ኣመሪካ ሓድሽ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ፈፂማ፤ ኢራን ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓት ዒላማ ኰይኑ ኢላ
ኣመሪካ ንሻድሻይ ተኸታታሊ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመት ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ዋሽንግተንን ቴህራንን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ንምቁፅፃር ኣብ ዝዋግኣሉ ዘለዋ እዋን እዩ፡ ሴንቲኮም ነዚ ወግዓዊ ገይሩ ዘሎ።
ማእኸላይ እዝ ኣመሪካ (ሴንቲኮም)፡ እቶም መጥቃዕቲታት ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ዝያዳ ንምድኻም” ዝዓለሙ ከም ዝኾኑ ገሊፁ።
መራኸብቲ ሓፋሽ ኢራን፡ ኣመሪካ ንድልድላት፣ ጣቢያታት ባቡርን መዕርፎ ነፈርትን ሓዊሱ፡ ኣብ ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓት መጠቃዕቲ ከም ዝፈፀመት ፀብፂበን።
ቢቢሲ፡ ኣብ ዞባ ሆርሞዝጋን ካብ ባንደር ዓባስ ንኣንፈት ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ድልድል መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመ ኣረጋጊፁ።
ብተወሳኺ ሚሳይላት ኣመሪካ፡ ኣብ ጥቓ ቀሽም፣ ባንደር ዓባስን ቡሸርን ዒላማ ገይሮም’ዮም።
ሴንቲኮም ከም ዝገለፆ፡ ጀታት፣ ድሮናትን መራኽብን፡ ኣብ ልዕሊ ጣብያታት ክትትል ገማግም ባሕሪን ኣየርን፣ መሰረተ ልምዓት ወተሃደራዊ ሎጂስቲክን ናይ ባሕሪ ዓቕሚታትን ኢራን መጥቃዕቲ ፈፂመን።
ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ናብ ዘተ እንተድኣ ዘይተመሊሳ፡ ንድልድላትን መመንጨዊ ፀዓትን ከም ዝድብድብ ተሓንዩ ነይሩ።
ኢራን፡ ዋሽንግተን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ጣብያ ባቡር፣ ሓሙሽተ ድልድላት መጥቃዕቲታት ከም ዝፈፀመት ብምኽሳስ፡ ኣብ ኩዌትን ባሕሬንን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መሰረተ ልምዓት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመት ገሊፃ።
መንግስታዊ ማዕኸን ዜና ኢራን፡ ሸውዓተ ሰባት ብመጥቃዕቲ ኣመሪካ ከም ዝተቀትሉ ፀብፂቡ።
ሴንቲኮም፡ ነቲ ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ ንዝተነበረ ሓድሽ ዕፅዋ ኣብ ዘፈፅምሉ፡ ወተሃደራት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ናብ ሓንቲ መርከብ ፅዕነት ነዳዲ ብምድያብ፡ ሰለስተ መራኽብ ንግዲ ኣንፈተን ክቕይራ ኣዚዞም።
ዋይትሃውስ፡ ትራምፕ ሕዚ’ውን ምስ ኢራን ንዝግበሩ ዘተታት ድሉው ምዃኑ ገሊፁ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትራምፕ፡ ኢራን ንኣመሪካዊት ዴና ካራሪ ከም ዝፈትሐት ገሊፁ።
ሰብመዚ ፍትሒ ኢራን ግና፡ ዝኾነ ዝተፈትሐ ኰነ ዝተለወጠ ኣመሪካዊ እሱር ከም ዘየለ ሓቢሮም።