ኣመሪካ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ መራኽብ ነዳዲ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን "ሓያል" ዝበለቶ መጥቃዕቲታት ከም ዝፈነወት ገሊጻ።
ማእከላይ እዚ ሓይልታት ኣመሪካ (ሴንትኮም)፡ ኣብቲ መጻብቦ ካብ ዝርከባ ንኣሽቱ መራኽብ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ንልዕሊ 60 ዘጠቓለለ፡ ኣብ ልዕሊ 80 ዒላማታት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣፍሊጡ።
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ነቲ ዝሓለፈ ወርሒ እተፈረመ መዘክር ምርድዳእ ኣመሪካን ኢራንን ዝጠሓሰ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቴህራን "ቈራጽ ስጕምቲ" ከም እትወስድ ኣጠንቂቑ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደሴት ቀሽም፡ ባንዳር ዓባስን ሲሪክን ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ዝተደርበየ ስብርባር ሓጺን ሰባት ከም ዝቘሰሉ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሮም።
ኢራን፡ ነቲ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ንኽትፈጽም መበገሲ ዝዀና መጥቃዕትታት ሰለስተ መራኽብ ነዳዲ ብቐጥታ ሓላፍነት ኣይወሰደትን።
ሴንትኮም፡ ካብተን 60 ንኣሽቱ መራኽብ ብተወሳኺ፡ መተኮሲታት ሚሳይልን ማእከላት እዝን ኢራን ከም ዝሃረመ ሓቢሩ። ይዅን’ምበር፡ ዝተሃረምሉ ቦታታት ብንጹር ኣይገለጸን።
ኣመሪካ፡ ነቲ "ብፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ" ክትብል ዝገለጸቶ መጥቃዕቲ ሰለስተ መራኽብ ነዳዲ፡ ሳዕቤን ከም ዝህሉዎ ኣቐዲማ ኣጠንቂቓ ነይራ።
ሴንትኮም ከም ዝገለጾ፡ እቲ ናይ ኣመሪካ መጥቃዕቲ "ኣብ ኣህጉራዊ መስመር ማይ ንዝንቀሳቐሳን ብንጹሃን ሰራሕተኛታት ንዝዝወራን ናይ ንግዲ መራኽብ ዒላማ ንምግባርን ንምጥቃዕን ከቢድ ዋጋ ንምኽፋል፡" ዝዓለመ እዩ።
ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲታት ምፍናዉ፡ ምኒስትሪ ገንዘብ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዝነበረ ናይ ነዳዲ እገዳ ብግዝያውነት ዘልዓለ ፍሉይ ፍቓድ ሰሪዙዎ።
እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ክፋል ናይቲ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈራረማሉ መዘክር ምርድዳእ እዩ ነይሩ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብወገኑ፡ ነቲ ስጕምቲ ምግሃስ ሰነድ ምርድዳእ ክብል ብምዅናን፡ እዚ ድማ መንግስቲ ኣመሪካ “ዘይእመን ምዃኑ፡” ዘረጋግጽ እዩ ኢሉ።
ቴህራን "ሃገራዊ ረብሓታታን ሃገራዊ ድሕነታን ንምሕላው ኣገዳስቲ እትብሎም ስጕምቲታት ከም እትወስድ፡" እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ ገሊጹ።
ቐጠርን ስዑዲ ዓረብን እውን ነቲ መጥቃዕቲ ዝዀነና ኰይነን፡ ነፍሲ ወከፈን ኣብቲ መጻብቦ ወይ ጥቓኡ ክሓልፋ ከለዋ መራኽበን ከም ዝተሃርማ ብምጥቃስ ንኢራን ተሓታቲት ገይረን።