'ንኢራን ናብ ዘመነ-እምኒ ክንመልሶም ኢና' - ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ መሊሱ ከምዝሕይል ድሕሪ ምጠንቃቑ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ከቢድ ነትጒታት ተሰሚዑ።
ኣብ ከባቢ ፍሉጥ መደበር ኑክሌር ኢራን ዝኾነ ኣስፋሃን ኣብ ዝርከብ ካልእ ማእከል ሚሳይላት እታ ሃገር ከቢድ ነትጒ ከምዝተሰምዐን ሃልሃልታ ሓዊን ጸሊም ትኪን ንሰማይ ክዓርግ ከምዝተራእየን ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ምብራቓዊት ከተማ ማሻድ'ውን ተመሳሳሊ ነትጒን ትኪን ተኸሲቱ ኣሎ።
ትራምፕ፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ዝሃቦ ሃገራዊ መግለጺ፡ "ኣብ ዝመጽእ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ኣመና ክንሃርሞም ኢና" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
"ናብቲ ክህልውዎ ዝግባእ ዘመነ-እምኒ ክንመልሶም ኢና" ክብል'ዩ እቲ ኣመሪካዊ መራሒ ፈኪሩ።
እቲ መግለጺ ንዕዳጋታት ዓለም ዘጋደደ ኮይኑ፡ ዋጋ ነዳዲ መሊሱ ክንህር ገይሩ'ሎ።
ቴህራን ብወገና እስራኤልን ኣመሪካን ስዕረት ክጓናጸፋ ምዃነን ኣጠንቂቓ'ላ።















