ኢራን ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ንዝርከብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ኣመሪካ ኣጥቂዓ።
ኢራን ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ንዝርከብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ኣመሪካ ኣጥቂዓ።
ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ኢራን ደብዳብ ድሕሪ ምክያዱ'ያ ቴህራን ነቲ ግብረመልሲ ሂባ ዘላ።
ኣብ ዮርዳኖስ፡ ኩዌትን ባሕሬንን ዝርከቡ መዓስከራት ኣመሪካ ዒላማ ናይቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዝኾኑ ሓይልታት ኢራን ኣፍሊጦም።
ዋሽንግተን ብወገና፡ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ንምድሃኽ ንሽዱሽተ ሰዓታት ዝቐጸለ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ሓቢራ'ላ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትሕተ-ቅርጺ ጸዓት እታ ሃገር ዒላማ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ከምዝኸውን ኣጠንቂቁ ነይሩ'ዩ።
ቴህራን ናብ ዘተ ክትምለስ ድልውቲ እንተዘይኮይና'ውን ተወሳኺ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ትራምፕ ኣሚቱ'ሎ።
መራሒ ልኡኽ ኢራን ኣብቲ ዝርርባት መሓማድ ባገር ጋሊባፍ ንመግስታዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ ንሃገሩ ዘየርብሕ ስምምዕ ክኽብሩ ቅሩባት ከምዘይኮኑ ተዛሪቡ።
ሃገራዊ ድሕነት ኢራን፡ ኣብቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝህልዎም ወሳኒ ተራ ዝምርኮስ ምዃኑ'ዩ ጋሊባፍ ዝምጉት።
ኣብቲ ዞባ ተዋፊሩ ዝርከብ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝበሎ፡ መጥቃዕቲ ሓይልታት ኣመሪካ ንማእከላት እዚ፡ መደበራት ጸረ-ሚሳይላት፡ ከምኡ'ውን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ዒላማ ዝገበረ እዩ ነይሩ
ብሓሙስ'ውን ኣብ ወሽመጥ፡ ናብቲ ዝዓበ መደበር ነዳዲ ኢራን ተምርሕ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ ከምዝወቕዑ እቲ እዚ ሓቢሩ።
እታ 'በልማ' ዝተባህለት መርከብ ንዝተዋህባ "ተደጋጋሚ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ" ብምባል ናብ ደሴት ካርግ እናኸደት እንከላ ብሚሳይላት ኣመሪካ ተሃሪማ ዓዲ-ውዒል ከምዝኾነት ጠቒሱ።
ኣመሪካ፡ ብሰሉስ ካብን ናብን ወደባት ኢራን ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ንግዲ ከምዝኣገደት ትራምፕ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።