እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኢትዮጵያ: መንግስቲ ብዛዕባ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጭንቂ ዝርከቡ ዜጋታት፡ እንታይ ኢሉ?
ኣብይ ኣሕመድ ሰባት "ብናጽነት ተንቀሳቒሶም ክሰርሑ ዘይክእልሉ ደረጃ ምብጽሑ" ኰኒኑ
ካብ ግዳም ሓደር ናብ ኣማኻሪ ቍጠባ ንምብጻሕ ዝተሓልፈ ጕዕዞ ህይወት
ናይ ቀረባ መሓዛ ትራምፕ ዝነበረ ሰነተር ሊንዚ ግራሃም ብ'ሓጺርን ሃንደበታውን ሕማም' ዓሪፉ
ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሪፓብሊካን ሰነተር ሊንዚ ግራሃም ብዘጋጠሞ "ሓጺርን ሃንደበታውን ሕማም" ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ መበል 71 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ገሊጹ።
ኣብ 2002 ናብ ሰኔት ዝተመርጸ እዚ ፖለቲከኛ ደቡብ ካሮላይና፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ፖሊሲ ወጻኢጽልዋ ዘለዎም ድምጽታት ዋሽንግተን እዩ ነይሩ።
ሰነተር ሊንዚ ግራሃም ብዓርቢ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ተራኺቡ ነይሩ።
ቅድሚ መገሻኡ ግን ዝዀነ ዝፍለጥ ናይ ጥዕና ስክፍታታት ኣይነበረን።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ግራሃም "ሓቀኛ ኣመሪካዊ ሓርበኛ" ምዃኑ ገሊጹ።
ግራሃም ኣቦ መንበር ኮሚተ ባጀት ሰኔት ኮይኑ እውን ከምዘገልገለ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብዜና ሞት እቲ ሰነተር ኣዝዩ ከምዝሓነ ገሊጹ ኣሎ።
ፈይስቡክን ኢንስታግራምን 'ወልፊ ብምትሓዞም' ከም ዝቕጽዑ ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጹ
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓዱሽ መጥቃዕትታት ከፊታ
ዝተሓላለኸ ጥንሲ ፍላይ-ማንታ ብዘይ መጥባሕቲ ዘድሓነ ፈላሚ ሕክምና
ሸውዓተ ግዜ ዝተሰጐጉን 'ኣቦ-ፍንጣጣ' ተባሂሎም ዝተጸውዑን ኣቡነ ማስያስ መን እዮም?
መስኮት ነፋሪት ብምውዳቑ ገለ ክፋል ኣካሉ ናብ ደገ ዝወጽአ ተሳፋሪ
ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን፡ ትራምፕ 'ተወዲኡ' ቅድሚ ምባሉ ዝፈረሰሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?
'ዘይዝክሮ ቈልዓ'የ ወሊደ'፡ ሕርሲ ክሳብ ክንድኡ ድዩ ኣእምሮ ኣደታት ዝፍትን?
ሰባት ብሕልሚ ኣቢሎም ክረዳድኡ ይኽእሉዶ?
ኡጋንዳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክትዝቲ ምውሳናን ዝተሓላለኸ ኵነታት ስደተኛታትን
ኣብ ስጳኛ ዘጋጠመ ባርዕ ብዙሓት ሰባት ቀቲሉ
ኣብ ስጳኛ ብዝተወልዐ ባርዕ መሮር ብውሕዱ 12 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ ሓቢሮም።
ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ባርዕ ካልኦት 23 ሰባት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።
ገለ ካብቶም ግዳያት ብሪጣንያውያን ከምዝኾኑ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣሚቶም ኣለዉ። ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ነቲ ኩነታት ይከታተሎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።
ሓንቲ ካብተን በቲ ባርዕ ዝተሃስያ ዓድታት፡ 1,009 ሰባት ዝነብሩላ ኮይና፡ 447 ካብኦም ብሪጣንያውያን ምዃኖም ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ስጳኛ የመልክት።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ክቱር ዋዒ ኣብ ገለ ሃገራት ባርዕ ምስዓቦም ይፍለጥ። በቲ ረስኒ ዝደረቑ በረኻታት ነቲ ብዝኾነ ምኽንያት ዝፍጠር ባርዕ ኣብ ምግዳድ ዓቢ ግደ ኣለዎም።
ኣብ ስጳኛ ጥራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ልዕሊ 1000 ሰባት ምስቲ ረስኒ ብዝተሓሓዝ ከምዝሞቱ ይንገር።
ጠንቂ ናይዚ ባርዕ ዝወደቐ መስመር ኤለክትሪሲቲ ምዃ ሓደ ኣመሓዳሪ ዞባ'ኳ እንተኸሰሰ፡ እቲ ዝምልከቶ ትካል ኣገልግት ኤለክትሪሲቲ ግን ሓቂ ኣይኮነን ብምባል ይምጉት ኣሎ።
ብቕትለት ኣሜን ተኽላይ ዝተኸሰሱ ኮተቴታት ደምዳሚ ፍርዲ ተዋሂብዎም
ኤርትራ፡ ንምስሳን መሬትን ኣከባብን ዝውዕል ናይ 8.4 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ
ሱዳን፡ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ኣብ መርመራ ገበናት ኲናት ዝረኸቦ ጭቡጥ መርትዖ እንታይ እዩ?
ምጥቕቓዕ ኢራንን ኣመሪካን ቀጺሉ ውዒሉ
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘካየደቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 14 ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
ሓደ ካብቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኣውራጃ ቡሸህር ንዝርከብ ኑክሌራዊ መደበር ጸዓት ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ከሲሱ። ዋሽንግተን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝሃበቶ ምላሽ የለን።
ሓይልታት ኣመሪካ 90 ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን ከምዘጥቅዑ ክገልጹ እንከለዉ፡ ቴህራን ብወገና ናይ ሕነ መጥቃዕቲ ኣካይዳ።
ሓይልታት ኢራን፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ኩዌት፡ ባሕሬንን ቐጠርን ንዘሎ ዒላማታት ኣመሪካ ከምዝሃረሙ ኣፍሊጦም ነይሮም።
ብሓሙስ ድማ ሚሳይላት ኢራን ናብ ኵዌት፡ ዮርዳኖስን ዒራቕን ከምዝተወንጨፉ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ወደባት ሲሪክን ታስክን፡ ከምኡ'ውን ከተማታት ኮናራክን ቻባሃርን ዝርከብኦም ሓያሎ ቦታታት ግዳይ መጥቃዕቲ ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ
ሃላንድን ኬንን ክገጥሙ እዮም - መን ይስዕር?