ትራምፕ: ናብ ኢራን ዝለኣኾ በዓል 15 ነጥብታት እማመ- ሰላም
ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ኢራን ሰዲደዮ ዝበሎ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም፡ ብዕሊ ኣይተገልፀን ኣሎ።
እንታይ ዝሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል ድማ ወግዓዊ መረጋገጺ ኣይተዋህበን።
ገለ ዝርዝራት ግን ኣብ ማዕከናት ዜና እስራኤልን ኣመሪካን በብቑሩብ ይወጽእ ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ቻነል 12 እስራኤል ፡ እቲ ውጥን ነዞም ዝስዕቡ ጠለባት ዘጠቓልል እዩ፤
- ኣብ ናታንዝ፡ እስፋሃን ከምኡ’ውን ፎርዶውን ዝርከቡ ኒዩክለራዊ ማእከላት ካብ ጥቕሚ ወጺኡ ክኸውን፡
- ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት (IAEA) ኣብ ልዕሊ ንጥፈታት ኢራን ቅሉዕ ክትትልን ቁፅፅርን ክገብር፡
- ኢራን ኣብቲ ዞባ ዕጡቓት ምድጋፍ ክትገድፍ፡ ንዞባዊ ዕጡቓት እትህቦ ምወላን ዕጥቅን ደው ከተብል፡
- ማዕቢሉ ዝጸንሐ ኒዩክለራዊ ዓቕሚ እንተሎ ክዓኑ፡
- ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይተፍሪ ቃል ክትኣቱ፡
- ኣብ መሬት ኢራን ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ኒዩክለራዊ ንብረት ናብ IAEA ክርከብ።
- መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉትን ናጻን ኮይኑ ክቕጽል
- ሚሳይላት ኢራን ኣብ መጻኢ ውሳነ ክወሃቦም፡ እንተኾነ ግን ብብዝሕን ርሕቀትን ድሩት ክኸውን፡ ንዕላማታት ርእሰ ምክልኻል ጥራይ ክኸውን፤
ኢራን’ ከ ብምላሹ እንታይ ትረክብ፤
- ኣመሪካ ኣብ ቡሸር ንፍርያት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኸውን ሲቪላዊ ኒዩክለራዊ ፕሮጀክት ኣብ ምምዕባል ሓገዝ ክትገብር።
- ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዘሎ ኩሉ እገዳታት ክለዓል
ዘተ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ክብል - ዝብል ጸብጻባት ኣሎ።
ሕጂ ግን፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣይተረጋገጸን፡ ካብ ዋይት ሃውስ ዝተውሃበ ዝርዝር ሓበሬታ'ውን የለን።