ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ 'ናይ ባሕሪ እገዳ' ኣዊጁ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ የመን ዝመደብሮም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ "ናይ ባሕሪ እገዳ" ከም ዘንበሩ ኣፍሊጦም።

ወሃቢ-ቓል ወተሃደራዊ ክንፊ እቲ ጕጅለ፡ እቲ ስጕምቲ ብቕጽበት ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ብምግላጽ፡ እዚ ድማ ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ብሑቲ ዝመሓደር ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ንዝርከቡ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ብምዕጻዋ ከም ግብረ መልሲ ዝተወሰደ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ወሃቢ-ቓል ብዛዕባ እቲ እገዳ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይሃበ፡ ሓደ ሓላፊ ክፍሊ ዜና እቲ ጕጅለ ግና፡ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝዀነ ስትራተጅያዊ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ንመርከብ ስዑዲ ዓረብ ዕጹው ክኸውን ምዃኑ ገሊጹ።

ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ ነቲ ክሲ ብምዅናን፡ "ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ንመርከባታ ንምክልኻል ኵሉ ኣድላዪ ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና፡" ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ተፈጢሩ ብዘሎ ኲናት፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ብጭቡጥ ብምዕጻዉ፡ ቀይሕ ባሕሪ ንመጓዓዝያ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ወሳኒ ኰይኑ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ውጥረት ዝመጽእ ዘሎ፡ እቲ ካብ 2022 ጀሚሩ ሃዲኡ ዝጸንሐ ግጭት ሑቲን ስዑዲ ዓረብን ዳግም ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ድሕሪ ምብጽሑ ድሕሪ ሰሙን እዩ።

ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሰንዓ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ብምዅናን፡ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓብሃ ሚሳይላት ከም ዝተኰሱ ገሊጾም ነይሮም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሰንዓ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን "ኢራናዊት ነፋሪት ብዘይፍቓድ ከይትዓርፍ ንምክልኻል" ከም ዝፈጸሞ ገሊጹ እዩ።

የመን፡ ሑቲ ካብ 2014 ጀሚሮም ንመንግስቲ ካብ ሰንዓ ድሕሪ ምስጓጎም፡ ብዂናት ሓድሕድ ኲናት ክትሕመስ ጸኒሓ እያ።

እቲ ግጭት ብ2015 ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ሃገራት ዓረብ ነቲ መንግስቲ ናብ ስልጣን ንምምላስ ኢዱ ምስ ኣእተወ ዝገደደ ተባሪዑ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኲናት ልዕሊ 150,000 ሰባት ክቕተሉ ምኽንያት ኰይኑ፣ ልዕሊ 22 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ህይወቱ ኣብ ረድኤት ከም ዝምርኰስ ገይሩ ኣሎ።

እዚ፡ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለም ተባሂሉ ይግለጽ።

ወሃቢቓል ወተሃደራዊ ሑቲ ያሕያ ሳረዓ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስዑዲ ዓረብ "ንልዕሊ 12 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ክቡር ህዝብና ዘይፍትሓውን ጨቋንን ከበባ ብምግባር፡ ሃብትና ብምዝራፍን ኣብ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ብመሬት፡ ባሕርን ኣየርን ምሉእ ዕጽዋ ገይራ ትርከብ፡" ኢሉ።

ቀጺሉ፡ እቲ ጕጅለ "ዓይኒ ንዓይኒ" ብዝብል መትከል፡ "ኣብ ልዕሊ እቲ ገባሪ እከይ ጸላኢ ስዑዲ" ናይ ባሕሪ እገዳ ከም ዝወሰነ ኣዊጁ።

"ኵሉ ዓይነት ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ንዝዀነ ዕሽነታዊ ተግባር ጸላኢ ብቘራጽነት ምላሽ ክንህብ ኢና፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ያሕያ ሳረዓ ብዛዕባ እቲ እገዳ ተወሳኺ ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይሃበ፡ ምክትል ሓላፊ ቤትጽሕፈት ዜና ሑቲ ነስረዲን ዓሚር ግና ኣብ ማሕበራዊ ገጽ 'ኤክስ' ኣብ ዝጸሓፎ፡ እቲ ጕጅለ ንመጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ንመርከብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝዓጸዎ ኣፍሊጡ።

መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ 32 ኪሎ ሜተር ስፍሓት ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ደቡባዊ ምዕራብ የመንን ቀርኒ ኣፍሪቃን ይርከብ። እዚ ስትራተጅያዊ መስመር፡ ንወሽመጥ ዓደን ምስ ቀይሕ ባሕሪ የላግቦ።

ካብ ጥቅምቲ 2023፡ ኲናት ቓዛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ሑቲ ንፍልስጤማውያን ንምድጋፍ ብምባል ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕቲ ክፈጽሙ ጸኒሖም እዮም። ብሰንኪ እዚ ድማ ትካላት መጓዓዝያ ባሕሪ መስመሮም ናብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ክቕይሩ ተገዲዶም።

ስዑዲ ዓረብ ብሰንኪ እቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘሎ ኵነታት፡ ካብ 70% ንላዕሊ ሰደድ ነዳዲኣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ወደብ ያንቡዕ ኣዝዊራቶ ትርከብ።

ኣብዚ ዳሕረዎት ሰሙናት፡ መዓልታዊ 4 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ካብዚ ወደብ ይለኣኽ ኣሎ።

መሐመድ ኣልባሻ ዝተባህለ ተንታኒ ጸጥታ፡ "መጥቃዕቲ እኳ እንተ ዘይተፈጸመ፡ እቲ ኣዋጅ ጥራይ ንመጓዓዝያ ባሕሪ ክዝርግን ኣብ ወደባት ስዑዲ ዓረብ ዘይርግኣት ክፈጥርን ይኽእል እዩ፡" ክብል ንዜና ሮይተርስ ገሊጹ።