ዱባይ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ኣዕኑድ ኢንዱስትሪ ኣቭየሽን ኰይና ኣላ።
መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ - ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ (DBX) - ንኣህጉራውያን ተጓዓዝቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቍጽሪ ተጓዓዝቲ ዝሓልፈሉን ዘአንግድን እዩ።
እዚ ካብ መዓፈፎ ነፈርቲ ብሪጣንያ ዝዀነ ሄትሮ ኣዝዩ ዝዛይድ እዩ።
ኣብ 2024፡ ልዕሊ 92 ሚልዮን ተጓዓዝቲ በቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሓሊፎም።
ኣብ ንቡር ኵነታት፡ እተን ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ወሽመጥ - ኣቡዳቢን ርእሰ ከተማ ቐጠር ዶሓን ሓዊሱ - ብሓባር ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 3000 በረራታት ዝካየደለን ኰይኑ፡ መብዛሕትአን ድማ ብናይ ውሽጢ ዓዲ መንገዲ ኣየር፡ ኢማራትስ፡ ኢትሓድን መንገዲ ኣየር ቐጠርን ዝካየዳ እየን።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ግጭት ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ ግን፡ ኣብዞም ዓበይቲ ማእከላት መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከባ ነፈርቲ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ክንቀሳቐሳ ስለዘይክኣላ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ተጓዓዝቲ ጕዕዞኦም ተሰናኺሉ እዩ።
እቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ሚሳይላትን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ትራፊክ ኣየር እቲ ዞባ ብኸቢድ ኣካታዒ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ግን ጉዳይ ነዳዲ እውን ካልእ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነገር እዩ።
ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብኣድማዒ መንገዲ ካብ እትዓግቶ ንደሓር፡ ካብ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ መጻረዪ ነዳዲ ዝመጽእ ዝነበረ ቀረብ ተሓኒቑ።
ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ነዳዲ ጀት ኤውሮጳ ካብቲ ዞባ ዝመጽእ ኰይኑ፡ ሕጽረት ከየጋጥም ዝፈጠሮ ስግኣት ድማ ዋጋታት ብዕጽፊ ክውስኽ ገይሩ።
ገለ መገዲ ኣየራት ድሮ በረራታት ምቑራጽ ጀሚረን ኣለዋ።
ብመሰረት ተንተንቲ ሲርየም፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 30 ሽሕ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ዝነበረ ኣገልግሎት ከም ዝተሰረዘ ይፍለጥ።
እዚ ኣብ ነዊሕ እዋን ነቲ ኣዝዩ ዕዉት ዝዀነ "ሞዴል ወሽመጥ" ኣቬሽን - ንነዊሕ ርሕቀት ዝግበር ጕዕዞ ብምቕያርን ሕሱር ብምግባርን ብሰፊሑ ክንኣድ ጸኒሑ'ዩ።
እቲ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ድማ ነዚ ክሃስዮ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይዛረቡ።
እቲ ግጭት እንተቐጺሉ፡ ተጓዓዝቲ ኣማራጺ መገዲታት ክደልዩ ክግደዱ'ዮም፤ እዚ ድማ ዋጋታት ክውስኽ ምኽንያት ከም ዝኸውን ክኢላታት ይዛረቡ።