ቀጥታ, ትራምፕ፡ ብሰንኪ ትኪ ባርዕ ጫካ ንካናዳ ብታሪፍ የፈራርሕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰንኪ እቲ ካብ ሰሜናዊ ሸነኽ ካናዳ ብምብጋስ ንኸተማታት ኣመሪካ ሸፊኑ ዘሎ ጽዑቕ ትኪ ባርዕ ጫካ፡ ኣብ ልዕሊ ካናዳ ሓድሽ ናይ ንግዲ ታሪፍ ክጽዕን ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ ድማ ለውጢ ኵነታት-ኣየር ናይ ኵለን ሃገራት ሓባራዊ ሓላፍነት እዩ ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ዝዘራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ምቍጽጻር ኑክሌር ኣብ ኢራን መርመራታት ከካይድ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡ ኢራን ብወገና እዚ መርመራ ኣብ መፈጸምታ ናይቲ ስምምዕ ጥራይ ከም ዝትግበር ኣፍሊጣ።
  • ቬነዝወላ ኣብ ውሽጢ 39 ካልኢታት ጥራይ ብኽልተ ተኸታታሊን ሓያልን (7.2ን 7.5ን ሬክተር) ምንቅጥቃጥ-መሬት ተሃስያ።
  • ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ሓያሎ ነዋሕቲ ህንጻታት ፈሪሶም፣ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ፣ ከምኡ'ውን ልዑል ቍጽሪ ግዳያት ክህሉ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።
  • ግዝያዊት ፕረዚደንት ዴልሲ ሮድሪገዝ 'ኣዋጅ ህጹጽ እዋን' ኣዊጃ፡ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ድማ ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ።
  • እዚ ሓደጋ ህዝቢ ኣብ ገዛውቱ ኣብ ዝነበረሉ መዓልቲ ብሄራዊ በዓል ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ቬነዝወላ ዘሎ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ብዝያዳ ዘጋድድ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ኰይኑ ኣሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢራን ንሰለስተ ሃገራት ወሽመጥ ዒላማ ከም ዝገበረት ትገልጽ

    ሰራዊት ኢራን ድሮናት ተጠቒሙ ኣብ ኵዌት፡ ቐጠርን ባሕሬንን ንዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዒላማ ከም ዝገበረ ገሊጹ።

    ኣብ ኵዌት ዝርከብ ስርዓት ሚሳይል ፓትሪዮት ኣመሪካ፡ ኣብ ቐጠር ዝርከብ ናይ ሳተላይት ኣንቴና ኣቐዲሙ ዘጠንቅቕ ስርዓት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ባሕሬን ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ ኣመሪካ፡ "ብብዝሒ" ብዝተወንጨፋ "ዝተፈላለየ ዓይነት" መጥቃዕቲ ዝፍጽማ ድሮናት ዒላማ ተገይሩ እዩ።

    እቲ መጥቃዕትታት "ቅድሚ ሓጺር እዋን" ከም ዝተፈጸመን፡ መቐጸልታ ናይቲ ሰራዊት ኢራን "ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኣመሪካ ዝገብሮ መጥቃዕትታት" ምዃኑ ይገልጽ።

    እዚ መግለጺ እዚ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር ፈነወ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓዊሱ፡ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ኢራን ተዘርጊሑ እዩ።

  2. ኣብቲ ብኣመሪካ ዝድገፍ መስመር ሆርሙዝ ምንቅስቓስ መራኽብ ወሪዱ

    መራኽብ ባሕሪ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ብመሰረት ጸብጻብ ፊል ቤልቸር - ዳይረክተር ባሕሪ ኣብ ኢንተርታንኮ፡ ዓለምለኻዊ ውድብ ናጻ ዋናታት ታንከራት፡ እቲ ኲናት (ተጻብኦታት) ካብ ዝቕጽል ንነጀው፡ ብሆርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብ "ኣዝዩ ጐሊሑ ዝረአ" ምጕዳል ኣርእዩ ኣሎ።

    ንሱ ንመደብ 'ቱደይ' ናይ ቢቢሲ ራድዮ 4 ከም ዝገለጾ፡ "ኣብቲ ብኣመሪካ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዖማን ዝሕሎ ደቡባዊ መስመር፡ ብለይቲ ዝሓልፋ መራኽብ ብዝሒ ኣብ ከባቢ ንጽል ኣሃዝ (ትሕቲ ዓሰርተ) እዩ ዝርከብ፡" ኣብቲ ኢራን እትቈጻጸሮ ሰሜናዊ መስመር ድማ ኣስታት 20 መራኽብ ይሓልፋ ከም ዘለዋ ሓቢሩ።

    እቲ መዓልታዊ ኣስታት 30 መራኽብ ዝዀነ ኣሃዝ፡ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝነበረ ኣስታት 70 መራኽብ ዝወረደን ካብቲ ቅድሚ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኲናት ኢራን ምጅማሩ ዝነበረ ንቡር መጠን ምንቅስቓስ 130 መራኽብ ኣዝዩ ዝተሓተን ምዃኑ ገሊጹ።

  3. ኣብ እዋን ስነስርዓት ቀብሪ ኣያቶላህ ዳግማይ ኲናት የንጸላሉ

    ኣሽሓት ሓዘንተኛታት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓዘንተኛታት ትማሊ ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ቀብሪ ኣያቶላህ ኻሜነይ ተረኺቦም፣ ሬሳኡ ድማ ጸኒሑ ኣብ ማሻድ፡ ኢራን ክቕበር ትጽቢት ይግበር።

    ሎሚ ነቲ ንሽዱሽተ መዓልታትን ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ኢራንን ከምኡ'ውን ኣብ ጐረቤት ሃገር ዒራቕን ዝተዘርግሐ ብኣገባብ ዝተወደበ ምርኢት ህዝባዊ ሓዘን፡ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እዩ።

    እዚ ሓደስቲ መራሕቲ ኢራን ሓድነትን ሓይልን ንምርኣይ፡ ከምኡ'ውን እቲ ኣብ ናይ መጀመርታ ሰዓታት ናይዚ ኲናት ዝተቐትለ ላዕለዋይ መራሒኦም፡ ንኢራን ጥራይ ዘይኰነስ ንሰፊሕ ማሕበረሰብ ኣስላም ሺዓ እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ንምጕላሕ ዝገበሩዎ ጻዕሪ እዩ።

    ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዕረፊ፡ እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ብብዝሒ ስምዒታውያን ዝዀኑ ህዝቢ ክዝሕል ጸኒሑ እዩ - ሎሚ ኣብታ ኣዝያ ቅድስቲ ከተማ ኢራን ዝዀነት ማሻድ፡ እታ መበቈል ቦታ ኣያቶላህ ኻሜነይ እውን ሓዊሱ።

    ኢራን፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ኣመሪካ ዝተፈረመ 'ሰነድ መግለጺ ስምምዕ' (memorandum of understanding) ዝበሃል ግዝያዊ ውዕል፡ ነዚ ስነ-ስርዓታት ብኲናት ከይዝረግ ከውሕስ እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዋ ክኸውን ይኽእል እዩ።

    እንነዀነ እቲ ተነቃፊ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባልን፣ ብኽልቲኡ ወገን ብዝተፈላለየ መገዲ ዝተረድኦ ብሩህ ዘይኰነ ቃላት ዝሓዘ ስምምዕን፡ ወትሩ ነዚ ሓደጋ እዚ ሒዙ እዩ ጸኒሑ።

    ኢራንን እቲ ሰፊሕ ዞባን፡ ኣብ ኵነታት "ኣይ ኲናት፡ ኣይ ሰላም" ክነብሩ ዝተዳለዉ ይመስሉ - ሓሓሊፉ ዝግበር ምልውዋጥ ተዅስን፡ ንቍጽጽር መጻብቦ ባሕሪ ሆርሙዝን መደብ ኑክሌር ኢራንን ሓዊሱ፡ ኣብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ጕዳያት ዝርርብ ንምቕጻል ዝግበር ቀጻሊ ጻዕርታትን ክህሉ እዩ።

    ከምቲ ዶናልድ ትራምፕ ዝበሎ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ተዅሲ ደው ምባል፡ ካብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዝተፈልየ እዩ።

  4. ሱዳን፡ ኣብ ኤል-ዖበይድ ጃምላዊ ቅትለት ከይፍጸም ስግኣታት ይዓቢ ኣሎ

    ብዝተኻየደ ደብዳብ ዝቘሰሉ ጓለንስተይትን ሓደ ቈልዓን፡ ኣብ ርእሶም ፋሻ ተጠቕሊሎም ይርኣዩ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ዋና ከተማ ሰሜን ኮርዶፋን ዝዀነት ኤል-ዖበይድ፡ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትታት ድሮን ኣብ ከቢድ ስግኣት ትርከብ።

    ሳራ ዝተባህለት ጓል 27 ዓመት ተመሃሪት ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ብዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሮን ቈሲላ።

    "ኣብ ቅድሜና ዝቘሰሉ ሰባትን ደምን፡ ኣብ ጐደናታት ድማ ዝነደዳ መካይን ጥራይ እየን ዝርኣያ ነይረን፡" ክትብል ነቲ ዘሰንብድ ፍጻመ ገሊጻቶ።

    እዛ ከተማ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ከበባ እያ ጸኒሓ።

    ሰራዊት ሱዳን ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ውጽኢታዊ ስጕምቲ ክወስድ ኣይከኣለን።

    ብመሰረት ትካል ምክትታል ጐንጺታት (Acled)፡ ኣብ ሰነ ጥራይ 27 መጥቃዕትታት ድሮን ተመዝጊቦም፤ እዚ ድማ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ዝለዓለ ዝተመዝገበ ቍጽሪ እዩ።

    ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ብሰንኪ እዞም መጥቃዕትታት ብውሑዱ 45 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 41 ከም ዝቘሰሉ ብምግላጽ፡ ኣብታ ከተማ "ካልእ ሰብኣዊ ህልቂት ይፍጸም ኣሎ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

    ናብ ዋና ከተማ ካርቱም ዝግበር ጕዕዞ ብኤል-ዖበይድ ኣቢሉ ስለ ዝሓልፍ፡ እታ ከተማ ንኽልተኦም ተዋጋእቲ ወገናት ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ኣለዋ።

    እቲ መጥቃዕትታት ነቲ ናይቲ ከባቢ ቍጠባ ንምዕናውን ዕለታዊ ህይወት ህዝቢ ንምትዕንቓፍን ዝዓለመ ኰይኑ፡ መዐደሊታት ነዳድን መርበባት ሓይሊ ኤለክትሪክን ይዓኑ ኣሎ።

    እዚ ድማ ጨንጓዕቲ ማይ ስርሖም ከቋርጹን ህዝቢ ዝተበከለ ማይ ክሰትን ይገብር ኣሎ።

    ዋና ጸሓፊት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ፡ ኣብ ኤል-ዖበይድ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኤል-ፋሸር ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ከይድገም ስጋኣታ ገሊጻ።

    ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ሰላማውያን ሰባት ንምክልኻል ከም ዝሰርሕ እኳ እንተ ገለጸ፡ ኣብታ ከተማ ዘለዉ ልዕሊ 100,000 ዝዀኑ ተመዛበልቲ ሰባት ግን ብሰንኪ እቲ ቀጻሊ ዝስማዕ ድምጺ ተዅስን ድሮናትን ክድቅሱ ከም ዘይከኣሉ፣ ኵሉ ሰብ ኣብ ሻቕሎት ከም ዝርከብ ሓቢሮም።

    ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብታ ከተማ ዝዀነ ሰላማዊ ቦታ ከም ዘየሎ ይገልጹ።

  5. መሻርኽቲ ኔቶ ንሓድሽ ፕሮጀክት ሚሳይል ዝውዕል 50 ቢልዮን ዶላር ከም ዝመደቡ ኣፍሊጦም

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ይቨት ኩፐር ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ስታርመር

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ብሪጣንያ እትርከበን 12 ሃገራት፡ ንኤውሮጳ ንምክልኻል ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሓድሽ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ልዕሊ 50 ቢልዮን ዶላር ከውጽኣ እየን።

    እቲ "ዲፕ ፕረሲዥን ስትራይክ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፕሮጀክት ብቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ዕላዊ ዝተገብረ ኰይኑ፡ ኣብ ኣንካራ ቱርኪ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ኔቶ ክዝተየሉ እዩ።

    እዚ ሓድሽ ስጕምቲ'ዚ፡ ዒላማኡ ልክዕ ዝወቅዕ ካብ ዘለዉ ምዕቡላት ኣጽዋር ኔቶ ሓደ ክኸውን ኰይኑ፡ ናይቲ ሚሳይል ናይ ጕዕዞ ርሕቀት ንልዕሊ 300 ኪሎሜተር ርሕቀት ዘለዎም ስትራተጅያዊ ዒላማታት ክሃርም ዝኽእል እዩ።

    እዚ ርሕቀት’ዚ ኣብ መጻኢ ናይቲ ጕዕዞ ናብ 1,250 ማይል ክዓቢ ከም ዝኸእል’ውን ተገሊጹ ኣሎ።

    እንተዀነ፡ እቲ ፕሮጀክት ክሳዕ 2030ታት ተዳልዩ ዝውዳእ ኣይኰነን።

    ትራምፕ ሃገራት ኣባላት ኔቶ ንጸጥታ ኤውሮጳ ዝያዳ ቍጠባዊ ኣበርክቶ ክገብራ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ይቨት ኩፐር ከም ዝገለጸቶ፡ እዚ ፕሮጀክት ኔቶ ንህዝቡ ካብ ስግኣት ሩስያ ንምክልኻል ሓያልን ድሉውን ምዃኑ ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንጹር መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ።

    ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ መሻርኽቱ ህጹጽ ናይ ምክልኻል ኣየር ኣጽዋር ከቕርብሉ ጸዊዑ።

  6. ኣመሪካ፡ ኣብ ሆርሙዝ መራኽብ ነዳዲ ድሕሪ ምህራመን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ኣካዪዳ

    ብዙሓት ንኣሽቱ ጀላቡ ኣብ መጻብቦ ሕርሙዝ እናተጓዓዛ ይርኣያ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣመሪካ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ መራኽብ ነዳዲ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን "ሓያል" ዝበለቶ መጥቃዕቲታት ከም ዝፈነወት ገሊጻ።

    ማእከላይ እዚ ሓይልታት ኣመሪካ (ሴንትኮም)፡ ኣብቲ መጻብቦ ካብ ዝርከባ ንኣሽቱ መራኽብ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ንልዕሊ 60 ዘጠቓለለ፡ ኣብ ልዕሊ 80 ዒላማታት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣፍሊጡ።

    ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ነቲ ዝሓለፈ ወርሒ እተፈረመ መዘክር ምርድዳእ ኣመሪካን ኢራንን ዝጠሓሰ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቴህራን "ቈራጽ ስጕምቲ" ከም እትወስድ ኣጠንቂቑ።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደሴት ቀሽም፡ ባንዳር ዓባስን ሲሪክን ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ዝተደርበየ ስብርባር ሓጺን ሰባት ከም ዝቘሰሉ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሮም።

    ኢራን፡ ነቲ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ንኽትፈጽም መበገሲ ዝዀና መጥቃዕትታት ሰለስተ መራኽብ ነዳዲ ብቐጥታ ሓላፍነት ኣይወሰደትን።

    ሴንትኮም፡ ካብተን 60 ንኣሽቱ መራኽብ ብተወሳኺ፡ መተኮሲታት ሚሳይልን ማእከላት እዝን ኢራን ከም ዝሃረመ ሓቢሩ። ይዅን’ምበር፡ ዝተሃረምሉ ቦታታት ብንጹር ኣይገለጸን።

    ኣመሪካ፡ ነቲ "ብፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ" ክትብል ዝገለጸቶ መጥቃዕቲ ሰለስተ መራኽብ ነዳዲ፡ ሳዕቤን ከም ዝህሉዎ ኣቐዲማ ኣጠንቂቓ ነይራ።

    ሴንትኮም ከም ዝገለጾ፡ እቲ ናይ ኣመሪካ መጥቃዕቲ "ኣብ ኣህጉራዊ መስመር ማይ ንዝንቀሳቐሳን ብንጹሃን ሰራሕተኛታት ንዝዝወራን ናይ ንግዲ መራኽብ ዒላማ ንምግባርን ንምጥቃዕን ከቢድ ዋጋ ንምኽፋል፡" ዝዓለመ እዩ።

    ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲታት ምፍናዉ፡ ምኒስትሪ ገንዘብ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዝነበረ ናይ ነዳዲ እገዳ ብግዝያውነት ዘልዓለ ፍሉይ ፍቓድ ሰሪዙዎ።

    እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ክፋል ናይቲ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈራረማሉ መዘክር ምርድዳእ እዩ ነይሩ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብወገኑ፡ ነቲ ስጕምቲ ምግሃስ ሰነድ ምርድዳእ ክብል ብምዅናን፡ እዚ ድማ መንግስቲ ኣመሪካ “ዘይእመን ምዃኑ፡” ዘረጋግጽ እዩ ኢሉ።

    ቴህራን "ሃገራዊ ረብሓታታን ሃገራዊ ድሕነታን ንምሕላው ኣገዳስቲ እትብሎም ስጕምቲታት ከም እትወስድ፡" እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ ገሊጹ።

    ቐጠርን ስዑዲ ዓረብን እውን ነቲ መጥቃዕቲ ዝዀነና ኰይነን፡ ነፍሲ ወከፈን ኣብቲ መጻብቦ ወይ ጥቓኡ ክሓልፋ ከለዋ መራኽበን ከም ዝተሃርማ ብምጥቃስ ንኢራን ተሓታቲት ገይረን።

  7. 325 ሚልዮን ዶላር ጉቦ ዝተቐበለ ቻይናዊ በዓል ስልጣን፡ ሞት ተፈሪዱ

    ኣብ መጋባእያ ዝቐረበ ክሱስ ጉቦ

    ምንጪ ስእሊ, CCTV

    መግለጺ ስእሊ, ያንግ ዩሊን፡ ካብ 1993 ክሳብ 2023 ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ስልጣን ሒዙ ነይሩ

    ኣብ ምብራቓዊ ቻይና ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ልዕሊ 2.2 ቢልዮን ዩዋን ወይ 325 ሚልዮን ዶላር ጉቦ ተቐቢሉ ብዝብል ክሲ፡ ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ- ነበር፡ ብሞት ክቕፃዕ ፈሪዱ።

    ያንግ ዩሊን፡ ካብ 1993 ክሳብ 2023 ኣብ ናንጂንግ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ስልጣን ሒዙ ነይሩ።

    እቲ በዓል ስልጣን ነበር፡ ብምትላል፡ ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃምን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ብምፍፃምን እዩ ተኸሲሱ።

    ካብዚ ንጥፈታት ተቐቢሊኡዎ ዝተብሃለ መጠን ገንዘብ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝቐረቡ ክስታት ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ።

    እዚ ወዲ 69 ዓመት በዓል ስልጣን ነበር፡ ካልእ ዘይግቡእ ናይ ምህንድስና ውዕላት፡ ዋንነት መሬት ንምዝውዋር ስልጣኑ ብዘይኣግባብ ከምዝተጠቕመ ይንገር።

    እቲ ብሞት ዝተፈርደ በዓል-ስልጣን ነበር፡ ብገንዘብን ብዓይነትን ከምዝተቐበለ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ሓቢረን።

    ያንግ ኣብ ትሕቲ መርመራ ገበናት ጉቦ ዝአተወ፤ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ወፍሪ ጸረ ግዕዝይና ምጅማሩ ስዒቡ እዩ።

    እቲ ወፍሪ ግዕዝይና፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ፣ ዓበይቲ ባንክታትን ካልኦት ዓውድታትን ዒላማ ዝገበረ እዩ።

  8. ዘለንስኪ: ኔቶ ኣብ ምሕያል ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ክሕግዞ ተማሕፂኑ

    ፕረዚደንት ዩክረይን፡ መሓዙት ሃገራት ድሕሪ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሩስያ ደገፍ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዩክረይን፡ መሓዙት ሃገራት ድሕሪ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሩስያ ደገፍ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

    ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝካይድ ዋዕላ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ]፡ ኪቭ ካብ ዝገደደ መጥቃዕቲ ሩስያ ንምክልኻል ብህጹጽ ዘድልያ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ከቕርባ ተማሕፂኑ።

    ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ዘርብኡ፡ "ካልእ ኩሉ ባዕልና ክንገብሮ ዓቕሚ ኣለና፡ ኣብ ምክልኻል ኣየር ክመጽእ ከሎ ግን ቆራጽነት መሓዙትና የድልየና'ዩ" ኢሉ።

    ሚሳይላት ሩስያ: ሓደ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ክልተ ግዜ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ድሕሪ ምዕላቦም፡ ልዕሊ 50 ሲቪላት ከምዝተቐትሉ ብምግላፅ እዩ ከምኡ ዓይነት ፃውዒት ኣቕሪቡ።

    እቲ ኣብ ኣንካራ ዝካየድ ዋዕላ ንዘለንስኪ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ንምዝርራብን እቲ "ኣረሜናዊ" መጥቃዕቲ ሩስያ ንምርዳእ’ውን ከም ፅቡቕ ዕድል ከምዝጥቀመሉ ይግመት።

    ቭላድሚር ፑቲን ናብ ሰላም ዝወስድ ጸቕጢ ክግበረሉ ከረድእ’ውን ዕድል ክረክብ እዩ።

    ዩክረይን ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምሕያል፡ መጻረዪ ነዳዲን ወተሃደራዊ ዒላማታትን ሩስያ ብምህራም፡ ሕጽረት ነዳዲን ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኣስዒባ ነይራ።

    ነዚ ስዒቡ እያ ሩስያ ከም ግበረ-መልሲ፡ መጥቃዕቲ ነፈርትን ሚሳኤልን ብምሕያል ኣብ ልዕሊ ኪቭ ልዑል ጉድኣት ተበፅሕ ዘላ።

    ነዚ ስግኣት ዘጉልሕ ከንቲባ ሞስኮ ሰርጌይ ሶብያኒን፡ ካብተን ዩክረይን ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር- ሞስካ ዝተተኰሳ 430 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣየር "መብዛሕትአን" ከምዝዓገተን ገሊጹ።

    እቲ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዘብፀሖ ሳዕቤን ንፁር ኣይገበረን።

    ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሩስያ ግን፡ ሰባት ነዳዲ ንምግዛእ ንሰዓታት ሪጋ ክሕዙን ክገዝእዎ ዝኽእሉ ተመን ክወፅአሎምን፡ ክበኣሱን ዘርእዩ ቪድዮታት ተዘርጊሖም ለዉ።

  9. ዙር ፈረንሳ፡ ደል ቶሮ መድረኽ ተዓዊቱ፡ ብንያም 14 ነጥቢ ረኺቡ

    ኢሳቕ ዴል ቶሮ (የማናይ) ምስ ታዴይ ፓጋቻር ዓወቶም እናጸንበሉ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኢሳቕ ዴል ቶሮ (የማናይ) ምስ ታዴይ ፓጋቻር ዓወቶም እናጸንበሉ

    ጆናስ ቪንገጋርድ ንመሪሕነት ብጫ ማልያ ዓቂቡ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ንመጀመርታ ግዜኡ ዝሳተፍ ዘሎ ኣይዛክ ደል ቶሮ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ ዓወት ጨቢጡ።

    እቲ ወዲ 22 ዓመት ሜክሲካዊ ዴል ቶሮ፡ ኣብቲ ኣብ ሞንትጁይክ ስጳኛ ዝነበረ ሓጺርን ቍልቍልን ዓቐብ ፍጥነት ብምውሳኽ፡ ቅድሚ ወዲ ጋንታኡ ኣብ ዩኤኢ ቲም ኤሚሬትስ ታደይ ፖጋቻ መስመር ረጊጹ።

    ረምኮ ኢቨነፑል ሳልሳይ ክውድእ ከሎ፡ ቪንገጋርድ ድማ ምስቶም ቀዳሞት ክልተ ተቐዳደምቲ ብማዕረ ግዜ ራብዓይ ኰይኑ ዛዚሙ።

    "እዚ ብሓቂ ንዓይ ኵሉ ነገር እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣዝየ ዕድለኛ ከም ዝዀንኩ ተዛሪበ ነይረ እየ - ኣብዚ ንምብጻሕ ከም ጋንታ ክንደይ ዝኣክል ከም ዝዓየና ክትኣምኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፡" ክብል ደል ቶሮ ገሊጹ።

    "እዚ ፍረ ሓባራዊ ጻዕሪ እዩ - ናይ ስድራቤተይን ንእሽቶ ከለኹ ዘዕበዩኒ ኣዕሩኽተይን። ነዚ ፈተነ እዚ ምዕዋተይ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን፣ ብሓቂ ዘገርም እዩ። ምስቲ ኣብ ዓለም ብሉጽ ዝዀነ ታደይ ኣብ ሓደ ጋንታ ምዃነይ ምርዳእ’ውን ኣዝዩ ፍሉይ ስምዒት ዘለዎ እዩ።

    "ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዓቐብ ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ኣይከኣልኩን ነይረ፣ እንተዀነ ሓሊፈ ንማትያስ ስኬልሞሰ ክሕዞ ክኢለ። ንታደይ ዝኸውን ትልሚ ነይሩና - ኣነ ከምኡ ገይረ፣ እንተዀነ፡እቲ ፍልልይ ዓቢ ስለ ዝነበረ ብቐጥታ ናብ ናይ መወዳእታ መስመር ኣምሪሐ።

    "ከምዚኦም ዝበሉ ዕድላት ዳርጋ ፈጺሞም ኣይርከቡን እዮም፣ ነዚ ኵነታት እዚ ብምቍጽጻረይ ድማ ኣዝየ ይዀርዕ።"

    እቲ እንኮ ኣፍሪቃዊ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ ብንያም ግርማይ ኣብ ማእከል ኣብ ዝነበረት ናይ ነጥቢ ውድድር ንዓባይ ጕጅለ ብምስዓር 14 ነጥቢ ረኺቡ። ሰልስተ ተቐዳደምቲ ኣቐዲሞም ሃዲሞም ስለ ዝነበሩ ራብዓይ ብምዃን እዩ ሕንጻጽ ሰጊሩ።

    ብንያም መውደቕቲ ኣጋጢሙዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ውድድሩ ክዛዝም ግን ክኢሉ እዩ።

  10. ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ፡ ቀይሕ ካርድ ስለምንታይ ንእንግሊዝ ተዋሂቦም?

    ቤሊንግሃም ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ እናጸንበለ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እንግሊዝ ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ዘካየደቶ ወሳኒ ግጥም ብ10 ዝተረፉ ተጻወትቲ ንኣአንጋዲት ሃገር ሜክሲኮ ብምስዓር ናብ ዝቕጽል ጸወታ ሓሊፋ።

    ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ጁድ በሊንግሃም ኣብ ውሑዳት ደቓይቕ ብዘመዝገበን ክልተ ሸቶታት ኣብ ቀዳማይ እብረ 2 ብ 0 መሪሕነት ሒዛ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጁሊያን ኩዊኖነስ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቡላ።

    እቲ ጸወታ ኣብ ካልኣይ እብረ ብኽልተ ዓበይቲ ፍጻመታት ደሚቑ።

    ፈለማ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ጃረል ኳንሳ ኣብ መበል 54 ደቒቕ፡ንጂሰስ ጋላርዶ ከም ዝሃረሞ ብቪድዮ ድሕሪ ምግምጋሙ ካብ ሜዳ ብቐይሕ ካርድ ተባሪሩ።

    እዚ ፍጻመ’ዚ ንግዜኡ ንደገፍቲ ሜክሲኮ ዘተባብዕ እኳ እንተ ነበረ፡እንግሊዝ ግን ሃሪኬን ብፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ሸቶ ምስ ኣመዝገበ ነዊሕ ከይጸንሐት 3-1 ክትመርሕ ክኢላ።

    "እዚ ንጹር ቀይሕ ካርድ እዩ፡" ክብል ኣብ ዋንጫ ዓለም 2010 ኣብ ግጥም ፍጻመ ተሓጋጋዚ ዳኛ ዝነበረ ዳረን ካን ኣብ ቢቢሲ ዋን ተዛሪቡ።

    "ኳንሳ ፈለማ ኩዕሶ ተጻዊቱ እዩ፣ እንተዀነ፡ እዚ ኣብ ሕጊ እቲ ጸወታ ዋጋ የብሉን፡” ድሕሪ ምባል በቲ ዝፈጸሞ በደል፡ “እቲ ዳኛ ቀይሕ ካርድ ካብ ምርኣይ ወጻኢ ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን። 100% እያ፡" ኢሉ።

    እንግሊዝ ሃሪኬን ብፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ሸቶ ምስ ኣመዝገበ፡ ነቲ ጸብለልታ ክልተ ሸቶታት ክትመልሶ ክኢላ እኳ እንተ ነበረት፡ ሜክሲኮ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ረኺባ።

    ኬን ንብራያን ጉቲየረዝ ዝሓለፎ ይመስል ነይሩ፣ እቲ ዳኛ ዓሊረዛ ፋጋኒ ነቲ ፍጻመ ንምግምጋም ናብቲ ሞኒተር ድሕሪ ምኻዱ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ሂቡ፣ራውል ጂሜነዝ ድማ ናብ ሸቶ ቀይርዎ።

    "እዚ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ እዩ፡" ክብል ካን ወሲኹ ገሊጹ።

    "ኬን ብኣጋጣሚ ንእግሪ ተጻዋታይ ሜክሲኮ ረጊጹዎ እዩ። እዚ ምስቲ እንግሊዝ ኣብ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ዝረኸበትሉ ናይ ሉካ ሞድሪች ምትንኻፍ ቅሩብ ይመሳሰል እዩ። ኬን ብድሕሪኡ ይመጽእ ንዝነበረ ተጻዋታይ ኣየስተውዓለሉን።"

    እቲ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዝነበረ ጆ ሃርት ኵሎም ዝተመሓላለፉ ውሳነታት ቅኑዓት ከም ዝነበሩ ይሕብር።

    "እቲ ዳኛ ኣብ ሰለስተኦም [ክልተኦም ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕትታትን ቀይሕካርድን] ቅኑዕ ውሳነ ዝሃበ ይመስለኒ፡" ክብል ኣብ ቢቢሲ ዋን ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣቐዲመን ካብ ዝገጠማ ነርወይን ብራዚልን፡ ሃገራዊት ጋንታ ነርወይ ኣብ ካልኣይ እብረ ብመንገዲ ኤርሊን ሃላንድ ክልተ ሸቶታት ብምምዝብ ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፋ።

    ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ብራዚል ንዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ነይማር ኣመዝጊቡዋ። እንተዀነ፡ ነታ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ዝለዓለ ዝና ዘለዋ ሃገር ከተድሕና ኣይከኣለትን። ብራዚል ኣብ ቀዳማይ እብረ ንዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ ናብ ሸቶ ክትቅይራ ኣይከኣለትን።

  11. ኣብ ሓያል ረስኒ ዀይና መበል 250 ዓመተ ልደታ ዘኽበረት ኣመሪካ

    ኣብ ናሽናል ሞል ዋሺንግተን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናሽናል ሞል ዋሺንግተን

    እቲ ናይ 4 ሓምለ ፈደራላዊ በዓል፡ 13 ግዝኣታት ኣመሪካ ኣብ 1776 ኣዋጅ ናጽነት ብምፍራም፡ ምብቃዕ መግዛእቲ እንግሊዝ ንምዝካር እዩ ብቐንዱ ዝበዓል።

    ኣብ ካፒቶል ሂል ዝነበሩ ዝተኣከቡ ብዝሒ ዘይብሎም ፀምበልቲ፡ ቅልል ዝበለ ዝናብ ስለዝሃረመ ክበታተኑን ናብቲ መውጽኢታት ክጓየዩን ተራእዮም።

    ኣብቲ ፅመብል፡ ምርኢት ሓንቲ ሓዳስ ጀት ኤር ፎርስ ዋን፡ ከምኡ'ውን መደረን ርችትን ዘጠቓለለ ዝነበረ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ሓያል መብረቅን ነጎዳን ከምዝተቛረጸ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ምሉእ መዓልቲ፡ እታ ርእሰ ከተማ ኣብ ትሕቲ 100F (37C) ረስኒ ዳርጋ ትነድድ ነይራ - እዚ ኣካል ናይቲ ንምብራቓዊ ኣመሪካ ዝሸፈነ ዝዓበየ ማዕበል ሙቐት እዩ።

    ኣስታት 400 ኣባላት ‘ፀዓዱ ሃገራዊ ጉጅለ ሓርበኛታት’ ድማ፡ ዘብረቕርቕ ባንዴራታት ኣመሪካ ተሰኪሞም ኣብ ጎደናታት እታ ርእሰ ከተማ ብሓደ ድምጺ እናተጓዕዙ ተራእዮም።

    እዚ ጉጅለ ኣብ 2017 ኣብ ቨርጂንያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ‘ዩናይት ዘ ራይት’ ድሕሪ ዘጋጠመ ተቓውሞ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ካብ ካልእ ጉጅለ ተፈንጪሉ ዝወፅአ እዩ።

    ባንዴራ ኣመሪካ ዘንበልብሉ ፀምበልቲ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ መበል 250 ዓመት ልደታ ብድሙቕ ርችት፡ ብመርኢት ነፈርትን ካልኦት መደባትን ኣኽቢራ ውዒላ።

    እቲ መደባት ፅምብል ኣብ ትሕቲ ሓያል ማዕበል ሙቐት ኰይኑ እዩ ተፀምቢሉ።

    ነቲ ሰፊሕ ትርጉም ዝወሃቦ ታሪኻዊ በዓል እታ ሃገር ንፖለቲካዊ ረብሕኡ ይምዝምዞ ኣሎ ተባሂሉ ዝንቀፍ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ናሽናል ሞል ኣብ ዝተኻየደ ፅምብል መደረ ኣስሚዑ።

    ንሱ ብዕልልታ ደገፍቱ ተዓጂቡ ኣብ ዝስመዖ መደረ፡ "ሕልሚ ኣመሪካ ዳግም ተመሊሱ ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።

    ንሱ፡ ኣብ መዕፀዊ መደርኡ፡ "እዚ ምጅማር ወርቃዊ ዘመን ኣመሪካ ጥራይ እዩ" ብምባል ‘ብኣምላኽ ዝተጻሕፈ ዕጫ" ከምዝዀነ ተዛሪቡ።

    እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ዝተመቓቐለ ኩነታት እያ እትርከብ።

    ትራምፕ ንነብሱ ማእከል ናይቲ ምዕራፍ ብምግባርን ካብቲ ብኮንግረስ ዝተመደበ ፍጻመታት ኣመሪካ- 250፡ ዝተፈለየ “ጽምብል ሓርነት 250” ብምጅማርን ፖለቲካዊ ክገብሮ ፈቲና ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ ዘሎ።

    ፀምበልቲ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኤፍ 22 ራፕተር ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ናሽናል ሞል እናበረራ ነቲ ሓድሽ ስሪት ኣየር ፎርስ ዋን ዓጂበንኦ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ኤፍ 22 ራፕተር ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ናሽናል ሞል እናበረራ
    ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ልዕሊ ድልድል ብሩክሊን ንሰማይ ዘብርህ ርችት

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ልዕሊ ድልድል ብሩክሊን ንሰማይ ዘብርህ ርችት
  12. ጋናን ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ብሰንኪ ቅትለት ስደተኛ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ኣትየን

    ትማሊ ሰሉስ ኣንፃር ስደተኛታት ዝወፁ ሰልፈኛታት ደቡብ ኣፍሪቃ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ትማሊ ሰሉስ ኣንፃር ስደተኛታት ዝወፁ ሰልፈኛታት ደቡብ ኣፍሪቃ

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምስ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ኣንፃር ስደተኛታት ተኣሳሲሩ፡ ተቐቲሉ ዝተብሃለ ጋናዊ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ኣስዒቡ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጋና፡ ኣብ ኬፕታውን ብዝተፈጸመ ቅትለት እቲ ዜጋ፡ ተቓውሞኡ ብምግላጽ፡ ናብ ፖሊስ’ታ ሃገር ጥርዓን ኣቕሪቡ።

    ሚኒስተር ፍትሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ “ሰበስልጣን ጋና፡ ብዛዕባ’ቲ ምስ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ዘሎ ኩነታት፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይዝርግሑ ኣለው” ብምባል ተቓውሞ ኣስሚዑ።

    ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ: ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ቅትለት እቲ ጋናዊ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይብሎም እኳ እንተገለፁ፡ ጉዳይ ናይ ሓደ ምስ ገበን ብዝተኣሳሰር ዝተቐትለ ካልእ ጋናዊ ግን ይምርምሩ ከምዘለዉ ገሊጾም።

    በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ክለይሰን ሞንየላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ምስ ጸረ ስደተኛታት ዝተሓሓዝ ተቓውሞታት ተፈፂሙ ዝተብሃለ ቅትለት ሓደ ጋናዊ፡ “ዝተፈብረኸ ዛንታ’ዩ” ክብል ሓቢሩ።

    ጋና ኣብቲ ንቕትለት ዜጋኣ ዝዅንን መግለፂኣ፡ “ዝኾነ ህይወት ምጥፋእ ቅቡል ስለዘይኮነ፡ እቶም ተሓተትቲ ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም” ክትብል ጠሊባ።

    ሓደ መደበር ሬድዮ ጋና፡ እቲ ዝተቐትለ ጋናዊ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ን20 ዓመታት ዝነብር ዝነበረ ስፋዪ ክዳውንቲ ምዃኑን ብሰልፈኛታት ብጥይት ከምዝተቐትለን ሓቢሩ።

    ሬሳኡ ናብ ሃገሩ ንምምላስ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጋና ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

    ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክወጹ ዝተዋህቦ ገደብ ግዜ ትማሊ ዘብቀዐ ዀይኑ፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ተቓውሞታት ይካየድ ኣሎ።

    ጋና፣ ማላዊን ናይጀርያን፡ ቅድሚ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ምብፅሑ፡ ዜጋታተን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘውጽኣ ሃገራት እየን።

    ክሳብ ሕዚ ኣስታት 25 ሽሕ ሰባት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ወጺኦም ኣለዉ።

  13. “መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ብዘየማትእ ኣካል ልኡላዊ ግዝኣት ኢራን’ዩ” - ሓይልታት ኢራን

    ሃገራዊ ኣርማ ኢራን- ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ኣካል ልኡላውነት ኢራን ስለዝኾነ ንወረርቲ ቦታ ከምዘይብሉ ማእከላዊ እዚ- ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    “ካብ ኣመሪካውያን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝመፅእ ኢድ ኣእታውነት፡ ካብ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን ቅልጡፍን ወሳንን ምላሽ ከምዝወሃቦ” ኣጠንቂቑ።

    ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ካብቲ ማእከል እዚ ዝወጸ መግለጺ ብምጥቃስ፡ “ጸጥታን ምሕደራን እቲ ኣገዳሲ መስመር ማይ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ንእስላማዊ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን ዘይስገር ቀይሕ መስመር’ዩ” ክብላ ጸብጺበን።

    ኢራን፡ “መጻብቦ ሆርሙዝ ወራሪት ኣመሪካ እትቆጻጸሮ ግዝኣት ዘይኮነስ፡ ዘየማትእ ልኡላውነት እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን እዩ” ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መስመር ማይ ዘለዋ መርገፂ ኣረጋጊፃ።

    ኩለን ንግዳዊ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ብሰላም ንክሓልፋ፡ ነቲ ብኢራን ዝተሓንፀፀ መስመር ክኽተላ ከምዘለወን፡ እንተዘይኮይኑ ድማ ጉድኣት ከምዝገጥመን ኣጠንቂቑ።

    ኢራን፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣንጻራ ኲናት ካብ ዝጅምራ ንደሓር፡ በቲ ኣገዳሲ መስመር ማይ ዝሓልፋ መራኽብ ብምጥቃዕ ንዓለም ተዓጽያ ኣላ።

    ሆርሙዝ ልዕሊ 20 ሚእታዊት ነዳድን ጋዝን ዓለምና ዝሓልፈሉ ኣገዳሲ ማያዊ ኣፍደገ እዩ።

    ኣብቲ እዋን ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ፡ መራኽብ ከይሓልፋ ኣብ ዝተዓገታሉ እዋን፡ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ዓቢ ወሰኽ ኣርእዩን ቅልውላው ኣስዒቡን ምንባሩ ይዝከር።

  14. ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ብዝፈፀመቶ ሰፊሕ ደብዳብ 20 ሰባት ሞይቶም

    ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተፈጥረ ጉድጓድ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተፈጥረ ጉድጓድ

    ሓይልታት ሩስያ: ሎሚ ለይቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ዓቢ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም 20 ሰባት ቀቲሎም።

    ከንቲባ እታ ከተማ፡ ኣብ ልዕሊ ርእሰከተማ ዩክረይን ዛጊድ "ዝዓበየ መጥቃዕቲ" ክብል ገሊጽዎ።

    ቪታሊ ክሊችኮ፡ ኣብ ልዕሊ‘ቶም ዝሞቱ፡ ኣስታት 90 ሰባት ከምዝቖሰሉ ወሲኹ ሓቢሩ።

    ሓደ ካብቶም ዝተሃርሙ ከባብታት፡ መደበር ኣምቡላንስ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ፅባሕ ዓርበ መዓልቲ ሓዘን ምዃና ኣዊጁ።

    ቅድሚ ሕዚ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ዝያዳ ሰባት ዝቐተሉ እኳ እንተኾኑ፡ እዚ ዳሕረዋይ ደብዳብ ግን ዝበዝሐ ኣጽዋር ኣብ ሰፋሕቲ ከባብታት’ታ ርእሰከተማ ከምዝተፈፀመ ሓቢሩ።

    ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ንመጥቃዕቲ ትዳሎ ከምዘላ ድሕሪ ምጥንቃቑ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ዝወረደ'ዚ ደብዳበ፡ ኣብ መላእ እታ ከተማ ብዙሓት ህንጻታት ኣዕንዩ።

    ሞስኮ፡ ምላሽ ነቲ፡ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሲቪልያን መሰረተ-ልምዓት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከምዝዀነን፡ ወተሃደራዊ ማእከላት ዒላማ ዝገበረ ከምዝዀነን ኣፍሊጣ።

  15. ሜክሲኮ፡ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ዝሰኣንሉ ጽምብል ዋንጫ ዓለም

    ፅምብል ዋንጫ ዓለም- ሜክሲኮ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ማእከል ርእሰከተማ ሜክሲኮ- ኣብ ከባቢ ሓወልቲ ‘መልኣኽ ናጽነት’ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ደገፍቱ ኲዕሶ እግሪ ናብ ጎደናታት ኣብዝወጽሉ ኣብ ሰለስተ ሰባት በቲ ፅቕጥቅጥን ዋህፅን ህይቶም ስኢኖም።

    እታ ሃገር ድሕሪ 1986 ንፈለማ እዋን እያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ብምዕዋት ናብ ዝቕጽል ​​መድረኽ ክትሓልፍ ክኢላ።

    ከንቲባ እታ ከተማ ክላራ ብሩጋዳ፡ ንስድራቤት ግዳያት ዝተሰመዓ "ልባዊ ሓዘን" ብምግላፅ፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዝግበሩ ፅምብላት ከምኡ ከምዘይድገም ቃል ኣትያ።

    ሰብመዚ ጥዕና፡ ህጹጽ ኣገልግሎት፡ እቶም ሰለስተ ግዳያት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ቀዳማይ ረድኤት ከምዝተገብረሎም ሓቢሮም።

    እንተዀነ፡ ሰለስቲኦም ብሰንኪ ዋህፅን ፅቕቅጥን ከምዝሞቱን ብስድራቤቶም ከምዝተለለዩን በዓል መዚ ጥዕና እታ ከተማ ወሲኹ ሓቢሩ።

    ከንቲባ ብሩጋዳ፡ እቲ ሞት ምስተገልጸ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሐቶ ጽሑፍ፡ ደገፍቲ "ኩሉ ግዜ ሓላፍነት ብዝተመልኦ፣ ብምትሕልላይን ምጥሕስሳብን ክጽንብሉ" ኣተሓሳሲባ።

    ዓወት ሜክሲኮ ዘበስር ፊሽካ ምስተነፍሐ፡ ኣብ ስታድዮም ኣዝቴካን ኣብ መላእ ሰፊሕ ክፋል እታ ከተማን፡ ህዝባዊ ፅምብል ኣበጊሱ።

    ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ዝነብሩ ዀይኖም፡ እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ኣብዛ ፕላኔት ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረሎም ከባቢታት ይገብራ

    እዚ ናይ ሰሉስ ዓወት፡ ንሜክሲኮ ናብ ዙር 16 ዋንጫ ዓለም ዘሕልፋ ዀይኑ፡ ቶማስ ቱከል ዝመርሓ ጋንታ ሎሚ ረቡዕ ንዲ.ኣር ኮንጎ እንተድኣ ስዒራ፡ ምስ እንግሊዝ ክትገጥም ሰፊሕ ተኽእሎ ኣሎ።

  16. ትራምፕ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ንግዲ ክሪፕቶ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከሲቡ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ንግዳዊ ንጥፈታት ክሪፕቶካረንሲ፡ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከምዝረኸበ፡ ናይ 2025 ፋይናንሳዊ ጸብጻቡ ይሕብር።

    እቲ 927 ገጻት ዝሓዘ ፀብፃብ፡ ካብ ሓደ ‘ሴሌብሬሽን ኰይን’ ዝተባህለ ትካሉ ጥራይ፡ 635 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ የመልክት።

    ብተወሳኺ፡ ካብቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ፡ ደቁን፡ ደቂ ፍሉይ ልኡኹ- ስቲቭ ዊትኮፍን፡ ዝተመስረተ ትካል ክሪፕቶካረንሲ ‘ወርልድ ሊበርቲ ፋይናንሻል’ ልዕሊ 500 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ።

    ከምኡ’ውን፡ ካብ ብስም ትራምፕ ዝተሓተሙ ኣቑሑትን ካብ ሪልስቴትን (መሸጣ ኣባይቲ)፡ ተወሳኺ ሚልዮናት ኣታዊ ከምዝረኸበ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

    ዋይት ሃውስ ግን፡ ትራምፕ ካብ ናይ ፕዚደንትነት ስልጣኑ ተበሊፁ መኽሰብ ይረክብ ከምዘየለ'ዩ ዝምጉት።

    እቲ ዳሕረዋይ ፋይናንሳዊ ኣታዊኡ፡ ብውሑዱ 2.2 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሐ - ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2024 ዝነበረ ኣታዊ ኣዝዩ ዝዛይድ ኮይኑ፡ ትራምፕ ልዕሊ 600 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ገሊፁ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

    ንግዳዊ ንጥፈታቱ፡ ብደቁ ንዝመሓደር ትካል ከምዝገደፎ ብተደጋጋሚ ዘጉልሕ ዋይት ሃውስ፡ ዝኾነ ናይ ረብሓ ምግጫው ከም ዘየሎ ደጋጊሙ ከእምን'ዩ ዝፍትን።

    ምክትል ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ኣና ኬሊ፡ እቲ ፕረዚደንት ንኣመሪካ “ማእከል- ክሪፕቶ ኣለም "ገይርዋ ብምባል፡ ክትኮርዕ ከምዝገበራ ገሊጻ።

    ንሳ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ፕረዚደንት ይኹን ስድርኡ ኣብ ናይ ረብሓ ግጭት ተጸሚዶም ኣይፈልጡን፡ ንመፃኢ’ውን ኣብ ከምኡ ኣይክዋፈሩን'ዮም" ኢላ።

  17. ላዕለዎት ዳያኑ፡ ትራምፕ ደቂ ስደተኛታት ብቐጥታ-ዜግነት ከይረኽቡ ዘመሓላፎ ትእዛዝ ኣጊዶም

    ላዕለዋይ ዳኛ ጆን ሮበርትስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ላዕለዋይ ዳኛ ጆን ሮበርትስ

    ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ኣብ ምድሪ ኣመሪካ ዝወተወልዱ ብቐጥታ ዜግነት ከይረኽቡ ዝገበሮ ፈተነ ነጺግዎ።

    እቲ ፕረዚደንትን ናይ ሕጊ ጉጅለኡን፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝሓዝዎ ቅዋም፡ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ኣካል ቤት ፍረዲ ክሳብ ቀረፅቲ ሕግን ክኢላታት ሕግን ብዙሕ ደገፍ ከይረኸበ ፀኒሑ።

    እዚ ንብዙሓት ኣብታ ሃገር ዝተወልዱ ኣሸሓት ደቂ ስደተኛታትት ዝፀሉ ውሳነ፡ በዚ መልክዑ ከብቅዕ ምኽኣሉ፡ ንተሓለቕቲ መሰላት ዘደንቕ ዓወት ከምዝዀነ እዩ ዝግለፅ።

    ዝበዝሑ፡ ካብቶም ትሸዓተ ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ እዚ ቋንቋን ትርጉምን ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ ዝቕይርን፡ ን150- ዓመታት ዝፀንሐ ፅኑዕ ሕጊ ዳግማይ ዝኽልስን ትእዛዝ፡ ምእንቲ ዓወት ትራምፕ ክበሃል፡ ኣይነፀድቕን ክብሉ እዮም ወሲኖም።

    ብርግጽ እዚ ውሳነ እዚ፡ ነቲ ፕረዚደንት ከቘጠዖ ምዃኑን፡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝኽእሉሉ መገድታት ኩሉ ንምድራት ሓድሽ ሜላታት ክእልሽ ክግደድ ምኳኑን ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

    እቲ ናይ ሎሚ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ንመሰል ውልደት ዜግነት ንምኽባር 6ን 3 ድጋፍ ከምፀንዐ፡ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    እቲ ብይን ብላዕለዋይ ዳኛ ጆን ሮበርትስ ዝተጻሕፈ ኮይኑ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ወይ ንግዚኡ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝነብሩ ወለዲ ዝተወልዱ ህጻናት፡ ብመሰረት ቅዋም ኣመሪካ፡ ብቐጥታ "ዜጋታት" ምዃኖም ይገልጽ።

    እቲ ውሳነ፡ ነቲ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካ፡ ንሕቶ ዜግነት ናይቶም ሓራ ዝወጹ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተወልዱ ባሮት ነበር ንምፍታሕ: ዝተደንገገ መበል 14 መመሓየሺ ሕጊ ከም መርትዖ ይጠቅስ።

  18. ወከልቲ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ቐጠር ክራኸቡ'ዮም - ትራምፕ, ኣብ ቴክኒካዊ ኣካል'ቲ ስምምዕ ልዝብ ክቕጽላ እየን- ተባሂሉ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መድረኽ ኰይኑ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ማሕበራዊ ገፁ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ ፡ "ኢራን ኣኼባ ክግበር ሓቲታ ኣላ፤ ፅባሕ ኣብ ዶሃ ክካየድ'ዩ" ኢሉ።

    እንተኾነ ግን ዶናልድ ትራሞፕ ብዛዕባ እቲ ጽባሕ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ኣኼባ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

    ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሌቪት ግን፡ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ላዕለዎት ተደራደርቲ ኣመሪካ ጃረድ ኩሽነርን ስቲቭ ዊትኮፍን “ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንላዕለዋይ ኣኼባ ሰበስልጣን፡ ናብ ዶሃ ክጓዓዙ እዮም” ኢላ።

    ብተወሳኺ ጎኒ ጎኒ እቲ ላዕለዋይ ኣኼባ ቴክኒካዊ ዝርርብ ከምዝካየድ'ውን ሓቢራ።

    ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ቴክኒካዊ መዳያት እቲ ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሓሉ ምቍራፅ ተኹሲ፡ ልዝብ ክቕጽላ ምዃነን፡ ሓደ በዓልስልጣን ዋሽንግተን ሓቢሩ ምንባሩ ቅድም ኢሉ ተገሊፁ ነይሩ።

    እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓልስልጣን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ ኩሉ ቴክኒካዊ መዳያት እቲ ስምምዕ ዝግበር ዘተ ክቕጽል እዩ” ክብል'ዩ ተዛሪቡ።

    "ንግዚኡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭት ካብ ምግዳድ ክቑጠቡ እዮም፤ መራኽብ ብናጽነት ብሰላም ክጓዓዛ ክኽእላ እየን" ድማ ኢሉ።

    ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ሓላፊ ጉጅለ ዘተ ኢራን፡ ካዘም ጋሪባባዲ ግና፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ሰሙን ቴክኒካዊ ዝርርብ ንምክያድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ ንዝብል ጸብጻባት ነፂጉ።

    ብሰንኪ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝተለዓለ ምስሕሓብ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ቴህራንን ዋሽንግተንን ተጋጭየን ነቲ ስምምዕ ሰላም ብምጥሓስ ነንሕድሕደን ክካሰሳ ከምዝቐነያ ዝዝከር እዩ።

  19. ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ እናኸረረ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ

    ሓፈሻዊ ኣኼባ ሕብረት ኤውሮጳ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ትግራይ እናወሰኸ ብዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ሰኸፈት ከምዝሓደሮ ገሊጹ።

    ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእዩ ምዕባለታት፡ ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ዘብቅዐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከዳኽም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ትማሊ 27 ሰነ 2026 ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ነባር ክልላዊ ቤት ምኽሪ ምቘሙን: ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋን ብምጥቃስ፡ “ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐሎ” እዩ ዘመልክት።

    ሕብረት ኤውሮጳ፡ እዚ ስጉምትታት ንውዕላት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝጥሕስ ምዃኑ እውን ኣስሚሩሉ ኣሎ።

    ፌደራል መንግስቲ ይኹን ህወሓት ምሉእ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ብህጹጽ ዘተ ክጅምሩ ኣተሓሳሲቡ።

    ብተወሳኺ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ከም ዝድግፍ እውን ኣረጋጊጹ።

    እዚ መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ብ26 ሰነ ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ ስዒቡ ዝመጸ እዩ።

    እቲ ኤምባሲ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ “ምሉእ ብምሉእ ክትግበር” ጸዊዑ እዩ።

    ነዚ መግለጺ ዘውጽአ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ "ኣኽረርቲ" ኣባላት ህወሓትን ናይ ቀረባ ስድራቤቶምን ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዘንበረት ካብ እትገልጽ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ።

  20. ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ውዕል ሰላም ብምጥሓስ ነንሕድሕደን ይካሰሳ

    መራኽብ ኣብ ባሕሪ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣመሪካ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብቐዳም ኣብ ልዕሊ ባንዴራ ፓናማ እተምበልብል መርከብ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ድሕሪ ምፍፃሙ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (ሴንትኮም)፡ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ንዝግበር "ቀጻሊ መጥቃዕቲ" ቀጥታዊ ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ መላእ ኢራን ዝተፈላለየ ዕላማታት ከምዝሃረመ ገሊጹ።

    ሕነ ንምፍዳይ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ኣብ ኩዌትን ባሕሬንን ኣብ ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ኣመሪካ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን መጥቃዕቲ ከምዘውረደ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

    ድሕሪ እቲ ምልውዋጥ ተኹሲ፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብምጥሓስ ነንሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ።

    ሴንትኮም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኢራን ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ከተኽብር ዕድል ተዋሂብዋ'ኳ እንተነበረ፡ ሓይልታታ ግን ንባንዴራ ፓናማ እተምበልብል ታንከር ‘ኤምቲ ኪኩ’ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምፈፀመት’ ገሊፁ።

    ከም መልሲ ናይዚ ድማ፡ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝን ከባቢኡን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ 10 ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን መጥቃዕቲ ከምዘካየዳ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

    እዚ ድማ ወተሃደራዊ ናውቲ፣ ስርዓተ ርክብ፣ መከላኸሊ ኣየርን መኽዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ዘጠቓለለ እዩ።

    መግለጺ ኢራን፡ ኣመሪካ "ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን( IRGC) ኣብ ልዕሊ’ታ ገበነኛ መርከብ ንዝወሰዶ ስጉምቲ" ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ኢራን ሓሙሽተ መደበራት ገማግም ባሕሪ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ገሊፁ።

    ነዚ ሕነ ንምፍዳይ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ኩዌት ኣብ ዝርከብ መደበር ዓሊ ኣልሳለምን ኣብ ፖርት ሳልማን ባሕሬን ኣብ ዝርከብ ሓሙሻይ መርከብ ሓይሊ ባሕሪን ኣብ "ሸሞንተ ወሰንቲ ትሕተ ቅርጺ" ባሊስቲክ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዘዕነወ ገሊፁ።

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየደቶ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ምስ ተገልፀ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል፡ ቴህራን "ፈጺማ ከምዘይትመሃር ዘርኢ እዩ" እዩ ኢሉ።

    "ድሕሪ ደጊም ርትዓውያን ዘይንዀነሉ እዋን ክመፅእ ይኽእል'ዩ፡ ነቲ ኣዝዩ ብዓወት ዝጀመርናዮ ስራሕ ድማ ብወተሃደራዊ መንገዲ ክንዛዝሞ ክንግደድ ኢና" ክብል ትማሊ ቀዳም ምሸት ተሓንዩ።

    እቲ ጽሑፍ ኣስዒቡ፡ "ከምኡ እንተኾይኑ፡ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ድሕሪ ደጊም ኣይክትህሉን እያ!" ይብል።