ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ስምምዕ ኢራን ንፖለቲካዊ መጻኢ ናታንያሁ ከም 'ዘባህርር ሕልሚ' ድዩ?

  2. ትራምፕ ነቲ ምስ ኢራን ዝተገብረ ፈላማይ ስምምዕ ቅድሚ ዓርቢ ወግዓዊ ክገብሮ ከም ዝኽእል ቫንስ ገሊጹ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቅድሚ'ቲ ስምምዕ ብወግዒ ኣብ ጀነቫ ዝፍረመሉ ጽባሕ ዓርቢ፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝተገብረ ናይ መጀመርታ ሰነድ ምርድዳእ ወግዓዊ ክገብሮ ከም ዝኽእል ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ገሊጹ።እዚ ሰነድ'ዚ ሓደ ገጽን ፈረቓን ዝሓዘን ሓፈሻዊ ርእይቶታት ዘለዎን ኰይኑ፡ ብትራምፕ፡ ቫንስን ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባገር ቃሊባፍን ብኤለክትሮንያዊ መንገዲ ተፈሪሙ ኣሎ።እዚ ስምምዕ'ዚ ዞባዊ ሰላም ንምስፋን ከም ሓደ ስጕምቲ ዝቝጸር እዩ።

    ብመሰረት እቲ ሰነድ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኵሉ ቴክኒካዊ ዘተታት ክጅምር እዩ።ዝዀነ ናይ እገዳታት ስጕምትታት ግን ምስቲ ኢራን እትፍጽሞ ግዴታታት ዝተኣሳሰር ብምዃኑ፡ ብዘይ ወግዓዊ ፍጻመ ዝስዕብ ጭቡጥ ተበግሶ የሎን።ቫንስ ከም ዝገለጾ፡ ኢራን ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ክትሰርሕ፡ ምሃብ ሓገዝ ንዕጡቓት ጕጅለታት ከተቋርጽን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኸይተማዕብል ዘየጠራጥር ቃል ክትኣቱን እቲ ስምምዕ ዝሓትት ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ ስምምዕ'ዚ ነቲ ምቍራጽ ተዅሲ ንተወሳኺ 60 መዓልታት ከናውሖ እዩ።እቲ ብፓኪስታን ዝተዳለወ ሰነድ፡ "ንሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኵሎም ግንባራት ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ብቕጽበትን ንሓዋሩን ክቋረጽ፡" ዝጽውዕ እዩ።ይዅን'ምበር፡ ሰራዊት እስራኤል ካብ ሊባኖስ ክወጽእ ግዴታ ከም ዘይኰነን እስራኤል ነብሰ-ምክልኻል ናይ ምግባር መሰል ከም ዘለዋን መራሕቲ ኣመሪካ ገሊጾም።ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ስትራተጅያዊ መጻብቦ ሆርሙዝ ብዓርቢ ክኽፈት እዩ።

    ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ሰራዊቱ ኣብ ሊባኖስ፡ ሶርያን ቃዛን "ክሳብ ዘድሊ" ከም ዝጸንሕን ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትውንን ከም ዘይፍቀደላን ገሊጹ።በቲ ሓደ ወገን፡ ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ነቲ ስምምዕ ከም ዓወት ክርእይዎ ከለዉ፡ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቴህራን ግን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዓሚቝ ዘይምትእምማን ከም ዘለዎ ገሊጹ።

  3. ኣብ ካሊፎርንያ ብሰንኪ ዝወደቐት ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም

    B-52 ዝተባህለት ወተሃደራዊት ነፋሪት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ዝርከብ ኤድዋርድስ ካብ ዝተባህለ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ድሕሪ ምብራራ፡ ሓንቲ ናይ ኣመሪካ ወተሃደራዊት ነፋሪት (B-52 ዝዓይነታ) ብምውዳቓ፡ ክልተ ሰራሕተኛታት ቦይንግ ሓዊሱ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም።

    እዚ ትራጀዲ እዚ ሰኑይ ሰዓት 11:20 ብናይቲ ከባቢ ሰዓት፡ እታ ነፋሪት ንቡር ናይ ፈተነ ዕማም ኣብ እትፍጽመሉ ዝነበረት እዋን እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ፍጻመ ኣብ ውሽጢ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ጥራይ ዝተደረተ ኰይኑ፡ እቲ መዓስከር ንግዜኡ ኵሉ ምንቅስቓሳቱ ኣቋሪጹ ኣሎ።

    ኮሎኔል ጀምስ ሀይስ ነቲ ኵነታት "ኣሰቃቒ ሓደጋ" ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ እቶም ዝሞቱ ሰባት ወተሃደራትን ስቪላውያንን ምዃኖም ኣፍሊጡ።

    እታ ነፋሪት ኣብቲ መዓስከር ዝካየድ ንዝነበረ ንራዳር ዘመናዊ ናይ ምግባር ፕሮግራም ትድግፍ ከም ዝነበረት ተገሊጹ ኣሎ።

    ሰበ-ስልጣን ነቲ ናይ ፈለማ ምስልታት ድሕሪ ምግምጋም፡ ካብዚ ሓደጋ'ዚ ዝደሓነ ሰብ ከም ዘየሎን እቲ ሓደጋ ብሕይወት ክትሰረሉ ዘይከኣል ምንባሩን ኣረጋጊጾም እዮም።

    እዛ B-52 ዝተባህለት ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ እዋን በረራ ነዳዲ ክትመልእ እትኽእል ኰይና፡ እዚ ድማ ኣብ እዋን ዝሑል-ኲናት ንኣመሪካ "ንዩክለሳዊ ጽላል" ፈጢሩላ ነይሩ እዩ።

    ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ዝዀኑ ቪንስ ፎንግን ጄይ ኦበርኖልትን ነዚ ዘሕዝን ሓደጋ ብምግላጽ፡ ነቶም ግዳያትን ስድራቤቶምን ጸሎቶምን ደገፎምን ገሊጾም ኣለዉ።

  4. ዶ/ር ኣይዳ ሃብተጽዮን ኣብ ትካል ባዮ-ኡሳዋ ሓድሽ መዝነት ተዋሂቡዋ

  5. ትግራይ፡ ካብ ወርቂ-ዕደና ክሳብ ገዛ ንገዛ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ግፋ

  6. ዝርዝር ስምምዕ ኢራንን ኣመሪካን ክግለጽ'ዩ

    ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢማኑዌል ማክሮን ደው ኢሉ እናተዛረበ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣመሪካን ኢራንን ኣብ መንጎአን ንዝጸንሐ ኲናት ደው ከብላ ከምዝተሰማምዓ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

    እንተኾነ ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን ዘሎ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣብ ዝሓጸረ እዋን" ክግለጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ዓርቢ ምሉእ ብምሉእ ከምዝኽፈት'ውን እቲ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ-7 ንምስታፍ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ትራምፕ ጠቒሱ።

    ኢራን ብወገና፡ ምስ ዖማን ብምውህሃድ ውሑስ ዋሕዚ መራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ ከተረጋግጽ ምዃና ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ተዛሪቡ።

    ልዕሊ 500 መራኽብ ኣብ ወሽመጥ ሰንፈላል ተሪፈን ምጽንሐን ይፍለጥ።

    ዜና ስምምዕ ድሕሪ ምውጽኡ ዕዳጋታት ዓለም ክዓርግ ተራእዩ'ሎ። ዋጋ ነዳዲ'ውን የንቆልቁል ኣሎ።

  7. ኣሌክሳንደር፡ እቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ብቕዓቱ ዘንጸባርቕ ዘሎ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኮኾብ

  8. ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብዘይ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ሊባኖስ ክጸንሕ'ዩ - ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል

    ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ብዘይ ዝዀነ ናይ ግዜ መግትኢ ህላወኡ ክቕጽል ከም ዝሓሰበ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ ገሊጹ።

    እዚ ድማ ድሕሪ ምእዋጅ ማዕቀፍ ስምምዕ ኣመሪካን እስራኤልን ዝመጽአ ምዕባለ ኰይኑ፡ እቲ ስምምዕ "ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት" ከም ዘብቅዕ ዝገልጽ እዩ።

    ካትዝ ፈለማ ብቋንቋ እብራይስጥ ኣብ ዝተጻሕፈ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝበጽሐ "ዝጸንሐን ትጽቢት ዝግበረሉን ጸቕጢ" እኳ እንተሃለወ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ካብ ሊባኖስ ምውጻእ ከም እትቃወሞ ጠቒሱ።

    እቲ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብምስምማዕ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ "ጸጥታዊ ዞባታት" ሊባኖስ - ከምኡ'ውን ኣብ ሶርያን ቓዛን - "ብዘይ ናይ ግዜ ገደብ" ክጸንሕ'ዩ ይብል።

    "ዶባት እስራኤል ንምሕላው፡ ኩሎም ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራውያን፡" ክዓኑ ምዃኑን፡ እስራኤል ድማ ብዛዕባ መርገጺኣ ንኣመሪካውያን መዛኑኣ ሓበሬታ ከም ዝሃበትን ይዛረብ።

    ካትዝ ወሲኹ፡ "ኢራን ብሰንኪ ኣብ ሊባኖስ ዘጋጠመ ፍጻመታት ንእስራኤል እንተድኣ ኣጥቂዓታ - ብሙሉእ ሓይሊ ክንሃርማ ኢና፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ክፍተት ድማ ብንጹር ከነርእዮም ኢና፡" ኢሉ።

  9. ብዛዕባ ዝርዝር ሰነድ ምርድዳእ ኣመሪካን ኢራንን ክሳብ ሕጂ ዝተባህለ

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን 14 ነጥብታት መዘክር ጸብጺበንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ 14 ነጥብታት ዝሓዘ ረቐቕ ሰነድ ምርድዳእ ረቂቕ ዝበልኦ ይጽብባ ኣለዋ።

    እቶም ፍሉያት ነጥብታት ብኽልቲአን ሃገራት ብወግዒ ኣይተረጋገጸን።

    ፍርቂ ወግዓዊ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢራን ዝዀነ ማዕከን ዜና ሜሀር፡ እቶም ነጥብታት፡

    • ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል
    • ኣመሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢራን ኢድ ዘይምእታው
    • ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ምልዓል እገዳ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ
    • ኣመሪካ ካብ ኢራን ሓይልታታ ክትስሕብ
    • መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት "ብምሕደራ ኢራን" ክኽፈት
    • ኣመሪካን መሻርኽታን ንኢራን ብውሑዱ 300 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ውጥን ዳግመ ህንጸት ክህባ
    • ኣብ ልዕሊ ፍርያት ነዳድን ጸዓትን ኢራን ዝተነብረ እገዳ ከብቅዕ
    • ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንኸይትፍሪ ዝኣተወቶ ቃል ምትግባር
    • ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ሓይላ ንኸይትውስኽን ሓድሽ እገዳ ከይትገብርን ዝብሉ ዝርከቡዎም እዮም።

    እቲ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ብውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክጸድቕ ምዃኑ ሓቢራ።

  10. ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሰግሩ ተጨውዮም ኵሊቶም ከም ዝውሰድ ዝተፈራርሑ 300 ስደተኛታት

  11. ትራምፕ ምስ ኢራን ንዝተግብረ ስምምዕ ይውድስ፡ ሕቶታትን ስግኣታትን ግን ገና ኣይተኣልዩን

  12. ኤርትራዊ ብዝመበቈሉ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተመዝግበት ቀዳመይቲ ሸቶ

  13. ኲናት ኢራን ደው ንምባል ዝተበጽሐ መስርሕ እንታይ ይመስል ነይሩ?

    ብዛዕባ እዚ እዋናዊ ምዕባለታት ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገራት፤

    • ትማሊ ሰንበት ንግሆ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት ቤይሩት መጥቃዕቲ ኣካይዳ። እዚ ኣቐዲሙ "ሕዝቦላህ ናብ መሬት እስራኤል ገጹ" ንዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ምላሽ ከም ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ገሊጹ
    • ትራምፕ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቤይሩት ዘካየደቶ መጥቃዕቲ "ክኸውን ኣይነበሮን" ብምባል፡ ኣመሪካን ኢራንን "ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣዝየን ቀሪበን" ብምህላወን ክልቲኦም ወገናት ረጽሚ ደው ከብሉ ኣተሓሳሲቡ
    • እቲ መጥቃዕቲታት ኣብ መጀመርታ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ድርድር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ይመስል ነይሩ
    • ድሕሪ ሰዓታት ኣብ ሓደ ማዕቀፍ ስምምዕ ተበጺሑ፡ መንጐኛ እዚ ድርድር ዝዀነት ፓኪስታን መጀመርያ ነዚ ወዓዊ ገይራ፤ ብድሕሪኡ ትራምፕ ነቲ ስምምዕ ኣረጋጊጹ። መራሕቲ ኢራን'ዉን ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ኣረጋጊጾም
    • ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ዓርቢ ኣብ ስዊዘርላንድ ስምምዕ ክፍረም ትጽቢት ይግበር
    • ፍሉይነት ናይቲ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብወግዒ ኣይተገለጸን፡ እንተዀነ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ገለ እገዳታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ከብቅዕ፡ ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይተፍሪ ቃል ምእታዋ፡ ከምኡ’ውን ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል ዘጠቓልል ምዃኑ ጸብጺበን
    • ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ዝምልከት ዝርርብ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ከም ዝፍጸም ገሊጹ
  14. ዋንጫ ዓለም፡ ብዛዕባ ስዕረት ደቡብ-ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃውያን ዝቀባበል ዘሎ ዳእላታት

  15. ሃገራዊት ጋንታ ኢራን፡ ንዋንጫ ዓለም ናብ ኣመሪካ ኣትያ

    ልክዕ ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን ተጻብኦታት ደው ንምባል ስምምዕ ኣብ ዝተኣወጀሉ እዋን ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ሎስ ኣንጅለስ ኣትያ።

    እቲ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዝነበረ ውግእ ንምቁራጽ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ጋንታ ኢራን ሎሚ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣንጻር ኒውዚላንድ ዝካየድ መኽፈቲ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ቅድሚ ምክያዳ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ጥራይ’ዩ ተፈጺሙ።

    እዚ ድማ እቲ ግጭት ዝያዳ ክጋደድ ይኽእል እዩ ንዝብል ስግኣታት ዘፋዀሰ ኰይኑ ኣሎ።

    ነቲ ኣብ ዙርያ’ታ ጋንታ ዝነበረ ክትዕ ንምእላይ ግን ብዙሕ ተራ ኣይነበሮን።

    ኣጥቃዓይ ኢራን ሜህዲ ታረሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ወጥሪ፡ እታ ጋንታ ካብ ዝመጸትሉ ሰዓት ጀሚሩ ነቲ ውድድር ጸልዩዎ ኣሎ፤ ምድላዋት እውን ተቛሪጾም ነይሮም።

    እታ ጋንታ ጸገም ቪዛ ስለ ዘጋጠማ፡ ኣብ ግዜ ዋንጫ ዓለም እትጸንሓሉ መደብር ናብ ሜክሲኮ ክግዕዝ ተገዲዳ እያ።

    ኢራን ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ናብ ዝርከብ ሜዳ ምስ ትኣቱ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ዓቢ ማሕበረሰብ ኢራናውያን ነዚ ጸወታ ንምዕዛብ ኣብቲ ሜዳ ኣይክህልዉን እዮም።

    ገሊኦም ፊፋ ቅድሚ ሰውራ ዝነበረት ባንዴራ -ኣንበሳን ጸሓይን ዘለዋ- ምእጋዱ ብምቅዋም ተቓውሞታት ከካይዱ ክውጥኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ነታ ጋንታ ክጠፍእ ንዝደልይዎ ስርዓት ከም እትውክል ገይሮም ይርእይዋ።

    እታ ጋንታ ግን፡ ፖለቲካ ክተወግዶ ዘይትኽእል ጽላሎት ኰይኑዋ ጸኒሑ ኣሎ።

  16. መራሕቲ ሃገራት ዓለም፡ ብዛዕባ ስምምዕ እዘን ሃገራት እንታይ ይብሉ ኣለዉ?

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ "ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ሰላም ከም ምብጽሐን" ብሓጐስ ተቐቢሎዎ።

    "እዚ ንሰላማዊ ኣፈታትሓ እቲ ግጭት ዝውክል ወሳኒ ስጉምቲ'ዩ፡" ክብል ወሃቢ ቃል ገሊጹ።

    መራሕቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ኢጣልያን እውን ነዚ ስምምዕ ንኢዶም ኣለዉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ እዚ "እቲ ኲናት ኣብ ምውዳእ፡ ዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ምርግጋጽን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ኣብ ምኽፋትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ'ዩ፡" ኢሉ።

    ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጃፓን ሳናይ ታካይቺ ካብቶም ነቲ ስምምዕ ዝነኣዱ መራሕቲ ኰይና፡ ጃፓን "ብመጻብቦ ሆርሙዝ ናጻን ውሑስን ምጉዓዝ መራኽብ ብተግባር ክረጋገጽን፡ ኣብ ጉዳይ ኒዩክለር ኢራንን ካልእ ጉዳያትን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክብጻሕ" ተስፋ ከም እትብር፡" ገሊጻ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ፡ እቲ ስምምዕ "ነባሪ ሰላም" ከምጽእ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

    "ምሉእ ሕውየት ግዜ ዝወስድ እኳ እንተዀነ፡ ነዚ ኣገዳሲ ንግዳዊ ካንሸሎ ናብ ንቡር ምምላስ ግን ኣብ ዞባና ሓዊሱ ኣብ ዋጋታት ጸዓትን ቁጠባን ጸቕጢ ንምቅላል ኣገዳሲ'ዩ፡" ይብል።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኒውዚላንድ ዊንስተን ፒተርስ፡ እዚ "ኣገዳስን ሃናጽን ስምምዕ"ን "ንዓለማዊ ቁጠባዊ ድሕነት ወሳኒ ዝዀነ ዞባ ወጥሪ ንምንካይን ምርግጋእ ንምድንፋዕን ዝወስድ ስጉምቲ፡" እዩ ኢሉ።

  17. ሙሉእ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ሰላም ከም ዝተበጽሐ ዝሕብር ምሉእ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ እንሆ፤

    "ድሕሪ ጽዑቕ ዝርርብ፡ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ከምዝተበጽሐ ብሓጎስ ንሕብር።"

    "ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍን ብቐዋምን ደው ክብል ኣዊጆም ኣለዉ።"

    "ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምፍርራም ዓርቢ 19 ሰነ ኣብ ስዊዘርላንድ ክካየድ እዩ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ነቲ ግጭት ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንምርካብ ንዝገበርዎ ተወፋይነት ከነመስግኖም ንፈቱ።"

    "ኣብዚ ናይ ሽምግልና ጻዕሪ ንዝርከቡ ኣሕዋትና፡ ዓቢ መሪሕነት ሃገረ ቀጠር፡ ኣብዚ ስምምዕ እዚ ንምብጻሕ ንዝገበርዎ ደገፍ'ውን ልባዊ ምስጋናና ከነቕርብ ንፈቱ።"

    "ብፍላይ ንራእይ ዘለዎ ኣመራርሓ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሪፓብሊክ ቱርክን ኣብዚ መዳይ ንዝገበርዎ ዘይተኣደነ ኣበርክቶ'ውን ከመስግኖም እየ።"

    "ሕጂ እቲ ስምምዕ ኣብ ቦትኡ ምስ ዝህሉ፡ ተዛተይቲ ኣብዚ ሰሙን ተኸታታሊ ኣኼባታት ከመቻችኡ እዮም። እዚ ቅድሚ ትግባረ እዚ ስምምዕ ዝግበር ዘተታት መሰረት ናይቲ ቴክኒካዊ ዝርርብን ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምፍርራምን ክኸውን'ዩ።"

  18. ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን፡ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ኣፍሊጡ

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ፡ ከም መንጐኛ ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ ገሊጹ።

    "ድሕሪ ጽዑቕ ዝርርብ፡ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ኣብ ስምምዕ ሰላም ከም ዝተበጽሐ ብሓጎስ ንሕብር" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

    "ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍን ቀዋምን ደው ክብል ኣዊጆም ኣለዉ።"

    ወሲኹ ድማ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምፍራም 19 ሰነ 1026 ኣብ ስዊዘርላንድ ከም ዝካየድ ኣመልኪቱ።

    ሰበስልጣን ኢራንን ኣመሪካን ብዛዕባ እዚ ምልክታ ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃቡን።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ፓኪስታን ዘቕረበቶ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ'ዩ።

    "እቲ ምስ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዝተገብረ ስምምዕ ሕጂ ተዛዚሙ ኣሎ" ክብል ኣብ ትሩዝ ሶሻል ሓቢሩ።

    "በዚ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብዘይ ክፍሊት ንኽኽፈት ምሉእ ብምሉእ እፈቅድ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ እገዳ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ብቕልጡፍ ክእለ ፍቓድ እህብ፡" ይብል።

    "መራኽብ ዓለም ሞተርኩም ኣልዕሉ። ነዳዲ ክውሕዝ'ዩ!"።

    ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  19. ድሕሪ ካብ 14- 15 ሰዓታት ዝወሰደ ዝርርብ ዝተበጽሐ ስምምዕ

    ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ካዘም ጋሪባባዲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ መንጎኛታት ቀጠር ኣብ ረቂቕ ሰነድ ምርድዳእ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ፡ ኣብ ቴህራን "ካብ 14 ክሳብ 15 ሰዓታት ዝወሰደ ነዊሕ ዝርርብ" ከም ዘካየዱ ገሊጹ።

    ካዘም ጋሪባባዲ ሎሚ ሰኑይ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ”እዚ መስርሕ ድርድር ነዊሕ ግዜ ወሲዱ” ኢሉ።

    "ልኡኽ ቀጠር ትማሊ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ኢስላማባድ ዝተበጽሐ ሰነድ ምርድዳእ ዝምልከት ዘተ ንምዝዛም'ዩ ነይሩ። ኣስታት 14 ክሳብ 15 ሰዓታት ዝወሰደ ነዊሕ ዝርርብ ድማ ተኻይዱ።

    እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ኣብቲ ጽሑፍ ናይ መወዳእታ ምምሕያሻት ክግበር ኣቕሪባ። ባህርያዊ’ዩ፡ እቶም ምምሕያሻት ተቐባልነት ረኺቦም፡ ጽሑፍ ናይቲ ኣብ እስላማባድ ዝተገብረ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ድማ ተዛዚሙ፡" ኢሉ።

    እቲ ምክትል ሚኒስተር፡ ዝርርብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ዝካየድ ኰይኑ፡ ኢራን "ሓያሎ ክትምልሶም ዘለዋ ጉዳያት" ከም ዘለዋን፡ ቀዳምነት ዝወሃቦ ድማ ኩሉ ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረ እገዳ ምልዓል ምዃኑን ገሊጹ።ናይ 15 ሰነ 2026 ምዕባለታት ብሓጺሩን ብቐጥታን ኣብዚ ከነቕርበልኩም ኢና።

    ሰናይ መዓልቲ።