እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ሆርሙዝ ናብ ባብ ኤል-መንደብ፡ ጸቕጢ ቀይሕ ባሕሪ ንዓለም እንታይ ክሳራ ከስዕብ እዩ?
ካብ ሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ክሳብ ምፍርራሕ ሑቲ፡ ባብ ኤል-መንደብ ዳግማይ ንዓለማዊ መጓዓዝያ ባሕሪ ስግኣት ኰይኑ ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ውጥረት፡ ንወድዓዊ ምንቅስቓስ መራኽብ ስዑዲ ዓረብን ቀረብ ጸዓት ዓለምን እንታይ ክሳራ ከስዕበሉ ይኽእል?
ምስ ኢራን ኪዳን ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ዕጡቕ ጕጅለ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዘውጽኦ ምፍርራሕ ብዛዕባ 'እገዳ ባሕሪ'፡ ኣብቲ ኣገዳሲ መስመር መጓዓዝያ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ዓለማዊ ንግዲ ተወሳኺ ዕንቅፋት ከይፈጥር ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ኢራን ድሮ ንመስመር መጻብቦ ሆርሙዝ ብተግባር ዓጽያቶ እያ። እዚ ድማ ካብ ወሽመጥ ፋርስ ንዝነቅል ናይ ባሕሪ ምንቅስቓስ ዓጊትዎ ይርከብ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ መሻርኽታ ዝዀኑ ሑቲ ድማ በቲ ካልእ ወገን ሓድሽ ግንባር ንምኽፋት የፈራርሑ ኣለዉ።
ብቴህራን ዝድገፉን ሰሜናዊ የመን ዝተቘጻጸሩን ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብቲ ንወሽመጥ ዓደን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘላግብ ኣገዳሲ መስመር ባብ ኤል-መንደብ፡ ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝዀነት ስዑዲ ዓረብ "ናይ ባሕሪ እገዳ" ኣዊጆም ኣለዉ።
እዚ መስመር'ዚ ናብ መትረብ ስወጽ ዘብጽሕ ኰይኑ፡ ዳርጋ 12% ካብቲ ብባሕሪ ዝጓዓዝ ዓለማዊ ነዳዲ ዝሓልፈሉ እዩ።
ወሃቢ-ቓል ወተሃደራዊ ሓይልታት ሑቲ ያሕያ ሳርያ፡ ብሰኑይ 20 ሓምለ 2026 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ እገዳ እዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሑቲ ዝርከቡ ከባቢታት ንዝርከቡ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ንዝገበረቶ ዕጽዋ ዝወሃብ ግብረ-መልሲ ምዃኑ ገሊጹ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ክሲ ብምዅናን፡ ሃገሩ መራኽባ ንምክልኻል ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ኵሉ ኣድላዪ ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ቃል ኣትዩ ኣሎ።
የመን፡ ሑቲ ካብ 2014 ጀሚሩ ንመንግስቲ ካብ ሰንዓ ምስ ኣለዮ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ትርከብ። እቲ ግጭት፡ ኣብ 2015 ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ነቲ መንግስቲ ናብ ስልጣን ንምምላስ ኢዱ ምስ ኣእተወ ዝያዳ ተባሪዑ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኲናት ልዕሊ 150, 000 ሰባት ቀቲሉ፡ ንልዕሊ 22 ሚልዮን ሰባት ድማ ንሓገዝ ብምቅላዕ፡ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለም ፈጢሩ ኣሎ።
ሑቲ ንመራኽብ ስዑዲ ኣብ ባብ ኤል-መንደብ ክዓጹ ይኽእሉ ድዩ?
ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል መጽናዕቲ 'ቻታም ሃውስ' ክኢላ ማእከላይ ምብራቕ ፋረዕ ኣል-ሙስሊሚ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ጕጅለ ዕንቅፋት ንምፍጣር ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዎ።
"ሑቲ ነታጒ ባሕሪ ኣለዎም፣ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ድማ ዓቕሚ ናይ ባሕሪ ድሮን ኣማዕቢሎም እዮም፡" ይብል።
ምሉእ ብምሉእ ዕጽዋ ከይገበሩ እውን ጸገማት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም።
ሙስሊሚ ወሲኹ፡ "ሓንቲ ዒላማ ምውቃዕ ጥራይ እያ ትድለ። እቲ ስጕምቲ ምሳልያዊ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ውሽጢ ትካላት መድሕን፡ ኩባንያታት መጓዓዝያ ባሕርን ኣቕረብቲ ነዳድን ኣድላዪ ዝዀነ ጭንቀት ክፈጥር እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ሰባት ዝግምቱዎ ንላዕሊ ጕድኣት ከስዕብ ይኽእል፡" ይብል።
"ስትራተጂ ኢራን ድሕሪ ኲናት፡ ንመሻርኽቲ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ደም ምፍሳስ እዩ። ንዅሉ ሰብ ናብቲ ግጭት ንምስሓብ ይፍትኑ ኣለዉ፡" ይብል ሙስሊሚ።
ኢራን ቅድሚ ሕጂ፡ "ካልኦት ግንባራት ንምኽፋት" ኣፈራሪሓ ነይራ እያ። ክኢላ ጉዳያት የመን ኣንዋት ኣል-ኣንሲ እውን ሑቲ ንስዑዲ ዓረብ ናብቲ ግጭት ንምስሓብ ድሌት ቴህራን ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ይሰማማዕ።
"ኢራን ሕጂ ዘለዋ እንኮ ኣማራጺ ንሱ ብምዃኑ፡ ነዚ ምንሕናሕ ትደልዮ እያ። ስዑዲ ዓረብ ምስ ቴህራን ካብ ምግጣም ክትቍጠብ ጸኒሓ እያ። ሕጂ ግና ሑቲ ብሓቂ መጥቃዕቲ እንተ ኣካይዶም፡ ጥቕማ ንምክልኻል ስጕምቲ ክትወስድ ክትግደድ እያ፡" ይብል ኣንሲ።
ባብ ኤል-መንደብ ስለምንታይ እዩ ክንድዚ ኣገዳሲ?
መስመር ባብ ኤል-መንደብ ኣብ መንጎ የመን (ብወገን ዓረብ) ከምኡ'ውን ጅቡትን ኤርትራን (ብወገን ኣፍሪቃ) ዝርከብ እዩ። ብህንዳዊ ውቅያኖስን ወሽመጥ ዓደንን ዝሓልፍ ናይ ባሕሪ መጓዓዝያ ናብ መትረብ ስወጽ ንምብጻሕ በዚ መስመር'ዚ ክሓልፍ ኣለዎ።
115 ኪሎ ሜተር ንውሓትን 36 ኪሎ ሜተር ስፍሓትን ዘለዎ እዚ መስመር፡ መትረብ ስወጽ ኣብ 1869 ምስ ተኸፍተ ኣብ ዓለማዊ ንግዲ ዘይትካእ መላግቦ ኰይኑ ኣሎ።
እዚ ጐደና ቀይሕ ባሕሪ ሕጂ ሓደ ካብቶም ዝበዝሐ ምንቅስቓስ ዝርኣየሎም መስመራት ዓለም ኰይኑ፡ ርብዒ ዝኸውን ዓለማዊ መጓዓዝያ ባሕሪ ብመንገዱ ይሓልፍ።
እቲ ብምኽንያት ኲናት ድሮ ብተግባር ተዓጽዩ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ 20% ካብ ዓለማዊ መጓዓዝያ ነዳዲ ይሽፍን። ምዕጻው ባብ ኤል-መንደብ ድማ ንኻልእ 12% ዓለማዊ ነዳዲ ክዓግት እዩ።
ብመሰረት ትካል ሓበሬታ ጸዓት ኣመሪካ፡ መዓልታዊ ሓሙሽተ ሚልዮን በርሚል ዝኸውን ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን እስያን ዝመጽእ ነዳዲ በዚ መስመር ናብ ምዕራብ ይጓዓዝ።
ብተወሳኺ፡ 8% ካብ ዓለማዊ መጓዓዝያ ዝፈሰሰ ባህርያዊ ጋዝ (LNG) በዚ መስመር ስለ ዝሓልፍ፡ ንዓለማዊ ቀረብ ጸዓት ወሳኒ መትኒ እዩ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ዝዕጾ ጀሚሩ፡ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዓለማዊ ንግዲ ዝያዳ ኣገዳስነት ረኺቡ ኣሎ።
ስዑዲ ዓረብ ካብ ወደብ ያንቡ ዝወጽእ ነዳዲ ንምምሕልላፍ ንባብ ኤል-መንደብ ከም መሰጋገሪ ክትጥቀመሉ ጀሚራ ኣላ። ሪያድ ካብቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባታታ ዘሎ መዐደኒ፡ ብሻምብቆታት ኣቢላ መዓልታዊ ሚልዮናት በርሚል ድፍን ነዳዲ ትሰድድ።
ብተወሳኺ፡ ባብ ኤል-መንደብ ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ንዘሎ ንግዳዊ ርክብ ቀንዲ መሳጋገሪ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።
ምዕጻው እዚ መስመር ምስቲ ኣብ 2021 መርከብ 'ኤቨር ጊቨን' ኣብ መትረብ ስዊዝ ተሸኺላ ዝፈጠረቶ ዕንቅፋት ተመሳሳሊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ።
እቲ ፍጻመ ኣብ ዓለማዊ ሰንሰለት ቀረብ ከቢድ ዕንቅፋት ብምፍጣር፡ ዋጋታት ንኽውስኽን ምድንጓያት ንኽፍጠርን ምኽንያት ኰይኑ ነይሩ።
ግደ ሑቲ
ኣብ ባብ ኤል-መንደብ ዝካየድ ዝዀነ መጥቃዕቲ ብሑቲ ክፍጸም ተኽእሎ ኣለዎ። ሓደ መራሒ ሑቲ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ጕጅለ ንቴህራን ንምድጋፍ ንባብ ኤል-መንደብ ንምጥቃዕ "ብወተሃደራዊ መዳይ ድሉው" ምዃኑ ገሊጹ።
ብ28 መጋቢት፡ ሑቲ ኣብቲ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዝገጥማሉ ዘለዋ ኲናት ንመጀመርታ ግዜ ኢዶም ብምእታው ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ፈንዮም።
እስራኤል ካብ የመን ዝመጽኡ ክልተ ሚሳይላት ከም ዘውደቐት ገሊጻ እያ።
እቲ ጕጅለ ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ የመን ዝተቈጻጸረ ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ኲናት ቓዛ ንመስመር ባብ ኤል-መንደብ ዒላማ ገይሩ ነይሩ እዩ።
ዕጡቓት ሑቲ ልዕሊ 100 መራኽብ ንግዲ ብሚሳይላትን ድሮናትን ብምጥቃዕ፡ ክልተ መራኽብ ኣጥሒሎም፡ ኣርባዕተ ባሕረኛታት ድማ ቀቲሎም።
ኣብ ሕዳር 2023፡ እቲ ጕጅለ ሄሊኮፕተር ብምጥቃም ብጃፓን እትመሓደርን ብብሪጣንያ እትውነንን መርከብ ጽዕነት 'ጋላክሲ ሊደር' ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጨውዩ።
ሑቲ ምስ እስራኤል ዝምድና ዘለወን መራኽብ ጥራይ ከም ዝጥቅዑ እኳ እንተ ገለጹ፡ እቲ መጥቃዕቲ ግና ኵሉ ዘጠቓለለ ከም ዝነበረ ይግለጽ። እዚ ድማ ገለ ካብተን ዓበይቲ ኩባንያታት መጓዓዝያ ባሕርን ነዳድን በቲ ከባቢ ዝገብራኦ ጕዕዞ ንኸቋርጻ ገይሩወን እዩ።
ዓለማዊ መጓዓዝያ ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ
ባብ ኤል-መንደብ ብዓረብኛ "ኣፋፌት ንብዓት" ወይ "ኣፋፌት ሓዘን" ማለት እዩ። እዚ ስም እዚ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሓደጋታት፡ ካብ ብርቱዕ ዋሕዚ ማይን ዘይተገመተ ንፋስን ጀሚሩ ክሳዕ ጅሆ ምሓዝን ግጭትን ዘንጸባርቕ እዩ።
ኣብ መንጎ 2008ን 2012ን እዚ ከባቢ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ቀርሰንቲ (ሸፋቱ ባሕሪ) ሶማልያ ከቢድ ስግኣት ኣንጠጥይዎ ነይሩ።
ሕጂ ዝፍጠር ምዕጻው መስመር ድማ ነቲ ብምኽንያት መጻብቦ ሆርሙዝ ተሓላሊኹ ዘሎ ናይ ጸዓት ዕዳጋ ዝያዳ ከጋድዶ ይኽእል እዩ።
መሓመድ ኣልባሻ ካብቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል 'ባሻ ጸብጻብ'፡ ሑቲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዘምርሓ መራኽብ ንምጥቃዕ ክጅምሩ እዮም ዝብል ግምት ገና ንጹር ኣይኰነን ይብል።
"መርከብ እኳ እንተ ዘይተወቕዐት፡ እቲ ኣዋጅ ጥራይ ንምንቅስቓስ መራኽብ ክዓናቕፍን ኣብ ወደባት ስዑዲ ዘይርግኣት ክፈጥርን ይኽእል እዩ። ሑቲ ካብ ምፍርራሕ ናብ ተግባራዊ ስጕምቲ ክሰግሩ ድዮም ዝብል ግና እቲ ወሳኒ ጉዳይ እዩ፡" ክብል ንሮይተርስ ገሊጹ።