እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣመሪካ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ዝወጸ ሓድሽ ትእዛዝ

  2. ወከልቲ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ቐጠር ክራኸቡ'ዮም - ትራምፕ, ኣብ ቴክኒካዊ ኣካል'ቲ ስምምዕ ልዝብ ክቕጽላ እየን- ተባሂሉ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ማሕበራዊ ገፁ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ ፡ "ኢራን ኣኼባ ክግበር ሓቲታ ኣላ፤ ፅባሕ ኣብ ዶሃ ክካየድ'ዩ" ኢሉ።

    እንተኾነ ግን ዶናልድ ትራሞፕ ብዛዕባ እቲ ጽባሕ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ኣኼባ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

    ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሌቪት ግን፡ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ላዕለዎት ተደራደርቲ ኣመሪካ ጃረድ ኩሽነርን ስቲቭ ዊትኮፍን “ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንላዕለዋይ ኣኼባ ሰበስልጣን፡ ናብ ዶሃ ክጓዓዙ እዮም” ኢላ።

    ብተወሳኺ ጎኒ ጎኒ እቲ ላዕለዋይ ኣኼባ ቴክኒካዊ ዝርርብ ከምዝካየድ'ውን ሓቢራ።

    ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ቴክኒካዊ መዳያት እቲ ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሓሉ ምቍራፅ ተኹሲ፡ ልዝብ ክቕጽላ ምዃነን፡ ሓደ በዓልስልጣን ዋሽንግተን ሓቢሩ ምንባሩ ቅድም ኢሉ ተገሊፁ ነይሩ።

    እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓልስልጣን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ ኩሉ ቴክኒካዊ መዳያት እቲ ስምምዕ ዝግበር ዘተ ክቕጽል እዩ” ክብል'ዩ ተዛሪቡ።

    "ንግዚኡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭት ካብ ምግዳድ ክቑጠቡ እዮም፤ መራኽብ ብናጽነት ብሰላም ክጓዓዛ ክኽእላ እየን" ድማ ኢሉ።

    ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ሓላፊ ጉጅለ ዘተ ኢራን፡ ካዘም ጋሪባባዲ ግና፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ሰሙን ቴክኒካዊ ዝርርብ ንምክያድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ ንዝብል ጸብጻባት ነፂጉ።

    ብሰንኪ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝተለዓለ ምስሕሓብ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ቴህራንን ዋሽንግተንን ተጋጭየን ነቲ ስምምዕ ሰላም ብምጥሓስ ነንሕድሕደን ክካሰሳ ከምዝቐነያ ዝዝከር እዩ።

  3. ትግራይ፡ ህወሓት ንመግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሃቦ ምላሽ

  4. ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ምስ ልዑል ሙቐት ብዝተኣሳሰር ኣማኢት ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ

  5. ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ብለይቲ ዝግበሩ ጕዕዞ ኣውቶቡሳት ኣጊዱ

  6. 27 በረራታት 24 ግጥማት፡ ፕረዚደንት ፊፋ ብኸመይ ኣረኻኺቡሉ ሳዕቤናቱኸ?

  7. ኲናት ኢራን ንዞባዊ ፖሊሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብኸመይ ቀዪሩዎ?

  8. መጠን ዘርኢ ወዲተባዕታይ ንምውሳኽ ዝምከሩ ዘለዉ ልምድታትን መድሓኒትን

  9. ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ እናኸረረ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ

    ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ትግራይ እናወሰኸ ብዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ሰኸፈት ከምዝሓደሮ ገሊጹ።

    ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእዩ ምዕባለታት፡ ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ዘብቅዐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከዳኽም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ትማሊ 27 ሰነ 2026 ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ነባር ክልላዊ ቤት ምኽሪ ምቘሙን: ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋን ብምጥቃስ፡ “ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐሎ” እዩ ዘመልክት።

    ሕብረት ኤውሮጳ፡ እዚ ስጉምትታት ንውዕላት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝጥሕስ ምዃኑ እውን ኣስሚሩሉ ኣሎ።

    ፌደራል መንግስቲ ይኹን ህወሓት ምሉእ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ብህጹጽ ዘተ ክጅምሩ ኣተሓሳሲቡ።

    ብተወሳኺ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ከም ዝድግፍ እውን ኣረጋጊጹ።

    እዚ መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ብ26 ሰነ ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ ስዒቡ ዝመጸ እዩ።

    እቲ ኤምባሲ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ “ምሉእ ብምሉእ ክትግበር” ጸዊዑ እዩ።

    ነዚ መግለጺ ዘውጽአ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ "ኣኽረርቲ" ኣባላት ህወሓትን ናይ ቀረባ ስድራቤቶምን ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዘንበረት ካብ እትገልጽ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ።

  10. ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ውዕል ሰላም ብምጥሓስ ነንሕድሕደን ይካሰሳ

    ኣመሪካ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብቐዳም ኣብ ልዕሊ ባንዴራ ፓናማ እተምበልብል መርከብ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ድሕሪ ምፍፃሙ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (ሴንትኮም)፡ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ንዝግበር "ቀጻሊ መጥቃዕቲ" ቀጥታዊ ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ መላእ ኢራን ዝተፈላለየ ዕላማታት ከምዝሃረመ ገሊጹ።

    ሕነ ንምፍዳይ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ኣብ ኩዌትን ባሕሬንን ኣብ ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ኣመሪካ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን መጥቃዕቲ ከምዘውረደ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

    ድሕሪ እቲ ምልውዋጥ ተኹሲ፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብምጥሓስ ነንሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ።

    ሴንትኮም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኢራን ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ከተኽብር ዕድል ተዋሂብዋ'ኳ እንተነበረ፡ ሓይልታታ ግን ንባንዴራ ፓናማ እተምበልብል ታንከር ‘ኤምቲ ኪኩ’ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምፈፀመት’ ገሊፁ።

    ከም መልሲ ናይዚ ድማ፡ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝን ከባቢኡን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ 10 ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን መጥቃዕቲ ከምዘካየዳ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

    እዚ ድማ ወተሃደራዊ ናውቲ፣ ስርዓተ ርክብ፣ መከላኸሊ ኣየርን መኽዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ዘጠቓለለ እዩ።

    መግለጺ ኢራን፡ ኣመሪካ "ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን( IRGC) ኣብ ልዕሊ’ታ ገበነኛ መርከብ ንዝወሰዶ ስጉምቲ" ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ኢራን ሓሙሽተ መደበራት ገማግም ባሕሪ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ገሊፁ።

    ነዚ ሕነ ንምፍዳይ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ኩዌት ኣብ ዝርከብ መደበር ዓሊ ኣልሳለምን ኣብ ፖርት ሳልማን ባሕሬን ኣብ ዝርከብ ሓሙሻይ መርከብ ሓይሊ ባሕሪን ኣብ "ሸሞንተ ወሰንቲ ትሕተ ቅርጺ" ባሊስቲክ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዘዕነወ ገሊፁ።

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየደቶ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ምስ ተገልፀ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል፡ ቴህራን "ፈጺማ ከምዘይትመሃር ዘርኢ እዩ" እዩ ኢሉ።

    "ድሕሪ ደጊም ርትዓውያን ዘይንዀነሉ እዋን ክመፅእ ይኽእል'ዩ፡ ነቲ ኣዝዩ ብዓወት ዝጀመርናዮ ስራሕ ድማ ብወተሃደራዊ መንገዲ ክንዛዝሞ ክንግደድ ኢና" ክብል ትማሊ ቀዳም ምሸት ተሓንዩ።

    እቲ ጽሑፍ ኣስዒቡ፡ "ከምኡ እንተኾይኑ፡ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ድሕሪ ደጊም ኣይክትህሉን እያ!" ይብል።

  11. ኪነታዊ ብልሒ ንሙዚቃ ኢትዮጵያ ብኸመይ ይጸልዎ ኣሎ?

  12. ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ወርሒ ኲናት ዓለም ክውላዕ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

  13. ጆርጅያ መሎንን ትራምፕን፡ ንምዕራዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ዘሎ ቅሉዕ ምስሕሓብ

  14. ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጽዕነት መርከብ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ኢራን ደብዳብ ፈጺማ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ኣብ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ መርከብ ጽዕነት ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ንስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ጥሒሳ ብምባል፡ "ዕሽነት ዝመልኦ ግህሰት" ፈጺማ ክብል ከሲሱዋ።

    ነዚ ስዒቡ ድማ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኢራን መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

    ማእከላይ እዚ ሓይልታት ኣመሪካ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መኽዘናት ሚሳይላትን ድሮናትን ከምኡ’ውን ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከቡ ናይ ራዳር መደበራት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ።

    እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ዝተዋህበ ምላሽ ምዃኑ እቲ እዚ ሓቢሩ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ዞባ ተዓጊቶም ንዘለዉ ኣሽሓት መርከበኛታት ንምውጻእ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ክተዓናቐፍ ገይሩ እዩ።

    ኢራን ብወገና፡ እታ መጥቃዕቲ ዝወረዳ ብባንዴራ ሲንጋፖር እትጓዓዝ "ኤቨር ላቭሊ" ዝተሰምየ ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ኣብቲ ዘይተፈቕደላ መስመር ባሕሪ ብምጓዓዛ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸማ ገሊጻ።

    ዕጡቕ ሓይሊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ድማ ሓይልታት ኣመሪካ ብዝተፈላለየ ምስምስ ኣብ ልዕሊ ገማግም ባሕሩ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምኽሳስ፡ ሓይልታት ባሕሩ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መደበራት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሕነ ከም ዝፈደዩ ሓቢሩ።

    ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ርክብ እኳ እንተ ገበረ፡ ምላሽ ግን ኣይረኸበን።

    ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ትራምፕን ካልኦት ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ምስ ኢራን ክግበር ዝጸንሐ ዘተ ጽቡቕ ይኸይድ ከም ዝነበረ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ገና ጸኒዑ ኣሎዶ የሎን ንዝብል ሕቶ ጋዜጠኛታት ክምልስ ከሎ፡ "እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ክትፈልጡ ኢኹም፡" ክብል ብምግላጽ ሰፊሕ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ እዩ።

  15. ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ንመስርሕ ሰላም 'ዝዓናቕፉ ዘለዉ ኣካላት' ክተሓባበሩ ኣተሓሳሲባ

  16. ኣብ ሓደጋ መኪና፡ ስለምንታይ ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብ60% ዝያዳ ይጕድኣ?

  17. 'ስፐርም ሲስተርስ' ካብ ሓደ ብዝተለገሰ ዘርኢ ዝተወለዳ ኣብ 20ታት ዕድሚን ኣሕዋት ምዃነን ዝፈለጣ ኣሕዋት

  18. ሓዳስ ኩዕሶ ዋንጫ ዓለም ንሓለውቲ ልዳት ተጸግሞም ኣላ ድያ?

  19. ኣስመራ፡ ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ወጻኢ ብሞት ወላዲት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ

  20. ኤርትራ፡ ሓድሽ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራት መን ምዃኑ ብወግዒ ተረጋጊጹ