ምንቅጥቃጥ ኣብ ሓንቲ ዞባ ጥራይ ዘስዓቦ ዓቢ ዕንወት
ብዙሓት ነበርቲ ግዝኣት ላ ጓይራ ኣብ ጎደናታት ወይ ስድራቤቶም ኣብ ምድላይ ከምዝሓደሩ፡ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቦም።
ወዲ 49 ዓመት ላሪ ሮሃስ፡ ስድርኡ ተኸርዲኖም ኣብ ዝርከብሉ ኣብ ቅድሚ ሓደ ዝፈረሰ ህንጻ ደው ኢሉ፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ዋላ ሓንቲ ዝተረፈ ነገር የብልናን፡ ዋላ'ውን ናብኡ ክንኣቱ ሓይሊ ወይ ትብዓት የብልናን" ይብል።
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ፍርስራስ ናይ ሓደ 12 ደብሪ ህንጻ ዜና ህላወ ጓላ እናተጸበየት፡ "ኣብዚ ብህይወት ዝተደብዩ ሰባት ኣለዉ፡ ከድሕኖም ዝመጽእ ዋላ ሓደ ሰብ የለን" ኢላ።
ኣብ ሃገረ ቬንዙዋላ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒቡ፡ ኣብ ከተማ ላ ጓይራ ጥራይ ልዕሊ 100 ህንጻታት ከምዝዓነዉ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፡ ግዝያዊ ፕረዚደንት ደልሲ ሮድሪገዝ፡ ኩለን ጉጅለታት ምድላይን ምድሓንን ሕቡራት ሃገራት፡ ንኻልኦት ሓደሽቲ ጉጅለታት ረድኤት- ሎጂስቲክስን ካልእ ድጋፍን ንኽህባ ፍቓድ ከምዝሃበ ይሕብር።
ዓለማውያን ጉጅለታት፡ ኣብ ላ ጓይራን ካራካስን ትኹረት ክገብራ እንከለዋ፡ ሲቪላዊ ሓለዋን ትካለት ውሽጢ ዓዲን ኣብ ካልኦት ኩሎም ከባቢታት ቬንዙዌላ ይንቀሳቐሳ ከምዘለዋ ይገልጽ።
ሮድሪገዝ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዞባ "ዓሰርተታት" ህንጻታት ከምዝዓነዉን፡ ኣዝያ ዝተሃስየት ግዝኣት ምዃናን ገሊጽዋ ነይሩ።