ኬንያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተባርዐ ሓዊ ብውሕዱ 16 ተመሃሮ መይተን

ምንጪ ስእሊ, Robert Maina
ኣብ ማእከላይ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ናይ ደቀንስትዮ ኣሕዳሪ ቤት-ትምህርቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ብወሑዱ 16 ተመሃሮ ህይወተን ከም ዝሰኣና ተገሊጹ።
ኣብቲ ኣብ ጊልጊል (ዞባ ናኩሩ) ዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ተምሃሮ ቈሲለን ኣለዋ።
ሰበስልጣን መንግስቲ ኬንያ፡ ስድራቤታት ደሃይ ደቀን ኣብ ዝጽበያሉ ዘለዋ እዋን መርመራታት ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ገሊጾም።
እቲ ባርዕ ሓዊ፡ ሓሙስ ንግሆ ኣብታ ካብ ናይሮቢ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ (ኣብ ግሬት ሪፍት ቫሊ) ኣብ ጊልጊል እትርከብ ‘ኡቱሚሺ ግርልስ ኣካዳሚ’ ዝተባህለት ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ደቀንስትዮ እዩ ተወሊዑ።
ፖሊስ ከም ዝገለጾ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ተምሃሮ ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ኣብ ሆስፒታል ይረኽባ ኣለዋ።
እቲ መደቀሲ ክፍሊ ኣስታት 200 ተምሃሮ ዘዕቍብ እዩ።
ኣባላት ህጹጽ ረድኤት፡ ብወተሃደራትን ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ናይቲ ዞባን ተደጊፎም ነቲ ባርዕ ክቈጻጸሩዎ ክኢሎም እዮም።
ዒግታ ትኪ ነቲ ህንጻ ክሽፍኖ ከሎ፡ ገለአን ተምሃሮ ብስንባደ ናብቲ ከባቢ ክሃድማ ክኢለን።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፖሊስ ማስዑድ ምዊንዪ ከም ዝበሎ፡ ክኢላታት ዕቤት እቲ ሓደጋ ንምግምጋም ገና ኣብ ስራሕ ኣለዉ።
ሰበስልጣን ናብ ቀጽሪ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ምእታው ምስ ከልከሉ፡ በቲ ኵነታት ዝተሻቐሉ ወለዲ ኣብ ግዳም ተኣኪቦም ኣርፊዶም።
ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ገና ኣይተነጸረን ዘሎ፣ መመራታት’ውን ይቕጽሉ ኣለዉ።


















