እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘገርሙ ሓቅታት ታሪኻዊ ፀወታ ዋንጫ ዓለም
ናይ 2026 ዋንጫ ዓለም ፊፋ፡ እታ ፈላመይቲ ኵዕሶ ቅድሚ ምውቅዓ ገለ ታሪኻዊ ክስተታት ፈጢሩ'ዩ።
እዚ ዋንጫ ዓለም ልዕሊ ክልተ ሃገራት ዘዳለውኦ ብሕታዊ ውድድር ኰይኑ፡ 48 ሃገራት ብምስታፈን ክብረ ወሰን ዝኾነ ውድድር እዩ።
ቅድሚ እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ናይ ፍፃመ ፀወታ፡ ኣብ አሜርካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን ኣብ ውሽጢ ሜዳን ካብ ሜዳ ወፃኢን ብዛዕባ ዝተፈፀሙ ግን ድማ ብዙሕ ዘይፍለጡ ክስተታትን ቁፅርታትን ኣየኖት እዮም?
ከስደምምኹም ዝኽእሉ ገለ ሓቅታትን ቁፅርታትን ናይዚ ውድድር እነሆ።
እቶም ስሱዓት ፈረንሳውያንን ስፔናውያንን
ስፔን ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃማ ፈረንሳይ ንሳልሳይ ግዘ ዋንጫ ዓለም ክትወስድ ንዝነበራ ድሌት ኰሊፋቶ።
እንተኾነ ክልቲአን ጋንታታት ቅድሚ እቲ ፍፃመ ኣብ ዘለዉ ሸውዓተ ፀወታታት 120 ፈተነታት ሸቶ ገይረን።
ዕድል ዘይቀንዓ እንግሊዝ
ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ናይ ዋንጫ ሕልሙ ዝተዓገተ ጋንታ እንግሊዝ እዩ። ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ኣዝዩ ዕድል ዘይብሉ ጉጀለ እንትኾን፡ 102 ጌጋታት (ፋውል) ተፈፂምዎ።
ሞተር ጋንታ ስፔን ሮድሪ
እቲ ስፔናዊ ተፃዋታይ ማእኸል ፅቡቕ ለውጢ እዩ ገይሩ፤ ኣብ ሸውዓተ ፀወታታት ኣስታት 84 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ተጓዒዙ።
እቲ ተወንጫፊ ምባፔ
እዚ ፈረንሳዊ ኮኾብ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብዚ ውድርር እቲ ቅልጡፍ ተፃዋቲ ኰይኑ፡ ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ንሞሮኮ ኣብ ዝሰዓርሉ ግጥም ኣብ ሰዓት 37.6 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ሸፊኑ።
እቲ ካልእ ተፃዋቲ ስዊድናዊ ኣንቶኒ ኤላንጋ ጥራሕ'ዩ ምስ ናይ ምባፔ ዝቀራረብ 37 ኪሎሜትር ኣመዝጊቡ።
ተኸላኻሊ ፓራጓይን ክብረ ወሰን ኪዩራሳውን
ፓራጓይ ኣብዚ ውድድር ካብ ዝተርኣዩ ዓበይቲ ክስተታት ነቲ ሓደ ኣመዝጊባ ኣላ። ኣርባዕተ ግዘ ክብረወሰን ሻምፒዮንነት ንዝነበራ ጀርመን፡ ኣብ መበል 32 ዙር ብምስዓር፣ ኣብ ፀወታ ኣውዲቕኻ ምሕላፍ ድማ፡ ንፈረንሳይ ን70 ደቓይቕ ብምብዳህ ታሪኽ ሰሪሓ።
ሓላዊ ልዳት ኦርላንዶ ጊል ኣብ ሽድሽተ ፀወታታት 28 ኵዕሶታት ብምዕጋት ዕዙዝ ግደ ኣበርኪቱ። እዚ ናይዚ ውድድር ዝለዓለ ቁፅሪ እዩ።
እቲ ናይ ኪዩራሳው ሓላዊ ልዳት ኤሎይ ሩም'ውን ኣብ ሓደ ፀወታ 15 ኩዕሶታት ብምዕጋት፡ ሽሙ ኣብ ክብረወሰን ዝፅራሕ ካልእ ሓላዊ ልዳት እዩ።
እታ ሃገራዊት ጋንታ ምስ ኢኳዶር ኣብ ዘካየደቶ ግጥም፡ ሸቶ እንከይተመዝገባ ኣብ ስሩዕ ግዘ ልዑል ቁፅሪ ንዘለዎም ኵዕሶታት ብምዕጋት ክብረወሰን ተረኪቡ ኣሎ።
ዝባኸኑ ፍፁም ቅላዓት
ኣብዚ ፀወታ ዋንጫ ዓለም፡ 61 ፍፁም ቅላዓት ተዋሂቦም።
እንተኾነ፡ ኩዕሶ ምስ መረብ ዝተራኸበ በቶም 41 ጥራሕ እዩ። ተንታኒ ስፖርት ፊርም ኦፕታ፡ ካብ 1966 ንነዘ ትሑት ዒላምኡ ዝሓለወ ፍፁም ቅላዕ (ፔናሊቲ) ዝተርኣየሉ'ዩ ኢሉ።
ኣብዚ ፀወታ ሊዮኔል ሜሲ፡ ተደጋጋሚ ፍፁም ቅላዓት ስሒቱ'ዩ።
ብዙሓት ተጋጠምትን ብከላ ጋዝን
ዓለምለኸ መርበብ ክኢላታት ኩነታት ኣየር ዝኾነ 'ሳይንቲስትስ ፎር ግሎባል ሪሊፊኬሽን' (ኤስጂአር)፡ ኣብ ፀወታ ዋንጫ ዓለም 2026 ልዕሊ ዝኾነ እዋን ብከላ ኣየር ከም ዝህልው ይግምት።
ኣብ 2025 ኣብ ዝወፅአ ፀብፃብ፡ ናይቲ ውድድር ልቀት በካሊ ጋዝ ትሽዓተ ሚልየን ቶን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ክበፅሕ ከም ዝኽእል እቶም ሰብሞያ ገሚቶም ነይሮም።
እዚ ካብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ብዕፅፊ ዝዛይድ እዩ።
ልዑል ብዝሒ ተዓዘብቲ ዝተዓደምሎም ፀወታታት
ከም ሓበሬታ ፊፋ፡ ናይ ሎሚዘበን ውድድር ዋንጫ ዓለም ኣብ ፈላማይ ዙር ናይ መወዳእታ ውድድር ልዑል ብዝሒ ተመልከትቲ ኣመዝጊቡ።
4 ነጥቢ 6 ሚልየን ሰባት ኣብ 72 ፀወታታት ክርከቡ ክኢሎም። እዚ፡ ነቲ ኣብ 1994 ብኣዳላውነት አመርካ ዝተኻየደ ውድድር ንዝተመዝገበ ቁፅሪ ዝበልፅ እዩ።
ኣብ መወዳእታ 16 ዙር፡ ቁፅሪ ተመልከትቲ ናብ 6 ነጥቢ 25 ክብ ኢሉ። እዚ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኬፕ ቬርዴ ብ12 ዕፅፊ ዝበለፀ እዩ።
ቮዚንሃ- ክስተት ማሕበራዊ ሚድያ
ብዛዕባ እታ ኣፍሪቃዊት ደሴት ኬፕ ቬርዴን ናይዚ ዋንጫ ዓለም ፈላሞት ተፃወትቲን እንትለዓል፡ ጅግንነት ሓላዊ ልዳት ቮዚንሃ መዘራረቢ ማሕበራዊ ሚድያ ኰይኑ።
ናብ ዋንጫ ዓለም እንትመፅእ፡ ኣብ ኢንስታግራም 50 ሽሕ ሰዓብቲ ጥራሕ ዝነበርዎ እቲ ሓላዊ ልዳት፡ ፀወታት ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝተኻየድሎም መዓልትታት ቁፅሪ ሰዓብቱ 29 ሚልየን በፂሖም።
ልዑል ሙቐት ፊላደልፊያ
እቲ ኣብ ሰሜን አመርካ ዘሎ ልዑል ዋዒ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ፊፋ ኣብ ፀወታ ዋንጫ ዓለም 2026 ተፃወትቲ ፈሳሲ ዝወስድሉ ግዘ ክወሃቦም ዘኽእል መስርሕ ጀሚሩ።
እዚ ኰይኑ'ውን ግና ተፃወትቲ ፈረንሳይን ፓራጓይን ኣብ ስታዲዮም ፊላደልፊያ ኣብ ዘካየድዎ ፀወታ ኣውዲቕኻ ምሕላፍ፡ ነቲ 38 ዲግሪ ሴልሺየስ ዝበፅሐ ሙቐት ክፃወሩ ነይርዎም። እዚ ድማ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዑል ዋዒ ብዘይ መዝሓሊ ኣየር ዝተኻየደ ፀወታ እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ዘይተርኣየሉ ውድድር
ፕረዚደንት አመርካ ዶናልድ ትራምፕ ንወዲ ሃገሩ ኣጥቃዓይ ፎላሪን ባሎገን ዝተውሃቦ ቀይሕ ካርዲ ንክስረዝ ብዕዉት መንገዲ ንፊፋ ከም ዘእመነ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ክትዕን ምስሕሓብን ተፈጢሩ ኣሎ።
እንተኾነ ትራምፕ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝኾነ ፀወታ ኣይተረኸበን።
እዚ ኣብ ኣዳለውቲ ሃገራት ዘይተለመደ እዩ። እንተኾነ ኣብ መዛዘሚ ፀወታ ተረኺቡ ንካፒቴን ሰዓራይ ጋንታ ዋንጫ ከረክብ ትፅቢት ይግበር።
ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ'ውን ነዚ'ዩ ገሊፁ።