዝሃቦ ወግዓዊ ርእይቶ የለን።

    ኣብ ዋሽንግተን'ውን ትራምፕ ካብ ኣባላት እቲ ንሱ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ሪፓብሊካን ይዅን ካልኦት ወገናት ተቓውሞታት ገጢምዎ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ዝያዳ ንኢራን ዘርብሕ'ዩ ብምባል'ዮም ዝነቕፍዎ ዘለዉ።

    ትራምፕ ግን "ዓያሹ" ክብል'ዩ ዝገልጾም ዘሎ።

    "ዕዳጋታት ስቶክ ዓሪጐም ክብረወሰን እናመዝገቡ፡ ዋጋታት ነዳዲ ንታሕቲ እናኣንቆልቍለ፡ እዞም ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣይተረርኩን ኢሎም ዝሓስቡ ዘለዉ ዓያሹ፡ ወይ ቀናኣትን ክፉኣትን ሰባት እዮም ወይ ድማ ሕማቓት እዮም" ብምባል ምላሽ ሂቡ።

    እስራኤል'ውን ብወገና በቲ ስምምዕ ባህ ከምዘይበላ'ያ ትገልጽ ዘሎ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ገና ብዛዕባ'ቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ዝሃቦ መብርሂ የለን። ብሰኑይ ግን ኣብ መንጐኡን ትራምፕን "ዘይምስምማዕ" ከምዝተፈጥረ ጠቒሱ ነይሩ።

    "ኣብ ዝተፈላለየ ልዝባትና ርእይቶይ ሂበ እየ" ዝበለ ነታንያሁ፡ "ብዙሕ ሳዕ ንሰማማዕ፡ ብዙሕ ሳዕ ከኣ ኣይንሰማማዕን። እዚ ኣብቲ ዝበለጸ ዝበሃል ስድራቤታት'ውን ዘጋጥም'ዩ" ኢሉ።

    ድሮ ካብ የማናውያን ወገናት ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ልፍንታዊ መንግስቲ፡ እስራኤል በቲ ስምምዕ ክትቅየድ ከምዘይብላ ክጽውዑ ጀሚሮም ኣለዉ።

  14. ኣብ ኤርትራ 'ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት' ከም ዝቐጸለ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ፡ መንግስቲ ግን ይነጽጐ

  15. ስምምዕ ኢራን፡ ስለምንታይ እዩ ንህዝቢ ዘየሐጉሰ?

  16. ኣመሪካን ኢራንን ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ስምምዕ ከቲመን

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽኪያንን፡ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ንምብቃዕ ዘንቀደ መባእታዊ ስምምዕ ሰላም ብወግዒ ፈሪሞም።እዚ ሓበሬታ'ዚ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዝተረጋገጸ ኰይኑ፡ እዚ ስምምዕ ብቐጥታ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ።

    እቲ ስምምዕ ንግዳዊ ምንቅስቓስ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋት፡ ንዳግመ-ህንጸት ኢራን ዝውዕል 300 ቢልዮን ዶላር ንምምዳብ፡ ከምኡ’ውን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ "ኵሉ ዓይነት እገዳታት" ንምልዓል ዝዓለመ እዩ።እንተዀነ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግጭት ኰይኑ ዝጸነሐ ንዩክለሳዊ መደብ ኢራን ዝምልከት ጉዳይ፡ኣብ ውሽጢ ክናዋሕ ዝኽእል ናይ 60 መዓልታት ገደብ ግዜ ብዘተ ክውሰን እዩ።

    ብመሰረት እቲ መዘክር ምርድዳእ፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይተጥሪ ከተረጋግጽ ከላ፡ እቲ ድሮ ዘበልጸገቶ ዩራኒዩም ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ደረጃኡ ክቕንስ ተሰማሚዓ ኣላ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ስትራተጅያዊ መተሓላለፊ ማይ ኰይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ 60 መዓልታት ንዝሓልፋ መራኽብ ብዘይ ዝዀነ ክፍሊት ክፉት ክኸውን እዩ።

    እዚ ብኣመሪካን እስራኤልን መጥቃዕቲ ዝተጀመረ ኲናት፡ ኢራን ነቲ 20% መሸጣ ነዳዲ ዓለም ዝሓልፎ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻዋ ንዋጋ ነዳዲ ከም ዝንህር ገይሩ ነይሩ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ እዚ ስምምዕ "ዓለምለኻዊ ቍጠባዊ ውድቀት" ዘወግድ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡እቲ ስምምዕ እንተ ፈሺሉ ግን ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓያል መጥቃዕቲ ክስንዝር ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

    ብወገን ኢራን፡ ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ንኣመሪካ ከም ዘይእምንቲ ብምግላጽ፡ "ኣጻብዕትና ኣብ ቃታ ተዅሲ እዩ ዘሎ፡" ኢሉ። ትራምፕ ናብ ዋሽንግተን ጕዕዞ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ንቐዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ዝያዳ ልኡም ስጕምቲ ክወስድ ኣተሓሳሲብዎ ኣሎ።

    እዚ ውሳነ'ዚ ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ካብ ክልቲኦም ሰልፊታት ሪፓብሊካንን ደሞክራትን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ኮንግረስ ኣመሪካ ነዚ ስምምዕ ዝድግፍ ሓባራዊ ስምምዕ የሎን።

    ገለ ሪፓብሊካውያን ሰነተራት ነቲ 300 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ክነቕፉ ከለዉ፡ ደሞክራስያውያን ድማ እቲ ስምምዕ ንመደብ ሚሳይል ንዞባዊ ጽልዋን ኢራን ዘይፈትሐ "ብላሽ ስምምዕ" ክብሉ ገሊጾሞ።

  17. እስራኤል ብትራምፕ ኣምሪራ እናተነቕፈት፡ ኣብ ሊባኖስ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣካዪዳ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘለዎ ነቐፌታ ደጋጊሙ እኳ እንተ ገለጸ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ሓደስቲ መጥቃዕትታት ከም ዝፈነዉ ናይቲ ከባቢ ማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

    እቲ ብድሮን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ንሓያሎ ሰባት ከቝስል ከሎ፡ ሕዝቦላህ ብወገኑ ብዝፈነዎ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ድሮን ሓሙሽተ ወተሃደራት እስራኤል ከም ዝቘሰሉ ተገሊጹ።

    ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጕጅለ-7 መደረ ዘስምዐ ትራምፕ፡ እስራኤል ምስ ሕዝቦላህ እተካይዶ ዘላ ኲናት "ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለን ሓያሎ ሰባት ዝሃለቝሉን" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ብዛዕባ ጉዳይ ሊባኖስ "ዝያዳ ሓላፍነታዊ ስጕምቲ" ክወስድ ከም ዝግባእ ገሊጹ።

    ትራምፕ ምስ ናታንያሁ ጽቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ እኳ እንተ ገለጸ፡ እስራኤል ግን "ካብ መጠን ንላዕሊ" መጥቃዕቲ ከም ዘካየደት ተዛሪቡ። ይዅን'ምበር፡ ናታንያሁ ሓይልታት እስራኤል ኣድላዪ ኰይኑ ክሳብ ዝተረኽበሉ እዋን ኣብ ሊባኖስ ከም ዝጸንሑ ገሊጹ።

    እዚ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትታት እንተ ዘይኣቋሪጹ፡ ኢራን ንእስራኤል "ሓያል ግብረመልሲ" ከም እትህብ ኣጠንቂቓ ኣላ። ሊባኖስ ኣብዚ ኲናት ዝኣተወት፡ ሕዝቦላህ ንቕትለት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ እዩ።

    እዚ ኲናት'ዚ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ወገናት ዓቢ ክሳራ ዘስዓበ ኰይኑ፡ ኣብ ሊባኖስ ጥራይ ልዕሊ 3,800 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ መራሒ ሕዝቦላህ ናይም ቃስም ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከም "ዓቢ ዓወት" ብምግላጽ፡ እስራኤል ካብ መሬት ሊባኖስ ክትወጽእ ጸዊዑ።

    እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተበጽሐ መዘክር ስምምዕ ዛጊት ብወግዒ ዝተዘርግሐ የሎን።ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዊዘርላንድ ከም ዝሓበሮ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ክፈርምዎ ትጽቢት ይግበር።

    ትራምፕ እዚ ስምምዕ'ዚ ንዩክለሳዊ መደብ ኢራን መወዳእታ ከም ዝገብረሉን እቲ ቍጠባዊ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ መጻብቦ ሆርሙዝ ድማ ብዘይ ዝዀነ ክፍሊት ዳግማይ ክኽፈት ምዃኑን ገሊጹ።

    ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝካየድ ዘተ ዝዓረቐት ፓኪስታን'ውን እቲ ስምምዕ ንሊባኖስ ከም ዘጠቓልል ገሊጻ ኣላ።

  18. ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን እንታይ ዝሓዘ እዩ?

  19. ትራምፕ፡ ጕዳይ ግድብ ህዳሰ 'ቀዳምነት' ከም ዝህቦ ኣፍሊጡ

  20. ልዮነል መሲ ሃትሪክ ሰሪሑ ሓድሽ ክብረ ወሰን ሰኒዱ