መራኽብ ብመትረብ ሀርሙዝ ክሓልፋ ምጅማረን ተሰሚዑ
ብባሕሪ ዝካየድ መጓዓዝያ ዝከታተል ትካል ማሪኔትራፊክ፡ ኣብቲ ብኢራን ምሉእ ብምሉእ ዝተዓጽወ መጻብቦ ሆርሙዝ "ምልክት ምንቅስቓስ መራኽብ" ከምዝተራ እየ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ዛጊት በቲ ወሽመጥ፡ ሓንቲ ናይ ግሪኽ፡ ካልእ ድማ ኣብ ላይበርያ ዝተመዝገበት መርከብ ከም ዝሓለፉ ጠቒሱ።
ቢቢሲ ንሓቅነት እቲ ሓበሬታ ብናጻ ወገን ኣየረጋገጸን።
ኣብቲ መጻብቦ ዝካየድ ምንቅስቓስ መራኽብ ንዝሓለፉ 40 መዓልታት ጠንቂ ዘይምርድዳእ ብምዃን ኣካታዒ ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ።
ሽሕ’ኳ ናይ መጻኢ ውጥን እንይታ ከምዝኾነ ንጹር እንተዘይኮነ ፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ግዝያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ስዒቡ እቲ ወሽመጥ ተኸፊቱ ኣሎ።
ህንዲ፡ ፓኪስታንን ፍሊፒንስን ዝርከብኤን ገለ ሃገራት ኣቀዲመን ምስ ኢራን ኣብ ስምምዕ ብምብጻሕ መራኽበን ብዘይ ዝኾነ ጸገም በቲ መጻብቦ ክሓልፋ ኣብ ስምምዕ ምብጽሐን ይፍለጥ።
ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ዝመጻ መራኽብ ግን በቲ መጻብቦ ክሓልፋ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን ካብ ኢራን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣጋጢምወን’ዩ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ዝዕጾ ጀሚሩ ድማ ፡ ዋሕዚ ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ብዓቢኡ ነክዩ ጸኒሑ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ድኹዒ ንምፍራይ ዘድልዩ ባእታታት ርኡይ ኣሉታዊ ጸቕጢ ፈጢሩ ጸኒሑ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት መራኽብ
ምስ ሰራዊት ኢራንን ብምትሕብባር ብመጻብቦ ሆርሙዝ ብውሑስ መንገዲ ክጓዓዛ ከምዝኽእላ ገሊጹ።