ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ፔንታጎን ንወጻኢታት ኲናት ኢራን ልዕሊ 200 ቢልዮን ዶላር ሓቲቱ, ትራምፕ፡ ክብረ- ወሰን ዝሓዘ 1.5 ትሪልዮን ዶላር ይጠልብ

    ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፔንታጎን፡ ንዋይት ሃውስ- ኲናት ኢራን ንምምዋል ልዕሊ 200 ቢልዮን ዶላር ከምዝሓተተ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ንጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢሩ።

    እቲ ጋዜጣ፡ እዚ መጠን ገንዘብ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ምምሕዳር ትራምፕ ዘካየዶ ወፍሪ ከምዝኾነን፤ ኣብ ክንድኡ ድማ "ብህጹጽ" ምፍራይ ናይቲ ዝወጸ ወሳኒ ኣጽዋር ንምትካእ ክጽዕር ምዃኑን ይገልጽ።

    ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ሓያሎ ዝተፈላለዩ ናይ ምወላ ሕቶታት ብፔንታጎን ቀሪቦም እዮም። እቲ ዝቐርብ ዘሎ ባጀት ድማ፡ "ኣብ ኮንግረስ ዓቢ ፖለቲካዊ ክትዕ ከልዕል ተኽእሎ ኣሎ" ይብል፡ እቲ ጋዜጣ።

    ክልቲኦም፡ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካን ዋይት ሃውስን፡ እዚ ጸብጻብ ብዝምልከት ካብቲ ጋዜጣ ዝቐረበሎም ሕቶ ነጺጎሞ ኣለዉ።

    ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣባላት ባይቶ ንወጻኢታት ምክልኻል ዝኸውን ክብረወሰን ዝሓዘ 901 ቢልዮን ዶላር ባጀት ኣጽዲቖም ነይሮም፤ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ተወሳኺ ይጠልብ ኣሎ።

    ንሱ፡ ነቲ "ኣዝዩ ሕማቕን ሓደገኛን" ኢሉ ዝገለጾ እዋን ንምፍታሕ፡ ምወላ ምክልኻል ኣብ 2027፡ ኣስታት 1.5 ትሪልዮን ዶላር ክበጽሕ ኣለዎ ክብል ተማጒቱ።

    ክሳብ ሕጂ ወጻእታት [ኪሳራ] እቲ ኲናት ብዕሊ ኣይተገልጸን።

  2. መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ገዲዱ ሓዲሩ

    ኢራን: ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣፈራሪሓ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እቲ ናብ ሳልሳይ ሰሙኑ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ሎሚ ብልዑል ናህሪ ይቕጽል ኣሎ።

    ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ እትፍፅሞ መጥቃዕቲ ሙሉእ ለይቲ ቀጺሉ ሓዲሩ።

    ኢራን፡ ብፍላይ ድሕሪ መጥቃዕቲ እቲ ኣብ ደቡባዊ ፓርስ ዝርከብ መፍረዩ ነዳዲ፡ ምስ ኣመሪካ ዝተኣሳሰሩ ዝበለቶም ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከቡ፡ "መጻረዪ ነዳድን ጋዝን" ክትሃርም ምዃና ኣጠንቂቓ እያ።

    በዚ መሰረት፡ ስዑዲ ዓረብ ዛጊድ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸማ ገሊጸ ኣላ።

    ሚኒስትሪ ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ ኣብ መላእ ርእሰ ከተማ ሪያድን "ምብራቓዊ ዞባታት" እታ ሃገርን 17 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ክልተ ባሊስቲክ ሚሳይላትን ከምዘውደቐ ገሊጹ።

    ኢራን፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ልዕሊ ራስ ላፋን ኮምፕሌክስ-ነዳዲ ዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ግዳይ ዝኾነት ቀጠርሓሙስ ለይቲ ድማ ዳግማይ ከምዝተሃርመት ኣፍሊጣ።

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብወገና፡ ስርዓታት ምክልኻል ኣየራ ንባሊስቲክ ሚሳይላት ክዓግት ከምዝሓደረ፡ ነፈርቲ ውግእ ድማ ኣብ ሰማይ ኮይነን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክገጥማ ከምዝሓደራ ገሊጻ።

    ባሕረይን ምሉእ ለይቲ ሰለስተ መጠንቀቕታታት ብምሃብ፡ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት መጽለሊ ክደልዩ ኣተሓሳሲባ።

    ሰራዊት ኩዌት፡ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን" ክዓግት ይቃለስ ከምዘሎ ገሊጹ።

  3. ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓበራዊ መግለጺ ኣውጺአን, ‘ምላሽ’ ክህባ ምዃነን ኣፈራሪሐን

    ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ዓረብ ንመጥቃዕቲ ኢራን ዝዅንን ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺአን።

    ባሕረይን፣ ኩዌት፣ ሊባኖስ፣ ቀጠር፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢማራት ዓረብን ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባን ይርከበአን።

    ኣብ መግለጺኦም፡ ኢራን "እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ፤ ኮነ ኢልካ ምዃኑ” ብምግላፅ፡ እዚ ድማ ንመንበሪ ኣባይቲ፡ ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጽን ዲፕሎማስያዊ ቀጽርታትን ዒላማ ዝገበረ'ዩ ይብሉ።

    እዞም መጥቃዕቲታት፡ "ዝኾነ ይኹን መመኽነይታ” ክቐርበሎም ዝኽእል ኣይኰነን ይብል እቲ መግለፂ።

    ብተወሳኺ ብመሰረት ዓንቀጽ 51 ሕቡራት ሃገራት፡ እተን ሃገራት መሰል ርእሰ-ምክልኻል ከምዘለወን ኣዘኻኺረን።

    እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኢራን "መጥቃዕትታታ ብቕልጡፍ ደው ከተብል"፡ ዓለማዊ ሕግን "መትከላት ሰናይ ጉርብትናን" ከተኽብርን፡ ከምኡ'ውን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምዕጻው ዝዓለመ "ስጉምትታት" ካብ ምውሳድ ክትቁጠብን ይጽውዕ።

  4. ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንዓበይቲ ምፍራይ ነዳዲ ኢራን ከተባርዖ ምዃና ኣጠንቂቑ, ኢራን ኣብ ልዕሊ ቐጠር እተካይዶ መጥቃዕቲ ደው ክተብል ኣተሐሳሳሲቡ

    ትራምፕ፡ ኢራን ንቐጠር ዳግማይ እንተድኣ ኣጥቂዓ ኣመሪካ ንዓበይቲ መስርሕ ምፍራይ ነዳዲ ኢራን ከተባርዖ ምዃና ኣጠንቂቑ

    ምንጪ ስእሊ, EPA/ Shutterstock

    ትራምፕ፡ ኢራን ንቐጠር ዳግማይ እንተኣጥቂዓ፡ ኣመሪካ ንዓበይቲ መስርሕ ምፍራይ ነዳዲ ኢራን ከተባርዖ ምዃና ኣጠንቂቑ።

    ንሱ፡ ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢራን ኣብ ቐጠር ዝርከብ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መመስርሒ ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ (LNG) ዝሓዘ ኢንዱስትርያዊ ከባቢ ድሕሪ ምጥቓዓ እዩ ነዚ መጥንቀቕታ ዘስመዐ።

    ትራምፕ ኣብቲ ዘስፈሮ ጽሑፉ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ መጥቃዕቲ እስራኤል "ዋላ ሓንቲ ከምዘይትፈልጥ" ብምግላጽ፡ ኢራን ዳግማይ ንቐጠር እንተድኣ ኣጥቂዓ ግን ሓያል ስጉምቲ ከምዝፅበያ ኣኣንፊቱ’ሎ።

    ኢራን፤ ኣብ ልዕሊ ቀጠር ራስ ላፋን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ፡ "ዘይምኽኑይን ዘይፍትሓውን" ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ።

  5. ሓደሽቲ ምዕባለታት ኵናት ማእከላይ ምብራቅ፡ እንታይ ንፈልጥ?

    • ቅድሚ ገለ ሰዓታት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ 'ሳውዝ ፓርስ' ዝርከብ መዐደሊ ነዳዲኣ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ሓቢራ። እታ ሃገር ንኣመሪካን እስራኤልን ወቒሳ።
    • ብድሕሪኡ ኣብ ቐጠር ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ራስ ላፋን'ውን ወቒዓ። ቐጠር ንኢራን "ቀጥታዊ ስግኣት" ናይቲ ዞባ ምዃና ብምግላጻ፡ "ምላሽ ናይ ምሃብ መሰላ ዝተሓለወ እዩ" ብምባል ተሓንያ።
    • እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ - ሪያድ ብዝወደቐ ፍንጫል ቦምባታት ኣርባዕተ ነበርቲ ቆሲሎም። ኢማራት ዓረብ'ውን ብወገና ኣብ ሓደ መሳለጥያታት ጋዝ ዝተተኾሰ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣበርዒና።
    • እስራኤል ኣብዚ ግጭት ንፈለማ እዋን ንሰሜናዊ ኢራን ትሃርም ከምዘላ ትገልጽ።
    • ሰለስተ ፍልስጤማውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኢራን ካብ ዝተበገሰ ስብርባር ቦምባታት ኣብ ሳሎን እንከለዋ ተቐቲለን። ኣብ እስራኤል ኣብ እትርከብ ናይ ሕርሻ ቁሸት’ውን ብተኹሲ ሚሳይላት ሓደ ወጻእተኛ ሰራሕተኛ ተቐቲሉ።
    • ወኪል ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን እስላማዊት ሪፓብሊክን ኢራን ዘሎ ምትእምማን ናብ "ዝተሓተ ደረጃ" ከምዝወረደ ገሊጹ።
    • መብዛሕትአን እተን ሃገራዊ መዝሙር ምዝማር ዝኣበያ ተጻወትቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን፡ ሕጂ ናብ ዓደን ተመሊሰን።
    • ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ደጊም ኣብ ዕደናታት ነዳዲ ኢራን መጥቃዕቲ ክፍፀም ከምዝፈቐደ፡ ዎል ስትሪት ጆርናል ሓቢራ።
    • ፕረዚደንት ኢራን እስራኤል ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ንሚኒስተር ስለያኣ እስማዒል ካቲብ ከም ዝቐተለቶ’ውን ኣረጋጊጻ።
  6. ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዝዓበየት መርከብ-ውግእ ኣመሪካ ባርዕ ኣጋጢምዋ

  7. ኢትዮጵያውን ቪዛ ኣመሪካ ንምርካብ ክሳብ 15 ሽሕ ዶላር ትሕጃ ክሕተቱ'ዮም: ኤርትራውያንከ?

  8. ኵናት ኢራን፡ ሃገራት 'ንምዝንጋዕ' ዝድብደባሉ ሓድሽ ስርዓተ ዓለም

  9. ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ላዕለዎት መራሕቲ ኢራን ዝተኣከበ ህዝቢ

    ስነሰርዓት ቀብሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዝተቐትሉ መራሕቲ ኢራን ኣብ ርእሰከተማ ቴህራን ተኻዪዱ።

    ዓሊ ላሪጃኒ፡ ድሕሪ ቅትለት ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝለዓሊ መራሒ እስላማዊት ኢራን ምንባሩ'ዩ ዝግለጽ።

    ኣዛዚ ናይቲ 'ባሲጅ' ዝተባህለ ሓይሊ ሚሊሻ ጎላምረዛ ሶለይማኒ ኣብቲ ናብ ሰሉስ ዘውግሐ ለይቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ'ዩ ተቐቲሉ።

    ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ላዕለዎት መራሕቲ ኢራን ዝተኣከበ ህዝቢ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ላዕለዎት መራሕቲ ኢራን ዝተኣከበ ህዝቢ
    ስእሊ ዝሞቱ መራሕቲ ብምሓዝ ሓዘኖም ዝገልጻ ኢራናውያን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሬሳ ዝሓዘት ዓባይ መኪና ብማእከል እኩብ ህዝቢ እናሓለፈት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  10. ኣፍኮን 2025፡ ሞሮኮ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኰይና - ሰኔጋል ዋንጫ ተመንጢላ

  11. ምምሕዳር ትራምፕ ንድምጺ ኣመሪካ ክኸፍቶ ቤትፍርዲ ኣዚዙ

    ቤት ጽሕፈት ድምጺ ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ምዕጻው ድምጺ ኣመሪካ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑን፡ ዝተሰናበቱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጋዜጠኛታት ናብ ስርሖም ክምለሱ ሓደ ዳኛ ቤትፍርዲ ወሲኑ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ፡ ቀልጢፉ'ዩ እቲ ንዓሰርታት ዓመት ብትግርኛ ዝርከቦም ብዙሓት ቋንቋታት ከገልግል ዝጸንሐ ፍሉጥ ማዕከን ዜና ክዕጾ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

    ፈደራላዊ ዳኛ ሮይስ ላምበርዝ ኣብ ዝሃቦ ብይን ግን፡ መንግስቲ ነቲ ውሳነ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ከተግብሮ'ዩ ኣዚዙ ዘሎ።

    ድምጺ ኣመሪካ ጸጋማዊ ሻራነት ኣለዎ ብዝብል'ዩ እቲ ፕረዚደንት ክዕጾ ኣዚዙ።'

    'ቪ-ኦ-ኤ' ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ናዚ ጀመርን ንዝጋዋሕ ዝነበረ ፕሮፖጋንዳ ግብረመልሲ ንክህብ'ዩ ፈለማ ተመስሪቱ።

    እቲ ጉዳይ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ናይቲ ትካል ነበር ንምምሕዳር ትራምፕ ናብ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምኽሳሶም'ዩ ፍርዲ ተዋሂብዎ ዘሎ።

    እቲ ዳኛ፡ ነቶም ጋዜጠኛታት ንምስንባት ዝተወስደ ውሳነ "ዘይሕጋዊን ስምዒታውን" ምንባሩ'ውን ተዛሪቡ።

    ሓንቲ ካብኦም ዝኾነት ፓትሲ ዊዳኩስዋራ ብውሳነ ናይቲ ቤትፍርዲ ዝተሰምዓ ሓጎስ ገሊጻ።

    "ተስፋ ንገብር፡ ህዝቢ ኣመሪካ ፕሮፖጋንዳ ዘይኮነ ጋዜጠኝነት ንምቅላሕ ንዘለና ተልእኾ ክድግፍ" ክትብል ንኣሶስየትድ ፕረስ ተዛሪባ።

    ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ናይ ምዕጻው ሓላፍነት ዝሃባ ካሪ ሌክ ዝተባህለት ሓላፊት ናይቲ ንድምጺ ኣመሪካ ዝምውልን ዝከታተልን ትካል ዓለማዊ ሚዲያ ኣመሪካ (USAGM)፡ ነቲ መምርሒ ክትህብ እንከላ ብላዕለዋይ ባይቶ መዝነታ ስለዘይጸደቐ፡ ውሳነኣ ሕጋዊ ከምዘይነበረ እቲ ቤትፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብይን ሂቡ ነይሩ።

  12. ኢራን ሚኒስተር ስለያ እታ ሃገር ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጻ

    ፕረዚደንት ማሱድ ፐዘሽኪያን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ማሱድ ፐዘሽኪያን

    ፕረዚደንት ኢራን፡ ሚኒስተር ስለያ እታ ሃገር ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጹ።

    ማሱድ ፐዘሽኪያን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሞት ሚኒስተር ኢስማዒል ካቲብን ካልኦት መራሕቲን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።

    "እቲ ኣብ ልዕሊ ብጾተይ ዝኾኑ ኢስማዒል ካቲብ፡ ዓሊ ላሪጃኒን ዓዚዝ ናሲርዛደህን: ምስ ኣባላት ስድራቤቶምን ዘሰነይዎም ኣባላትን ዝተፈጸመ ናይ ፈራሓት ቅንጸላ ኣብ ሓዘን ክንኣቱ ገይሩና ኣሎ" ክብል እቲ ፕረዚደንት ጽሒፉ።

    ሞት ናይቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ እታ ሃገር ዝነበረ ዓሊ ላሪጃኒን ሚኒስተር ምክኻል ናሲርዛደህን ኣቐዲሙ ተረጋጊጹ ምንባሩ ይዝከር።

    እስራኤል ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ እቲ ሚኒስተር ስለያ ከምዝተቐትለ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ገሊጻ ነይራ።

  13. ኢራን ንትካላት ጸዓት ሃገራት ወሽመጥ ዝሃበቶ ሓድሽ መጠንቀቕታ

    ማሳዒድ ሆልዲን ካምፓኒን- ስዑዲ ዓረብ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ከባቢ ሓያሎ ትካላት ጸዓትን ነዳዲን ሃገራት ወሽመጥ ዘለዉ ሰባት ብህጹጽ ክወጹ ኢራን ኣጠንቂቓ።

    በቲ ምስ ሰራዊት ሓለዋ እስላማዊ ኢራን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ኣገልግሎት ታስኒም ብተለግራም ዝወጸ "ህጹጽ መጠንቀቕታ" ዜጋታትን ነበርቲን እቶም ትካላትን ከባቢኡን ክግዕዙ ተማሕጺኑ'ሎ።

    እቶም ዝጠቕሱ ትካላት እዞም ዝስዕቡ እዮም፣

    • ሳምረፍ ሪፋይነሪ- ንግስነት ስዑዲ ዓረብ
    • ኣል-ጁበይል ፐትሮኬሚካል ኮምፐሌክስን ማሳዒድ ሆልዲን ካምፓኒን- ስዑዲ ዓረብ
    • ኣል-ሆስን ጋዝ ፊልድ- ሕቡራት ኢማራት ዓረብ
    • ራስ ራፋን ሪፋይነሪ፡ ቐጠር

    "እዞም ማእከላት እዚኦም ቀጥታዊን ቅቡላነን ዒላማታት ኮይኖም ስለዘለዉ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰዓታት ክህረሙ እዮም" ይብል እቲ መግለጺ።

    "ስለዚ ኩሎም ዜጋታት፡ ነበርትን ሰረሕተኛታትን ብቕልጡፍ ካብዞም ከባቢታት ወጺኦም ከይደንጐዩ ናብ ውሑስ ርሕቀት ክኸዱ ይሕተቱ ኣለዉ"።

    ኣቐድም ኣቢሉ፡ እቲ ኣብ ኢራን ዝርከብ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መደበር ባህርያዊ ጋዝ ዝኾነ 'ሳውዝ ፓርስ' (ደቡብ ፓርስ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማእከል ዒላማ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝኾነ ኣገልግሎት ታስኒም ድሕሪ ምሕባሩ'ዩ እዚ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ዘሎ።

  14. ኢራን፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መደበር ጋዝ ዒላማ መጥቃዕቲ ኮይኑ

    መደበር ባህሪያዊ ጋዝ ደቡብ ፓርስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ኢራን ዝርከብ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መደበር ባህርያዊ ጋዝ 'ሳውዝ ፓርስ' (ደቡብ ፓርስ) ዒላማ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝኾነ ኣገልግሎት ታስኒም ሓቢሩ።

    ብሰንኪ'ቲ ደብዳብ ኣብቲ ትካል ባርዕ ሓዊ ከምዝተወልዐ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ መጥፋእቲ ሓዊ ናብቲ ቦታ ከምዝተላእኩ ሓውሲ ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ፋርስ ገሊጹ።

    እቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ሎሚ ንጉሆ ከምዝተፈጸመ'ውን ታስኒም ጠቒሱ'ሎ።

    እቲ መደበር ቐጠርን ኢራንን ዝጥቀማሉ ምዃኑ ይፍለጥ።

    ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓት ኢራን መጥቃዕቲ ምክያድ "ሓደገኛን ሓላፍነት ዝጎደሎን እዩ" ክትብል ዶሓ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ነቒፋ'ላ።

    ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ማጂድ ኣል ኣንሳሪ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ደብዳባት ምፍጻም "ንውሕስነት ጸዓት ዓለም ኣብ ስግኣት ዘውድቕ" ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    "ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ጸቒጥና ከምዝበልናዮ፡ ንወሰንቲ ትካላት ዒላማ ካብ ምግባር ምያብ ኣገዳሲ እዩ"።

    "ኩሎም ወገናት" ንዓለምለኻዊ ሕጊ ከኽብሩን ነቲ ረጽሚ ንምህዳእ ክሰርሑ'ውን ቐጠር ተማሕጺና ኣላ።

    እቲ መጥቃዕቲ ብእስራኤል ከምዝተፈጸመ'ያ ዶሓ ከሲሳ ዘላ። ብወገን እስራኤል ግን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

  15. ሚኒስተር ስለያ ኢራን ከምዝተቐትለ እስራኤል ገሊጻ

    ኢስማዒል ካቲብ (ማእከላይ) ካብ 2021 ኣትሒዙ ሚኒስተር ስለያ ኢራን ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ'ዩ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኢስማዒል ካቲብ (ማእከላይ) ካብ 2021 ኣትሒዙ ሚኒስተር ስለያ ኢራን ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ'ዩ

    ሚኒስተር ስለያ ኢራን ኢስማዒል ካቲብ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐትለ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ።

    እቲ ኢራናዊ ብዓል ስልጣን ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ቴህራን ዝተኻየደ ንዕኡ ጥራይ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ ነይሩ'ዩ።

    "ኣብ ዝሓለፈ ለይቲ፡ ሚኒስተር ስለያ ኢራን ካቲብ ተቐንጺሉ ኣሎ" ክብል እስራኤል ካዝ ሓቢሩ።

    ብወገን ኢራን ብዛዕባ ሞት ናይቲ ሚኒስተር ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

    "ምቕንጻሉ ምስቶም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ካልኦት ቀንጸላታት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ናይ ኣሸባሪ ኢራናዊ ስርዓት ዝጽንብሮ እዩ" ዝበለ መግለጺ ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ እቲ ስጉምቲ "ንስርዓተ እዚን ቁጽጽርን ናይቲ ስርዓት ዘዳኽም እዩ" ኢሉ።

    ዛጊት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ነበር ኣያቶላህ ዓሊ ኸመኒ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራን ሚኒስተር ምክልኻልን ዝርከብዎም ላዕለዎት መራሕቲ ኢራን ኣብዚ ኲናት ተቐቲሎም ኣለዉ።

    ኢስማዒል ካቲብ ኣብ 2021 ብፕረዚደንት ነበር ኢብራሂም ራዒሲ ሚኒስተር ስለያ ክኸውን ዝተመዘዘ እዩ።

    ኣብ እግሪ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ እስላማዊ ስርዓተ-ሕጊ ዝተማህረ ኮይኑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ስለያን ቤትጽሕፈት ኣያቶላህን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኣገልጊሉ።

    ኣብ 2022 ምስቲ ካብ ኢራን ነቒሉ ዝተባህለ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ክፍሊ ፋይናንስ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ወሲኑ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።

    እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ 1979 ድሕሪ ምንታጒ፡ ካቲብ ኣብ 1980 ኣባል ናይቲ ተሓታትነቱ ብቐጥታ ንኣያቶላህ ዝኾነ ፍሉይ ኣሃዱ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን (ኣይ-ኣር-ጂ-ሲ) ኮይኑ።