እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሄግሰት፡ ንሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኣመሪካ ስርሑ ክለቅቕ ሓቲቱ

    ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ንሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ራንዲ ጆርጅ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከም ዝሓተተ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።

    ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጆርጅ “ካብ መዝነት መበል 41 ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ብቕጽበት ክለቅቕ እዩ፡” ኢሉ።

    ጆርጅ፡ ካብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ዌስት ፖይንት ዝተመረቐ ሞያዊ ወተሃደራዊ መኮነን ኰይኑ፡ ኣብ 2023 ብፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን እዩ ነቲ መዝነት ተሸይሙ። ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ዕድመ እዩ ዘገልግል።

    እዚ ሕቶ ምልቃቕ መዝነት፡ ትራምፕ ኲናት ኣመሪካ-እስራኤልን ምስ ኢራን ክዛዘም "ኣዝዩ ሓጺር" ግዜ ተሪፍዎ ከምዘሎ ኣብ ሃገራዊ መደረኡ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

    ጆርጅ ኣብ ቀዳማይ ኲናት ወሽመጥ ዓረብን፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ኣብ ዝተኻየዱ ወግኣትን ከም ኣዛዚ መኮንን ኣጋር ሰራዊት ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ንምንታይ ሕጂ ክወርድ ይሕተት ኣሎ ግን ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

    ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ቤትጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንኣገልግሎቱ ነመስግን፣ ኣብ ሰራዊት ግን ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ክግበር ግዜኡ ኣኺሉ እዩ፡” ኢሉ።

    ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል፡ "ጸሓፊ ምክልኻል ንጀነራል ጆርጅ ንዓሰርተታት ዓመታት ንሃገርና ዝሃቦ ኣገልግሎት የመስግን! ጽቡቕ ናይ ጥሮታ ግዜ ክዀነሉ ድማ ንምነየሉ፡” ኢሉ።

    ጀነራል ጆርጅ ብምክትል ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል ክሪስቶፈር ላኔቭ ክትካእ ምዃኑን ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢረን።

    እቲ መገለጺ፡ ፓርነል ላኔቭ “ኣብ ዝተፈላለየ ውግኣት ዝተፈተነ፡ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ ስርሒታት ተመኵሮ ዘለዎን ምኵር መራሒ ኰይኑ፡ ራእይ ናይዚ ምምሕዳር ብዘይ ጌጋ ንምፍጻም ብጸሓፊ ሄግሰት ምሉእ ብምሉእ ዝእመንን፡” ምዃኑ የነጽር።

    ሄግሰት ናብ ፔንታጎን ካብ ዝኣቱ ንደሓር፡ ሓላፊ ስርሒታት ሓይሊ ባሕርን ምክትል ሓላፊ ስታፍ ሓይሊ ኣየርን ዝርከብዎም ዓሰርተታት ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ካብ ስራሕ ኣባሪሩ እዩ።

  2. ኢማራት ኣብ ኲናት ምጽማዳን ሑቲ ናብቲ ኲናት ምጽንባሩን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ይጸልዎ?

  3. ኲናት ኢራን፡ ዋጋ ቢራን ዕሹግ ማይን ክኸብር ከም ዝገብር ትፈልጡ ዶ?

  4. መዛዘሚ ዋንጫ ዓለም 2026 ክትርእዩ ትደልዩ ዶ? በሉ 11 ሽሕ ዶላር ቀርቡ

  5. ሆርሙዝ፡ ሚሳይል ንመርከቦም ድሕሪ ምህራሙ ብኸመይ ሓደ ባሕረኛ ሞይቱ፡ ሓደ ን24 ሰዓታት ብህይወት ጸኒሑ?

  6. ምቝሳል ኣፍ ዘስዕቡን ዝከላኸሉን መግብታት ኣየኖት እዮም?

  7. እስራኤልን ኣመሪካን ኲናት ደው ከብላ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

    እስራኤልን ኣመሪካን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ደው ከብላ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ።

    ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ኒውዮርክ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ወገናት ብቕልጡፍ ተጻብኦታት ደው ከብሉ ጸዊዑ።

    "ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ዝሰፍሐ ኲናት ክሸምም ዝኽእልን ኣብ መላእ ዓለም ዓቢ ጽልዋ ዝህልዎን ድርኲዂት ኢና በጺሕና ዘለና" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።

    "መጻብቦ ሆርሙዝ እንተ ተሓኒቑ፡ ድኻታትን ኣብ ሓደጋ ዝርከቡን ከተንፍሱ ኣይክእሉን እዮም"።

    ሰላማዊ ፍታሕ ክርከብ ዝጸወዐ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ሲቪላዊ ትሕተቅርጺን "ትካላት ኑክሌርን" ዒላማ መጥቃዕቲ ከይኮኑ ድ ማተማሕጺኑ።

    "እቲ መልእኽቲ ንጹር'ዩ። ኣመሪካን እስራኤልን፡ ነቲ ከቢድ ሰብኣዊ ስቓይን ኣዕናዊ ቁጠባዊ ሳዕቤናትን ኣኸቲሉ ዘሎ ኲናት ደው ዘብላሉ እዋን ሕጂ'ዩ"።

    "ኢራን'ውን፡ ንጐረባብታ ምጥቃዕ ደው ከተብሎ" ከምዘለዋ ጉተረዝ ጸዊዑ።

  8. 'ንኢራን ናብ ዘመነ-እምኒ ክንመልሶም ኢና' - ትራምፕ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ መሊሱ ከምዝሕይል ድሕሪ ምጠንቃቑ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ከቢድ ነትጒታት ተሰሚዑ።

    ኣብ ከባቢ ፍሉጥ መደበር ኑክሌር ኢራን ዝኾነ ኣስፋሃን ኣብ ዝርከብ ካልእ ማእከል ሚሳይላት እታ ሃገር ከቢድ ነትጒ ከምዝተሰምዐን ሃልሃልታ ሓዊን ጸሊም ትኪን ንሰማይ ክዓርግ ከምዝተራእየን ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ምብራቓዊት ከተማ ማሻድ'ውን ተመሳሳሊ ነትጒን ትኪን ተኸሲቱ ኣሎ።

    ትራምፕ፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ዝሃቦ ሃገራዊ መግለጺ፡ "ኣብ ዝመጽእ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ኣመና ክንሃርሞም ኢና" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

    "ናብቲ ክህልውዎ ዝግባእ ዘመነ-እምኒ ክንመልሶም ኢና" ክብል'ዩ እቲ ኣመሪካዊ መራሒ ፈኪሩ።

    እቲ መግለጺ ንዕዳጋታት ዓለም ዘጋደደ ኮይኑ፡ ዋጋ ነዳዲ መሊሱ ክንህር ገይሩ'ሎ።

    ቴህራን ብወገና እስራኤልን ኣመሪካን ስዕረት ክጓናጸፋ ምዃነን ኣጠንቂቓ'ላ።

  9. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ 'መድረኽ ትግራይ' ንምንታይ'ዩ ኣካታዒ ኮይኑ?

  10. ሶማላዊ ደራሲን ምሁርን ፕሮፌሰር ዓሊ ጅምዓለ ኣሕመድ ዓሪፉ

    ደራስን ምሁርን ፕሮፌሰር ዓሊ ጅምዓለ ኣሕመድ ብ31 መጋቢት 2026 ኣብ መበል 72 ዓመቱ ኣብ ኣመሪካ ዓሪፉ።

    እዚ ኣብ ስነጽሑፍ ኣፍሪቃ ብሕልፊ እኳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ዝዀነ ምሁር፡ ብዛዕባ ስነጽሑፍ ሶማልያ፡ ዓሌትን ምህናጽ ሃገርን ምዕባለ ሃገረ-መንግስትነትን ዝትንትኑ ሓያሎ ስርሓት ዘበርከተ እዩ።

    ዓሊ ጅምዓለ ኣብ ታሕሳስ 1982 ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምግዓዙ፡ ኣብ ሶማልያ ብስነጽሑፉን ጋዜጠኝነትን ስም ኣጥርዩ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብታ ኣብቲ ግዜ'ቲ እንኮ ብእንግሊዝኛ እትሕተም ዝነበረት ሰሙናዊት ጋዜጣ `ቪጂላንስ` ከም ኣሰናዳኢ ኰይኑ ሰሪሑ።

    ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ሎስ ኣንጀለስ ብስነጽሑፍ ናይ ዶክትረይት ትምህርቱ ድሕሪ ምጥንቓቑ፡ ድሒሩ ኣብ ኲንስ ኮለጅን ግራጅዌት ሰንተር ናይ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክን ብዛዕባ ኣፍሪቃ፡ ስነጽሑፍ እስላም፡ ኣፋዊ ስነጽሑፍ፡ ስነግጥምን ካልእን እናመሃረ ብዙሕ ኣበርኪቱ።

    ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦሃዮ ብሕልፈት ገጣሚ ፕሮፌሰር ዓሊ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ምሁራዊ ኣበርክቶኡን ሰብኣዊ ልግሱን ንህይወት ብዙሓት ዝጸለወ ምዃኑ መስኪሩ።

    ፕሮፌሰር ዓሊ ኣብ ርእሲ ኣካዳምያዊ ኣገልግሎቱ፡ ኣብ ሶማልያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ሰላም ንምምጻእ ብዕምቈት ይሰርሕ ምንባሩ ፕሮፌሰር ግርማይ ወሲኹ ይገልጽ።

    ፕሮፌሰር ዓሊ፡ ብ1995`The Invention of Somalia` እትብል መጽሓፍ ከሕትም እንከሎ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ `Daybreak Is Near: Literature, Clans, and the Nation-State in Somalia እትብል ኣሕቲሙ። ብ2002 `Fear Is a Cow ከምኡ`ውን ብ2005 `Diaspora Blues` ዝብላ`ውን ኣስዒቡ።

  11. ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣመሪካ ኣብ ዘይብሉ ብዛዕባ ዳግማይ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ ክዝትዩ እዮም

    መራሕቲ 35 ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓበራዊ መግለጺ ክታሞም ድሕሪ ምንባር፡ "ብመጻብቦ ሆርሙዝ ብውሕስ መንገዲ ንምሕላፍ ግቡእ ጻዕርታት፡" ንምግባር ድልዋት ምህላዎም ገሊጾም።

    እቶም ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሎሚ ኣብ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ብማንዛ ዝካየድ ዋዕላ ክሳተፉ እዮም።

    እቲ ኣገዳሲ መስመር ማይ ዳግማይ ንምኽፋት ኣብ ዘኽእል፡ "ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን" መፍትሒታት ኣተኲሮም ክዝትዩ ትጽቢት ይግበር።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኬር ስታርመር፡ ኢራን ነቲ መጻብቦ "ንጸላእቲ ሃገርና" ዕጽው ኰይኑ ኣሎ ንዝበለቶ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዕማም ቀሊል ከም ዘይከውን ተዛሪቡ።

    ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኣውስትራልያን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፋ ክዀና እንከለዋ፡ ኣመሪካ ግን ኣይክትህሉን እያ።

    ትራምፕ፡ እቲ ግጭት ምስ ኣብቅዐ ብሓደ ለይቲ "ብቕጽበት" ክኽፈት ምዃኑ ደኣ ይግለጽ`ምበር፡ ካልኦት ህዝቢታት ግን ርግጸኛታት ኣይኰኑን።

    ንኣብነት፡ ምእላይ ነተጕቲ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

    ናይ ሓያሎ ሃገራት ወተሃደራውያን ክኢላታት ውጥን፡ ውግእ ደው ምስ በለ መጻብቦ ሆርሙዝ ውሑስ ብዛዕባ ዝዀነሉ ንምዝታይ ክራኸቡ ከድሊ እዩ።

    እቲ ቀዳምነት፡ መራኽብ ብውሑስ መንገዲ ንኽጓዓዛ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ዋጋ ነዳዲ ክጐድልን ቀረብ ድዅዒ ብምቕራብ ውሕስነት መግቢ ምርግጋጽን እዩ።

  12. ናሳ፡ ስለምንታይ ጠፈርተኛታት ኣብ ጥቓ ወርሒ ንኽዀልሉ ሰዲዱ?

    ኣፖሎ፡ ኣብ ሓምለ 1969 ንፈለማ እዋን ደቂ ሰባት ኣብ ወርሒ ካብ እተዕርፍ ልዕሊ 50 ዓመታት ሓሊፉ።

    ሰራሕተኛታት ኣርተሚስ 2 ኣብ ወርሒ ክዓልቡ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ ኣብ ዝቕጽሉ 10 መዓልታት ዝገብርዎ ተልእኾ ግን ንዝቕጽል ኣሰር ደቂ ሰባት ኣብ ወርሒ መንገዲ ዝጸርግ'ዩ።

    እቶም ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ኣብ እዋን ጕዕዞኦም ካብቲ ኵሉ ግዜ ካብ ገጽ መሬት ዝተኸወለ ዳሕረዋይ ሸነኽ ወርሒ 10,299 ኪሎሜተር ርሒቘም ክጕዓዙ'ዮም።

    እዚ ንመጀመርታ ግዜ ክኸውን እዩ።

    ናሳ፡ ኣብዚ ሰለስተ ሰዓታት ዝወስድ ግዜ፡ እቶም ጠፈርተኛታት "ከም ጽልዋ ዘለዎም ጕድጓዳትን ጥንታዊ ዋሕዚ ላቫን ዝኣመሰሉ ጅኦሎጅያዊ ባህርያት ክትንትኑን ክስእሉን እዮም፡" ይብል።

    እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ንደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ንምድህሳስ ዝግበር ተልእኾታት ክሕግዝ እዩ።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ጥዕና እቶም ጠፈርተኛታት ዝግበር መጽናዕቲ፡ ናሳ ዓሚቝ ጕዕዞ ህዋ ኣብ ኣእምሮን ኣካላትን ወዲሰብ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ብዝበለጸ ንምርዳእ ክሕግዞ እዩ።

    እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ተልእኾታት ወርሒ ከምኡ’ውን ናብ ማርስ ዝገሹ ጠፈርተኛታት ዝሓሸ ርድኢትን ድልውነትን ክህልዎ የኽእል።

    እቶም ጠፈርተኛታት ኣብዚ ጕዕዞ ኣብ ዙርያ ወርሒ ብሰላም እንተ ሓሊፎም፡ ዕላማ ናሳ ኣርተሚስ ራብዓይን ሓምሻይን ኣብ ወርሒ ምዕላብ ክኸውን'ዩ - ክልቲኡ ድማ ኣብ 2028 ከሳኽዖ መደብ ኣለዎ።

  13. ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ ህይወት ጠፈርተኛታት እንታይ ትመስል?

    ጠፈርተኛ ናሳ ስቲቨን ቦወን፡ ኣብ ጠፈር ቀዳማይ ካብ እተስተብህለሎም ነገራት ምሕንባብ ወይ ምንጽብላል ምዃኑ ይዛረብ።

    "ምሕንባብ ወይ ምንጽብላል ፈጺሙ ኣየሰልክን እዩ፡" ይብል።

    "ካብ ኣብ ምድሪ ንላዕሊ፡ ኣብ ጠፈር እየ ልዋም ድቃስ ዝድቅስ፡" ክብል ይውስኽ።

    ንልዕሊ 25 ዓመታት ጠፈርተኛ ኰይኑ ዝዓየየ ቦወን፡ ኣብ 10 ናይ ህዋ ጕዕዞን ካልኦት ዕማማትን ተሳቲፉ።

    ጠፈርተኛታት ምስታ መንኰርኰር ኣብ ዝተላገበ ክፋል ይድቅሱ።

    “እናተሓንበበት እንከላ ኢኻ ትድቅስ፡” ይብል`ሞ፡ “ክብን ለጠቐን ዝብል ስምዒት የሎን፡” ክብል የብርህ።

    መዓልትኻ ብቝርስን መዓልታዊ መደብ ብምርኣይን እዩ ዝጅምር፣ ብድሕሪኡ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ስራሕ ትጽመድ።

    ቦወን፡ “ካብቲ ትበራበርሉ እዋን ኣትሒዝካ ክሳዕ እትድቅስ ትሑዝ ኢኻ፡” ይብል።

    ጠፈርተኛታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ የዘውትሩ፣ ናይ ስነፍልጠት ፈተነታት ይገብሩን ነታ መንኰርኰር ይከናኸኑን።

    ኣብ ጠፈር ንኣሽቱ ነገራት ከይተረፉ ብዝተፈልየ መንገዲ እዮም ዝፍጸሙ፤ ንኣብነት፡ ንብዓት ኣይነጥብን እዩ፣ “ኣብ ኣዕይንትኻ ይጸንሕ፡” ይብል። ንብዓት እናተዀመረ ምስ መጽአ ብሰሓቕ ዝፈልሐ መሳርሕቱ ይዝክር።

    ንቦወን፡ኣብ ህዋ ምጓዓዝ መሳጢ ክፋል ናይ ስርሑ እዩ፤ ኢዱ ኣብቲ መንኰርኰር ሒዙ ፕላኔት መሬት ኣብ ትሕቲኡ እናተንቀሳቐሰት ከም ዝርኢ ይገልጽ።

    “እቲ ትርኢት ንምእማኑ ዘጸግም እዩ፡” ይብል።

  14. እቶም ጠፈርተኛታት መን'ዮም፤ እንታይ'ከ ተማሊኦም?

    ኣብ በረራ ኣርተሚስ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ንወርሒ ክዘሩዋ እዮም።

    ቀንዲ ዕላማ ናይዚ በረራ ንምንቅስቓስ ናይታ 'ኦርዮን' ተባሂላ ትፍለጥ ተሽከርካሪት-ጠፈር ንምፍታን፡ ከምኡ'ውን ንመጻኢ ብኸመይ ናብ ገጽ ምድሪ ምዕላብ ከም ዝክኣልን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ፈተነታት ምክያድ እዩ።

    ነዚ ንምግባር ኪኖ ወርሒ ብምሕላፍ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ናብ ሃው ዝበለ ጠፈር ክበሩ ትጽቢት ይግበረሎም።

    ብዘይካ'ዚ፡ ነታ ካፕሱል ብኢዶም (ማንዋል) ብምዝዋር ድማ ኣብ ዙርያ ምድሪ ክሕምበቡ እዮም።

    ኣብዚ ፈታኒ ተልእኾ ኣርተሚስ፡ ጠፈርተኛታት ካብቲ ዝወስድዎ ዘይተርፍ ምርምራዊ ናውቲ፡ ብውልቆም ዘገድሶም ኣቚሑ'ውን ክማልኡ ወሲኖም ኣለዉ፤ መን እንታይ ወሲዱ።

  15. መስተንክራዊ ምውንጫፍ ኣርተሚስ 2 ብምስሊ

  16. ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ወርሒ ዝተወንጨፈት ዳግማዊት ኣርተሚስ

    ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ንመዓልታት ዝተዳናጐየ ጉዕዞ ናይታ 'ኣርተሚስ 2' ዝተባህለት መንኮርኮር ሃገራዊ ትካል ጠፈር ኣመሪካ ብረቡዕ ምሸት ናብ ከባቢ ወርሒ ተወንጪፋ።

    እዚ ድሕሪ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ናብ ዙርያ ወርሒ ዝካየድ በረራ ኣርተሚስ ፍሉይ ዝገብሮ ጠፈርተኛታት ዘሳተፈ ብምዃኑ'ዩ።

    ናሳ፡ ድሕሪ 52 ዓመት ንፈለማ ግዜ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ሓደ ጸሊምን ትርከቦም ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ናብ ከባቢ እታ ግርማ ለይቲ ዝዀነት ወርሒ ሰዲዱ ኣሎ።

    ብመሰረት ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ድሕሪ ሰዓት 18፡24 ብኣቆጻጽራ ፍሎሪዳ፡ 23፡24 ለንደን፡ ከምኡ'ውን ሰዓት 01፡24 ናይሮቢ ናይ ምውንጫፍ መስርሕ እዩ ጀሚሩ።

    ወንጫፊ ሮኬት ናይታ መንኮርኮር ኣብቲ ቀንዲ መደበር ናሳ ዝዀነ ኣብ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ (ኬፕ ካናቨራል) ዝርከብ ማእከል ጠፈር ከነዲ እዩ ተዳልዩ። እዚ ናሳ ዘካይዶ ዘሎ በረራ ኣካል ናይቲ ሰብ ናብ ገጽ ወርሒ ንምምላስ ተተሊሙ ዘሎ ውጥን እዩ።

    ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ ብወግዒ ኣብ ዙርያ ወርሒ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ታሪኻዊ ተልእኾ ይገብሩ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ሰብ ካብ መሬት ንላዕሊ ዝወሰደ ጉዕዞ ክኸዉን ይኽእል እዩ።

    እቶም ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ተልእኾ ዝተዋህቦም ጠፈርተኛታት ኣብ ወርሒ ኣይዓልቡን እዮም፤ እንተዀነ ክኸቡዋ መደብ ተዋሂቡዎም ኣሎ።

    ናሳ፡ ኣብ 2022 ሰብ ኣልቦ ኣርተሚስ 1 ሰዲዱ ነይሩ፤ ኣብ 2030ታት ናብ ማርስ ንምብጻሕ ናይ ዕላማ ኣለዎ።

  17. ናብ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ነምርሕ ዲና ዘለና?

  18. ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ወርሒ ዝተወንጨፈት ዳግማዊት ኣርተሚስ

  19. ብሚሳይላት ዒላማ ዝዀና ምዕሩጋት ዓድታት - ኲናት ኢራን መጻኢ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብኸመይ'ዩ ክቐርጾ?

  20. ቅድምን ኣብ እዋንን ወርሓዊ ጽግያት ዝብልዑን ዘይብልዑን መግብታት