ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ውሽጢ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ክውዳእ'ዩ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኸፈተቶ ኲናት፡ ድሕሪ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ዘሎ ግዜ ከም ዝውዳእ ገሊጹ።
ምስ ኢራን ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ እቲ ኲናት ንምውዳእ ቅድመ ኩነት ከም ዘይኰነ እውን ሓቢሩ።
ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ምስ ኢራን እትገብሮ ኲናት “ኣብ ቀረባ እዋን” ከም ዘብቅዕ ብምምልኻት፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣመሪካ “ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን” ኣብ ዘሎ ግዜ ክዛዘም እዩ ክብል ተሰሚዑ።
ብመሰረት እቲ ፕረዚደንት፤ ኣመሪካ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ምጅማራ ኣብ ዘቐመጠቶ ዕላማ በጺሓ እያ።
እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ዘለዋ ዓቕሚ ምድራት ምዃኑ ዝገለጸ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ሕጂ “እቲ ስራሕ ትውድኦ ኣላ” ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣመሪካ ንሰማያት ኢራን ትቆጻጸሮ ከም ዘላን ናይ ስርዓት ለውጢ ብቕትለት ሓያሎ ላዕለዎት ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ከም ዝተረጋገጸን ገሊጹ።
እቶም ሓደስቲ መራሕቲ ኢራን ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ መራሕቲ "ኣዝዮም ዝተለሳለሱ"ን "ዝያዳ ርትዓውያንን" ክብሉ ገሊጽዎም።
ንሱ፡ መራሕቲ ኢራን ነቲ ኲናት ዘብቅዕ ስምምዕ ክግበር ንኣመሪካ “ይልምኑዋ” ከም ዘለዉ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኢራን ዝነጸገቶ ርእይትኡ ደጊሙ።
ትራምፕ፡ እቲ ኲናት ሕጂ’ውን ምስ ኢራን ስምምዕ ከይተገብረሉ ክዛዘም ከም ዝኽእል ገሊጹ።
“ኢራን ግድን ውዕል ክትገብር የብላን። ምሳይ ውዕል ክገብሩ ኣየድልዮምን’ዩ፡” ኢሉ።
ብፓኪስታን ኣቢሉ ናብ ኢራን 15 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ስምምዕ ዝለኣኸ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቴህራን ነተን ነጥብታት እንተዘይተቐቢላ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክሕይል'ዩ ክብል ኣፈራሪሑ።
ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ውጥን ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከም ዘይህልዋ መብጽዓ ክትኣቱ ምግባርን ኩሉ ምንቅስቓሳት ምህብታም ዩራንየም ምቁራጽን ዝብሉ ይርከብዎም።
ምሉእ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ እውን ኣካል ናይቲ ስምምዕ እዩ።
ምዕጻው እቲ ኣስታት 20 ሚእታዊት ካብ ነዳዲ ዓለም ዝሓልፈሉ ኣገዳሲ መስመር መራኽብን ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ዘስዓቦ ዕንወትን፡ ዋጋታት ነዳዲ ክውስኽ ተራእዩ'ዩ።
ትራምፕ፡ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ደው ምስ ኣበለት፡ ኣብ ልዕሊ ዋጋ ነዳዲ ዝተፈጥረ ጸቕጢ ከም ዝሃድእ ተዛሪቡ።










