ምስቲ ኣብ ኣውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ረስኒ ብዝተሓሓዝ 40 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣብ ኣውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ዋዒ ክራማት ሓደኛ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።
ኣብ ፈረንሳ ጥራይ፡ ምስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ረስእኒ ብዝተኣሳሰር 40 ሰባት ኣብ ማያት ጥሒሎም ከምዝሞቱ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ሰብመዚ እታ ሃገር ሰባት ብዘይ ሓለዋ ክኢላታት ናብ ባሕሪ፡ ቀላያትን ወሓይዝን ከይኣትዉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።
ፈረንሳ፡ ኢጣልያን ስጳኛን ገለ ካብተን በቲ ውዑይ ኩነታት ኣየር ዝያዳ ዝተጸልዋ ሃገራት እየን።
ትማሊ ኣብ ታሪኽ ፈረንሳ እታ ዝወዓየት ለይቲ ኮይና ሓዲራ። ሎሚ'ውን መጠን ዋዒ ኣብታ ሃገር ናብ 44.3 ዲግሪ ዓሪጉ ውዒሉ።
ኣብ ስጳኛ'ውን መጠን ዋዒ ክሳብ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።
ከም ሮማ፡ ቦሎኛ፡ ሚላን፡ ቨኒስ፡ ፍሎረንስን ናፖሊን ዝበላ ከተማታት ኢጣልያ'ውን መጠንቀቕታ ኣውጺአን ኣለዋ።
ኣብ ብሪጣንያ ድማ፡ ዛጊት 33.7 ዲግሪ ተመዝጊቡ'ሎ። ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተመዝገበ ዝለዓለ መጠን እቲ ኣብ 1976 ዝተራእየ 35.6 ዲግሪ እዩ ነይሩ።
ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ኣብ ብሪጣንያ ትርከበን ዝተፈላለያ ሃገራት ሰብመዚ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከብዎም ትካላት ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊልን ክዓጽዉ ተገዲዶም ኣለዉ።
ክቱር ረስኒ ንሓዲዳት ባቡር ስለዘግፍሖ'ውን መጓዓዝያ ባቡር ከተዓናቕፍ ይኽእል'ዩ። ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት ባቡር ብሪጣንያ ጽባሕ ረቡዕ መገሻታት ክግታእ ተማሕጺኑ ኣሎ።
ዝኾነ ሰብ መሬት ጠለስ ምስ በለ ክንቀሳቐስን ማይ ከይሓድግን ድማ ሰብሞያ ጥዕና ብወገኖም ይምሕጸኑ ኣለዉ።











