ብዓርቢ ኣብ ዮርዳኖስ ብኢራን ብባሊስቲክ ሚሳይልን ሰብ ኣልቦ ነፋሪትን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓደ ዛጊድ ደሃዩ ከምዘይተረኽበ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ገሊጾም።
ኣርባዕተ ወተሃደራት ኣመሪካ ድማ፡ ናብ ሆስፒታላት ዮርዳኖስ ተወሲዶም ሕክምና ምስ ተገብረሎም ከምዝተፋነዉ ማእከላይ እዝ ኣሜሪካ (CENTCOM) ኣፍሊጡ።
ካልኦት ቀሊል መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ኣባላት’ቲ ኣገልግሎት ድማ ናብ ስርሖም ከምዝተመልሱ ተገሊጹ።
ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ መንነት ናይቶም ዝተቐትሉ ወተሃደራት፡ ዝርዝር ናይቲ መጥቃዕቲ ይኹን እቲ ፍጻመ ኣይገለጹን። መንነቶም'ቶም ግዳያት ዘይተገልፀ ዛጊድ ኣባላት ስድረኦም ስለዘይተፈልጡ ከምዝዀነ ፀብባት ይሕብሩ።
እንተኾነ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ካልእ ዙር መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ብቀዳም ምሸት ኣፍሊጡ።
እቲ ተኸታተሊ መጥቃዕቲ፤
“ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ንግዳዊ መራኽብ ኣብ ሓደጋ ክተእቱ ንዘኽእል ዓቕማ ዝያዳ ንምድኻም” ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ “እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ኣባላት ኣመሪካ ንዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ እዩ” ኢሉ።
ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ግን ዝርዝርሓበሬታ ኣይሃበን።
ኣብ ወርሒ ለካቲት እቲ ኵናት ግናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ብዝሒ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ 16 በጺሑ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ደሃዩ ዝጠፍአ ፓይለት ሓይሊ ባሕሪ’ታ ሃገር’ውን
ከምዝሞተ ተፈሊጡ ኣሎ።
ማእከላይ እዝ ኣመሪካ ብቀዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ማእከላይ እዝ ኣመሪካን
መሻርኽቱን፡ ንመጥቃዕቲ ባሊስቲክ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኢራን ምላሽ ኣብ
ዝህብሉ ዝነበሩ እዋን፡ ክልተ ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝተኻየደ
ውግእ ተቐቲሎም። ካልእ ኣባል ኣገልግሎት ድማ ዛጊድ ደሃዩ ኣይተፈልጠን” ኢሉ።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ንሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ጠቒሰን: ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ
ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣል ኣዝራቕ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ክልተ
ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ከም ዝተሓምሸሻ
ሓቢረን።
ማእከላይ እዝ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን።