ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሕቡራት ሃገራት ኣብ ካርቱም ዝርከብ ዋና ቤትጽሕፈቱ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዳግማይ ከፊቱዎ

    ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ዋና ቤትጽሕፈቱ ብሓሙስ ከም ዝኸፈተ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን።

    ሕቡራት ሃገራት ኣብ ፖርትሱዳን ኰይኑ እዩ ንጥፈታቱ ከሰላስል ጸኒሑ።

    ኣብቲ ዳይማይ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ምሕየዲን ሳልምን ኣመሓዳሪ ካርቱም ኣሕመድ ዑስማን ሓምዛን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ምስ ሰበስልጣን ኣህጉራዊ ትካላትን ዝተፈላለዩ ኤጀንሲታትንን ተረኺቦም።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ምሕያዲን ሳልም፡ ሕቡራት ሃገራት ካብ ንጥፈታቱ ኣብ ካርቱም ዳግማይ ንምጅማር ንዝወሰኖ ውሳነ ብምንኣድ፡ “ንሃገርና ታሪኻዊ መዓልቲ፡” ክብል ገሊጹዎ።

    "ብመንገዲ እዚ ጽንብል ኣቢልና፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንዝርከቡ መሳርሕትና ንምርግጋእ ሱዳን ጐድኒ ንጐድኒ ኴንና ንሰርሕ ከም ዘለና መልእኽትና ነመሓላልፍ፡” ኢሉ።

    መንግስቲ፡ንሰላም ከም ዝጽውዕን ንዅሉ ኣህጉራዊ ተበግሶታት ብሓጐስ ከም ዝቕበሎን’ውን ኣመልኪቱ።

    እቲ ምኒስተር ወሲኹ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንሱዳን ካብ ኣባልነቱ ንምእጋዳ ዝወሰዶ ስጕምቲ ዳግማይ ክግምግሞ ብምጽዋዕ፡ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ንምንጋስ ዝያዳ ጭቡጥ ስጕምትታት ክወስድ ኣተሓሳሲቡ።

  2. ኣመሪካን ኢራንን ካብ ዝተወቕዐት ነፋሪት ንዝጠፍአ ወተሃደር ኣመሪካ ንምርካብ ይቀዳደማ

    ወተሃደር ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ወተሃደር ኣመሪካ

    ልዕሊ ወርሒ ኣቝጺሩ ኣብ ዘሎ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ንፈለማ ግዜ ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ተወቒዓ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ካብኣ ንዝወረደ ኣመሪካዊ ንምርካብ ኣመሪካን ኢራንን ይጓየያ ኣለዋ።

    እታ ኤፍ-15E ዝተባህለት ኣብ ሰማይን ምድርን እተጥቅዕ ነፋሪት ምስ ተሃርመት፡ ሓደ ካብ ኣብረርታ ብሓይልታት ኣመሪካ ተረኺቡ ክድሕን እንከሎ፡ ካልእ ኣካል እቲ በረራ ዝነበረ ሓደ ሓላፊ ስርዓተ ተተኳሲ ግን ከም ዝጠፍአ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ሓቢሮም።

    ኣሃዱ ተልእኾታት ምድላይን ምድሓንን ድማ ነቲ ዝጠፍአ ወተሃደር ንምርካብ ኣብ ውሽጢ ኢራን ስርሒት ይገብር ከም ዘሎ እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ይገልጽ።

    ኣብ ምድሓን ዝተዋፈራ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ኢራን ትሒተን ክበራ ከም ዝተራእያ'ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታት ኢራን ብወገነን፡ ዝተሰባበረ ኣካላት እታ ነፋሪት ድሕሪ ምውጽአን ነቲ ኣባል ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት ሒዙ ዘረከበ ሰብ 66,100 ዶላር ግንዖ ክወሃቦ ብሰብመዚ ኢራን ቃል ከም ዝተኣትወ ኣቃሊሐን።

    እተን ማዕከናት ዜና ወሲኸን፡ እቲ ኣባል ናይታ ዝተወቕዐት ነፋሪት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኢራን ክዓልብ ከም ዝኽእል ግምታተን ኣቐሚጠን።

  3. ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ ዳግማዊት፡ መሰጥቲ ኣሳእል ዓለምና ክሰዱ ጀሚሮም

  4. ኢብራሂም ትራኦረ፡ ቡርኪናፋሶ ንደሞክራሲ ክትርስዖ ኣለዋ ኢሉ

  5. ኣመሪካን ኢራንን ካብ ዝተወቕዐት ነፋሪት ንዝጠፍአ ወተሃደር ኣመሪካ ንምርካብ ይቀዳደማ

  6. ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ተሃሪማ ወዲቓ

    ኤፍ-15ኢ ዝተባህለ ትነፋሪት ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ

    ምንጪ ስእሊ, Dalibor Ankovic / DA Photography

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፈለማ ናይቲ ኲናት'ውን ሰለስተ ተመሳሰልቲ ኤፍ-15ኢ ነፈርቲ 'ብናይ ወገን' ግጭት ተሓምሺሲን ምንባረን ይዝከር

    ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ተሃሪማ ከምዝወደቐት ተረጋጊጹ።

    ዋይት ሃውስ ንምውዳቕ ናይታ ነፋሪት ብዝምልከት ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ተነጊሩዎ ከምዘሎ ጠቒሱ።

    ሓደ ካብ ኣብረርቲ ናይታ ነፋሪት ብሓይልታት ኣመሪካ ተረኺቡ ከምዝደሓነ'ውን ሰብመዚ ኣመሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ ሓቢሮም ኣለዉ።

    እታ ነፋሪት 'ኤፍ-15E ስትራይክ ኢግል' ዝተባህለት ኮይና ኣብ ሰማይን ምድርን ከተጥቅዕ እትኽል እያ።

    ኣቐድም ኣቢሉ፡ ዝተሰባበረ ኣካላት እታ ነፋሪት ብመንገዲ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኢራን ወጺኡ ነይሩ'ዩ።

    እዚ ኲናት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ንፈለማ እዋን'ያ ነፋሪት ኣመሪካ ተሃሪማ ወዲቓ ዘላ።

    ኣብ መጀመርታ መዓልታት ሰለስተ ተመሳሰልቲ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ባሕሬን "ብናይ ወገን" ግጭት ተሓምሺሸን ምንባረን ግን ኣይርሳዕን።

    ኣብ ምድሓን ዝተዋፈራ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ኢራን ትሒተን ክበራ ከምዝተራእያ'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ማዕከናት ዜና ኢራን ከምዝሓበርዎ፡ ንዝኾነ ኣባል ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት ሒዙ ዘረከበ ሰብ ናይ $50,000 ዶላር ጉንዖ ክወሃቦ ከምዝኾነ ሰብመዚ ቃልኣትዮም ኣለዉ።

    እንተኾነ፡ ክንደይ ኣባላት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ብንጹር ዝተረጋገጸ የለን።

  7. ካምፓላ፡ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ቅትለት ዕሸላት

    ሓደ ኣባል ፖሰስ ኣብቲ ብመጻወቲ ህጻናት ዝመልአ ቀጽሪ ናብ ባይታ ኣተኲሩ እናጠመተ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ዩጋንዳ ኣርባዕተ ህጻናት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምሰዝተቐትሉ ፖሊሲ ሓቢሮም።

    እቶም ሓንቲ ጓል ትርከቦም ግዳያት ኣብ ሓደ ኣብ ርእሰከተማ ካምፓላ ዝርከብ መውዓሊ ህጻናት'ዮም ብኻራ ተቐቲሎም። ህይወቶም ብኡንብኡ ከምዝሓለፈ'ዮም ፖሊስ ኣፍሊጦም።

    ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስት ዓመት ዕድመ ዘለዎም ዕሸላት ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

    ምስቲ ዓቢ ስንባደ ፈጢሩ ዝርከብ ዘሕዝን ፍጻመ ብዝተሓሓዝ ሓደ ወዲ 39 ዓመት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

    በቲ ጭካነ ዝተቖጥዑ ወለዲ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ባዕሎም ክሳሃልዎ ፈተነታት ኣካይዶም ምንባሮም ኣፈኛ ፖሊስ ተዛሪቡ።

    ኣብቲ እዋን ኣብቲ መውዓሊ ህጻናት ዝነበሩ 10 ቆልዑ'ውን ንወለዶም ተረኪቦም ኣለዉ።

    ከተማ ካምፓላ ብዙሓት ቆልዑ ዘለዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስድራቤታት ዝነብሩላ ከተማ ምዃና ይፍለጥ። በቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ሰንቢዶም ከምዘለዉ'ውን ገለ ካብኦም ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።

  8. ናብ ሃገራት ወሽመጥን እስራኤልን ዝውንጨፍ ዘሎ ሚሳይላት ኢራን

    ቅድሚ ኲናት ንምርኢት ዝቐረበ ዝተፈላለየ ሚሳይላት ኢራን

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ኲናት ንምርኢት ዝቐረበ ዝተፈላለየ ሚሳይላት ኢራን

    ኢራን ናብ እስራኤልን ሃገራት ወሽመጥን ከተካይዶ ዝጸንሐት ዳርባ ሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን ሎሚ'ውን ቀጺላቶ'ላ።

    ሰራዊት እስራኤል ከምዝበሎ፡ ቴህራን ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ሚሳይላት ክትትኩስ ሓዲራ። ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከብ ሓደ መዋፈሪ ባቡራት ጉድኣት ከምዝወረዶ'ውን ተገሊጹ'ሎ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ መሓዙት ኢራን ምዃኖም ዝንገረሎም የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም ናብ እስራኤል "ጽዑቕ ደብዳብ ባሊስቲክ ሚሳይላት" ከምዝወንጨፉ ኣፈኛ ሰራዊት እስራኤል ሓቢሩ።

    ኣብታ ኣብ ጥቓ ኢራን እትርከብ ኲዌት'ውን ሓደ መጻረዪ ነዳዲ ድሮናት ኢራን ብዘካየድኦ መጥቃዕቲ ከምዝተባርዐ ተፈሊጡ። ሰብመዚ ኤለክትሪሲቲን ማይን እታ ሃገር ከምዝሓበርዎ'ውን፡ መደበራት ጸዓትን ማይን ተሃሪሞም ጉድኣት ወሪድዎም ኣሎ። ነቲ መጥቃዕቲ ዝኾነነት ብሪጣንያ ጸረ-ሚሳይላትን ድሮናትን ናብ ኲዌት ንምውፋር ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ተዘራሪባ'ላ።

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብወገና፡ ካብ ኢራን ንዝተወንጨፈላ 18 ባሊስቲክን ክሩዝን ሚሳይላት ከምዘበርዓነት ኣፍሊጣ። ኲናት ኢራን ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ 475 ባሊስቲክ ሚሳይላት፡ 23 ክሩዝ ሚሳይላትን 2,085 ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ናብ ኢማራት ከምዝተወንጨፈ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብቲ መጥቃዕትታት ክልተ ኣባላት ሰራዊት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 10 ሲቪላውያን ድማ ቆሲሎም። ኣብ ርእሰከተማ ኣቡ-ዳቢ ዝርከብ መደበር ጋዝ ሎሚ ክነድድ ከምዝተራእየ'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።

    ስዑዲ ዓረብ'ውን፡ ሎሚ ዓርቢ ናብታ ንግስነት ዝተወንጨፋ ሓያሎ ድሮናት ሃሪማ ከምዘውደቐት ሓቢራ ነይራ።

    ባሕሬን ድማ ህዝቢ ኣብ ውሑስ ቦታታት ክዕቆብ መጠንቀቕታት ክትህብ ውዒላ።

    ዝፈረሰ ድልድር ኣብ እግሪ ሓደ ጐቦ

    ምንጪ ስእሊ, X/Araghchi

    ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊን ሲቪላዊን ዒላማታት ከካይድኦ ዝጸንሓ መጥቃዕትታት ሓይሉ ቀጺሉ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ሓደ ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ቴህራን ኣብ ምህናጽ ዝርከብ ዝነበረ ዓቢ ድልድል ዒላማ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኮይኑ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱዎ ኣሎ። እስራኤል'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ንገለ መደበራት ጸዓት ኢራን ከምዝሃረመት ይዝከር።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ነቲ ኲናት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሃገራዊ መግለጺ፡ ዋሽንግተን መጥቃዕትታታ ከተሐይል ምዃና ብምፍላጥ "ንኢራን ናብ ዘመነ-እምኒ ክንመልሶም" ኢና ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ'ዩ።

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከብ ዝጸወዐ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ሲቪላዊ ትሕተቅርጺን "ትካላት ኑክሌርን" ዒላማ መጥቃዕቲ ከይኮኑ ድ ማተማሕጺኑ።

    "እቲ መልእኽቲ ንጹር'ዩ። ኣመሪካን እስራኤልን፡ ነቲ ከቢድ ሰብኣዊ ስቓይን ኣዕናዊ ቁጠባዊ ሳዕቤናትን ኣኸቲሉ ዘሎ ኲናት ደው ዘብላሉ እዋን ሕጂ'ዩ"።

    "ኢራን'ውን፡ ንጐረባብታ ምጥቃዕ ደው ከተብሎ" ከምዘለዋ ጉተረዝ ጸዊዑ ነይሩ።

  9. ኣዛዚ ሰራዊት ሚያንማር ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ

    ጀነራል ሚን ኣንግ ሽላንግ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዓቲሩ ዝጸንሐ ኣዛዚ ሰራዊት ሚያንማር ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ።

    እቲ ሎሚ ብፓርላማ እታ ሃገር ዝተመረጸ ጀነራል ሚን ኣንግ ሽላንግ ኣብ ለካቲት 2021 ነቲ ብተሸላሚት ኖበል ሰላም ኣንግ ሳን ሱ ኪዪ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ድሕሪ ምዕላዉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ምርጫ ከምዝካየድን ሲቪላዊ ምምሕዳር ከምዝምለስን ቃል ኣትዩ ነይሩ።

    ንሱ ወተሃደራዊ መዝነቱ ኣረኪቡ'ኳ እንተሎ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ፓርላማ ሓደ-ርብዒ ውክልና ክህልዎ እንከሎ፡ በቲ ሰራዊት ዝዝወር ፖለቲካዊ ሰልፊ 'ዩ-ኤስ-ዲ-ፒ' 80% መናብር ተዓዊቱ ይርከብ።

    ቀንዲ ደጋፊ ናይቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ዝኾነ ጀነራል የ ዊን ኡ ኣዛዚ ሓይልታት እታ ሃገር ክኸውን ሓርይዎ ምህላዉ'ውን ግደ ሰራዊት ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓቢ ከምዝኸውን ብኣጋኡ ዘግሃደ ኮይኑ'ሎ።

  10. ተልእኾ ኣርተሚስ-2 ናብ ወርሒ - ደረጃ ብደረጃ

    እቲ ንዓሰርተ መዓልታት ዝጸንሐ ተልእኾ፡ ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ-2 ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ሰብ ዝበጽሖ ንላዕሊ ርሒቘም ክኸዱ ትጽቢት ይግበር። እዚ ድማ ንመጻኢ ኣብ ወርሒ ንዝዓልብ መንገዲ ንምጽራግ ዘኽእል ኰይኑ፡ ብዛዕባ ወርሒ ዝያዳ ሓበሬታ ንምእካብ ጻዕሪ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ከምቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእላዊ ዝርአ፡ ኣብታ ኦርዮን እትበሃል መርከብ ጠፈር ዘለዉ ኣባላት ሕጂ ራብዓይ ደረጃ ተልእኾኦም ወዲኦም፡ ናብቲ ርሑቕ ሸነኽ ወርሒ ገጾም ይጓዓዙ ኣለዉ።

    እቶም ጠፈርተኛታት ን6 ሚያዝያ ኣብ ዙርያ ወርሒ ከንሳፍፉ ትጽቢት ይግበር።

    ተልእኾ ኣርተሚስ
  11. ቅድሚ ሕጂ ወዲ ሰብ በጺሕዎ ዘይፈልጥ ክንዮ ወርሒ ምኻድ

    መንኰርኰር ካብ ዙርያ መሬት ናብ ወርሒ እናተጓዕዘት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኦርዮን፡ ድሕሪ ልዕሊ 50 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣርባዕተ ሰባት ናብ ወርሒ ገጻ ኣምጺኣ ኣብ መንገዲ ኣላ።

    ኣርተሚስ 2 ኣብ ነዊሕ ክባዊ ዝዀነ ጕዕዞ መንገዲ እያ ዘላ፤ እዚ ድማ ነቶም ጠፈርተኛታት ካብ መሬት ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ሰብ ተጓዒዝዎ ናብ ዘይፈልጥ ርሕቀት ተሰኪማቶም ከም ዝኸደት እዩ ዝግመት። ስሕበት ናብ መሬት ከይመርሖም ኣብ ርሑቕ ሸነኽ ወርሒ እያ ትወዛወዝ ዘላ።

    ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት፡ ብመስኮቶም ኣቢሎም ናብ ህዋ ኣብ ዝጥምቱሉ፡ እዞም ጠፈርተኛታት ኣዝዩ ዘደንቕን ዘነቓቕሕን ትርኢት ክዕዘቡ እዮም። መሬት፡ ብድሕሪኦም ኰይና ናብ ንእሽቶ ሰማያዊ ጻዕዳ እምኒ-ዓረ መሲላ ክትርአ እያ። ወርሒ ድማ ካብ ድሙቕ ክባዊ ቅርጺን ብብዝሒ ጐዳጕዲ ዝርኣዮን ዓለም ክትዓቢ እንከላ ክትርኣዮም እያ።

    ኣብ ከባቢ ሻድሻይ መዓልቲ ናይቲ ተልእኾ፡ ኦርዮን ክንዮ ወርሒ እናተጓዕዘ፡ እቶም ጠፈርተኛታት ካብ ዓሚቝ ጠፈር ፍጹም ጸሓያዊ-ግርደት (ሶላር ኢክሊፕስ) ክዕዘቡ ትጽቢት ይግበር፤ ወርሒ ብቐጥታ ኣብ ቅድሚ ጸሓይ ስለ እትሰሓብ፡ ድሙቕ ገጻ ምሉእ ብምሉእ ተሸፊኑ፡ እቲ ረቂቕ ሃሎ ናይቲ ጸሓያዊ ኮሮና ድማ ናብ ምርኢት ይሰሓብ፤ መሬት ድማ ብሓደ ወገን ተንጠልጢላ ትርአ።

    እቶም ኣባላት እቲ ተልእኾ፡ ነዚ ፍሉይ ትርኢት ብስእልን ቪድዮን ኣብ ገዛና ከምጽኡልና ተዳልዮም ኣለዉ።

  12. ጠፈርተኛታት፡ ኣብ ህዋ ኰይኖም ተመኵሮኦም ኣካፊሎም

  13. ተልእኾ ኣርተሚስ 2 ኣብ ዜሮ ስሕበት

    ጠፈርተኛታት

    ምንጪ ስእሊ, NASA

    እዚ ዳሕረዋይ ንኣባላት ተልእኾ ኣርተሚስን 2፡ ኣብ መሬት ዘለዉ ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ደገፍን ተንካፊ ዝነበረ ህሞት ምብጻሕ ስግረ-ወርሒ ብዓወት ክፍጽም ክኢሉ።

    እቲ ወሳኒ ሃልሃልታ ሞተር ነቶም ጠፈርተኛታት ናብ ዝረሓቐ ሸነኽ ወርሒ ብዓወት ድሕሪ ምድፋኡ፡ ሩፍታ ዝተሰምዓ ሳይንቲስት ናሳ ዶክተር ሎሪ ግራዝ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ድሕሪ 1972 ፍጻመ ኣፖሎ 17 ንፈለማ እዋን ደቂ ሰባት ካብ ቅናት ምድሪ ዝወጹ ከም ዝኸኣሉ ክነግር እንከለኹ ኣመና ሓጐስ ይስምዓኒ፡” ኢላ።

    ኣብ ዜሮ ስሕበት እናተንሳፈፉ እቶም ኣባላት ተልእኾ ኣርተሚስ፡ ጕዕዞኦም ከም ዘነቓቕሖም ገሊጾም። ኮማንደር ሪድ ዋይዝማን፡ ንመላእ መሬት ካብ ሓደ ዋልታ ናብቲ ካልእ ዋልታ ምርኣይ “ዘደንቕ ህሞት” ክብል ገሊጽዎ።

    ብተወሳኺ ብዛዕባ ካልእ ተመኵሮታቶም - እንተላይ ኣብ ሽቓቕ ዘለዎም ጸገማት፡ ኣብ ጠፈር ምድቃስ፡ ከምኡ’ውን ከም ጋንታ ከመይ ተጠርኒፎም ይዓዩ ከም ዘለዉ - ሓበሬታ ሂቦም ኣለዉ።

    እታ ነቶም ሰራሕተኛታት ዝጸዓነት ኦርዮን እትበሃል መርከብ ጠፈር፡ ክልተ መዓልቲ ኣብ ተልእኾ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ፈተነ ትኣቱ ኣላ፣ ትሓልፍ ከም ዘላ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።

    ተልእኾ ኣርተሚስ 2 ንዕለት 6 ሚያዝያ ኣብ ዙርያ ወርሒ ክትበርር ትጽቢት ይግበር።

  14. ሄግሰት፡ ንሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኣመሪካ ስርሑ ክለቅቕ ሓቲቱ

    ጀነራል ራንዲ ጆርጅ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ራንዲ ጆርጅ

    ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ንሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ራንዲ ጆርጅ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከም ዝሓተተ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።

    ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጆርጅ “ካብ መዝነት መበል 41 ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ብቕጽበት ክለቅቕ እዩ፡” ኢሉ።

    ጆርጅ፡ ካብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ዌስት ፖይንት ዝተመረቐ ሞያዊ ወተሃደራዊ መኮነን ኰይኑ፡ ኣብ 2023 ብፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን እዩ ነቲ መዝነት ተሸይሙ። ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ዕድመ እዩ ዘገልግል።

    እዚ ሕቶ ምልቃቕ መዝነት፡ ትራምፕ ኲናት ኣመሪካ-እስራኤልን ምስ ኢራን ክዛዘም "ኣዝዩ ሓጺር" ግዜ ተሪፍዎ ከምዘሎ ኣብ ሃገራዊ መደረኡ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

    ጆርጅ ኣብ ቀዳማይ ኲናት ወሽመጥ ዓረብን፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ኣብ ዝተኻየዱ ወግኣትን ከም ኣዛዚ መኮንን ኣጋር ሰራዊት ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ንምንታይ ሕጂ ክወርድ ይሕተት ኣሎ ግን ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

    ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ቤትጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንኣገልግሎቱ ነመስግን፣ ኣብ ሰራዊት ግን ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ክግበር ግዜኡ ኣኺሉ እዩ፡” ኢሉ።

    ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል፡ "ጸሓፊ ምክልኻል ንጀነራል ጆርጅ ንዓሰርተታት ዓመታት ንሃገርና ዝሃቦ ኣገልግሎት የመስግን! ጽቡቕ ናይ ጥሮታ ግዜ ክዀነሉ ድማ ንምነየሉ፡” ኢሉ።

    ጀነራል ጆርጅ ብምክትል ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል ክሪስቶፈር ላኔቭ ክትካእ ምዃኑን ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢረን።

    እቲ መገለጺ፡ ፓርነል ላኔቭ “ኣብ ዝተፈላለየ ውግኣት ዝተፈተነ፡ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ ስርሒታት ተመኵሮ ዘለዎን ምኵር መራሒ ኰይኑ፡ ራእይ ናይዚ ምምሕዳር ብዘይ ጌጋ ንምፍጻም ብጸሓፊ ሄግሰት ምሉእ ብምሉእ ዝእመንን፡” ምዃኑ የነጽር።

    ሄግሰት ናብ ፔንታጎን ካብ ዝኣቱ ንደሓር፡ ሓላፊ ስርሒታት ሓይሊ ባሕርን ምክትል ሓላፊ ስታፍ ሓይሊ ኣየርን ዝርከብዎም ዓሰርተታት ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ካብ ስራሕ ኣባሪሩ እዩ።

  15. ኢማራት ኣብ ኲናት ምጽማዳን ሑቲ ናብቲ ኲናት ምጽንባሩን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ይጸልዎ?

  16. ኲናት ኢራን፡ ዋጋ ቢራን ዕሹግ ማይን ክኸብር ከም ዝገብር ትፈልጡ ዶ?

  17. መዛዘሚ ዋንጫ ዓለም 2026 ክትርእዩ ትደልዩ ዶ? በሉ 11 ሽሕ ዶላር ቀርቡ

  18. ሆርሙዝ፡ ሚሳይል ንመርከቦም ድሕሪ ምህራሙ ብኸመይ ሓደ ባሕረኛ ሞይቱ፡ ሓደ ን24 ሰዓታት ብህይወት ጸኒሑ?

  19. ምቝሳል ኣፍ ዘስዕቡን ዝከላኸሉን መግብታት ኣየኖት እዮም?

  20. እስራኤልን ኣመሪካን ኲናት ደው ከብላ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

    ኣንቶንዮ ጉተረዝ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    እስራኤልን ኣመሪካን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ደው ከብላ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ።

    ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ኒውዮርክ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ወገናት ብቕልጡፍ ተጻብኦታት ደው ከብሉ ጸዊዑ።

    "ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ዝሰፍሐ ኲናት ክሸምም ዝኽእልን ኣብ መላእ ዓለም ዓቢ ጽልዋ ዝህልዎን ድርኲዂት ኢና በጺሕና ዘለና" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።

    "መጻብቦ ሆርሙዝ እንተ ተሓኒቑ፡ ድኻታትን ኣብ ሓደጋ ዝርከቡን ከተንፍሱ ኣይክእሉን እዮም"።

    ሰላማዊ ፍታሕ ክርከብ ዝጸወዐ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ሲቪላዊ ትሕተቅርጺን "ትካላት ኑክሌርን" ዒላማ መጥቃዕቲ ከይኮኑ ድ ማተማሕጺኑ።

    "እቲ መልእኽቲ ንጹር'ዩ። ኣመሪካን እስራኤልን፡ ነቲ ከቢድ ሰብኣዊ ስቓይን ኣዕናዊ ቁጠባዊ ሳዕቤናትን ኣኸቲሉ ዘሎ ኲናት ደው ዘብላሉ እዋን ሕጂ'ዩ"።

    "ኢራን'ውን፡ ንጐረባብታ ምጥቃዕ ደው ከተብሎ" ከምዘለዋ ጉተረዝ ጸዊዑ።