ትራምፕ፡ ኣመሪካ ምስ ሊባኖስ ብምዃን "ካብ ሕዝቦላህ ንምክልኻል" ክትሕግዝ እያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮን ዝተረኽብሉ ኣኼባ "ኣዝዩ ጽቡቕ" ከም ዝነበረ ገሊጹ።
"ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ጽሒፉ።
ኣብዚ "ታሪኻዊ ኣኼባ" ተሳታፊ ምዃኑ "ዓቢ ክብሪ" ከም ዝስምዖ ዝገለጸ ትራምፕ፡ ንቐዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁን ንፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ኣውንን ኣብ ዝመጽእ ንኸአንግዶም ብሃንቀውታ ከም ዝጽበ ኣፍሊጡ።
እቶም ላዕለዎት ተዛተይቲ ናይ ነፍሲወከፍ ሃገር፡ ኣብ ቤትጽሕፈት 'ኦቫል' ምስ ትራምፕ፡ ቫንስን ሩብዮን ብሓባር ኰይኖም ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ነቲ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ብምንዋሑ ዘለዎም ምስጋና ገሊጾም።
ኣምባሳደር ሊባኖስ ኣብ ኣመሪካ ናዳ ሓማደ ሙዓዋድ፡ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣመሪካ የኪኤል ላይተር፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሊባኖስ ሚሸል ኢሳ፡ ከምኡ’ውን ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ማይክ ሃካቢ፡ ነፍሲወከፎም ንትራምፕ ኣብቲ ዘተ ንዝተጻወቶ ተራ ንኢዶም።
ላይተር፡ "ክቡር ፕረዚደንት፡ ብሳላ እቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ሓያል መሪሕነት ኢራን ኣዝያ ስለ ዝደኸመት፡ ሕጂ ንሕዝቦላህ ንምድኻምን ንሊባኖስ ካብ ወራሮም ናጻ ንምውጻእን ዘሎ ተኽእሎ ናይ ሓቂ ኰይኑ ኣሎ፡" ድሕሪ ምባል፡ እስራኤልን ሊባኖስን ነታ ሃገር ካብቲ "ሕዝቦላህ ዝበሃል ሕማቕ ጽልዋ፡" ንምንጋፍ ሓባራዊ ዕላማ ከም ዘለወን ኣገንዚቡ።
ሃካቢ ብወገኑ ንሕዝቦላህ፡ ኣብ ሓደ ሰፈር ኰይኑ ናብ መስኮት ኵሎም ጐረባብቲ እምኒ ምስ ዝድርቢ ቈልዓ ኣመሳሲሉዎ። "እቲ ቈልዓ ደው ምስ ዝብል፡ ከም ሊባኖስን እስራኤልን ዝኣመሰሉ ጐረባብቲ ብሰላም ክነብሩ ይኽእሉ እዮም፡" ኢሉ።

















