እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ማእከላይ ምብራቕ፡ ንኢራን ንማዕበላዊ መጥቃቲ ኣመሪካ ምላሽ ብምሃብ ንወተሃደራዊ መዓስከራት ኣጥቂዓ

መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሳልሳይ መዓልቱ ኣብ ዘረሉ እዋን፡ መጠንቀቕታ ጥሒሰን ክሓልፋ ዝፈተና መራኽብ ነዳዲ ኢማራትስ ግዳይ ክሩዝ ሚሳኤላት ኰይነን ኣለዋ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ዝዘራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ምቍጽጻር ኑክሌር ኣብ ኢራን መርመራታት ከካይድ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡ ኢራን ብወገና እዚ መርመራ ኣብ መፈጸምታ ናይቲ ስምምዕ ጥራይ ከም ዝትግበር ኣፍሊጣ።
  • ቬነዝወላ ኣብ ውሽጢ 39 ካልኢታት ጥራይ ብኽልተ ተኸታታሊን ሓያልን (7.2ን 7.5ን ሬክተር) ምንቅጥቃጥ-መሬት ተሃስያ።
  • ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ሓያሎ ነዋሕቲ ህንጻታት ፈሪሶም፣ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ፣ ከምኡ'ውን ልዑል ቍጽሪ ግዳያት ክህሉ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።
  • ግዝያዊት ፕረዚደንት ዴልሲ ሮድሪገዝ 'ኣዋጅ ህጹጽ እዋን' ኣዊጃ፡ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ድማ ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ።
  • እዚ ሓደጋ ህዝቢ ኣብ ገዛውቱ ኣብ ዝነበረሉ መዓልቲ ብሄራዊ በዓል ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ቬነዝወላ ዘሎ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ብዝያዳ ዘጋድድ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ኰይኑ ኣሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኪር ስታርመር ንዝመጽእ ቀዳማይ ምኒስተር ደገፍ ከም ዝገብረሉ ገሊጹ

    ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኪር ስታርመር፡ካብ መሪሕነት ገዛኢ ሰልፊ ዕዮ ከም ዝለቅቕ ኣፍሊጡ።

    ንሱ ነዚ ስጕምቲ እዚ ክወስድ ዝተገደደ፡እቲ ሰልፊ ንቐጻሊ ሓፈሻዊ መረጻ ንምምራሕ ብቑዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንዘልዓሎ ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ምዃኑ ገሊጹ። ነቲ ካብ ሰልፉ ዝረኸቦ ግብረመልሲ ድማ ብጸጋ ከም ዝተቐበሎ ኣመልኪቱ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ዝወሰዶ ኵሉ ውሳነታት ነታ ዝፈትዋ ሃገሩ ቀዳምነት ንምሃብ ዝዓለመ ምባሩ ብምግላጽ፡ "ካብ መሪሕነት ሰልፊ ዕዮ ክለቅቕ እየ፡" ኢሉ።

    እንተዀነ፡ ሓድሽ መራሒ ኣብ መስከረም ባይቶ ዳግማይ ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ ምእንቲ ክምረጽ፡ እቲ ሰልፊ ካብ 9 ሓምለ ጀሚሩ ክሳዕ እቲ ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ዝዛዘም ናይ ግዜ ሰሌዳ ክሰርዕ ሓቲቱ ኣሎ።

    ክሳዕ እቲ እዋን'ቲ ድማ ከም ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ስራሑ ክቕጽል እዩ።

    ኪር ስታርመር ንዝቕጽል ቀዳማይ ምኒስተር ኵሉ ዝከኣሎ ደገፍ ብምሃብ፡ ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ክሰጋገር ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ።

    እታ ዝስዕቦ ቀዳማይ ምኒስተር ዝርከባ ዓባይ ብሪጣንያ፡ካብታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረት ዝያዳ ዝሓሸትን ፍትሓዊትን ሃገር ከም ዝዀነት ኣመልኪቱ።

    ኪርስታርመር፡ ንሽዱሽተ ዓመታት ብቕርበት ምስኡን ዝሰርሑ ፈተውቱን መሳርሕቱን፡ከምኡ'ውን ንሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈት ቍጽሪ 10 ዶውኒንግ ስትሪትን ስቪል ሰርቪስን ምስጋና ኣቕሪቡ።

    ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝዓበየ ሓላፍነት ንምግዳፍ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ነቲ ዝዓበየ ስራሕ ዝበሎ ሓዳሩን ስድራቤቱን ክከናኸን ዝያዳ ግዜ ክህብ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ስምዒቱ ክቈጻጸር ኣይከኣለን፤ "ንብዓልቲ ቤተይ ቪክን ንደቀይን ዝሓሸ ብዓል ሓዳርን ኣቦን ክኸውን እየ፡" ድሕሪ ምባል፡ ንብዓልቲ ቤቱ ሓቚፉ ናብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈቱ ተመሊሱ።

  2. ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመር ስልጣኑ ክለቅቕ ምዃኑ ኣፍሊጡ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያን መራሒ ሰልፊ ዕዮን ኪር ስታርመር፡ ካብ መዝነቱ ክለቅቕ ምዃኑ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ ሃንደበታዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ስታርመር ነዚ ናይ ስልጣን ምልቃቕ ውሳነኡ ንንጉስ ቻርለስ ብኣካል ከም ዘፍለጦ ሓቢሩ ኣሎ።

    ስታርመር ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈቱ - ዳውኒን ስትሪት ቍጽሪ 10 - ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰልፉ ናብቲ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ምርጫ ንኽመርሕ ንሱ ዝበለጸ ሰብ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ሕቶ ብሰልፉ ከም ዝተላዕለ ብምሕባር፡ “ነቲ ሰልፈይ ዝሃቦ መልሲ ሰሚዐዮ ኣለኹ፣ ብጸጋ ድማ እቕበሎ፡” ኢሉ።

    ወሲኹ፡ “ዝወሰድኩዎ ነፍሲ-ወከፍ ውሳነ፡ ነታ ዝፈትዋ ሃገረይ ቀዳምነት ኣብ ምሃብ ዝተሰረተ እዩ፤ ስለዚ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ዕዮ ክለቅቕ እየ፡” ክብል ውሳነኡ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

  3. ስታርመር መጻኢ ፖለቲካዊ ህይወቱ ዝግምግመሉ፡ በርንሃም ድማ ናብ ዌስት ምኒስተር የምርሕ ኣሎ

    ሰር ኬር ስታርመር፡ ሎሚ ንግሆ ወይ ድሕሪኡ ብቕልጡፍ፡ ካብ ዳውኒንግ ስትሪት ዝወርደሉ ገደብ ግዜ ከፍልጥ ይኽእል እዩ።

    ዝሓለፈ ሰሙን ኣንዲ በርንሃም ኣብ መረጻ መከርፊልድ ምስ ዓወተ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸቕጥታት እናበዝሖ መጺኡ ኣሎ።

    ብምልኡ እዚ ቅንያት፡ ሓያሎ ፖለቲከኛታትን ኣባላት ሰልፊ ዕዮን እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብዛዕባ መጻኢ ህይወቱ ክሓስብ በይኑ ገዲፎሞ።

    ሎሚ እዚ ስቕታ ከብቅዕ ተኽእሎ ኣሎ፤ ምኽንያቱ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ስታርመር ስልጣኑ ክለቅቕን ንተካኢኡ ስልጣን ዘረክበሉ መደብ ከም ከፍልጥን ይጽበዩ ኣለዉ።

    እቲ መደብ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ክወስድ ዝኽእል እንተዀይኑ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

    ውድድር ንመራሕነት ክህሉ ዝከኣል እኳ እንተዀነ፡ ከይተወዳደረ ስልጣን ምሓዝ ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎ ይመስል - በርንሃም ድማ እቲ ቀዳማይ ተረባሒ ክኸውን እዩ።

    ንሱ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤትምኽሪ ኮመንስ ከም ኣባል ፓርላማ ቃለማሕላ ክገብር ተመዲቡ ኣሎ።

    እንግሊዝ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር እንተ ረኺባ - ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ሓምሻይ ግዜ - ሓድሽ ካቢነ ክምዘዝን ሓድሽ መደብ ስራሕ ወይ ፖሊሲ ክውጠን እዩ።

    ተቓወምቲ ሰልፍታት ድማ እቲ ተካኢ ስታርመር ስልጣን ወይ ውክልና ኣለዎ ድዩ ኢሎም ክሓቱ ተኽእሎ ኣሎ።

  4. ክሪስ ሜሰን፡ ኵለን ኣዕይንቲ ናብ ቀዳማይ ምኒስተር ይጥምታ፡ እንታይ ክብል እዩ?

    ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ መደቡ ዘፍልጠሉ ኵነታት ኣጋጢሙ ኣሎ።

    እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ኣብ ሓፈሻዊ መረጻ ተሳዒሩ ዘይኰነስ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ብዘይ ብኣኡ ‘ይሓይሽ እዩ’ ስለ ዝበለ እዩ።

    ሓያሎ ሰባት ኣብ ውሽጢ መንግስትን ኣብ ዝበዝሐ ኣባል ሰልፊ ዕዮን ከምዚ ዓይነት መግለጺ ክህብ ይጽበዩ ኣለዉ፣ ምናልባት ከኣ ሎሚ ክፍጸም ይኽእል እዩ።

    ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ሰለስተ ቀዳሞት ምኒስተራት ቀዲሞም ክሳብ ዝመጽኡ፡ ቦሪስ ጆንሰን ነታ ሃገር ይመርሕ ነይሩ። ንሱ ክቕጽል ከም ዝደሊ ብትሪ ይዛረብ እኳ እንተ ነበረ፡ ክመርሕ ዘኽእሎ ዓቕሚ እናተዳኸመ ምስ ከደ ግን እቲ ንያቱ እናተባሕጐገ ከይዱ።

    ኣብ መጀመርታ ሓምለ 2022፡ ኣብ ዳውኒን ስትሪት ኰይኑ መደረ ከስምዕ ከሎ ኣብኡ ነይረ። ጆንሰን ቅድሚ ገለ ዓመታት ዓቢ ዓወት ረኺቡ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ናይ ባዕሉ ኣባላት ባይቶ ግን ዓቕሎም ከም ዝወድኡ ስለ ዝገለጹ፡ ብዘይ ድልየቱ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ወሲኑ።

    ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ ዳግማይ ኣብቲ ጐደና ነይረ። እዚ ግዜ’ዚ ድማ ሊዝ ትራስ ካብ ሰልፋ ሓገዝ ስለ ዘይረኸበት ካብ ስልጣን ትወርድ ከም ዘላ ኣፍሊጣ።

    ሕጂ ከኣ ቀጺልና ኣብዚ በጺሕና ኣለና። ነቲ ሓፈሻዊ መረጻ ተዓዊቱ ካብ ሪሺ ሱናክ ስልጣን ካብ ዝርከብ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ሰር ኪር ስታርመር ስልጣኑ ክሓድግ ኣብ ዝኽእለሉ ኵነታት በጺሑ ኣሎ።

  5. እስራኤልን ሕዝቦላህን ተዅሲ ከቋርጹ ከም ዝተሰማምዑ ኣመሪካ ገሊጻ, ተወሳኺ መጥቃዕትታት ኣብ ሊባኖስ ቀጺሉ

    ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ 47 ሰባት ዝቐተለ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ድሕሪ ምክያዱ፡ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝተሰማምዑ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ገሊጹ።

    እዚ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ዝተገብረ፡ እቲ ሕዝቦላህ ኣርባዕተ ወተሃደራት እስራኤል ዝቐተለሉ ውግእ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ውግእ ንምብቃዕ ዝተገብረ ስምምዕ ከይዓናቕፎ ካብ ዝነበረ ስግኣት ስዒቡ እዩ።

    ሓይልታት እስራኤል እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ እኳ እንተ ኣረጋገጹ፡ ጸኒሑ ግን ሓደ ወሃቢ ቃል፡ ሓይሊታቶም "ነቲ ብቕጽበት ዘንጸላሉ ስግኣት ምእላይ ክትቅጽል እያ፡" ኢሉ።

    ሕዝቦላህ ነቲ ምቍራጽ ተዅሲ ዛጊት ብወግዒ ባዕሉ እኳ እንተ ዘይኣረጋገጸ፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ጕጅለ ሸኽ ናይም ቃሰም ግን፡ "ነቲ ሕዝቦላህ ንምድምሳስ ዝተሓንጸጸ መደብ ፈሺሉ እዩ፡" ኢሉ።

    ሙሉእ ዛንታ ንምንባብ ነዚ ዝስዕብ መላግቦ ጠውቝ፡

  6. ቓዛ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ካሜራማን ኣልጀዚራ ዝርከቦም ሽዱሽተ ሰባት ቀቲሉ

    እስራኤል ኣብ ቓዛ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ​​ሓደ ካሜራማን ኣልጀዚራን ሓደ ቆልዓን ዝርከብዎም ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ ጥዕናን ገበርቲ ሰናይን ገሊጾም።

    ኣልጀዚራ፡ ነቲ ብቐዳም ኣብ ማእከላይ ዞባ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተቐትለ ወኪሉ ኣሕመድ ዊሻህ፡ "ጽዩፍ ገበንን ዒላማ ዝገበረ መቕተልትን" ከምዝኹንኖ ገሊጹ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ግን፡ ዊሻህ "ኣብ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ከም ስናይፐር ኦፕሬቲቭ ኮይኑ ዘገልገለ ግብረሽበራዊ" እዩ ክብል ከሲሱ።

    ኣሃዛቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣምነሉ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ጋዛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ ካብ ዝግበር ንደሓር፡ ሰራዊት እስራኤል 1007 ሰባት ከም ዝቐተለ ይገልጽ።

    ኣብቲ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ቡሬይጅ ዝርከብ ገዛ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት ክልተ ሰባት ምስ ዊሻህ ከምዝተቐትሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሆስፒታልን ኣብ ህይወት ኣድሕን ዝነጥፍ ከባብያዊ ትካልን ሓቢሮም።

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ነቶም ካልኦት ክልተ ዝተቐትሉ’ውን፡ ኣባላት ሓማስ እዮም ክብል ከሲሱ።

  7. ልዝብ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝጅመረሉ እዋን፡ ቴህራን መጻብቦ ሆርሙዝ ትዓጹ

    ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን፡ ብሰንኪ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ሊባኖስ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ዓጽየዮ’ኳ እንተበለት፡ ቀጥታዊ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስዊዘርላንድ ክጅምር ምዃኑ ተፈሊጡ።

    ኢራን ብተወሳኺ ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ምስ ኣመሪካ ዝገበረቶ ስምምዕ ምጉዳል፡ ከም ምኽንያት ምዕጻው ጠቒሳ። ይኹን'ምበር ሰራዊት ኣመሪካ ኣብቲ መጻብቦ "ትራፊክ ይውሕዝ ኣሎ" ክብል ገሊጹ'ሎ።

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ትማሊ ቀዳም ንግሆ ናብ ስዊዘርላንድ ኣትዮም። እቲ ሓድሽ ዙር ድርድር ድሒሩ ክጅምር ትጽቢት ይግበር።

    ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ መሓመድ ባገር ጋሊባፍን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣባስ ኣራግቺን ዝርከብዎም ልኡኽ ኢራን ትማሊ ሰንበት ኣጋምሸት ኣትዮም።

    ኣብቲ ዝርርብ ሰበስልጣን ኣመሪካን ኢራንን ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍን ሓላፊ ምክልኻል ሰራዊት እታ ሃገር ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒርን ክጽንበሩ እዮም።

    ፓኪስታን ኣብ ምሉእ እቲ ኲናት ከም መንጎኛ ኮይና ክትሰርሕ ዝፀንሐት ኰይና፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተኻየደ ዙርያ ድርድር ኣአንጊዳ'ያ።

    ቫንስ "ኣብ ጉዳይ ኒዩክለር" ከምኡ'ውን ኣብ "ጉዳይ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ሊባኖስ" ምዕባለታት ከምፅእ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።

  8. እቲ ስምምዕ 'መልእኽቲ ሓያል ኢራን እዩ- ፕረዚደንት ፐዘሽኪያኒ

    ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።

    እቲ ሎሚ ብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈረመ ስምምዕ ን60 መዓልታት ምቊራጽ ተጻብኦታት ደው ብምባል ንዝተረፈ ጉዳያት ብልዝብ ምፍታሕ ዘጠቓለለ እዩ።

    ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ተጻብኦታት እስራኤልን ሕዝቦላህን'ውን ኣካል ናይቲ ምቊራጽ ተዂሲ እዩ። እንተኾነ፡ እቶም ተጻባእቲ ወገናት ነቲ ስምምዕ ኣይፈረምሉን።

    እቲ 14 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ "ህጹጽን ቀዋሚን ምቊራጽ ወተሃደራዊ ስርሒታት"፡ ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከይተማዕብል፡ ከምኡ'ውን መጻብቦ ሆርሙዝ ክኽፈት ዝብል ይርከቦ።

    መራሒ ኢራን ብዛዕባ'ቲ ስምምዕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "መልእኽቲ ሓያል ኢራን" እዩ ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

    "እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ክብራን ናጽነታን እናሓለወት ኩሉ ሳዕ ንዓለማዊ ሰላም ጽኑዕ ቆራጽት ዘለዋ'ያ" ክብል ፕረዚደንት ማሱድ ፐዘሽኪያኒ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

    እንተኾነ፡ ገለ ኣኽረርቲ ስርዓት ኢራን በቲ ስምምዕ ከምዘይተሓጐሱ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ንወላዲኡ ተኪኡ ናብ ስልጣን ዝመጸ ኣያቶላህ ሞጅታባ ኻመኒ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ስምምዕ ዝሃቦ ወግዓዊ ርእይቶ የለን።

    ኣብ ዋሽንግተን'ውን ትራምፕ ካብ ኣባላት እቲ ንሱ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ሪፓብሊካን ይዅን ካልኦት ወገናት ተቓውሞታት ገጢምዎ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ዝያዳ ንኢራን ዘርብሕ'ዩ ብምባል'ዮም ዝነቕፍዎ ዘለዉ።

    ትራምፕ ግን "ዓያሹ" ክብል'ዩ ዝገልጾም ዘሎ።

    "ዕዳጋታት ስቶክ ዓሪጐም ክብረወሰን እናመዝገቡ፡ ዋጋታት ነዳዲ ንታሕቲ እናኣንቆልቍለ፡ እዞም ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣይተረርኩን ኢሎም ዝሓስቡ ዘለዉ ዓያሹ፡ ወይ ቀናኣትን ክፉኣትን ሰባት እዮም ወይ ድማ ሕማቓት እዮም" ብምባል ምላሽ ሂቡ።

    እስራኤል'ውን ብወገና በቲ ስምምዕ ባህ ከምዘይበላ'ያ ትገልጽ ዘሎ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ገና ብዛዕባ'ቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ዝሃቦ መብርሂ የለን። ብሰኑይ ግን ኣብ መንጐኡን ትራምፕን "ዘይምስምማዕ" ከምዝተፈጥረ ጠቒሱ ነይሩ።

    "ኣብ ዝተፈላለየ ልዝባትና ርእይቶይ ሂበ እየ" ዝበለ ነታንያሁ፡ "ብዙሕ ሳዕ ንሰማማዕ፡ ብዙሕ ሳዕ ከኣ ኣይንሰማማዕን። እዚ ኣብቲ ዝበለጸ ዝበሃል ስድራቤታት'ውን ዘጋጥም'ዩ" ኢሉ።

    ድሮ ካብ የማናውያን ወገናት ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ልፍንታዊ መንግስቲ፡ እስራኤል በቲ ስምምዕ ክትቅየድ ከምዘይብላ ክጽውዑ ጀሚሮም ኣለዉ።

  9. ሶማሊላንድ ኣብ እስራኤል ኤምባሲ ከፊታ

    ናጽነታ ባዕላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣብታ ኣፍልጦ ዝሃበታ እንኮ ሃገረ እስራኤል ፈላሚ ኤምባሲ ከፊታ።

    ኣብቲ ሎሚ ኣብ እዮርሳሌም ዝተፈጸመ ስነስርዓት ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ (ዒሮ) ተረኺቡ ነይሩ።

    እስራኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ከምዝሃበታ ይዝከር።

    ንስጉምቲ እስራኤል ብትሪ ዝተቓወመት ሞቓድሾ ሶማሊላንድ ዘይትቚረስ ኣካል ዓባይ ሶማልያ ምዃና'ያ ትኣምን።

    ቻይና፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ቱርኪ፡ ስዑዲ ዓረብን ኤርትራን ዝርከብዎም ወገናት ነቲ ኣፍልጦ ምንቃፎም ይዝከር።

    ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንሶማሊላንድ ዝወሃብ ዝዀነ ይዅን ኣፍልጦ ብምንጻግ ንሓድነትን ልኡላውነትን ሶማልያ ንምኽባር ዘለዎ መርገጺ ኣነጺሩ ነይሩ።

    ዒሮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን እስራኤል ብምርኻብ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ዝህሉ ምትሕግጋዝ ክላዘብ ቀንዩ።

    እቲ ኤምባሲ ኣብ እዮርሳሌም ምኽፋቱ'ውን ተባዕ ስጉምቲ ምዃኑ ነታንያሁ ንኢዱ። ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ኣብ ክንዲ ኣብታ ኣሰሓሓቢት ከተማ እዮርሳሌም፡ ኤምባሲታተን ኣብ ቴል ኣቪቭ እየን ዝኸፍታ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንእስራኤል ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽ፡ ኣብ 2018 ነቲ ኣብ ቴል ኣቪቭ ዝነበረ ኤምባሲ ናብ እዮርሳሌም ምግዓዙ ካብ ደገፍቲ ፍልስጤም ዝኾኑ ወገናት ዓቢ ተቓውሞ ገጢምዎ ነይሩ።

    ጓቲማላ፡ ሆንዱራስ፡ ኮሶቮ፡ ፓፗ ኒው ጊኒ፡ ፓራጓይን ፊጂን'ውን ኤምባሲታተን ናብ እዮርሳሌም ዘግዓዛ ወይ ዝኸፈታ ሃገራት እየን።

  10. ኣብ ፖላንድ ተቐቲሉ ዝተረኽበ ሩስያዊ ነቓፊ ፑቲን

    ሓደ ሩስያዊ ስነጥበባዊ ኣብ ፖላንድ ተቐቲሉ ተረኺቡ።

    እቲ ንብላድሚር ፑቲን ብምንቃፍ ዝፍለጥ ወዲ 44 ዓመት ሮበርት ከይ ብሰኑይ ንጉሆ'ዩ ኣብ ከተማ ቢያላ ፖድላስካ ብጥይት ተቐቲሉ ጸኒሑ።

    ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዝበልዎ፡ እቲ 'ሰምዮን ስክረፐትስኪ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሩስያዊ ኣብ ከባቢ ቆንስል ቤላሩስ'ዩ ብሓሙሽተ ጥይት ተሃሪሙ።

    ምስቲ ቅትለት ብዝተኣሳሰር ክልተ ዜጋታት ቤላሩስ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ፖሊሲ ሓቢሩ'ሎ።

    ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከምዝሓበርኦ፡ እቲ ስነጥበባዊ ኣብ 2021 እዩ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ቤላሩስ እትርከብ ከተማ ግዒዙ።

    ሓደ ዘይተፈልጠ ሰብ ሃንደበት ናብቲ ዝነበሮ መዓሸጊ መካይን ብምምጻእ ክልተ ጥይት ተኲሱ ምስ ኣውደቖ፡ ደጊሙ ሰለስተ ጥይት ከምዝተኮሰሉ ሓበሬታ ኣኽበርቲ ሕጊ ይጠቅስ።

    ስክረፐትስኪ ኣሉታዊ ምስሊ ፑቲን፡ መራሒ ቤላሩስ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮን ጆሰፍ ስታሊንን ዝበሉ ፖለቲከኛታት ብምቕራጽ ኣብ ተቓውሞታት ክሳተፍ ዝጸንሐ ምዃኑ ይፍለጥ።

  11. ህይወት ብዙሓት ዝቐዘፈ ምሕምሻሽ 'ስትራተጂካዊት' ነፋሪት ኣመሪካ

    ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ብምሕምሻሻ ሓያሎ ሰባት ሞይቶም።

    እታ ቢ-52 ዝተባህለት ስትራተጂካዊት ነፈሪት ካብ ምድሪ ምስ ተላዕለት'ያ ኣብ ሓጺር ህሞት ወዲቓ።

    እዛ ካብ ሓደ ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ንስሩዕ ፈተነ እናተበገሰት ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ኑክሌራዊ ቦምባታት ክትዓጥቕ እትኽእል'ያ።

    እቲ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ካብ ከተማ ሎስ-ኣንጀለስ ኣስታት 160ኪሜ ንሰሜን ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ምድረበዳ ሞጃቭ ተደኲኑ ዘሎ'ዩ።

    "ሎሚ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኤድዋርድ ዘሕዝን ሓደጋ ኣጋጢምዎ ኣሎ፡ ሸሞንተ ኣገደስቲ ኣመሪካውያን ድማ ከሲርና ኣለና" ክብል ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ እቲ መዓስከርን ፈተነታት በረራን ኮሎነል ጄምስ ሃየስ ገሊጹ።

    ካብቲ ሓደጋ ዝኾነ ሰብ ክድሕን ከምዘይክእልን'ውን እቲ መኮንን ኣሚቱ።

    እዘን ዓርሞሸሽ ነፈርቲ ውግእ፡ ኣካል 'ስትራተጂክ እዚ' ሰራዊት ኣመሪካ ኮይነን 31,751 ኪሎ-ግራም ዝበጽሕ ኑክሌራዊን ካልእ ስሩዕን ኣጽዋር ክጽዕና ዝኽእላ እየን።

    ቢ-52 ኣብ 1950ታት ዝተሰርሓ ኮይነን፡ ኣብ ከም ቬትናም፡ ዒራቕ፡ ከምኡ'ውን ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝነበረ ኲናት ዝተሳተፋ ምዃነን ይንገር።

    ቁመተን 49 ሜትሮ ኮይኑ፡ ክሳብ 2,414 ኪሜ ክውንጨፍ ዝኽእል ሚሳይላት ክዓጥቃ ይኽእላ።

    እዘን ነፍሲ ወከፈን ብሓሙሽተ ኣብረርቲ ዝምራሓ ገዘፍቲ ነፈርቲ ኣብ ታሪኽ ሰራዊት ኣመሪካ እተን ዝነውሐ ዕድመ ዘለወን እየን። ፈለማ ኣብ 1952 ናብ ሰማያት ምስ በረራ ክሳብ ሎሚ ኣይወረዳን።

    ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ።

  12. ዝርዝር ስምምዕ ኢራንን ኣመሪካን ክግለጽ'ዩ

    ኣመሪካን ኢራንን ኣብ መንጎአን ንዝጸንሐ ኲናት ደው ከብላ ከምዝተሰማምዓ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

    እንተኾነ ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን ዘሎ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣብ ዝሓጸረ እዋን" ክግለጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ዓርቢ ምሉእ ብምሉእ ከምዝኽፈት'ውን እቲ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ-7 ንምስታፍ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ትራምፕ ጠቒሱ።

    ኢራን ብወገና፡ ምስ ዖማን ብምውህሃድ ውሑስ ዋሕዚ መራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ ከተረጋግጽ ምዃና ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ተዛሪቡ።

    ልዕሊ 500 መራኽብ ኣብ ወሽመጥ ሰንፈላል ተሪፈን ምጽንሐን ይፍለጥ።

    ዜና ስምምዕ ድሕሪ ምውጽኡ ዕዳጋታት ዓለም ክዓርግ ተራእዩ'ሎ። ዋጋ ነዳዲ'ውን የንቆልቁል ኣሎ።

  13. ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብዘይ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ሊባኖስ ክጸንሕ'ዩ - ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ብዘይ ዝዀነ ናይ ግዜ መግትኢ ህላወኡ ክቕጽል ከም ዝሓሰበ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ ገሊጹ።

    እዚ ድማ ድሕሪ ምእዋጅ ማዕቀፍ ስምምዕ ኣመሪካን እስራኤልን ዝመጽአ ምዕባለ ኰይኑ፡ እቲ ስምምዕ "ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት" ከም ዘብቅዕ ዝገልጽ እዩ።

    ካትዝ ፈለማ ብቋንቋ እብራይስጥ ኣብ ዝተጻሕፈ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝበጽሐ "ዝጸንሐን ትጽቢት ዝግበረሉን ጸቕጢ" እኳ እንተሃለወ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ካብ ሊባኖስ ምውጻእ ከም እትቃወሞ ጠቒሱ።

    እቲ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብምስምማዕ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ "ጸጥታዊ ዞባታት" ሊባኖስ - ከምኡ'ውን ኣብ ሶርያን ቓዛን - "ብዘይ ናይ ግዜ ገደብ" ክጸንሕ'ዩ ይብል።

    "ዶባት እስራኤል ንምሕላው፡ ኩሎም ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራውያን፡" ክዓኑ ምዃኑን፡ እስራኤል ድማ ብዛዕባ መርገጺኣ ንኣመሪካውያን መዛኑኣ ሓበሬታ ከም ዝሃበትን ይዛረብ።

    ካትዝ ወሲኹ፡ "ኢራን ብሰንኪ ኣብ ሊባኖስ ዘጋጠመ ፍጻመታት ንእስራኤል እንተድኣ ኣጥቂዓታ - ብሙሉእ ሓይሊ ክንሃርማ ኢና፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ክፍተት ድማ ብንጹር ከነርእዮም ኢና፡" ኢሉ።

  14. ብዛዕባ ዝርዝር ሰነድ ምርድዳእ ኣመሪካን ኢራንን ክሳብ ሕጂ ዝተባህለ

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን 14 ነጥብታት መዘክር ጸብጺበንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ 14 ነጥብታት ዝሓዘ ረቐቕ ሰነድ ምርድዳእ ረቂቕ ዝበልኦ ይጽብባ ኣለዋ።

    እቶም ፍሉያት ነጥብታት ብኽልቲአን ሃገራት ብወግዒ ኣይተረጋገጸን።

    ፍርቂ ወግዓዊ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢራን ዝዀነ ማዕከን ዜና ሜሀር፡ እቶም ነጥብታት፡

    • ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል
    • ኣመሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢራን ኢድ ዘይምእታው
    • ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ምልዓል እገዳ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ
    • ኣመሪካ ካብ ኢራን ሓይልታታ ክትስሕብ
    • መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት "ብምሕደራ ኢራን" ክኽፈት
    • ኣመሪካን መሻርኽታን ንኢራን ብውሑዱ 300 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ውጥን ዳግመ ህንጸት ክህባ
    • ኣብ ልዕሊ ፍርያት ነዳድን ጸዓትን ኢራን ዝተነብረ እገዳ ከብቅዕ
    • ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንኸይትፍሪ ዝኣተወቶ ቃል ምትግባር
    • ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ሓይላ ንኸይትውስኽን ሓድሽ እገዳ ከይትገብርን ዝብሉ ዝርከቡዎም እዮም።

    እቲ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ብውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክጸድቕ ምዃኑ ሓቢራ።

  15. ኲናት ኢራን ደው ንምባል ዝተበጽሐ መስርሕ እንታይ ይመስል ነይሩ?

    ብዛዕባ እዚ እዋናዊ ምዕባለታት ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገራት፤

    • ትማሊ ሰንበት ንግሆ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት ቤይሩት መጥቃዕቲ ኣካይዳ። እዚ ኣቐዲሙ "ሕዝቦላህ ናብ መሬት እስራኤል ገጹ" ንዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ምላሽ ከም ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ገሊጹ
    • ትራምፕ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቤይሩት ዘካየደቶ መጥቃዕቲ "ክኸውን ኣይነበሮን" ብምባል፡ ኣመሪካን ኢራንን "ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣዝየን ቀሪበን" ብምህላወን ክልቲኦም ወገናት ረጽሚ ደው ከብሉ ኣተሓሳሲቡ
    • እቲ መጥቃዕቲታት ኣብ መጀመርታ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ድርድር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ይመስል ነይሩ
    • ድሕሪ ሰዓታት ኣብ ሓደ ማዕቀፍ ስምምዕ ተበጺሑ፡ መንጐኛ እዚ ድርድር ዝዀነት ፓኪስታን መጀመርያ ነዚ ወዓዊ ገይራ፤ ብድሕሪኡ ትራምፕ ነቲ ስምምዕ ኣረጋጊጹ። መራሕቲ ኢራን'ዉን ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ኣረጋጊጾም
    • ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ዓርቢ ኣብ ስዊዘርላንድ ስምምዕ ክፍረም ትጽቢት ይግበር
    • ፍሉይነት ናይቲ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብወግዒ ኣይተገለጸን፡ እንተዀነ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ገለ እገዳታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ከብቅዕ፡ ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይተፍሪ ቃል ምእታዋ፡ ከምኡ’ውን ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል ዘጠቓልል ምዃኑ ጸብጺበን
    • ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ዝምልከት ዝርርብ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ከም ዝፍጸም ገሊጹ
  16. ሃገራዊት ጋንታ ኢራን፡ ንዋንጫ ዓለም ናብ ኣመሪካ ኣትያ

    ልክዕ ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን ተጻብኦታት ደው ንምባል ስምምዕ ኣብ ዝተኣወጀሉ እዋን ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ሎስ ኣንጅለስ ኣትያ።

    እቲ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዝነበረ ውግእ ንምቁራጽ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ጋንታ ኢራን ሎሚ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣንጻር ኒውዚላንድ ዝካየድ መኽፈቲ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ቅድሚ ምክያዳ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ጥራይ’ዩ ተፈጺሙ።

    እዚ ድማ እቲ ግጭት ዝያዳ ክጋደድ ይኽእል እዩ ንዝብል ስግኣታት ዘፋዀሰ ኰይኑ ኣሎ።

    ነቲ ኣብ ዙርያ’ታ ጋንታ ዝነበረ ክትዕ ንምእላይ ግን ብዙሕ ተራ ኣይነበሮን።

    ኣጥቃዓይ ኢራን ሜህዲ ታረሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ወጥሪ፡ እታ ጋንታ ካብ ዝመጸትሉ ሰዓት ጀሚሩ ነቲ ውድድር ጸልዩዎ ኣሎ፤ ምድላዋት እውን ተቛሪጾም ነይሮም።

    እታ ጋንታ ጸገም ቪዛ ስለ ዘጋጠማ፡ ኣብ ግዜ ዋንጫ ዓለም እትጸንሓሉ መደብር ናብ ሜክሲኮ ክግዕዝ ተገዲዳ እያ።

    ኢራን ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ናብ ዝርከብ ሜዳ ምስ ትኣቱ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ዓቢ ማሕበረሰብ ኢራናውያን ነዚ ጸወታ ንምዕዛብ ኣብቲ ሜዳ ኣይክህልዉን እዮም።

    ገሊኦም ፊፋ ቅድሚ ሰውራ ዝነበረት ባንዴራ -ኣንበሳን ጸሓይን ዘለዋ- ምእጋዱ ብምቅዋም ተቓውሞታት ከካይዱ ክውጥኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ነታ ጋንታ ክጠፍእ ንዝደልይዎ ስርዓት ከም እትውክል ገይሮም ይርእይዋ።

    እታ ጋንታ ግን፡ ፖለቲካ ክተወግዶ ዘይትኽእል ጽላሎት ኰይኑዋ ጸኒሑ ኣሎ።

  17. መራሕቲ ሃገራት ዓለም፡ ብዛዕባ ስምምዕ እዘን ሃገራት እንታይ ይብሉ ኣለዉ?

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ "ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ሰላም ከም ምብጽሐን" ብሓጐስ ተቐቢሎዎ።

    "እዚ ንሰላማዊ ኣፈታትሓ እቲ ግጭት ዝውክል ወሳኒ ስጉምቲ'ዩ፡" ክብል ወሃቢ ቃል ገሊጹ።

    መራሕቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ኢጣልያን እውን ነዚ ስምምዕ ንኢዶም ኣለዉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ እዚ "እቲ ኲናት ኣብ ምውዳእ፡ ዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ምርግጋጽን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ኣብ ምኽፋትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ'ዩ፡" ኢሉ።

    ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጃፓን ሳናይ ታካይቺ ካብቶም ነቲ ስምምዕ ዝነኣዱ መራሕቲ ኰይና፡ ጃፓን "ብመጻብቦ ሆርሙዝ ናጻን ውሑስን ምጉዓዝ መራኽብ ብተግባር ክረጋገጽን፡ ኣብ ጉዳይ ኒዩክለር ኢራንን ካልእ ጉዳያትን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክብጻሕ" ተስፋ ከም እትብር፡" ገሊጻ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ፡ እቲ ስምምዕ "ነባሪ ሰላም" ከምጽእ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

    "ምሉእ ሕውየት ግዜ ዝወስድ እኳ እንተዀነ፡ ነዚ ኣገዳሲ ንግዳዊ ካንሸሎ ናብ ንቡር ምምላስ ግን ኣብ ዞባና ሓዊሱ ኣብ ዋጋታት ጸዓትን ቁጠባን ጸቕጢ ንምቅላል ኣገዳሲ'ዩ፡" ይብል።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኒውዚላንድ ዊንስተን ፒተርስ፡ እዚ "ኣገዳስን ሃናጽን ስምምዕ"ን "ንዓለማዊ ቁጠባዊ ድሕነት ወሳኒ ዝዀነ ዞባ ወጥሪ ንምንካይን ምርግጋእ ንምድንፋዕን ዝወስድ ስጉምቲ፡" እዩ ኢሉ።

  18. ሙሉእ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ሰላም ከም ዝተበጽሐ ዝሕብር ምሉእ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ እንሆ፤

    "ድሕሪ ጽዑቕ ዝርርብ፡ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ከምዝተበጽሐ ብሓጎስ ንሕብር።"

    "ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍን ብቐዋምን ደው ክብል ኣዊጆም ኣለዉ።"

    "ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምፍርራም ዓርቢ 19 ሰነ ኣብ ስዊዘርላንድ ክካየድ እዩ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ነቲ ግጭት ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንምርካብ ንዝገበርዎ ተወፋይነት ከነመስግኖም ንፈቱ።"

    "ኣብዚ ናይ ሽምግልና ጻዕሪ ንዝርከቡ ኣሕዋትና፡ ዓቢ መሪሕነት ሃገረ ቀጠር፡ ኣብዚ ስምምዕ እዚ ንምብጻሕ ንዝገበርዎ ደገፍ'ውን ልባዊ ምስጋናና ከነቕርብ ንፈቱ።"

    "ብፍላይ ንራእይ ዘለዎ ኣመራርሓ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሪፓብሊክ ቱርክን ኣብዚ መዳይ ንዝገበርዎ ዘይተኣደነ ኣበርክቶ'ውን ከመስግኖም እየ።"

    "ሕጂ እቲ ስምምዕ ኣብ ቦትኡ ምስ ዝህሉ፡ ተዛተይቲ ኣብዚ ሰሙን ተኸታታሊ ኣኼባታት ከመቻችኡ እዮም። እዚ ቅድሚ ትግባረ እዚ ስምምዕ ዝግበር ዘተታት መሰረት ናይቲ ቴክኒካዊ ዝርርብን ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምፍርራምን ክኸውን'ዩ።"

  19. ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን፡ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ኣፍሊጡ

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ፡ ከም መንጐኛ ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ ገሊጹ።

    "ድሕሪ ጽዑቕ ዝርርብ፡ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ኣብ ስምምዕ ሰላም ከም ዝተበጽሐ ብሓጎስ ንሕብር" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

    "ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍን ቀዋምን ደው ክብል ኣዊጆም ኣለዉ።"

    ወሲኹ ድማ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምፍራም 19 ሰነ 1026 ኣብ ስዊዘርላንድ ከም ዝካየድ ኣመልኪቱ።

    ሰበስልጣን ኢራንን ኣመሪካን ብዛዕባ እዚ ምልክታ ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃቡን።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ፓኪስታን ዘቕረበቶ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ'ዩ።

    "እቲ ምስ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዝተገብረ ስምምዕ ሕጂ ተዛዚሙ ኣሎ" ክብል ኣብ ትሩዝ ሶሻል ሓቢሩ።

    "በዚ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብዘይ ክፍሊት ንኽኽፈት ምሉእ ብምሉእ እፈቅድ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ እገዳ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ብቕልጡፍ ክእለ ፍቓድ እህብ፡" ይብል።

    "መራኽብ ዓለም ሞተርኩም ኣልዕሉ። ነዳዲ ክውሕዝ'ዩ!"።

  20. ድሕሪ ካብ 14- 15 ሰዓታት ዝወሰደ ዝርርብ ዝተበጽሐ ስምምዕ

    ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ መንጎኛታት ቀጠር ኣብ ረቂቕ ሰነድ ምርድዳእ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ፡ ኣብ ቴህራን "ካብ 14 ክሳብ 15 ሰዓታት ዝወሰደ ነዊሕ ዝርርብ" ከም ዘካየዱ ገሊጹ።

    ካዘም ጋሪባባዲ ሎሚ ሰኑይ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ”እዚ መስርሕ ድርድር ነዊሕ ግዜ ወሲዱ” ኢሉ።

    "ልኡኽ ቀጠር ትማሊ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ኢስላማባድ ዝተበጽሐ ሰነድ ምርድዳእ ዝምልከት ዘተ ንምዝዛም'ዩ ነይሩ። ኣስታት 14 ክሳብ 15 ሰዓታት ዝወሰደ ነዊሕ ዝርርብ ድማ ተኻይዱ።

    እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ኣብቲ ጽሑፍ ናይ መወዳእታ ምምሕያሻት ክግበር ኣቕሪባ። ባህርያዊ’ዩ፡ እቶም ምምሕያሻት ተቐባልነት ረኺቦም፡ ጽሑፍ ናይቲ ኣብ እስላማባድ ዝተገብረ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ድማ ተዛዚሙ፡" ኢሉ።

    እቲ ምክትል ሚኒስተር፡ ዝርርብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ዝካየድ ኰይኑ፡ ኢራን "ሓያሎ ክትምልሶም ዘለዋ ጉዳያት" ከም ዘለዋን፡ ቀዳምነት ዝወሃቦ ድማ ኩሉ ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረ እገዳ ምልዓል ምዃኑን ገሊጹ።ናይ 15 ሰነ 2026 ምዕባለታት ብሓጺሩን ብቐጥታን ኣብዚ ከነቕርበልኩም ኢና።

    ሰናይ መዓልቲ።