ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ድሕሪ ካብ 14- 15 ሰዓታት ዝወሰደ ዝርርብ ዝተበጽሐ ስምምዕ

    ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ካዘም ጋሪባባዲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ መንጎኛታት ቀጠር ኣብ ረቂቕ ሰነድ ምርድዳእ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ፡ ኣብ ቴህራን "ካብ 14 ክሳብ 15 ሰዓታት ዝወሰደ ነዊሕ ዝርርብ" ከም ዘካየዱ ገሊጹ።

    ካዘም ጋሪባባዲ ሎሚ ሰኑይ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ”እዚ መስርሕ ድርድር ነዊሕ ግዜ ወሲዱ” ኢሉ።

    "ልኡኽ ቀጠር ትማሊ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ኢስላማባድ ዝተበጽሐ ሰነድ ምርድዳእ ዝምልከት ዘተ ንምዝዛም'ዩ ነይሩ። ኣስታት 14 ክሳብ 15 ሰዓታት ዝወሰደ ነዊሕ ዝርርብ ድማ ተኻይዱ።

    እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ኣብቲ ጽሑፍ ናይ መወዳእታ ምምሕያሻት ክግበር ኣቕሪባ። ባህርያዊ’ዩ፡ እቶም ምምሕያሻት ተቐባልነት ረኺቦም፡ ጽሑፍ ናይቲ ኣብ እስላማባድ ዝተገብረ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ድማ ተዛዚሙ፡" ኢሉ።

    እቲ ምክትል ሚኒስተር፡ ዝርርብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ዝካየድ ኰይኑ፡ ኢራን "ሓያሎ ክትምልሶም ዘለዋ ጉዳያት" ከም ዘለዋን፡ ቀዳምነት ዝወሃቦ ድማ ኩሉ ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረ እገዳ ምልዓል ምዃኑን ገሊጹ።ናይ 15 ሰነ 2026 ምዕባለታት ብሓጺሩን ብቐጥታን ኣብዚ ከነቕርበልኩም ኢና።

    ሰናይ መዓልቲ።

  2. 10 ብሉጻት ማልያታት ዋንጫ ዓለም

  3. ትራምፕ ሎሚ ስምምዕ ክፍረም ይፅበ፡ ኢራን ግን ትጠራጠር

    ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣመሪካን ኢራንን፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ትፅቢት ዝተገብረሉ ስምምዕ ሰነድ፡ ክፈራረማ ትጽቢት ከምዝግበር ሰበስልጣን ፓኪስታን ገሊጾም።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ስምምዕ ሎሚ ኣብ መበል 80 ዓመት ልደቱ፡ ክፍረም ትጽቢት ይገብር ኣሎ።

    ይኹን እምበር ኢራን፡ ኣብ ምፍራም እቲ ስምምዕ ክሳብ ሕጂ ጥርጣረ ከምዘለዋ ገሊጻ ኣላ፤ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢራን እውን ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ገለ ስክፍታ ኣለዎም።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ሻህባዝ ሸሪፍ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መዘክር ሰነድ ምርድዳእ ከምዝተሰማምዑ ገሊፁ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ስምምዕ ምስ ተፈረመ ብደረጃ ክኢላታት ዝመጽእ ሰሙን ዝርርብ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

    ትራምፕ ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ ምስተፈረመ ሽዑንሽዑ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኽፈት ምዃኑ ሓቢሩ።

    ብዓቢኡ ንኽልቲአን ሃገራት ዘሸማግላ ዘለዋ ሃገራት ፓኪስታንን ቀጠርን ዝርከበአን ሃገራት እውን፡ ኣብቲ ስምምዕ ክፍርማ ትጽቢት ይግበር።

    ብመሰረት እቲ ሰነድ ምርድዳእ፡ ተኹሲ ደው ምባል ን60 መዓልታት ክናዋሕ ምዃኑን፡ ብዛዕባ ኒዩክለራዊ ፕሮግራም ኢራን ዝምልከት ልዝብ ክጅምር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

    ኣብ ቴህራን

    ምንጪ ስእሊ, Atta Kenare / AFP via Getty Images

  4. ዝኽሪ በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ግዝኣት ኣመሪካ ዓመታዊ ክኽበር ተወሲኑ

  5. ንምንታይ'የን ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ዝነወሐ ዕድመ ዘለወን?

  6. ኤርትራ ንመግለጺ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያን ጌታቸው ረዳን ዝሃበቶ ምላሽ

  7. ኢሎን ማስክ ቀዳማይ ወናኒ ትሪልዮን ሃብቲ ዓለምና ኰይኑ

  8. ውዕል ምብቃዕ ውግእ ኢራን፡ ናብ ዳግማይ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ ክመርሕ ድዩ?

  9. 'ዋንጫ ዓለም ይካየድ ኣሎ ድዩ'፡ ኣመሪካውያን ብዛዕባ እቲ ውድድር እንታይ ይፈልጡ?

  10. ኢትዮጵያ፡ መንግስቲን ህወሓትን ኣብ ዝፋጠጥሉ፡ ኦባሳንጆ ኣብ መቐለ ተዛትዩ

  11. ኣብረርቲ ሄሊፕተር ንምድሓን ኣብ ጥቕሚ ብዛዕባ ዝወዓላ ድሮናት ባሕሪ እንታይ ትፈልጡ?

  12. ኣመሪካ፡ ዝምርመር ዘሎ ኣብ ሳዕሪ ዝተጻሕፈ '8-6-4-7' እንታይ'ዩ ምስጢሩ?

  13. ኢራንን ኣመሪካን ምቍራጽ ተዅሲ ክዕቅባ ዝኸበደሉ 4 ምኽንያታት

  14. ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ወሳኒ መስመር ነዳዲ ኢራን ክቆጻጸሮ ምዃኑ ተሓንዩ

    ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ኢራን እትርከብ፡ ደሴት ኻርግ፡
    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ኢራን እትርከብ፡ ደሴት ኻርግ፡

    ጐንፂ ኢራንን ኣመሪካን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዓቢ መጥቃዕቲ ከምዝፍጸም ኣፍሊጡ ኣሎ።

    እቲ ፕረዚደንት: ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጹ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነታ “ሓይሊ ኣየራን ኩሉ ናይ ምክልኻል ዓቕማን ዓንዩ እዩ” ዝበላ ኢራን፡ ዳግማይ “ሎሚ ምሸት ብብርቱዕ ክትህረም እያ” ክብል ተሓንዩ።

    “ኣብ ቀረባ እዋን ልክዕ ከምቲ ኣብ ቬንዙዌላ ዝገበርናዮ፡ ንደሴት ኻርግን ካልእ ትሕተ ቅርጺ ነዳድን ክንቆጻጸሮ ኢና፡ ዕዳጋ ነዳድን ጋዝን ኢራን ድማ ምሉእ ብምሉእ ክንቆጻጸሮ ኢና” ክብል መደቡ ኣፍሊጡ።

    ኲናት ኢራን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነዛ ቀንዲ መስመር ነዳዲ ኢራን ዝኾነት ደሴት ከም ዝቆጻጸራ ብተደጋጋሚ ይዛረቡ ነይራ።

    ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ኢራን እትርከብ፡ ደሴት ኻርግ፡ ኢራን ኣስታት 90 ሚእታዊት ካብ ነዳዲኣ ናብ ካልእ ክፋል ዓለም ሰደድ እትገብረሉ ቀንዲ መተሓላለፊት መስመር እያ።

    እታ ደሴት፡ ክሳብ ክልተ ሚልዮን በርሚል ክጽዕና ዝኽእላ ዓበይቲ ታንከራት ዘይተጻረየ ነዳዲ ንምትእንጋድ ዘኽእል ዓቕሚ ማይ ድማ ኣለዋ።

  15. ስዑዲ ዓረብ 4 ኢትዮጵያውያን ብሞት ትቐፅዕ፡ ኢትዮጵያ 1600 ብምሕረት ከም ዝተፈትሑ ትገልፅ

  16. ባሕሬን፡ ዝወድቕ ስብርባር ድሮናት ኢራን ሓያሎ ዕንወት ኣውሪዱ

    ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ባሕሬን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብኣሃዱታት ጸረ-ነፈርቲ ሃገሩ ተወቒዐን ዝዓነዋ ድሮናት ኢራን ፍንጭልጫለን (ስኵጆታተን) ኣብ ከባቢታት ከተማ ሓማድን ርእሰ ከተማ ማናማን ድሕሪ ምውዳቑ፡ ሓያሎ መካይን ብሓዊ ከምዘቃጸለን ንገለ ኣባይቲ ድማ ጉድኣት ከም ዘውረደን ገሊጹ።

    ጓል 11 ዓመት ቈልዓ እውን ቀሊል መጕዳእቲ ወሪዱዋ። እቲ ምኒስትሪ፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ከምዝተቘጻጸርዎ’ውን ሓቢሩ።

  17. ኣመሪካን ኢራንን ንኻልኣይ መዓልቲ ተኸታታሊ ማዕበል ሚሳይላት ተለዋዊጠን

    ኣመሪካን ኢራንን ንኻልኣይ ተኸታታሊ መዓልቲ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዳርባ ሚሳይላት ብምልውዋጥ ነቲ ድሮ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ዝነበረ ተዅሲ ደው ምባል ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ይርከብ።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ (ሴንትኮም) ኣብ ደቡባዊ ኢራን ንዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራትን፡ መጸናጸኒ ራዳርን ዒላማ ከምዝበረ ገሊጹ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን፡ ኲናት ንሓዋሩ ደው ንምባል “ውዕል ንምግባር ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ከምዝወሰደት” ብምግላጽ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንኢራን "ኣበርቲዖም" ክሃርምዋ ምዃኖም ድሕሪ ምሕባሩ እዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

    ከም ግብረመልሲ ድማ ኢራን ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ንወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ጀሚራ። ኣብ ባሕሬንን ኩዌትን ዝርከባ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ንኻልኣይ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ተዅሲ ኢራን ክኣትዋ እንከለዋ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ድማ ኣብ ዮርዳኖስ ናብ ዝርከብ ማእከል እዝ ኣመሪካ ባሊስቲክ ሚሳይላት ከምዝተኮሰ ገሊጹ።

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ሙዋፋቅ ሳልቲ 12 ባሊስቲክ ሚሳይላት ድሕሪ ምትኳሱ “ብዙሓት” ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካን “መሳለጥያታትን” ከምዘዕነወ ገሊጹ።

    ኣመሪካን ኢራንን ንኻልኣይ መዓልቲ ተኸታታሊ ማዕበል ሚሳይላት ተለዋዊጠን

    ምንጪ ስእሊ, Bahrain Interior Ministry/X

  18. ኤርትራን ግብጽን ስትራተጅያዊ ምሕዝነተንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ንምድልዳል ተሰማሚዐን

  19. ረቂቕ ኣዋጅ ትግራይ፡ ብሞት ዘቕፅዑ ዓንቀፃቱን ዝፈጠሮ ስክፍታን

  20. ኣትሌት ናሆም ኤርምያስ ንማራቶን ኣስመራ ክልተ ግዜ ድዩ ሰለስተ ግዜ'ዩ ተዓዊትሉ?