እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
- እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
- ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
- ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
- ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
- ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ስቕለት ብኸመይን ኣበይን ተጀሚሩ?
ሩስያን ዩክረይንን ንበዓል ፋሲካ ኦርቶዶክስ ተዅሲ ደው ንምባል ተሰማሚዐን
ኣድማስ ዘልኣለማዊ ድዩ፡ ብኸመይከ ክጠፍእ ይኽእል?
ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ምስ ሊባኖስ ቀጥታዊ ዝርርብ ክጅመር ንካቢነ ሚኒስተራቱ ከምዝሓበሮም ኣፍሊጡ
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ንካቢነ ሚኒስተራቱ ብቅልጡፍ ምስ ሊባኖስ ብቀጥታ ዝርርብ ክጅምሩ ከምዝሓበሮም ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኤክስ ብቋንቋ ሂብሩ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ ካብ ሊባኖስ ብተደጋጋሚ ንዛተ ዝብል ጻውዒት ምስ ቀረበሉ፡ ትማሊ ንካቢነ ሚኒስተራቱ ቀጥታዊ ዘተ ክጅምሩ ከምዝሓበሮም ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ እቲ ምስ ሊባኖስ ዝግበር ዘተ “ንሕዝቦላህ ዕጥቑ ኣፍቲሕካ፡ ኣብ ሞንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ሰለማዊ ርክባት ንምምስራት” ዝዓለመ ከምዝዀነ ኣብሪሁ።
ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ኣውን’ውን ቅድሚ ቤንጃሚን ነታንያሁ ከምዚ ምባሉ፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ እንኮ ፍታሕ፡ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ቀጥታዊ ዘተ ብምክያድ “ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ” ምግባር’ዩ ኢሉ።
“ሊባኖስ ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ዘተ ቦታ ክግልዋ ኣለዎ” ሊባኖሳዊት ምኒስተር
ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሊባኖስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሊባኖስ ብዛዕባ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ንክትዛተ “ኣብቲ መኣዲ ዘተ” ቦታ ክህልዋ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ።
ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሊባኖስ ሓኒን ሰይድ፡ "ሊባኖስ ብመንጽር ቶኵሲ ደው ምባል እትውቲ” ምዃና ብምግላጽ፡ መንግስቲ ሊባኖስ "እንታይ ዓይነት ስምምዕ ሰላምን ቶኵሲ ደው ምባልን ከምዘድሊ ክትዘራረብ" ኣገዳሲ ምዃኑን ንቢቢሲ ገሊጻ።
ንሳ፡ ነቲ ትማሊ ረቡዕ እስራኤል ኣብ ቤይሩት ዘካየደቶ "ከቢድ ጥሕሰት" ኢላ ዝገለጸቶ መጥቃዕቲ ዝምለከት ጥርዓን ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክለኣኽ ምዃኑ ሓቢራ።
ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ኢራን ከመይ ይርአ፡ ዝስዕብከ እንታይ ክኸውን እዩ?
ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ እቶም ንቴህራን ዝመርሑ ኣኽረርቲ ኣባላት እላማዊ ሪፖብሊክ ኣብቲ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ መስቀላዊ መንገዲ ዓቢይ ጽሑፍ ሰቒሎም ነይሮም።
እቲ ጽሑፍ፡ "መጻብቦ ሆርሙዝ ዕጽው ኰይኑ ክቕጽል እዩ፡" ይብል።
እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መራሒ ኰይኑ ዝተመዘዘ ግና ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ካብ ዘይተራእየ ዘሎ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ ዝወጽአ ኣዋጅ ምዃኑ ንምምልካት ዝዓለመ እዩ።
እዚ ጽሑፍ፡ ኢራን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ምቍራስ ተዅስ ድሕሪ ምስምማዓን መንጎኛ ኰይና ክትሽምግል ዝጸንሐት ፓኪስታን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ክኽፈት ብዝሓተተቶ መሰረትን ክወርድ ይኽእል እዩ።
ኢራን ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዘይትሰማማዕን ብኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊኣ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቐዋምነት ከብቅዕ ከም እትደልን ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።
እቶም ተሪር መርገጺ ዘለዎም ወገናት፡ በዚ ሓድሽ ስምምዕ ሕጕሳት ኣይኰኑን። ካብ ቴህራን ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ ድሕሪ ኣዋጅ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሰልፈኛታት ባንዴራታት ኣመሪካን እስራኤልን ብሓዊ ከም ዘቃጸሉ ይሕብሩ።
ጕጅለ ወለንተኛታት ምልሻታት ባሲጅ ነቲ ውሳነ ንምቅዋም ፍርቂ ለይቲ ናብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብምኻድ ሰልፊ ኣካይዶም።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ካይሃን፡ ንምቝራጽ ተዅሲ ምስምማዕ "ንጸላኢ ህያብ" ምዃኑ ጽሒፉ። እዚ ድማ ንኣመሪካን እስራኤልን ዳግማይ ክወዳደባን ኲናት ከቐጽላን ከም ዘኽእለን ገሊጹ።
ኢራን፡ እስራኤል ንነብርቲ ሊባኖስ ክወጽኡ ምዝዛዛ ንስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ትጥሕሶ ኣላ ኢላ
- ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽክያ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ደብዳብ ብምፍጻማ ንስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ትጥሕሶ ኣላ ብምባል ከሲሱ
- እስራኤል ትማሊ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ከቢድ ደብዳብ ድሕሪ ምፍጻም ሎሚ’ውን ንነበርቲ ደቡብ በይሩት ካብ ገዛኦም ክወጽኡ ድሕሪ ምሕባራ’ዩ ፕረዚደንት ኢራን ነዚ መግለጺ ሂቡ።
- ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ እስራኤል ትማሊ ብዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ 203 ከምዝሞቱን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ከምዝቖሰሉን ኣፍሊጡ።
- ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ነቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ኣብ ዝዀነ እዋን ከጥቕዖም ምዃኑ ፈኪሩ
- ኣዲ እንግሊዝ ትርከበን ሃገራት ኣውሮጳ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ትፍጽሞ ዘላ መጥቓዕቲ ደው ከተብሎ ጸዊዐን፡ እዘን ሃገራት እቲ ምቁራጽ ቶኵሲ እንከላይ ኣብ ሊባኖስ ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ’የን ዝብላ ዘለዋ።
- ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ኬር ስታርመር፡ ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ከም በጃ ክትሕዞ የብላን ኢሉ
እስራኤል ነበርቲ ንገለ ክፋል ቤሩት ክወጽእ ትእዛዝ ሂባ
እስራኤል ኣብ ልዕሊ "ወተሃደራዊ ትሕተ ቅርጺ" ሂዝቦላሕ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ክትገብር መደብ ከምዘለዋ ኣብ ዝገለጸትሉ እዋን፡ ነበርቲ ሓያሎ ደቡባዊ ከባቢታት ርእሰ ከተማ ሊባኖስ፡ ቤሩት ካብቲ ቦታ ክወጹ ኣዚዛ።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣቪቻይ ኣድራይ፡ እስራኤል ንነበርቲ "ክትጎድኣኩም ኣይትሓስብን እያ... ስለዚ ንድሕነትኩም ካብ ዘለና ስክፍታ ብቕልጡፍ ካብቲ ቦታ ክትወጹ ኣለኩም" ክብል ሓቢሩ።
እስረኤል ክትውጽኡ ኣለኩም ኢላ ሓቢራቶም ዘላ ከባቢታ ሓረት ሕራይክ፡ ጎበይሪ፡ ኣልሊላኪ፡ ሓዳት፡ ቦርጅ ኤል-ባራጅነህ፡ ታህዊታል-ጋዲር፡ ሽያህን ኣል-ጀናሕን ዝብሃሉ ክፋላት በይሩት’ዮም።
ድሕሪ ምቍራጽ ተዅሲ፡ እስራኤል ኣብ መላእ ሊባኖስ መጥቃዕታት ተካይድ
ምስ ኢራን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እኳ እንተ ተተገብረ፡ ኣንጻር ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ግን ይቕጽል ከም ዘሎ ሰበስልጣን ገሊጾም።
እስራኤል ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ልዕሊ 100 እዚታትን ወተሃደራዊ ቦታታትን ሕዝቦላህ ብምውቃዕ፡ ድሕሪ'ቲ ኣጋር ሰራዊት ናብ ሊባኖስ ዘዋፈረትሉ ግዜ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ኣየር ምዃኑ ገሊጻ።
ደቡባዊ ከባቢታት በይሩት፡ ደቡባዊ ሊባኖስን ምብራቓዊ ጐልጐል በካኣን ዕላማ መጥቃዕቲ ካብ ዝዀኑ ከባቢታት እዮም።
ምኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ብውሕዱ 182 ሰባት ከም ዝሞቱን እቲ ቍጽሪ ክውስኽ ከም ዝኽእልን ገሊጹ።
እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ፡ በቲ መጥቃዕቲ 890 ሰባት ቈሲሎም።
ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ኣብ በይሩት ድሕሪ ዝተፈጸመ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ኣብ ፍርስራስ ህንጻታት ዝተደብኑ ሰባት ንምድሓን ንሰዓታት ድልያ ኣካይዶም።
ካብቶም ፍርስራስ ዝደሓኑ፡ ዝተጐድኡ፡ ዝሞቱ፡ ብፍሽኽታ ዝተሳእሉ ስእልታት ስድራቤታት፡ ቍራጽ ክዳውንቲ፡ ዘይተወድአ ዕዮ-ገዛ ናይ ቤት ትምህርቲ ይርከቡዎም።
ዓብደልቃደር ማሕፉዝ ውጉእ ሓዉ ክበጽሕ መጺኡ ነይሩ።
ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ካብ ዝግበር ብውሕዱ ትሽዓት መራኽብ ብመጻብብ ሆርሙዝ ሓሊፈን
ዋላ ድኣ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ይገበር’ምበር፡ ኢራን መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ክትፈቕድ’ያ ዝብል ዓቢ ምጥርጣራት’ዩ ዘሎ።
ቢቢሲ 'ቨሪፋይ' ብመጻብቦ ሆርሙዝ ውሑዳት መራኽብ ክሓልፋ ምኽኣለን ክዕዘብ ክኢሉ’ዩ።
ንምንቅስቓስ መራኽብ ዝከታተል ማረይን ትራፊክ፡ ብሰሉስ ለይቲ ክልተ ነዳዲን ከሚካልን ዝጽዓን ዝርከብአን ብውሕዱ ትሽዓተ መራኽብ በዚ መጻብቦ ከምዝሰጋራ የርኢ።
ቅድሚ ምውላዕ እዚ ኵናት ኣብ መዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም 138 መራኽብ’የን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ ነይረን።
እዚ ኵናት ምስ ተወለዐ ግን ኢራን ነቲ መጻበብ ስለዝዓጸወቶ ኣስታት 800 መራኽብ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ተዓጊተን ምህላወን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ፡ ኣብ ወርሒ ዝዳህሰሱዎ 'ጽቡቕ ነገራት' ሒዞም ናብ ምድሪ ከም ዝምለሱ ገሊጾም
ድሕሪ ምቍራጽ ተዅሲ፡ እስራኤል ኣብ መላእ ሊባኖስ መጥቃዕታት ተካይድ
ተላዘብቲ ኢራን ናብ ፓኪስታን ኣምሪሖም
ኢራን፡ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ፡ ብ'ተደጋጋሚ ይጥሓስ' ከም ዘሎ እኳ እንተገለጸት፡ ጉጅለ ልኡኽ እታ ሃገር ናብ ፓኪስታን ኣምሪሑ።
እዚ ልኡኽ፡ እቲ ኲናት ኣብ ምዝዛም ምስ ኣመሪካ ከም ዝዘራረብ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ፓኪስታን ኣረጋጊጹ።
ብቐዳም፡ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ኣብ ኢስላማባድ ክራኸቡ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።
ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ፓኪስታን ረዛ ኣሚሪ ሞጋዳም፡ እቲ ዝርርብ "ኢራን ኣብ ዘቕረበቶ 10 ነጥብታት ዝተመርኰሰ፡" ክኸውን'ዩ ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
እቶም ነጥብታት ብልክዕ እንታይ እዮም ኣብ ዝብል ገለ ምድንጋር ኣሎ እዩ።
ሞጋዳም፡ ዋላ'ኳ "ስርዓት እስራኤል ነቲ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶ ንምዝራግ ብተደጋጋሚ ምጥሓስ ተኹሲ ደው ምባል ይገብር እንተሃለወ፡" እቲ ዝርርብ ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብሪጣኒያ፡ ሊባኖስ 'ብህጹጽ' ኣብቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ክትካተት ኣተሓሳሲባ
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሊባኖስ ኣካል እቲ ኣብ መንጐ ኣመሪካንኢራንን ዝተገብረ ቅድመ ኩነት ዘለዎ ናይ ክልተ ሰሙን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ "ብህጹጽ ክትካተት" ከም ዘለዋ ትዛረብ።
ኩፐር፡ ካብ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝተራእየ ሃገር "ምግዳድ መጥቃዕቲታት እስራኤል" "ኣዝዩ ከም ዘሻቐላ" ትዛረብ።
ምቁራጽ ተጻብኦ ንጸጥታ እስራኤል ከምኡ'ውን "ሰፊሕ ድሕነት እቲ ዞባ" "ቅኑዕ ነገር" ምዃኑ ከም እትኣምን ትዛረብ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ቤይሩትን ካልኦት ከባቢታትን ሊባኖስ መጥቃዕቲ ይፍጸም ከም ዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።
ፕረዚደንት ጆሴፍ ኣውን ነቲ መጥቃዕቲ “ጨፍጨፋ” ክብል ገሊጽዎ፤ መንግስቲ ድማ ሎሚ ነቶም ዝተቐትሉ ንምዝካር ህዝባዊ በዓል ኰይኑ ከም ዝሓልፍ ኣፍሊጡ።
ን10 ደቓይቕ፡ ኣብ መላእ ሊባኖስ መጥቃዕቲ ይፍጸም ነይሩ።
ሰራዊት እስራኤል ልዕሊ 100 ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዒላማታት ሕዝቦላህ ኢሉ ዝገለጾ መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ።
በዚ መጥቃዕቲ ጽዑቕን ህዝቢ ዝነብረሉን መንበሪ ኣባይቲ ተሃስዩ፣ እስራኤል ድማ እዚ ልዑል ቁጽሪ ክሳራታት ከም ዝስዕብ ኣይትስሕቶን።
ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ 890 ሰባት ከም ዝቘሰሉ፡ ብውሕዱ 182 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ እዚ ቁጽሪ እዚ ልዕሊኡ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
ሕጂ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስትራተጂ እስራኤል እንታይ ምዃኑ ንምርኣይ ኣጸጋሚ እዩ።
ወተሃደራዊ ሰበስልጣን እስራኤል ከይተረፉ ሕዝቦላህ ብሓይሊ ዕጥቁ ከም ዘይፈትሕ ይኣምኑ'ዮም።
እቲ መጥቃዕቲ ንእስራኤል ገለ ወተሃደራዊ መኽሰብ ክትረክብ ክሕግዛ ይኽእል እዩ።
እዚ ግን ድሩት ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ተቓወምትን ደገፍትን እቲ ጉጅለ፡ እዚ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ዘይቅቡልን ዘይምኽኑይን እዩ ብምባል፡ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ይኹንኑ ኣለዉ።
ኣመሪካ፡ ኲናት ወይ ምቁራጽ ተጻብኦ 'ትምረጽ'
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ኣመሪካ ኲናት ወይ ሰላም ክትደሊ እንተዀይና "ክትመርጽ ኣለዋ" ኢሉ።
ንሱ ንቢቢሲ ኒውስ ደይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ክልቲኦም ኣብ ሓደ እዋን ክህልዉ ኣይኽእሉን፤ ግልጺ'ዩ፡ ንሓድሕዶም ዝጻረሩ እዮም፡" ይብል።
ሳዒድ ካቲብዛደ፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ፡ "ከቢድ ምጥሓስ" ናይቲ ኣመሪካን ኢራንን ተኹሲ ደው ንምባል ዝበጽሕኦ ስምምዕ'ዩ ይብል።
ኢራን፡ "ኩሉ ሰብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነዚ ስምምዕ ክኽተል...ኣመሪካውያን ድማ ምስ መሻርኽቶም ተመሳሳሊ ነገር ክገብሩ ንጽበ፡" ይብል።
መጥቃዕቲ እስራኤል እንተቐጺሉ ኢራን ካብ ድርድር ክትወጽእ ድያ ዝብል ሕቶ ምስ ተሓተተ፡ "ትኹረትና መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝሓሸ ክኸዉን እዩ፡" ኢሉ።
ሳዒድ ካቲብዛደ፡ ኢራን ትማሊ ምሸት ናብ ቤት ጽሕፈት ኦቫል መልእኽቲ ከም ዝለኣኸት ብምግላጽ "ኬክ ሒዝካ ኣብ ሓደ እዋን ክትበልዖ ኣይትኽእልን ኢኻ፡" ይብል።
ወሲኹ ድማ "ተኹሲ ደው ምባል ሓቲትካ ድሕሪኡ ውዕላትን ቅጥዕታትን ተቐቢልካ፡ ኩሉ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ዝትግበረሉ ከባቢታት ተቐቢልካ፡ ሊባኖስ ተጸሪሓ እንከላ፡ ድሕሪኡ መሓዛኻ ቅትለት ትጅምር፡" ይብል።
ካቲብዛደህ፡ እቲ ብእስራኤል ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲታት ምስ "ምጽናት ዓሌት" ዝዳረግ ከም ዝኾነ ይዛረብ።
እስራኤል ነቲ ናብ እስራኤል ሮኬት ዝትኩስ ዘሎ ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ዒላማ ትገብር ከም ዘላ ትገልጽ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ንውዕል ተኹሲ ደው ምባል ኣመሪካን ኢራንን ኣገዳሲ'ዩ
ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከብ ጸቢብ መስመር መራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መስመራት ዓለም ኮይኑ፡ ማእከል ስሕበት ግጭት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኦራን ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ መስመር መራኽብ ኢራን ዘንበረቶ ዕጽዋ እንተዘይኣልዒላ፡ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ኢራን ከጥቅዕ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣፈራሪሑ ከም ዝነበረን፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝጸንሐ ንክልተ ሰሙን ዝጸንሐ ተኹሲ ደው ምባል፡ ነቲ መሕለፊ መጻብቦ ዳግማይ ንምኽፋት ከም ዝኾነን ይፍለጥ።
ይኹን እምበር ኢራን ብዘይ ፍቓድ ሓለዋ ሰውራ በቲ መጻብቦ ዝሓልፋ መራኽብ "ዒላማ ክኾናን ክዓንዋ እየን" ክትብል ኣጠንቂቓ ኣላ።
ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት፡ ትራምፕ እቲ መጻብቦ "ብቕጽበት" ክኽፈት ትጽቢት ከም ዘለዎ ተዛሪባ።
ትራምፕ፡ 'ሓቀኛ ስምምዕ' ክብል እንከሎ እንታይ ማለቱ'ዩ?
ነቲ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተበጽሐ ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሐ ተኹሲ ደው ምባል ዝምልከት ዝወሃቡ ዘለው ርእይቶታት ተጋራጫዊ ትሕዝቶ ኣለዎም።
እቲ ዘይምርድዳእ ኣብ ዙርያ እቲ 10 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ስምምዕ ኢራን ዘማእከለ እዩ።
ትራምፕ "ኣብ ኣመሪካ ቅቡል ዝኾነ ትርጉም ዘለዎም "ነጥብታት" ሓደ ጥራይ እዩ ዘሎ፡" ይብል።
ብመሰረት እቲ ሓቀኛ ስምምዕ ዝብሎ፡ እንታይ ከም ዝደሊ ኣስሚርሉ'ዩ -ኣጽዋር ኒዩክሌር ክህሉ የብሉን፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉትን ውሑስን ክኸዉን ኣለዎ።
ካብ ወገን ኢራን ዝመጽኡ ሓያሎ ቅዳሓት ኣለዉ።
መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢራን፡ ኣብ ኢራን፡ ዒራቕ፡ የመንን ሊባኖስን ዝካየድ ውግእ ምቁራጽ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት፡ ከምኡ’ውን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ምሉእ ተወፋይነት ክህሉ ከም ዘለዎ ዝጠልብ ሰነድ ኣቃሊሐን ኣለዋ።
ድሒሩ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢራን ዘውጽኦ 10 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን፡ ምህብታም ዩራንየምን ቴህራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ክትቈጻጸሮን ዝብል ወሲኹ።
ድሒሩ ብዛዕባ ምብልጻግ ዩራንየም ዝቐረበ ጠለባት ካብቲ ብእንግሊዝኛ ዝተተርጎመ መግለጺ ባይቶ ጸጥታ ተኣልዩ።
ኣብ ጽሑፍ ትራምፕ፡ ንሊባኖስ ሓዊሱ ብዛዕባ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ዝተጠቕሰ የለን፡ እዚ’ውን ኣብ ውዕላት ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ቁልፊ ነጥቢ ሞገት ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ።
ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ኢራን ከመይ ይርአ፡ ዝስዕብከ እንታይ ክኸውን እዩ?
ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ እትህቦ ዘላ መጠንቀቕታ እንታይ እዩ?