ቀጥታ, ኣብ ዮርዳኖስ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኢራን ክልተ ወተሃደራት ኣመሪካ ሞይቶም

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካልእ ዙር ግጭት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዮርዳኖስ ብኢራን ብባሊስቲክ ሚሳይልን ሰብ ኣልቦ ነፋሪትን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓደ ዛጊድ ደሃዩ ከምዘይተረኽበ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ገሊጾም።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ዝዘራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ምቍጽጻር ኑክሌር ኣብ ኢራን መርመራታት ከካይድ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡ ኢራን ብወገና እዚ መርመራ ኣብ መፈጸምታ ናይቲ ስምምዕ ጥራይ ከም ዝትግበር ኣፍሊጣ።
  • ቬነዝወላ ኣብ ውሽጢ 39 ካልኢታት ጥራይ ብኽልተ ተኸታታሊን ሓያልን (7.2ን 7.5ን ሬክተር) ምንቅጥቃጥ-መሬት ተሃስያ።
  • ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ሓያሎ ነዋሕቲ ህንጻታት ፈሪሶም፣ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ፣ ከምኡ'ውን ልዑል ቍጽሪ ግዳያት ክህሉ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።
  • ግዝያዊት ፕረዚደንት ዴልሲ ሮድሪገዝ 'ኣዋጅ ህጹጽ እዋን' ኣዊጃ፡ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ድማ ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ።
  • እዚ ሓደጋ ህዝቢ ኣብ ገዛውቱ ኣብ ዝነበረሉ መዓልቲ ብሄራዊ በዓል ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ቬነዝወላ ዘሎ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ብዝያዳ ዘጋድድ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ኰይኑ ኣሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብዘይ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ሊባኖስ ክጸንሕ'ዩ - ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል

    ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ብዘይ ዝዀነ ናይ ግዜ መግትኢ ህላወኡ ክቕጽል ከም ዝሓሰበ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ ገሊጹ።

    እዚ ድማ ድሕሪ ምእዋጅ ማዕቀፍ ስምምዕ ኣመሪካን እስራኤልን ዝመጽአ ምዕባለ ኰይኑ፡ እቲ ስምምዕ "ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት" ከም ዘብቅዕ ዝገልጽ እዩ።

    ካትዝ ፈለማ ብቋንቋ እብራይስጥ ኣብ ዝተጻሕፈ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝበጽሐ "ዝጸንሐን ትጽቢት ዝግበረሉን ጸቕጢ" እኳ እንተሃለወ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ካብ ሊባኖስ ምውጻእ ከም እትቃወሞ ጠቒሱ።

    እቲ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብምስምማዕ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ "ጸጥታዊ ዞባታት" ሊባኖስ - ከምኡ'ውን ኣብ ሶርያን ቓዛን - "ብዘይ ናይ ግዜ ገደብ" ክጸንሕ'ዩ ይብል።

    "ዶባት እስራኤል ንምሕላው፡ ኩሎም ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራውያን፡" ክዓኑ ምዃኑን፡ እስራኤል ድማ ብዛዕባ መርገጺኣ ንኣመሪካውያን መዛኑኣ ሓበሬታ ከም ዝሃበትን ይዛረብ።

    ካትዝ ወሲኹ፡ "ኢራን ብሰንኪ ኣብ ሊባኖስ ዘጋጠመ ፍጻመታት ንእስራኤል እንተድኣ ኣጥቂዓታ - ብሙሉእ ሓይሊ ክንሃርማ ኢና፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ክፍተት ድማ ብንጹር ከነርእዮም ኢና፡" ኢሉ።

  2. ብዛዕባ ዝርዝር ሰነድ ምርድዳእ ኣመሪካን ኢራንን ክሳብ ሕጂ ዝተባህለ

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን 14 ነጥብታት መዘክር ጸብጺበንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ 14 ነጥብታት ዝሓዘ ረቐቕ ሰነድ ምርድዳእ ረቂቕ ዝበልኦ ይጽብባ ኣለዋ።

    እቶም ፍሉያት ነጥብታት ብኽልቲአን ሃገራት ብወግዒ ኣይተረጋገጸን።

    ፍርቂ ወግዓዊ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢራን ዝዀነ ማዕከን ዜና ሜሀር፡ እቶም ነጥብታት፡

    • ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል
    • ኣመሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢራን ኢድ ዘይምእታው
    • ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ምልዓል እገዳ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ
    • ኣመሪካ ካብ ኢራን ሓይልታታ ክትስሕብ
    • መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት "ብምሕደራ ኢራን" ክኽፈት
    • ኣመሪካን መሻርኽታን ንኢራን ብውሑዱ 300 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ውጥን ዳግመ ህንጸት ክህባ
    • ኣብ ልዕሊ ፍርያት ነዳድን ጸዓትን ኢራን ዝተነብረ እገዳ ከብቅዕ
    • ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንኸይትፍሪ ዝኣተወቶ ቃል ምትግባር
    • ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ሓይላ ንኸይትውስኽን ሓድሽ እገዳ ከይትገብርን ዝብሉ ዝርከቡዎም እዮም።

    እቲ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ብውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክጸድቕ ምዃኑ ሓቢራ።

  3. ኲናት ኢራን ደው ንምባል ዝተበጽሐ መስርሕ እንታይ ይመስል ነይሩ?

    ብዛዕባ እዚ እዋናዊ ምዕባለታት ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገራት፤

    • ትማሊ ሰንበት ንግሆ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት ቤይሩት መጥቃዕቲ ኣካይዳ። እዚ ኣቐዲሙ "ሕዝቦላህ ናብ መሬት እስራኤል ገጹ" ንዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ምላሽ ከም ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ገሊጹ
    • ትራምፕ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቤይሩት ዘካየደቶ መጥቃዕቲ "ክኸውን ኣይነበሮን" ብምባል፡ ኣመሪካን ኢራንን "ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣዝየን ቀሪበን" ብምህላወን ክልቲኦም ወገናት ረጽሚ ደው ከብሉ ኣተሓሳሲቡ
    • እቲ መጥቃዕቲታት ኣብ መጀመርታ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ድርድር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ይመስል ነይሩ
    • ድሕሪ ሰዓታት ኣብ ሓደ ማዕቀፍ ስምምዕ ተበጺሑ፡ መንጐኛ እዚ ድርድር ዝዀነት ፓኪስታን መጀመርያ ነዚ ወዓዊ ገይራ፤ ብድሕሪኡ ትራምፕ ነቲ ስምምዕ ኣረጋጊጹ። መራሕቲ ኢራን'ዉን ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ኣረጋጊጾም
    • ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ዓርቢ ኣብ ስዊዘርላንድ ስምምዕ ክፍረም ትጽቢት ይግበር
    • ፍሉይነት ናይቲ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብወግዒ ኣይተገለጸን፡ እንተዀነ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ገለ እገዳታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ከብቅዕ፡ ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይተፍሪ ቃል ምእታዋ፡ ከምኡ’ውን ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል ዘጠቓልል ምዃኑ ጸብጺበን
    • ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ዝምልከት ዝርርብ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ከም ዝፍጸም ገሊጹ
  4. ሃገራዊት ጋንታ ኢራን፡ ንዋንጫ ዓለም ናብ ኣመሪካ ኣትያ

    ልክዕ ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን ተጻብኦታት ደው ንምባል ስምምዕ ኣብ ዝተኣወጀሉ እዋን ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ሎስ ኣንጅለስ ኣትያ።

    እቲ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዝነበረ ውግእ ንምቁራጽ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ጋንታ ኢራን ሎሚ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣንጻር ኒውዚላንድ ዝካየድ መኽፈቲ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ቅድሚ ምክያዳ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ጥራይ’ዩ ተፈጺሙ።

    እዚ ድማ እቲ ግጭት ዝያዳ ክጋደድ ይኽእል እዩ ንዝብል ስግኣታት ዘፋዀሰ ኰይኑ ኣሎ።

    ነቲ ኣብ ዙርያ’ታ ጋንታ ዝነበረ ክትዕ ንምእላይ ግን ብዙሕ ተራ ኣይነበሮን።

    ኣጥቃዓይ ኢራን ሜህዲ ታረሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ወጥሪ፡ እታ ጋንታ ካብ ዝመጸትሉ ሰዓት ጀሚሩ ነቲ ውድድር ጸልዩዎ ኣሎ፤ ምድላዋት እውን ተቛሪጾም ነይሮም።

    እታ ጋንታ ጸገም ቪዛ ስለ ዘጋጠማ፡ ኣብ ግዜ ዋንጫ ዓለም እትጸንሓሉ መደብር ናብ ሜክሲኮ ክግዕዝ ተገዲዳ እያ።

    ኢራን ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ናብ ዝርከብ ሜዳ ምስ ትኣቱ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ዓቢ ማሕበረሰብ ኢራናውያን ነዚ ጸወታ ንምዕዛብ ኣብቲ ሜዳ ኣይክህልዉን እዮም።

    ገሊኦም ፊፋ ቅድሚ ሰውራ ዝነበረት ባንዴራ -ኣንበሳን ጸሓይን ዘለዋ- ምእጋዱ ብምቅዋም ተቓውሞታት ከካይዱ ክውጥኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ነታ ጋንታ ክጠፍእ ንዝደልይዎ ስርዓት ከም እትውክል ገይሮም ይርእይዋ።

    እታ ጋንታ ግን፡ ፖለቲካ ክተወግዶ ዘይትኽእል ጽላሎት ኰይኑዋ ጸኒሑ ኣሎ።

  5. መራሕቲ ሃገራት ዓለም፡ ብዛዕባ ስምምዕ እዘን ሃገራት እንታይ ይብሉ ኣለዉ?

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ "ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ሰላም ከም ምብጽሐን" ብሓጐስ ተቐቢሎዎ።

    "እዚ ንሰላማዊ ኣፈታትሓ እቲ ግጭት ዝውክል ወሳኒ ስጉምቲ'ዩ፡" ክብል ወሃቢ ቃል ገሊጹ።

    መራሕቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ኢጣልያን እውን ነዚ ስምምዕ ንኢዶም ኣለዉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ እዚ "እቲ ኲናት ኣብ ምውዳእ፡ ዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ምርግጋጽን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ኣብ ምኽፋትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ'ዩ፡" ኢሉ።

    ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጃፓን ሳናይ ታካይቺ ካብቶም ነቲ ስምምዕ ዝነኣዱ መራሕቲ ኰይና፡ ጃፓን "ብመጻብቦ ሆርሙዝ ናጻን ውሑስን ምጉዓዝ መራኽብ ብተግባር ክረጋገጽን፡ ኣብ ጉዳይ ኒዩክለር ኢራንን ካልእ ጉዳያትን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክብጻሕ" ተስፋ ከም እትብር፡" ገሊጻ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ፡ እቲ ስምምዕ "ነባሪ ሰላም" ከምጽእ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

    "ምሉእ ሕውየት ግዜ ዝወስድ እኳ እንተዀነ፡ ነዚ ኣገዳሲ ንግዳዊ ካንሸሎ ናብ ንቡር ምምላስ ግን ኣብ ዞባና ሓዊሱ ኣብ ዋጋታት ጸዓትን ቁጠባን ጸቕጢ ንምቅላል ኣገዳሲ'ዩ፡" ይብል።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኒውዚላንድ ዊንስተን ፒተርስ፡ እዚ "ኣገዳስን ሃናጽን ስምምዕ"ን "ንዓለማዊ ቁጠባዊ ድሕነት ወሳኒ ዝዀነ ዞባ ወጥሪ ንምንካይን ምርግጋእ ንምድንፋዕን ዝወስድ ስጉምቲ፡" እዩ ኢሉ።

  6. ሙሉእ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ሰላም ከም ዝተበጽሐ ዝሕብር ምሉእ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ እንሆ፤

    "ድሕሪ ጽዑቕ ዝርርብ፡ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ከምዝተበጽሐ ብሓጎስ ንሕብር።"

    "ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍን ብቐዋምን ደው ክብል ኣዊጆም ኣለዉ።"

    "ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምፍርራም ዓርቢ 19 ሰነ ኣብ ስዊዘርላንድ ክካየድ እዩ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ነቲ ግጭት ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንምርካብ ንዝገበርዎ ተወፋይነት ከነመስግኖም ንፈቱ።"

    "ኣብዚ ናይ ሽምግልና ጻዕሪ ንዝርከቡ ኣሕዋትና፡ ዓቢ መሪሕነት ሃገረ ቀጠር፡ ኣብዚ ስምምዕ እዚ ንምብጻሕ ንዝገበርዎ ደገፍ'ውን ልባዊ ምስጋናና ከነቕርብ ንፈቱ።"

    "ብፍላይ ንራእይ ዘለዎ ኣመራርሓ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሪፓብሊክ ቱርክን ኣብዚ መዳይ ንዝገበርዎ ዘይተኣደነ ኣበርክቶ'ውን ከመስግኖም እየ።"

    "ሕጂ እቲ ስምምዕ ኣብ ቦትኡ ምስ ዝህሉ፡ ተዛተይቲ ኣብዚ ሰሙን ተኸታታሊ ኣኼባታት ከመቻችኡ እዮም። እዚ ቅድሚ ትግባረ እዚ ስምምዕ ዝግበር ዘተታት መሰረት ናይቲ ቴክኒካዊ ዝርርብን ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምፍርራምን ክኸውን'ዩ።"

  7. ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን፡ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ኣፍሊጡ

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ፡ ከም መንጐኛ ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ ገሊጹ።

    "ድሕሪ ጽዑቕ ዝርርብ፡ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ኣብ ስምምዕ ሰላም ከም ዝተበጽሐ ብሓጎስ ንሕብር" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

    "ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍን ቀዋምን ደው ክብል ኣዊጆም ኣለዉ።"

    ወሲኹ ድማ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምፍራም 19 ሰነ 1026 ኣብ ስዊዘርላንድ ከም ዝካየድ ኣመልኪቱ።

    ሰበስልጣን ኢራንን ኣመሪካን ብዛዕባ እዚ ምልክታ ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃቡን።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ፓኪስታን ዘቕረበቶ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ'ዩ።

    "እቲ ምስ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዝተገብረ ስምምዕ ሕጂ ተዛዚሙ ኣሎ" ክብል ኣብ ትሩዝ ሶሻል ሓቢሩ።

    "በዚ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብዘይ ክፍሊት ንኽኽፈት ምሉእ ብምሉእ እፈቅድ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ እገዳ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ብቕልጡፍ ክእለ ፍቓድ እህብ፡" ይብል።

    "መራኽብ ዓለም ሞተርኩም ኣልዕሉ። ነዳዲ ክውሕዝ'ዩ!"።

    ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  8. ድሕሪ ካብ 14- 15 ሰዓታት ዝወሰደ ዝርርብ ዝተበጽሐ ስምምዕ

    ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ካዘም ጋሪባባዲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ መንጎኛታት ቀጠር ኣብ ረቂቕ ሰነድ ምርድዳእ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ፡ ኣብ ቴህራን "ካብ 14 ክሳብ 15 ሰዓታት ዝወሰደ ነዊሕ ዝርርብ" ከም ዘካየዱ ገሊጹ።

    ካዘም ጋሪባባዲ ሎሚ ሰኑይ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ”እዚ መስርሕ ድርድር ነዊሕ ግዜ ወሲዱ” ኢሉ።

    "ልኡኽ ቀጠር ትማሊ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ኢስላማባድ ዝተበጽሐ ሰነድ ምርድዳእ ዝምልከት ዘተ ንምዝዛም'ዩ ነይሩ። ኣስታት 14 ክሳብ 15 ሰዓታት ዝወሰደ ነዊሕ ዝርርብ ድማ ተኻይዱ።

    እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ኣብቲ ጽሑፍ ናይ መወዳእታ ምምሕያሻት ክግበር ኣቕሪባ። ባህርያዊ’ዩ፡ እቶም ምምሕያሻት ተቐባልነት ረኺቦም፡ ጽሑፍ ናይቲ ኣብ እስላማባድ ዝተገብረ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ድማ ተዛዚሙ፡" ኢሉ።

    እቲ ምክትል ሚኒስተር፡ ዝርርብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ዝካየድ ኰይኑ፡ ኢራን "ሓያሎ ክትምልሶም ዘለዋ ጉዳያት" ከም ዘለዋን፡ ቀዳምነት ዝወሃቦ ድማ ኩሉ ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረ እገዳ ምልዓል ምዃኑን ገሊጹ።ናይ 15 ሰነ 2026 ምዕባለታት ብሓጺሩን ብቐጥታን ኣብዚ ከነቕርበልኩም ኢና።

    ሰናይ መዓልቲ።

  9. ትራምፕ ሎሚ ስምምዕ ክፍረም ይፅበ፡ ኢራን ግን ትጠራጠር

    ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣመሪካን ኢራንን፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ትፅቢት ዝተገብረሉ ስምምዕ ሰነድ፡ ክፈራረማ ትጽቢት ከምዝግበር ሰበስልጣን ፓኪስታን ገሊጾም።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ስምምዕ ሎሚ ኣብ መበል 80 ዓመት ልደቱ፡ ክፍረም ትጽቢት ይገብር ኣሎ።

    ይኹን እምበር ኢራን፡ ኣብ ምፍራም እቲ ስምምዕ ክሳብ ሕጂ ጥርጣረ ከምዘለዋ ገሊጻ ኣላ፤ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢራን እውን ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ገለ ስክፍታ ኣለዎም።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ሻህባዝ ሸሪፍ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መዘክር ሰነድ ምርድዳእ ከምዝተሰማምዑ ገሊፁ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ስምምዕ ምስ ተፈረመ ብደረጃ ክኢላታት ዝመጽእ ሰሙን ዝርርብ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

    ትራምፕ ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ ምስተፈረመ ሽዑንሽዑ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኽፈት ምዃኑ ሓቢሩ።

    ብዓቢኡ ንኽልቲአን ሃገራት ዘሸማግላ ዘለዋ ሃገራት ፓኪስታንን ቀጠርን ዝርከበአን ሃገራት እውን፡ ኣብቲ ስምምዕ ክፍርማ ትጽቢት ይግበር።

    ብመሰረት እቲ ሰነድ ምርድዳእ፡ ተኹሲ ደው ምባል ን60 መዓልታት ክናዋሕ ምዃኑን፡ ብዛዕባ ኒዩክለራዊ ፕሮግራም ኢራን ዝምልከት ልዝብ ክጅምር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

    ኣብ ቴህራን

    ምንጪ ስእሊ, Atta Kenare / AFP via Getty Images

  10. ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ወሳኒ መስመር ነዳዲ ኢራን ክቆጻጸሮ ምዃኑ ተሓንዩ

    ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ኢራን እትርከብ፡ ደሴት ኻርግ፡
    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ኢራን እትርከብ፡ ደሴት ኻርግ፡

    ጐንፂ ኢራንን ኣመሪካን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዓቢ መጥቃዕቲ ከምዝፍጸም ኣፍሊጡ ኣሎ።

    እቲ ፕረዚደንት: ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጹ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነታ “ሓይሊ ኣየራን ኩሉ ናይ ምክልኻል ዓቕማን ዓንዩ እዩ” ዝበላ ኢራን፡ ዳግማይ “ሎሚ ምሸት ብብርቱዕ ክትህረም እያ” ክብል ተሓንዩ።

    “ኣብ ቀረባ እዋን ልክዕ ከምቲ ኣብ ቬንዙዌላ ዝገበርናዮ፡ ንደሴት ኻርግን ካልእ ትሕተ ቅርጺ ነዳድን ክንቆጻጸሮ ኢና፡ ዕዳጋ ነዳድን ጋዝን ኢራን ድማ ምሉእ ብምሉእ ክንቆጻጸሮ ኢና” ክብል መደቡ ኣፍሊጡ።

    ኲናት ኢራን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነዛ ቀንዲ መስመር ነዳዲ ኢራን ዝኾነት ደሴት ከም ዝቆጻጸራ ብተደጋጋሚ ይዛረቡ ነይራ።

    ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ኢራን እትርከብ፡ ደሴት ኻርግ፡ ኢራን ኣስታት 90 ሚእታዊት ካብ ነዳዲኣ ናብ ካልእ ክፋል ዓለም ሰደድ እትገብረሉ ቀንዲ መተሓላለፊት መስመር እያ።

    እታ ደሴት፡ ክሳብ ክልተ ሚልዮን በርሚል ክጽዕና ዝኽእላ ዓበይቲ ታንከራት ዘይተጻረየ ነዳዲ ንምትእንጋድ ዘኽእል ዓቕሚ ማይ ድማ ኣለዋ።

  11. ባሕሬን፡ ዝወድቕ ስብርባር ድሮናት ኢራን ሓያሎ ዕንወት ኣውሪዱ

    ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ባሕሬን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብኣሃዱታት ጸረ-ነፈርቲ ሃገሩ ተወቒዐን ዝዓነዋ ድሮናት ኢራን ፍንጭልጫለን (ስኵጆታተን) ኣብ ከባቢታት ከተማ ሓማድን ርእሰ ከተማ ማናማን ድሕሪ ምውዳቑ፡ ሓያሎ መካይን ብሓዊ ከምዘቃጸለን ንገለ ኣባይቲ ድማ ጉድኣት ከም ዘውረደን ገሊጹ።

    ጓል 11 ዓመት ቈልዓ እውን ቀሊል መጕዳእቲ ወሪዱዋ። እቲ ምኒስትሪ፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ከምዝተቘጻጸርዎ’ውን ሓቢሩ።

  12. ኣመሪካን ኢራንን ንኻልኣይ መዓልቲ ተኸታታሊ ማዕበል ሚሳይላት ተለዋዊጠን

    ኣመሪካን ኢራንን ንኻልኣይ ተኸታታሊ መዓልቲ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዳርባ ሚሳይላት ብምልውዋጥ ነቲ ድሮ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ዝነበረ ተዅሲ ደው ምባል ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ይርከብ።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ (ሴንትኮም) ኣብ ደቡባዊ ኢራን ንዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራትን፡ መጸናጸኒ ራዳርን ዒላማ ከምዝበረ ገሊጹ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን፡ ኲናት ንሓዋሩ ደው ንምባል “ውዕል ንምግባር ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ከምዝወሰደት” ብምግላጽ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንኢራን "ኣበርቲዖም" ክሃርምዋ ምዃኖም ድሕሪ ምሕባሩ እዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

    ከም ግብረመልሲ ድማ ኢራን ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ንወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ጀሚራ። ኣብ ባሕሬንን ኩዌትን ዝርከባ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ንኻልኣይ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ተዅሲ ኢራን ክኣትዋ እንከለዋ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ድማ ኣብ ዮርዳኖስ ናብ ዝርከብ ማእከል እዝ ኣመሪካ ባሊስቲክ ሚሳይላት ከምዝተኮሰ ገሊጹ።

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ሙዋፋቅ ሳልቲ 12 ባሊስቲክ ሚሳይላት ድሕሪ ምትኳሱ “ብዙሓት” ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካን “መሳለጥያታትን” ከምዘዕነወ ገሊጹ።

    ኣመሪካን ኢራንን ንኻልኣይ መዓልቲ ተኸታታሊ ማዕበል ሚሳይላት ተለዋዊጠን

    ምንጪ ስእሊ, Bahrain Interior Ministry/X

  13. እስራኤል ንመጠንቀቕታ ኢራን ዕሽሽ ብምባል መጥቃዕታ ኣብ ሊባኖስ ቀጺላ

    ጸለም ትኪ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ከተማ ቲረ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ከካይዶ ዝጸንሐ መጥቃዕትታት ሎሚ'ውን ቀጺልዎ ውዒሉ።

    ኣብቲ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዝተኻየደ ደብዳብ ብውሕዱ 8 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሮም።

    ከተማ ቲረ ቀንዲ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ'ያ ነይራ።

    ነበርቲ ደቡባዊ ሊባኖስ ካብ መረበቶም ክወጹ ሓይልታት እስራኤል ኣጠንቂቖም ምንባሮም ይፍለጥ።

    እስራኤል ኣብ ሊባኖስ መጥቃዕቲ እንተቐጺላ፡ ሕነ ንምፍዳይ ክትሃርማ ከም እትኽል ኢራን ኣጠንቂቓ ነይራ።

    ደብዳባት እስራኤል፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ጻዕርታት ዝገብረሉ ዘሎ ምስ ቴህራን ዝብጻሕ ስምምዕ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ይንገር።

  14. ወጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሓንቲ ሄለኮፕተር ኣመሪካ ተሓምሺሻ

    ደው ዝበለት ኣፓቸ AH-64 ተባሂላ ትጽዋዕ ሄሊኮፕተር ብኣፍንጭኣ እንክትርአ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሓንቲ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ገማግም ዖማን ተሓምሺሻ።

    ኣብታ ኣብ ከባቢ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝወደቐት ሄሊኮፕተር ዝነበሩ ክልተ ኣብረርቲ ብህይወት ከምዝደሓኑ ሰብመዚ ኣመሪካ ንማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ ሓቢሮም።

    ንፈለማ እዋን'ዩ ብማያዊት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት (ሲ ድሮን) ስርሒት ምድሓን ዝፍጸም ዘሎ።

    ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ (ሰንትኮም) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቶም ወተሃደራት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት ዝግመት ግዜ ድሕኖም ኣለዉ፡ ኣብ ጸቡቕ ኩነታት ድማ ይርከቡ" ኢሉ።

    እታ ኣፓቸ AH-64 ተባሂላ ትጽዋዕ ሄሊኮፕተር "ኣብ ገማግም ዖማን ንሓለዋ ዞባዊ ማያት ተዋፊራ" ኣብ ዝነበረትሉ እዋን'ያ ተሓምሺሻ።

    ጠንቂ ምውዳቓ ግን ዛጊት ንጹር ኣይኮነን፣ ይምርመር ከምዘሎ'ዩ እቲ እዚ ገሊጹ ዘሎ።

    ኣብቲ ናይ ምድሓን ስርሒት፡ ሓይሊ ባሕሪ ናይቲ እዚን፡ መበል 82 ኣየር-ወለድ ክፍለሰራዊትን ከምዝተሳተፉ'ውን መግለጺ ሰንትኮም ይጠቅስ።

  15. ቴህራን፡ መዓልታዊ ህይወት ብስእሊ

    ድሕሪ ምልውዋጥ መጥቃዕቲ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን፡ ክልቲአን ሃገራት ካብን ናብን ዝካየድ መጥቃዕቲ ደው ከብላ፡ ከምዝተስማምዓ ጸብጻባት ይሕብሩ።

    እዚ ድማ፡ ብሕቶ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከምዝዀነ እዩ ዝግለፅ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ቴህራን ንቡር ዝመስል ምንቅስቓስ ከም ዘሎ፡ ሎሚ ዝወፅኡ ገለ ስእልታት የመልክቱ።

    ኣብ ዕዳጋ ዕምበባን መፃወትን ዝዕድጉ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዕዳጋ ዕምበባን መፃወትን ዝዕድጉ ሰባት
    ኣብ ቴህራን ኣብ ኣውራ ጐደና እትስጉም ሰበይቲ

    ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቴህራን ኣብ ኣውራ ጐደና እትስጉም ሰበይቲ
    ብጥቓ ፍርስራሳት ህንፃ እትሓልፍ ሰበይቲ- ቴህራን

    ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ብጥቓ ፍርስራሳት ህንፃ እትሓልፍ ሰበይቲ- ቴህራን
    ኣብ ቴህራን ሰባት ሸቐጣት ሒዞም ኣብ ጎደናታት እናተጓዕዙ

    ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቴህራን ሰባት ሸቐጣት ሒዞም ኣብ ጎደናታት እናተጓዕዙ
  16. እስራኤል 'ብሕቶ ትራምፕ' ኣብ ልዕሊ ኢራን እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ወሲና

    እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን እትፍጽሞ መጥቃዕቲ "ብሕቶ ትራምፕ" ደው ከምእተብል፡ ማዕከን ዜና ቻነል 12 እስራኤል፡ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን’ታ ሃገር ብምጥቃስ ፀብፂባ።

    እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ እንተዀነ ሕዝቦላህ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ዝቕፅል እንተዀይኑ፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ እተካይዶ ወፍሪ ምዃና ይሕብር።

    ኣብ ማዕከናት ዜና እስራኤልን ኣመሪካን፡ ሎሚ ኣብ መንጎ ትራምፕን ኔታንያሁን ዝርርብ ቴሌፎን ከምዝተኻየደ ዝገልጽ ጸብጻባት እኳ እንተወፅአ፡ ትሕዝቶ ናይቲ ዘተ ዛጊድ ኣይተነፀረን።

  17. ኢራን፡ ምስ ኣመሪካ ክካየድ ዝጸንሐ ርክባት ‘ኣይተቛረጸን’ ኢላ

    ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ወሃቢ-ቓልምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ኢስማዒል ባቃዒ፡ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ዝግበር ዘሎ ምልውዋጥ መልእኽታት “ኣይበተኸን” ክብል ገሊጹ።

    ባቃዒ፡ እዚ ምልውዋጥ መልእኽታት ድሕሪ እቲ ትማሊ ዝሰዓበ ምዕባለታት ይቕጽል ኣሎዶ የሎን ኣየነጸረን።

    ንሱ ወሲኹ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፓኪስታን ሞህሲን ናቅቪ ናብ ቴህራን ዝመጻሉ ሓደ ካብቶም ምኽንያታት፡ "ነቲ ዘተ ንምቕጻልን ምስ ዕርቀ-ሰላም ዝተሓሓዙ ጉዳያት ንምስላጥን፡" ምዃኑ ገሊጹ።

    ፓኪስታን ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን መንጐኛ እጃም ትፃወት ዘላ ዀይና፡ ናቅቪ ካብ መራሕቲ ፓኪስታን ዝተላእከ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ናብ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ ከም ዘብጽሐ ተገሊጹ ኣሎ።

    ካብ 1 ሰነ ጀሚሩ፡ ምስ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ቅርበት ከም ዘለወን ዝግለጻ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ እታ ሃገር ብሰንኪ እቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕትታት ርክብ ከተቋርጽ እያ ዝብል ወረታት ክናፈስ ቀንዩ እዩ።

    ቴህራንን ዋሽንግተንን፡ ሰነድ-ርድድእ ኣብ ምፍራም ንኽበጽሓ፡ ካብቲ ብ8 ምያዝያ ዝተገብረ ናይ ምቍራጽ ተዅሲ ስምምዕ ጀሚረን መልእኽታት ክለዋወጣ ከም ዝጸንሓ ይፍለጥ።

    ካብ 11 ክሳዕ 12 ምያዝያ ፓኪስታን ዘአንገደቶ ልኡኻት ኣመሪካን ኢራንን ኣብ እስላማባድ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ዘትዮም ነይሮም እዮም።

  18. ኢራን፡ 'ስግኣት እንተሎ ንድሕሪት ኣይክትብልን እያ' - ፕረዚደንት ፔዘሽክያን

    ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያን፡

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ኢራን፡ ማሱድ ፔዘሽክያን፡ እታ ሃገር "ዓውደ-ውግእ ዀነ መኣዲ ድርድር ኣይገደፈቶን" ይብል።

    ማሱድ ፔዘሽክያን፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ቀዳምነት እታ ሃገር "ሃገራዊ ድሕነትን ሰላም ህዝብን" ምርግጋፅ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ስግኣት፡ ንድሕሪት ከምዘይትብል" ተዛሪቡ።

    እዚ ርእይቶ’ዚ፡ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢራን፡ ካታም ኣል-ኣንብያ፡ “ስርሒታት ዕጡቕ ሓይልታት” ከምዘቋረጸ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ ተሰሚዑ ዘሎ።

    ንሱ ወሲኹ፡ መጥቃዕቲ እንተቐጺሉ፡ “ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝኸበደን ሓያልን” ምላሽ ከምዝወሃብ ኣጠንቂቝ ኣሎ።

  19. ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ኣርእዩ

    ነዳዲ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኢራንን እስራኤልን ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ምያዝያ ምስ ኣመሪካ ዝተበጽሐ ናይ ምቍራጽ ተዅሲ ስምምዕ ንፈለማ እዋን ናብ ሓድሕድ መጥቃዕቲታት ድሕሪ ምእታወን ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ የርኢ ኣሎ።

    ዋጋ ናይቲ ዓለምለኻዊ መምዘኒ ዝዀነ ነዳዲ ብሬንት ብ4.5 ሚእታዊት ወሲኹ። ዋጋ ሓደ ባረል 97.30 ዶላር በጺሑ።ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝሽየጥ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብ4.3 ሚእታዊት ወሲኹ ናብ ከባቢ 94.50 ዶላር ክብ ኢሉ።

    እቲ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ውግእ ክሰጋገር ድዩ ገና እኳ ዘይተፈልጠ እንተዀነ፡ ነጋዶ ግና ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ነዳዲ ከጋጥም ዝኽእል ስግኣታት ኣብ ግምት የእትውዎ ከም ዘለዉ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጄምስ ኩክ ናይ ኣውስትራልያ ፕሮፌሰር ዝዀነ ጂያጂያ ያንግ ገሊጹ።

    ሎሚ ዕዳጋታት እስያ ሓያል ምንቍልቋል ዘርኣየ ኰይኑ፡ ከም ናይ ደቡብ ኮርያ ኮስፒ ዝበሉ ዓበይቲ መለክዒታት ቍጠባ ብዓቢ ደረጃ ብምውራድ ብ8 ሚእታዊት ኣንቈልቊሎም ኣለዉ።

  20. ሑቲ፡ መራኽብ እስራኤል ዒላማ ከም ዝገብርን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመን ገሊጹ

    የሕያ ሳሬዕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ወሃቢ-ቓል ሑቲ የሕያ ሳሬዕ

    እቲ ኣብ የመን ዝመደብሩን ብኢራን ዝድገፉን ዕጡቕ ሓይሊ ሑቲ፡ እስራኤል ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንእተካይዶ ኵሉ ጕዕዞታት ክዓግቱዋ ምዃኖምን ዝዀነ ዝግበር ምንቅስቓስ ከም ዒላማ መጥቃዕቶም ከም ዝውሰድን ይገልጹ ኣለዉ።

    ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝጓዓዛ መራኸብ እስራኤል ብቐጻሊ ከጥቅዑ ጸኒሖም እዮም።

    እቲ ጕጅለ ብኣፈኛኡ የሕያ ሳሬዕ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብሚሳይላት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ እውን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል፡ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኢራን ከም ዝተፈጸመ ሓቢራ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ኢራን ቅድሚ "ቅሩብግዜ" ናብእስራኤል ገጻ ሚሳይላት ከም ዝተኰሰት ገሊጹ።

    እቲ ሓይሊ ምክልኻል ወሲኹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ነቲ ስግኣት ንምምካት ስርዓ- ምክልኻል ስጕምቲ ብምውሳድ ይዓዩ ኣለዉ፡" ድሕሪ ምባል፡ ንህዝቢ’ውን መጠንቀቕታ ከም ዝተዋህበ ሓቢሩ።