'ሓላፍነት ዝጐደሎ ባህሪ ሩስያ ንኩላትና ሓደጋ'ዩ'- ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)

ሓንቲ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ሩስያ ኣብ ሮማንያ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንበሪ ህንጻ ድሕሪ ምውዳቓ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ተሪር ተቓውሞ ይቐርብ ኣሎ። "ሓደገኛ" ክብል ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ነቲ ፍጻመ ኮኒንዎ'ሎ። ሮማንያ ኣባል እቲ ኪዳን ብምዃና እቲ ኲናት ምስ ሩስያ ንዘሎ ምትፍናን ዘጋደደ ኮይኑ ኣሎ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ዘተ ሰላም ክቕጽልኦ ተማሕጺኖም። እቲ ግጭት "ኣብ ኢራን ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ንጹሃን ሰባት ንመከራ ኣቃሊዑዎም እዩ፡" ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
  • ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተሓዲሱ ዘሎ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን ዘሎ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
  • "ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ትራምፕ ኣፍሊጡ።
  • ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢራናውያን ስፖርተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ካብ ወገን ኣመሪካ ዝነገሮም ሰብ ከም ዘየሎ ገሊጹ። እንተዀነ፡ "ብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን 'ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን' ከም ጋዜጠኛታትን ኣሰልጠንቲ ስፖርትን ኣምሲሎም ናብ ሃገርና ሒዞሞም ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ፡" ኢሉ።
  • ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።ሉፍታንዛ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ካምፓላ፡ ዮወሪ ሙሰቨኒ ንሻውዓይ ግዜ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ

    ልሙድ ባርኔጣኡ ዝገበረ ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ ኣብ ፖድዮም ደው ኢሉ፡ ብወተሃደራት ተዓጂቡ

    ምንጪ ስእሊ, Government of Uganda/X

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ኣካታዒ ምርጫ ዝተዓወተ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ሎሚ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ።

    ሻውዓይ እብረ-ስልጣን ዝጅምር ዘሎ ዮወሪ ሙሰቨኒ ኣብ 1986 ብዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ስልጣን ምስደየበ ወሪዱ ኣይፈልጥን'ዩ።

    እቲ ወዲ 81 ዓመት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዝነውሐ እዋን ኣብ ስልጣን ካብ ዝጸንሑ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት እዩ።

    ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝገዝኡ መራሕቲ፡ ፕረዚደንት ኮንጎ ብራዛቪል ደኒስ ሳሶ ንጔሶ፡ ፕረዚደንት ኢኳቶሪያል ጒኒ ቲዮዶሮ ኦቢያንግ፡ ከምኡ'ውን መራሒ ካሜሩን ወዲ 93 ዓመት ፖል ቢያ እዮም።

    መራሕቲ ኤርትራ፡ ርዋንዳን ጂቡቲን ዝርከብዎም ሓያሎ ካልኦት መራሕቲ እታ ኣህጉር'ውን ገለ ካብቶም ኣብ ፈለማን መወዳእታን 90ታት ናብ ስልጣን ምስደየቡ ዘይወረዱ እዮም።

    ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ወዲ 78 ዓመት ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ንመበል 6ይ እብረ ስልጣን ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ ነይሩ።

  2. መንገዲ ኣየር ኣስትራል ካብ-ናብ ናይሮቢ-ኣስመራ ናይ ጽዕነት ኣገልግሎት ጀሚሩ

    መንገዲ ኣየር ኣስትራል

    ምንጪ ስእሊ, Astral Aviation

    መንገዲ ኣየር ኣስትራል፡ ኣብ መንጎ ናይሮቢን ኣስመራን ሰሙናዊ ናይ ጽዕነት በረራታት ብወግዒ ብምጅማር፡ ንኤርትራ ምስ ዞባውን ዓለምለኻውን መርበብ መጓዓዝያ ዘራኽብ ሓድሽ መስመር ከም ዝኸፈተ ተፈሊጡ።

    እዚ ብናይሮቢ ኣቢሉ ዝሓልፍ መስመር፡ ንፍርያት ኤርትራ ናብ ዕዳጋታት ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ እስያን ኤውሮጳን ንምብጻሕ ዓቢ ተራ ክጻወት ትጽቢት ይግበረሉ።

    እቲ ትካል ከም ዝገለጾ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ኣብቶም እናማዕበሉ ዝመጽኡ ዕዳጋታት ንዝርአ ዋሕዚ ንግድን ስሉጥ ሎጂስቲክስን ንምድጋፍ ዝዓለመ እዩ።

    እዚ ሓድሽ ናይ ጽዕነት መስመር፡ ኤርትራ ብሰንኪ ድሩት ኣህጉራዊ በረራታት ኣብ ትጽገመሉ ዘላ ወሳኒ እዋን ምምጽኡ ንብዙሓት መስተርሆት ዝህብ ክኸውን እዩ።

    ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝዀነ ግዜ ንላዕሊ ናይ መጓዓዝያ ኣማራጺታት ኣብ ዘድልየሉ ኵነታት ከም እትርከብ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

    ኣብ መስከረም 2024 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራታቱ ካብ ኣስመራ ብምቍራጹ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ገያሾን ንግዳዊ ምንቅስቓስን ዓቢ ጸቕጢ ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ብተወሳኺ፡ ቀጥታዊ በረራታት ብዘይምህላዉ፡ ገያሾ ብዱባይን ካይሮን ኣቢሎም ካብ 13 ክሳብ 17 ሰዓታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክጽበዩ ክግደዱ ጸኒሖም እዮም።

    እቲ ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ብሰንኪ “ስሉጥ ምሕደራ ዘይምህላዉን ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ተገይሩ ብምውሳዱን”፡ ንዜጋታት ዘተኣማምን ኣገልግሎት ክህብ ኣይከኣለን።

    ምሁር ቍጠባ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ቅድሚ ሕጂ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኤርትራ ኣብ መንጎ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዘላቶ ጸጋ ክትጥቀመሉ እንተዀይና፡ ዞባዊ ውህደትን ስሉጥ ትካላዊ ኣሰራርሓን ክህሉዋ ከም ዝግባእ ሓቢሩ ነይሩ።

    እዚናይኣስትራል ኣቪየሽን ምጅማር፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን መንገዲ ኣየር ኢትሓድ ካብ 7 ሕዳር 2026 ጀሚሩ ካብ ኣቡዳቢ ናብ ኣስመራ ቀጥታዊ በረራ ክጅምር ምዃኑ ዘውጽኦ ወግዓዊ ምልክታ ተደሚሩ፡ ንኤርትራ ስትራተጅያዊ ጥቕምታት ክህባ ይኽእል እዩ።

    እዚ ኣብ ናይሮቢ - ኬንያ ዝመደበሩ ናይ ጽዕነት መንገዲ ኣየር፡ ናብ ልዕሊ 50 መዓርፎ ነፈርታትበረራታት ከም ዘካይድ ይፍለጥ።

    እቲ ኩባንያ ንዝተፈላለዩ ዓይነታት ጽዕነታት ከም ኣቑሑት ንግዲ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት፡ መድሓኒታትን ካልኦት ንብረታትን የማላልስ።

    በዚ ሓድሽ ዝጀመሮ ናይ ናይሮቢ–ኣስመራ መስመር ድማ ንኤርትራ ምስ ዞባዊ መርበብ ንግዲ ከተኣሳስራ ትጽቢት ይግበር።

  3. ትራምፕ፡ ብዛዕባ ምቍራጽ ተዅሲ ብዝሃቦ መልሲ ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ኣርእዩ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ብኣመሪካ ንዝቐረበ ሓሳብ ዝሃበቶ መልሲ፡ "ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን፡" ድሕሪ ምባሉ፡ ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።

    ዓለምለኻዊ መምዘኒ ነዳዲ ዝዀነ ብሬንት ብ4.1% ወሲኹ ሓደ ባረል 105.50 ዶላር ክበጽሕ ከሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝሽየጥ ዘይተጻረየ ነዳዲ ድማ ብ4.4% ብምውሳኽ 99.80 ዶላር በጺሑ።

    እቲ ኣገዳሲ መስመር ማይ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ካብ 28 ለካቲት ጀሚሩ ብተግባር ተዓጽዩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ቀረብ ነዳድን ጋዝን ዓቢ ዕንቅፋት ፈጢሩ ይርከብ።

    ትራምፕ ነቲ ቴህራን ዘቕረበቶ ቅድመ-ኵነት ብዝመልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዚ ክብል ጽሒፉ፤ "ካብ 'ተወከልቲ' ኢራን ዝተባህሉ ዝተዋህበ መልሲ ኣንቢበዮ ኣለኹ። ኣይፈተኹዎን - ፈጺሙ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ።"

    እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዋጋታት ጸዓት ዓቢ ምንዋጽ ዘርኣየ ኰይኑ፡ ድሕሪ እቲ ብ8 ምያዝያ ዝተተግበረ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ዋጋ ብሬንት ደጊሙ ልዕሊ 100 ዶላር ደይቡ ኣሎ።

  4. ተሸላሚት ኖቤል ኢራናዊት ናርግስ ብዋሕስ ተፈቲሓ ናብ ሆስፒታል ተሰጋጊራ

    ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ናርግስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እታ ከም ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት እትፍለጥ ኢራናዊት ናርግስ መሓመዲ፡ ብሰንኪ እናበርትዓ ዝመጽእ ዘሎ ሕማም፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኣ ናብ ሆስፒታል ቴህራን ከም ዝተሰጋገረት ተገሊጹ።

    ሰበስልጣን ኢራን ናርግስ “ብልዑል ዋሕስ ንግዜኡ” ክትወጽእ ከም ዝፈቐዱላ፡ ስድራቤታ ዘመሓድሩዎ ፋውንዴሽን ብሰንበት ኣፍሊጡ።

    ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ክልተ ግዜ ናይ ልቢ ሕማም ከም ዘጋጠማ ዝጠቐሱ ደገፍታን ስድራቤታን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ክትመውት ከም እትኽእል ኣጠንቂቖም ነይሮም እዮም።

    ጓል 54 ዓመት ዝዀነት ናርግስ መሓመዲ፡ ኣብ ኢራን ንዝካየድ ጭቆና ደቀንስትዮ ብምቅዋምን ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ብእተካይዶ ቃልስን፡ ናይ 2023 ተሸላሚት ኖቤል ሰላም ምዃና ዝፍለጥ እዩ።

    ድሕሪ እቲ ስድራቤታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክትወጽእ ዘቕረቡዎ ተደጋጋሚ ልመና፡ ሕጂ ብናታ ሓካይም ንኽትሕከም ኣብ ሆስፒታል ፓርስ ቴህራን ከም እትርከብ ፋውንዴሽን ናርግስ መሓመዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

    ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሰሜን ኢራን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዛንጃን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንዓሰርተ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ጸኒሓ ነይራ እያ።

    ኣብ ፓሪስ ዝነብር ብዓልቤታ፡ “ሓፈሻዊ ኵነታት ጥዕናኣ ጽቡቕ የሎን፡” ክብል ገሊጹ።

    እዛ ተጣባቒት ኣብ ቤትማእሰርቲ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ኣስታት 20 ኪሎ-ግራም ዝኸውን ሚዛን ኣካላ ከም ዝጐደለ ይእመን።

    ከምቲ ጠበቓኣ ቺሪን ኣርዳካኒ ዝገለጸቶ፡ ናርግስ ንምዝራብ ትጽገም ከም ዘላን መንነታ ንምፍላጥ ክሳብ ዘጸግም ከም ዝተጐሳቘለትን ተዛሪባ።

    ኣብ 2021 “ኣንጻር መንግስቲ ፕሮፖጋንዳ ምዝርጋሕን ምስ ጸጥታ ሃገር ምርጻምን፡” ብዝብል ክስታት ናይ 13 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዋ ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ንሳ ግና ነቲ ክስታት ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።

    ብተወሳኺ፡ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2024 ብሰንኪ ሕክምናዊ ምኽንያት ካብቲ ሕማቕ ስም ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ኤቪን ንግዜኡ ክትወጽእ ተፈቒዱላ ነይሩ።

    ይዅን እምበር፡ ሰበስልጣን ኢራን ኣብ ሓደ ናይ ተዝካር ስነ-ስርዓት “ቀስቃሲ ዘረባ” ብምስማዓ ዳግማይ ከም ዝኣሰሩዋ ይገልጹ።

    ስድራቤታ ከም ዝሓበሩዎ ግና ኣብ እዋን ማእሰርታ ማህረምቲ ስለ ዝወረዳ እያ ናብ ሆስፒታል ክትውሰድ ተገዲዳ።

  5. ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ርክብ ዝፈጥር ዘሎ ስታርመር፡ ኣብ መረጻ ከም ዝሳተፍ ኣፍሊጡ

    ስታርመር

    ምንጪ ስእሊ, PA Media

    ቀዳማይ ምኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ኪር ስታርመር፡ ሒዙዎ ዘሎ መርገጺ ንምክልኻል ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ዝዓቢ ዘሎ ጠለባት ናብራ ምቅላልን ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ምፍጣርን፡ ቀንዲ መደባቱ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ።

    ሎሚ ንግሆ ንጋዜጣ 'ሚረር' ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንሰልፊ ዕዮ መሪሑ ናብ ዝቕጽል መረጻ ንምእታው መደብ ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ። ነቲ "ናይ 10 ዓመት ሓድሽ ፕሮጀክት" ንምቕጻል ዝዓለመ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።

    እዚ መደብ’ዚ "ንዅሉ ሰብ ዝሕግዝ... ድልዱል ቍጠባ" ምፍጣር ዝጠልብ ኰይኑ፡ ምስ ብራስለስ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ንምምስራት ዘለዎ ድሌት ብግህዶ ከም ዝገልጾ ኣፍሊጡ።

    መንእሰያት "ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስራሕ፡ ንምምሃርን ንምጕዓዝን ናጽነት ክህሉዎም ይግባእ፡" ክብል’ውን ተዛሪቡ።

    ትማሊ፡ ስታርመር ነቶም ነባራት ኣባላት ሰልፊ ዕዮ ዝዀኑ ጎርደን ብራውንን ሃሪየት ሃርማንን ከም ኣማኸርቲ መዚዙዎም ኣሎ።

    እዚ ስጕምቲ’ዚ ብሓደ ምኒስትሪ ከም "ላግጺ" ተገሊጹ ኣሎ።

    ይዅን እምበር ስታርመር፡ እቶም ኣብ ዓለምለኻዊ ፋይናንስን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጽልኢ ደቀንስትዮን ዘተኰሩ ዕማማት፡ "ንመጻኢ ዝዓለሙ" ምዃኖም ገሊጹ።

    ስታርመር፡ ጽባሕ ንርክብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ሕብረት ኤውሮጳዊ ኣመልኪቱ ኣገዳሲ መደረ ክህብ እዩ።

  6. ሊባኖስ፡ ብሰንኪ ዝቐጸለ መጥቃዕትታት እስራኤል 39 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጻ

    ኣብ ሊባኖስ ብሰንኪ ዝተኻየደ ደብዳብ ሰባት ኣብ ዝዓነወ ህንጻ ይርኣዩ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ሊባኖስ ብዝቐጸለ ጽዑቕ መጥቃዕትታት እስራኤል፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ 39 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።

    ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሳክሳኪየ ኣብ ዝተፈጸመ ሓደ መጥቃዕቲ ጥራይ፡ ንሓደ ቈልዓ ሓዊሱ እንተወሓደ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝቐተለ እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ ሓቢሩ።

    ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ ዒላማኡ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ምዃኑን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሐ ጕድኣት ጸብጻባት ከም ዝበጽሖን ገሊጹ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ16 ሚያዝያ ኣብ መንጎ መንግስታት እስራኤልን ሊባኖስን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ ዝእውጁ ንደሓር፡ ሓይልታት እስራኤልን ሕዝቦላህን ተዅሲ ምልውዋጥ ቀጺሎም እዮም።

    መብዛሕትኡ መጥቃዕትታት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዘተኰረ ኰይኑ፡ ሰራዊት እስራኤል ምስቲ ብኢራን ዝድገፍ ፖለቲካዊ ሰልፍን ምልሻን ሕዝቦላህ ርክብ ዘለዎም ትሕተ-ቅርጽታትን ሰባትን ይሃርም ከም ዘሎ ይገልጽ።

    ኣብዚ ሰሙን እዚ ጥራይ፡ መጥቃዕትታት እስራኤል ንደቀኣንስትዮን ቈልዑን ሓዊሱ ካብ 120 ንላዕሊ ሰባት ከም ዝቐተለ ምኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ።

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዶብ ሊባኖስ ዝርከብ መሬት ሒዙ ይርከብ።

    እቲ ዕላማ ድማ ንሰሜናዊ ክፋል እስራኤል ንምክልኻል ካብ ሕዝቦላህ ናጻ ዝዀነ ውሑስ ዞባ ንምፍጣር ምዃኑ ሰበስልጣን ይገልጹ።

    ኣብቶም ከባቢታት ምሉእ ዓዲታት ዝዓነዉ ኰይኖም፡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት እዚ ተግባር’ዚ ከም ገበን ኲናት ክርአ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ።

    ካብ 2 መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት፡ ብጠቕላላ 2,795 ሰባት ኣብ ሊባኖስ ከም ዝተቐትሉ ምኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ ኣሎ።

    እስራኤላውያን ሰበስልጣን ብወገኖም፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ 17 ወተሃደራትን ሓደ ሰቪልን፡ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ድማ ክልተ ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ የረድኡ።

  7. መስራቲ ሲ-ኤን-ኤን ቴድ ተርነር ዓሪፉ

    ቴድ ተርነር

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መስራቲ ኣመሪካዊ ትካል ተለቪዢን ሲ-ኤን-ኤን (CNN) ኣብ መበል 87 ዓመቱ ዓሪፉ።

    ቴድ ተርነር ኣብ 1980 ንፈለማ እዋን ናብ ዜና ጥራይ ዘድሃበ ፈነወ ተለቪዢን (Cable News Network) ዝመስረተ ብምዃኑ'ዩ ዝያዳ ዝፍለጥ።

    እቲ መደበር ኣብ መጀመርያ ሰንከልከል ኣጋጢምዎ'ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ኣብ 1981 ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ፕረዚደንት ነበር ሮናልድ ሬገን፡ ከምኡ'ውን ኣብ 1986 ዘጋጠመ ሓደጋ መንኮርኮር ናሳ ('ቻለንጀር') ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፍጻመታት ናብ ተኸታተልቲ ከብጽሕ ብምኽኣሉ ተፈላጥነቱን ተቐባልነቱን እናዓበየ ከይዱ።

    ነቲ ካብ 1990 -1991 ዝተኻየደ ኲናት ወሽመጥ (ንሓይልታት ዒራቕ ካብ ኲዌት ንምውጻእ ዝተኻየደ) ካብ ዓውደ-ውግእ ዝሃቦ ሸፈነ'ውን መሊሱ ንክዓቢ ድርዒ ኮይንዎ'ዩ።

    ተርነር፡ ነቲ ወላዲኡ ርእሰ-ቅለት ምስፈጸመ ዝተረከቦ ናይ ምውዕዋዕ ትካል ናብ ንእሽቶ መደበር ራድዮ ብምቕያር'ዩ ናብ ሚድያ ዓለም ተጸንቢሩ።

    "ቴድ፡ ውፉይን ተባዕን መራሒ'ዩ" ክብል ዝገለጾ ህሉው ኣቦመንበርን ዋና ኣካያዲን ሲ-ኤን-ኤን ማርክ ቶምሶን "ኣዛዚ መንፈስ ሲ-ኤን-ኤን ዝነበረን ወትሩ ኮይኑ ዝቕጽልን እዩ ነይሩ" ብምባል ንኢዱ።

  8. ዝቕበላ ስኢና ዝቐነየት መርከብ ዙረት ናብ ወደብ ክትኣቱ ተፈቒዱላ

    ነፋሪት ኣምቡላንስ እናዓለበት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ብነፋሪት ኣምቡላንስ ናብ ሆላንድ ተወሲዶም ኣለዉ

    እታ ብሓደ ቀታሊ ቫይረስ ተጠቒዓ እትርከብ መርከብ 'ኤም-ቪ ሆንዲዩስ' ዝቕበላ ስኢና ቀንፈዘው ክትብል ድሕሪ ምቕናያ ናብ ሓደ ወደብ ስጳኛ ክትኣቱ ተፈቒዱላ ኣሎ።

    ኣብታ ናይ ዙረት መርከብ (ክሩዝ) ካብ ዝነበሩ ኣስታት 150 ገያሾ ዛጊት ሰለስተ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

    ሓደ ብጽኑዕ ሓሚሙ ዝቐነየ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ብሪጣንያዊ ሓኪም'ውን ሎሚ ብፍሉይ መጓዓዝያ ናብ ሆላንድ ይውሰድ ከምዘሎ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዝርከብ'ዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት።

    እታ ካብ ደቡባዊ ጫፍ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ተበጊሳ ንሰሜን ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ኣብ ውሽጣ ለበዳ 'ሃንታቫይረስ' ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ገለ ካብቶም ተጓዓዝቲ በቲ ሕማም ክጥቅዑ ጀሚሮም።

    ሓደ ኣብ ፍርቂ-መንገዲ እንከላ ክመውት እንከሎ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተወስዱ ክልተ ሰብሓዳር ድማ ኣብ ጆሃንስበር ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

    ኣብ ከባቢ ናይታ ኣብ ማእከል ውቅያስ እትርከብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ኬፕ-ቨርደ ምስ በጽሐት፡ ናብ ወደብ ክትጽጋዕ ጠለብ'ኳ እንተቕረበት፡ ነቲ ለበዳ ዝሰግኡ ሰብመዚ እታ ሃገር ንሕቶኣ ኣይተቐበልዎን።

    ክልተ በቲ ሕማም ዝተለኽፉን "ኣብ ሕማቕ ኩነታት" ኣለዉ ዝተባህሉን ሰባት ብምትሕብባር ውድብ ጥዕና ዓለም ካብታ መርከብ ከምዝግዕዙ ተገይሩ ኣሎ።

    ብኩነታት እቶም ዜጋታት 23 ሃገራት ዝኾኑ ገያሾ ዝሰግአ መንግስቲ ስጳኛ ብወገኑ፡ ናብተን ኣካል እታ ሃገር ዝኾና ደሴታት ካናሪ ክትጽጋዕ ከምእትኽል ኣፍሊጡ። እንተኾነ ፕረዚደንት ናይታ ደሴት ብተመሳሳሊ ስግኣት ንትእዛዝ ማእከላይ መንግስቲ ብምቅዋም፡ ናብ ወደባቱ ከምዘይትኣቱ ኣፍሊጡ።

  9. ኢራን፡ ንምቍራጽ ‘ወፍሪ ሓርነት’ ከም ዓወት ክትገልጾ ትኽእል እያ

    ኢራን፡ ንምቍራጽ ‘ወፍሪ ሓርነት’ ከም ዓወት ክትገልጾ ትኽእል እያ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እቲ ዶናልድ ትራምፕ "ወፍሪ ሓርነት" ንግዚኡ ከም ዝቋረጽ ዘመሓላለፎ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ጽሑፍ ንብዙሓት ዘገረመ ኰይኑ ኣሎ።

    እዚ ውሳነ እዚ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ምኒስተር ምክልኻል ፒት ሄግሰትን ኣቦ-መንበር ኢታማዦር ሓባራዊ ሰራዊት ጀነራል ዳን ኬይንን፡ እቲ ስርሒት ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝን ወሽመጥ ፋርስን ናጽነት ዳህሳስን ንግድን ዘውሕስ ምዃኑ ክገልጽዎ ምስ ዝውዓሉ መልእኽትታት ዝጋጮ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

    ቀጺሉ ዝኸውን ነገር ገና ንጹር ኣይኰነን።

    ቀዲሙ ከምዝተገልጸ፡ "ወፍሪ ሓርነት" ካብቲ ንኢራን ብቝጠባዊ መዳይ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ዕጽዋ "ዝተፈልየን ነጻን" ወፍሪ እዩ።

    ዕላማ እዚ ወፍሪ ድማ ካብቲ ዞባ ዝርከብ ቀረብ ነዳዲ ዳግማይ ምውሓስን ብኡ ኣቢሉ ድማ ዓለምለኻዊ ቍጠባ ናብ ንቡር ኵነታቱ ንምምላስን ዝዓለመ ነይሩ።

    ኣብዚ ናይ "ምቍራጽ" ግዜ፡ ዓለምለኻዊ ትካላት መጓዓዝያ ባሕርን ትካላት መድሕንን ብሰንኪ ኢራን ክንቀሳቀሱ ከም ዘይክእሉ እንተ ተሰሚዕዎም፡ ትራምፕ ነቲ ሸቶ ተወቒዑ እዩ ክብል ዝቕርቦ ጥርዓን ክቕበሉዎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ።

    በቲ ካልእ ወገን ድማ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ኢራን ብጽኑዕ ዝተቓወመቶ "ወፍሪ ሓርነት" ምቍራጹ፡ ንኢራን ዳግም ናብ መኣዲ ዘተ ንምምጻእ ከም ጽቡቕ ድሌት ክርአ ተስፋ ይግበር።

    ክሳብ ሽዑ ግና፡ ኢራን ነዚ ምቍራጽ ስርሒት ከም ዓወት ክትገልጾ ተኽእሎ ኣሎ።

  10. ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ቻይናን ኢራንን ኣብ በይጂን ተራኺቦም

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ ምስ መዘንኡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ብረቡዕ ኣብ በይጂን ተራኺቦም ዘተ ኣካይዶም።

    ማዕከን ዜና ሺንሁዋ ነዚ ሓበሬታ እኳ እንተ ሓበረት፡ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ዝተኻየደ ዘተ ግና ኣይገለጸትን።

    ቀዲሙ ብወኪል ዜና ኢራን (ፋርስ) ዝተሓበረ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኣራግቺ ምስ ዋንግ ዪ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ "ብዛዕባ ክልተኣዊ ዝምድናታት ከምኡ’ውን ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ክመያየጥ፡" ትጽቢት ተገይሩሉ ነይሩ።

    ጕዕዞ ኣራግቺ ናብ ቻይና ዝካየድ ዘሎ፡ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ንምርኻብ ንዝመጽእ ሰሙን ናብ ቻይና ክገብሮ ካብ ዝተሓሰበ ምብጻሕ ኣቐዲሙ እዩ።

    ምምሕዳር ትራምፕን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዎም፡ ትራምፕ ነቲ ክገብሮ ዝነበሮ ጕዕዞ ኣደናጕይዎ ጸኒሑ እዩ።

  11. ኣመሪካ፡ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንምዕጃብ ክግበር ዘጸንሐ ስርሒት ኣቋሪጻቶ

    መራኽብ ኣብ ማይ እናኣንሳፈፋ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንምዕጃብ ብሰራዊት ኣመሪካ ዝካየድ ዝነበረ ስርሒት፡ ክልተ መዓልቲ ከይገበረት ኣቋሪጻቶ።

    እንተዀነ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዝገበረቶ ዕጽዋ ጸኒዑ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

    ትራምፕ ነዚ ውሳነ ዘመሓላለፈ፡ እታ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ከም ሸምጋሊት ኰይና ክትሰርሕ ዝጸንሐት ፓኪስታን ብዘቕረበትሉ ሕቶ መሰረት ምዃኑ ሓቢሩ።

    እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ምስ ቴህራን "ምሉእን ናይ መወዳእታን ስምምዕ ንምብጻሕ ዓቢ ስጕምቲ ስለ ዝተገብረ" ምዃኑ ገሊጹ።

    ወግዓዊ መራኸቢብዙሓን ኢራን ብወገኖም፡ ትራምፕ ነቲ ዓለምለኻዊ መስመር ማይ ንምኽፋት ዘጋጠሞ "ተኸታታሊ ውድቀታት" ስዒቡ፡ እቲ ስጕምቲ ከም "ምንስሓብ" ገሊጾምዎ።

    ትራምፕ ነቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕባሩ ቍሩብ ኣቐዲሙ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ እቲ "ስርሒት ኤፒክ ፉሪ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን፡ ሸቶኡ ስለ ዝወቕዐ "ተዛዚሙ" እዩ ክብል ገሊጹ ነይሩ።

  12. በይናዊ ምቁራጽ ዝኣወጃ ተዂሲ ሩስያን ዩክረይንን ይጠቓቕዓ

    ብባርዕ ሓዊ ንእትቃጸል ቦጥ ንምጥፋእ ዝጽዕሩ መጥፋእቲ ሓዊ

    ምንጪ ስእሊ, DSNS Ukraine

    ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ገሊጾም።

    ክልቲአን ሃገራት ነናተን እማመ ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ዘቕርባሉ ዘለዋ እዋን'ዩ እቲ መጥቃዕቲ ዝካየድ ዘሎ። ዩክረይን ብወገና ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝቐተለ ሰብመዚ ሩስያ ሓቢሮም።

    ሞስኮ፡ ዝመጽእ ዓርቢን ቀዳምን በይናዊ ምቊራጽ ከምዝኣወጀት ብምፍላጥ፡ ዩክረይን እንተ ጥሒሳቶ ዓቢ ደብዳብ ሚሳይላት ከምእተካይድ ኣጠንቂቓ'ላ።

    ኪቭ ብወገና፡ ካብ ጽባሕ ሓሙስ ለይቲ ጀሚራ ገደብ ኣልቦ ምቁራጽ ተዂሲ ከምእትገብር ኣፍሊጣ'ላ።

  13. 'ኢራን ዕድል የብላን፡ ሃልይዋ እውን ኣይፈልጥን' - ትራምፕ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ቅድሚ ሒደት ደቃይቕ ኣብ ኦቫል ኦፊስ፡ ምስ ጉዳይ ኢራን ኣብ ዘይተኣሳሰር መደብ ክዛረብ ዝጸንሐ ትራምፕ፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብምጥቃስ ፡ "ኢራን ዕድል የብላን። ሃልዩዋ እውን ኣይፈልጥን። ይፈልጥዎ እዮም። ክዛረቦም ከለኹ ይነግሩኒ እዮም። ኣብ ተለቪዥን ቀሪቦም ግን ጽቡቕ ኣለና ይብሉ" ክብል ተዛሪቡ።

    ወሲኹ እውን "ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክህልዋ ኣይነፍቅድን ኢና" ብምባል፡ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ኣየርን መራሕትን ኢራን ደምሲሳቶ ኣላ ብምባል ነቲ ወትሩ ዝደጋግሞ ሓረግ ኣስሚዑ።

    እቲ ፕረዚደንት ‘ኣመሪካ ኣብቲ ኹናት እንተዘይትወፍር "ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዘለዋ ኢራን ምሃለወትና" ብምባል "ምናልባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩላትና ኣብዚ ኣይምሃለናን" ኢሉ ናብ ኲናት ምእታዎም ምኽኑይ ምዃኑ ክምጉት ተሰሚዑ።

    ኣመሪካን ኣውረጳዊ ሕብረትን ካብ 2010 ኣትሒዘን ኢራን ኑክሌራዊ ቦንባ ንምምዕባል ትጥቀመሉ ኣላ ብዝብል ጥርጠራ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሰፊሕ ቁጠባዊ እገዳ ኣንቢረን ነይረን። እንተኾነ ኢራን ኑክሌራዊ ፕሮግራማ ንሲቪላዊ ዕላማ ምዃኑ እያ ትምጉት።

    እቲ ፕረዚደንት ፡ኢራን "ናብ ኣብ ቅድሚት መዳፍዕ ዘለወን ንኣሽቱ ጀላቡ ተመሊሳ ኣላ" ብምባል ኣመሪካ "ድሂኻታ" እያ ይብል።

    ዋሽንግተን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንናእሽቱ ጀላቡ ኢራን ድሕሪ ምጥቃዓ'ዩ፡ ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ ኣብቲ ንሱ ዝውንኖ ማሕበራ መራኸቢ 'ትሩዝ ሶሻል' ዘውጽኦ ጽሑፍ'ዩ፡ "ሸውዓተ ንኣሽቱ ጀላቡ ወይ ከምቲ ኣጸዋውዖኦም ፈጣናት ጀላቡ’ ሃሪምናየን ኣለና" ኢሉ።

    ኣብ ቤት ጽሕፈቱ 'ኦቫል ኦፊስ'፡ ኢራን ነቲ ኲናት ብ159 መራኽብ ከም ዝጀመረቶ ዝገልጽ ትራምፕ፡ "ኩለን ዝነበራኦም መራኽብ ኣብ ትሕቲ ማይ ኣብ ማዓሙቕ ባሕሪ ይቕበራ ኣለዋ" ክብል'ውን ተነይቱ ኣሎ።

  14. ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ መራሕቲ ኲናት ኣመሪካ ገሊጾም

    ኣብ ጐኑ ኣርማ ፐንታጐን ዝርአ ጀነራል ዳን ኬን ጋዜጣዊ መብርሂ እናሃበ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ረጽሚ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ መራሕቲ ኲናት ኣመሪካ ኣፍሊጦም።

    ሎሚ ኣብ ዋሽግንተን ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ጸሓፊ ክፍሊ ኲናት (ምክልኻል) ከምኡ'ውን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን፡ ድሕሪ ምቁራጽ ተዂሲ ኢራን ልዕሊ 10 ግዜ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ከሲሶም።

    ጸሓፊ ፒት ሄግሰት ከምዝብሎ፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ ንምስናይ "ቀይሕ፡ ጻዕዳን ሰማያዊን ጽላል" ከምዝመስረቱ ሓቢሩ።

    ኣብቲ ኣብ ፐንታጐን ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መብርሂ ዝተሳተፈ ኣቦመንበር ሓለቓታት ስታፍ ክንፍታት ሰራዊት ኣመሪካ ጀነራል ዳን ኬን ብወገኑ፡ "ኢራን ንመስመር ቀረባት ዓለም ከም ኣጽዋር ብምጥቃም . . . ንቁጠባ ዓለም ጅሆ ሒዛቶ ኣላ" ክብል ከሲሱ።

    ብመጻብቦ ሆርሙዝ ከይሓልፉ ዝተዓግቱ 22,500 ባሕረኛታትን 1,550 መራኽብ ንግዲን ኣብ ወሽመጥ ይጽበዩ ከምዘለዉ'ውን እቲ ጀነራል ጠቒሱ።

  15. ሊባኖስ፡ ሰላማውያን ነበርቲ ኣባይቶም ራሕሪሖም ይወጹ

    ግንቦት 5፡ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ካብ ዝርከባብ ዓድታት ትኪ ክዓግግ ይርኤ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ናይ ምግዓዝ ትእዛዝ ንብዙሓት ቁሸታትን ከተማታትን ሊባኖስ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ነበርቲ ነዚ ትእዛዝ ምስ ዝረኽቡ ድማ ይትረፍ መዓስ ይምለሱ፡ ምምላሶም ብዓቢኡ እውን ኣብ ምልክት ሕቶ እዩ።

    ትማሊ ሓያሎ ዓድታት ክወጻ ትእዛዝ ምቕባለን ስዒቡ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ተወሳኺ መጠንቀቕታታት ሂቦም ነይሮም።

    ይኹን እንበር እስራኤላውያን ዶባቶም ንምሕላው ነቲ ከም መከላኸሊ ዞባ ዝእውጅዎ ከባቢታትን እናስፍሑ ይቕጽሉ ብምህላዎም፡ ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ትእዛዛት እዚ ኣብ ውሽጢ "ብጫ መስመር" ከምዘሎ ኣብ ዘይተኣወጀ ከባቢታት እዩ ዝፍጸም ዘሎ።

    እስራኤላውያን ንመሰረተ ልምዓትን ኣባላት ሕዝቡላህን የጥቅዑ ከምዘለዉ እኳ እንተገለጹ፡ ንኣሃዛትን ቁጽርን ኣስማትን ናይቶም ዝተቐትሉ ሰባት እንተርኢና፡ ሰብ ሞያ ጥዕናን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም መብዛሕትኦም ሲቪላውያን እዮም።

    ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ዝርከቡ ዓድታት ምስ ኣባይቶም ክዓንዉ እንከለዉ፡ ገለ ከተማታት ሙሉእ ብሙሉእ ስለዝፈረሳ፣ እዞም ኣብ ደቡብ ዝርከቡ ከባቢታት ደጊም መንበሪ ኣይክኾኑን እዮም ዝብል ስግኣት ቁጥዐ ፈጢሩ ኣሎ።

    እስራኤላውያን ዝኾነ ሰብ ክምለስ ከምዘይክእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ሊባኖሳውያን ግን ዝጸንሕሉ ቦታውን ስለዘይብሎም ክምለሱ ይደልዩ።

    እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

  16. ክሲ ሱዳንን ምላሽ ኢትዮጵያን

    ኣቢይ ኣሕመድን ጀነራል ኣልቡርሃንን ምስ ሰበስልጣናቶም ኣብ ፖርት ሱዳን

    ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister-Ethiopia

    መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሰት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ካርቱም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ከሲሳ።

    እታ ካብ ከተማ ባህርዳር ተበጊሳ ዝበላ ድሮን ንመዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዒላማ ከምዝገበረት'ዩ እቲ ብወገን ሱዳን ዝወጸ መግለጺ ዝጠቅስ።

    ኣዲስ ኣበባ ብወገና፡ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ እቲ "መሰረት ዘይብሉ" ክሲ "ብትእዛዝ ሓይልታት ወጻኢ ዝቐረበ እዩ" ክትብል ነጺጋቶ'ላ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽሎ መግለጺ፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሓይልታት ሱዳን ንዕጡቓት ህወሓት ናይ "ኣጽዋርን ገንዘብን ደገፍ" ከምዝሃበ ብምኽሳስ፡ ዶባት ኢትዮጵያ ብወገን ሱዳን ከምዝተጣሕሰን ትዕግስቲ ክገብሩ ከምዝመረጹን የመልክት።

    "እዞም ተጻብኦታት እዚኦም፡ ከምኡ'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ብወገን ሰበስልጣን ሓይልታት ሱዳን ዝቐረበ ተደጋጋሚ ክስታታትን፡ ብድፍኢት ናይ ባዕሎም ተጻባኢ ኣጀንዳ ዘለዎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተገብረ'ዩ" ይብል መግለጺ ናይቲ ሚኒስትሪ።

    ኣዲስ ኣበባ ንህዝቢ ሱዳን ዘለዋ ደገፍ ብምግላጽ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ብልዝብ ክፍታሕ'ውን ከይጸወዐት ኣይሓለፈትን።

    እቲ ዝተፈጸመላ መጥቃዕቲ "ብዘይ ግብረመልሲ ከምዘይሕለፍ" ዘጠንቀቐት ካርቱም፡ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣምባሳደራ ከምዝጸውዓቶ ኣፍሊጣ'ላ።

    ነቲ መግለጺ ዝሃቡ ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብ/ጀነራል ኣሲም ዓዋድ ዓብደልዋብን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሙሂ ኣል-ዲን ሳልምን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ነቶም ብጀነራል ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ይድግፋ ኣለዋ ክብሉ'ውን ከሲሶም ኣለዉ።

    ንሓይልታት ኣልሰሪዕ ከምእትድግፍ እትኽሰስ ኢማራት፡ ነቲ ዝቐርበላ ሓያል መርትዖታት ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።

  17. መራሒ ወተሃደራዊ ጕጅለ ማሊ ንባዕሉ ምኒስተር ምክልኻል ሸይሙ

    ጀነራል ኣሲሚ ጎይታ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    መራሒ ወተሃደራዊ ጕጅለ ማሊ ጀነራል ኣሲሚ ጎይታ፡ ምኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ብዓል-ስልጣን ብሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ንባዕሉ ምኒስትሪ ምክልኻል ኰይኑ ተመዚዙ።

    እዚ ስጕምቲ ዝተወሰደ፡ ጥምረት ጅሃዳውያንን ዕጡቓት ተገንጸልትን ኣብ መላእ ሃገር ዘካየዱዎ ወራር ንድሕነት እታ ሃገር ኣብ ስግኣት ኣብ ዘውደቑሉ እዋን እዩ።

    ኣብቲዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ሳድዮ ካማራ ኣብ ጥቓ ርእሰ-ከተማ ባማኮ ኣብ ዝርከብ መንበሪኡ ብዝተፈጸመ ናይ መኪና ነታጕ ተቐቲሉ።

    ሰኑይ ብመንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝተነበ ኣዋጅ፡ ጎይታ ንካማራ ተኪኡ ምኒስትሪ ምክልኻል ክኸውን እንከሎ፡ ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል ኡማር ዲያራ ድማ ምክትል ምኒስተር ኰይኑ ተመዚዙ ኣሎ።

    እዚጀነራል ኣሲሚ ጎይታ ንፕረዚደንትነትን ምኒስትሪ ምክልኻልን ብሓባር ክመርሕ ዝወሰዶ ውሳነ፡ ስልጣኑ ኣብ ተኣፋፊ እዋን ንምጽናዕ ዝተገብረ ፈተነ ተገይሩ ይውሰድ።

    ብ25 ምያዝያ፡ ግንባር ሓርነት ኣዛዋድን ምስ ኣልቃዒዳ ዝተኣሳሰረ ጅኒም (JNIM)ን ብዝፈጸምዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ባማኮን ካልኦት ከተማታትን ከፊላዊ ዕጽዋ ኣንቢሮም ይርከቡ።

    ብሰንኪእዚ መጥቃዕቲ፡ ሰራዊት ማሊ ካብ ሰሜናዊት ከተማ ኪዳል ክስሕብ ምግዳዱ፡ ኣብ ሓይሊ እቲ ካብ ነሓሰ 2020 ጀሚሩ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ መንግስቲ ጥርጣረታት ፈጢሩ ኣሎ።

    መንግስቲ ማሊ ምስቲ መጥቃዕቲ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎም ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ክገልጽ እንከሎ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኒጀርን ቡርኪናፋሶን ብምዃን ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጥቃውያን ናይ ኣየር መጥቃዕቲ የካይድ ኣሎ።

    ሰለስተአን ብወተሃደራውያን ጕጅለታት ዝመሓደራ ሃገራት፡ ወተሃደራት ፈረንሳ ካብ ሃገረን ብምውጻእ ንሓገዝ ወተሃደራት ሩስያ ዓዲመን እየን።

  18. ኣብ ጀርመን ከተማ ላይፕዚግ ብመኪና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ሞይቶም

    ኣብ ጐደና ፖሊስ መካይንን ይርኣዩ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ጀርመን ላይፕዚግ፡ ሓንቲ መኪና ናብቶም ኣብቲ ጐደና ዝነበሩ ሰባት ብምእታው፡ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 22 ድማ ቈሲሎም። ካብቶም ዝቘሰሉሰለስተ ሰባት ኣብ ጽኑዕ ኵነታት ይርከቡ።

    ከንቲባላይፕዚግ ቡርክሃርድ ጁንግ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ጥርጡር ወዲ 33 ዓመት ጀርመናዊ ዜጋ ኰይኑ፡ ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ ኣሎ።

    ሓላፊ ክፍለ-ግዝኣት ሳክሶኒ ሚካኤል ክረችመር፡ እቲ ጥርጡር ቅድሚ ሕጂ ናይ ኣእምሮ ሕማም ከም ዝነበሮ ገሊጹ።

    ፖሊስኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ መኪና ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ዝርከብ ጐደና ግሪማይሸ ብልዑል ፍጥነት ብምዝዋር ንሰባት ከም ዝሃረመት ኣረጋጊጹ።

    እቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ጓል 63 ዓመት ሰበይትን ወዲ 77 ዓመት ሰብኣይን ጀርመናውያን ምዃኖም ቤትጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ።

    ክሳብሕጂ ኣብ ዘሎ መርመራ፡ እቲ ተግባር ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ ድራኸ ከም ዘይነበሮን እቲ ውልቀ-ሰብ በይኑ ከም ዝፈጸሞን ተገሊጹ።

    ኣብ ጀርመን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተመሳሳሊ ብመኪና ዝፍጸም መጥቃዕቲታት የጋጥም ከም ዘሎ ይፍለጥ።

  19. ‘ወፍሪ ሓርነት’ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጃልባታት ኢራን ስጕምቲ ወሲዳ

    ወደብ ምስ ክሬናቱ ይርአ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ዝተዓጽወ መጻብቦ ሆርሙዝ ሸውዓተ ናይ ኢራን “ፈጠነቲ ጃልባታት” ከም ዝሃረመት ገሊጹ።

    እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ዋሽንግተን ነተን ኣብቲ መጻብቦ ተዓጊተን ዘለዋ መራኽብ ንምውጻእ “ወፍሪ ሓርነት” ዝሰመየቶ ስርሒት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን እዩ።

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ደቡብ ኮርያን፡ ኣብቲ ኣገዳሲ መስመር ማይ ብሰኑይ ኣብ ልዕሊ መራኽበን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ጸብጺበን።

    ኢማራት ብተወሳኺ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ወደብ ነዳዲ ፉጃይራ ባርዕ ከም ዝተላዕለ ሓቢራ።

    እቲ መጥቃዕቲ “ሓደገኛ ምዕራግ ግጭት” ምዃኑ ዝገለጸት ኣቡ ዳቢ፡ ግብረ-መልሲ ናይ መሰላ ዝተሓለወ ምዃኑ ኣፍሊጣ።

    ቀንዲ ፍጻመታት፤

    • ስርሒት ምክልኻል፡ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ ማርስክ፡ ሓንቲ ካብ መራኽቡ ብሓለዋ ሰራዊት ኣመሪካ ካብቲ መጻብቦ ብሰላም ከም ዝወጽአት ኣረጋጊጹ።
    • ብስምምዕ ዘይተፈትሐ ቅልውላው፤ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ “ወፍሪ ሓርነት ማለት ወፍሪ ዕንቅፋት እዩ፡” ብምባል፡ ነቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ወተሃደራዊ ፍታሕ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
    • ዕጽዋ ሆርሙዝ፤ እቲ 20% ነዳዲ ዓለም ዝሓልፎ መስመር፡ ካብ ለካቲት ኣትሒዙ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካን እስራኤልን ብኢራን ተዓጽዩ ይርከብ።
    • ቍጠባዊ ጽልዋ፤ ድሕሪ እቲ ኣብ ፉጃይራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዋጋ ነዳዲ ብ5% ወሲኹ፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ድማ ካብ 115 ዶላር ንላዕሊ ኰይኑ።

    መራሕቲ ዓለም፡ ንመጥቃዕቲ መሰረተ ልምዓት ኢማራት ኰኒኖሞ ኣለዉ። ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ፡ ቴህራን ናብ መዓዲ ዘተ ተመሊሳ ነቲ ዞባን ዓለምን ጅሆ ካብ ምሓዝ ክትቍጠብ ጸዊዑ።

  20. መቐለ፡ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ነትጒ ተሰሚዑ

    ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ዘገረማ ከተማ መቐለ

    ምንጪ ስእሊ, DT

    ኣብ ከተማ መቐለ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝወስድ ፅርግያ ነትጒ ከምዝተሰምዐ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    እቲ ሎሚ ምሸት ከባቢ ሰዓት 2፡30 ብኣቆጻጽራ መቐለ (8፡30) ዝተፈንጀረ ናይ ኢድ ቦምባ ምዃኑ በቲ ዝተረኽበ ኣሰር ቀለበት ከምዘረጋገጸ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ንቢቢሲ ገሊፁ።

    ኣብ ሰብ ዝበፀሐ ሓደጋ ከምዘየለ ዝገለፀ ፖሊስ መበገሲ እቲ ምፍንጃር ንምፍላጥ የፃሪ ምህላዉ ይገልፅ።

    ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣብቲ ከባቢ ገለ ዕጡቓት ጥቡቕ ሓለዋ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

    ብሰንኪ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደን ህወሓትን ምትፍናን ተፈጢሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን ብምዃኑ እቲ ነትጒ ስንባደ ክፈጥር ተኽእሎ ኣሎ።

    ህወሓት ስልጣን ናብቲ ቅድሚ ኲናት ትግራይ ዝነበረ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክምለስ ክጠለብ እንከሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ስልጣኑ ዝተናወሓሉ ጀነራል ታደሰ ብወገኑ ንድሕሪ ምምላስ ኣየድልን ብምባል ተቓውሞኡ ኣነጺሩ ኣሎ።

    ገለ ምንጭታት ሎሚ ንቢቢሲ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ኲናት ትግራይ ዝተመረፀ ክልላዊ ባይቶ ፅባሕ ብዕሊ ከምዝስየም የመልክት።

    ማእከላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ: ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከምዝፈረሰ ብምግላፅ ዕድመ ጊዜያዊ ምምሕዳር ከምዘብቅዕ ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።

    ከም ውፅኢቱ ድማ እቲ ብሰንኪ እቲ ስምምዕ ተወዚፉ ዝፀንሐ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክምለስ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ካብዚ ብምብጋስ እቲ ነባር ባይቶ ክልል ትግራይ ፅባሕ ብወግዒ ኣኼባኡ ኣብ መቐለ ንምጅማር ኣባላት እቲ ባይቶ ንመቐለ ኣትዮም ክሓድሩ ከምዝተነገሮም ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

    ኣብ መስከረም 2020 (2013) ዝተኻየደ ብፈደራላዊ ኣፍልጦ ዝተነፍጐን ህወሓት ዝተዓወተሉን መረጻ ሓደ ካብ ጠንቂታት እቲ ደማዊ ኲናት ተገይሩ'ዩ ዝውሰድ።

    ህወሓት ነዚ ስጉምቲ ብምውሳድ ንጀነራል ታደሰ ብሓይሊ እንተ ኣልይዎ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ክወሃብ ዝኽእል ምላሽ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ሻቕሎት ዝፈጥር ኩነታት ኮይኑ ኣሎ።

    ምስ ህወሓት ዘይተቓደወን ካብቲ ውድብ ተፈንጪሉ ዝወጸን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ ስልጣኑ ተደፊኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝወጸ ይዝከር።