እስራኤል ንትካል 'ፐትሮከሚካል' ኢራን ኣጥቂዓ
ንትሕተ-ቅርጺ ኢራን ከዕኑ ሓድሽ ትእዛዝ ዝተዋህቦ ሰራዊት እስራኤል ድሮ ንሓደ ትካል ቀመም-ነዳዲ ('ፐትሮከሚካል') ኣጥቂዑ ኣሎ።
ሚኒስተር ምክልኻል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዒላማ ዝኾነ ትካል ፍርቂ ፍርያት ፐትሮከሚካል ኢራን ዝውክል ምዃኑ ጠቒሱ።
"ሰራዊት እስራኤል ሕጂ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ከባቢ [ኣሳሉየህ] ዝርከብ ዝዓበየ ትካል ፐትሮከሚካል ሓያል መጥቃዕቲ ኣካይዱ ኣሎ" ክብል'ዩ እቲ እስራኤል ካዝ ዝተባህለ ሚኒስተር ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኣብ ካልእ ዝርከብ ተመሳሳሊ ትካል ዒላማ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝኾነ ካዝ ጠቒሱ'ሎ። እቲ ኢንዱስትሪ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ እዩ ክብል'ውን ከሲሱ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ መራሕቲ ኢራን ናብ መጻብቦ ሆርሙዝ ምኽፋት ዝርከቦ ስምምዕ ክመጹ እንተዘይክኢሎም ንመደበራት ጸዓት እታ ሃገር ንምዕናው ሓድሽ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከካይድ ምዃኑ ድሕሪ ምጥንቃቑ'ዩ፡ እዚ ንሲቪላዊ ትካላት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ እስራኤል ዝፍጸም ዘሎ።
ሰብመዚ ኢራን እቲ መጥቃዕቲ ዘውረዶ ጉድኣት ኣብ ምግምጋም ከምዘለዉ ሓቢሮም ኣለዉ።
እቲ ትካላት፡ ዘይተጻረየ ነዳዲን ባህርያዊ ጋዝን ተጠቂሞም፡ ከም ድዅዒን ጐማታትን ዝበሉ ዝተፈላለዩ ነገራት ንምስራሕ ዘገልግል ቀረባት ዘፍርዩ ምዃኖም ይፍለጥ።