ትራምፕ ሎሚ ስምምዕ ክፍረም ይፅበ፡ ኢራን ግን ትጠራጠር
ኣመሪካን ኢራንን፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ትፅቢት ዝተገብረሉ ስምምዕ ሰነድ፡ ክፈራረማ ትጽቢት ከምዝግበር ሰበስልጣን ፓኪስታን ገሊጾም።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ስምምዕ ሎሚ ኣብ መበል 80 ዓመት ልደቱ፡ ክፍረም ትጽቢት ይገብር ኣሎ።
ይኹን እምበር ኢራን፡ ኣብ ምፍራም እቲ ስምምዕ ክሳብ ሕጂ ጥርጣረ ከምዘለዋ ገሊጻ ኣላ፤ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢራን እውን ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ገለ ስክፍታ ኣለዎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ሻህባዝ ሸሪፍ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መዘክር ሰነድ ምርድዳእ ከምዝተሰማምዑ ገሊፁ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ስምምዕ ምስ ተፈረመ ብደረጃ ክኢላታት ዝመጽእ ሰሙን ዝርርብ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።
ትራምፕ ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ ምስተፈረመ ሽዑንሽዑ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኽፈት ምዃኑ ሓቢሩ።
ብዓቢኡ ንኽልቲአን ሃገራት ዘሸማግላ ዘለዋ ሃገራት ፓኪስታንን ቀጠርን ዝርከበአን ሃገራት እውን፡ ኣብቲ ስምምዕ ክፍርማ ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት እቲ ሰነድ ምርድዳእ፡ ተኹሲ ደው ምባል ን60 መዓልታት ክናዋሕ ምዃኑን፡ ብዛዕባ ኒዩክለራዊ ፕሮግራም ኢራን ዝምልከት ልዝብ ክጅምር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።