ማንቸስተር ሲቲ - ሊቨርፑል፡ ዓቢ ትጽቢት ዝተገብረሉ ግጥም መን ኮን ትዕወት ትኸውን?

Published

ንሰሌዳ ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝመርሓ ዘለዋ ክልተ ጋንታታት ቀዳም ክጋጠማ እየን። ኣብቲ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሜድኣ ንሊቨርፑል እተእንግደሉ ጸወታ መን ኮን ትዕወት ትኸውን?

ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ሳተን ነቲ ልዑል ትጽቢት ተገይሩሉ ዘሎ ጸወታ “ብሉጽ ግጥም እዚ ዓመት” ክብል ሰምይዎ ኣሎ።

ኤርሊንግ ሃላንድ ምስላፉ ኣጠራጣሪ ብምዃኑ ነቲ ውጽኢት ምግማት ኣጸጋሚ ጌርዎ ምህላው’ውን ገሊጹ።

ሳተን እዚ ግጥም ንዝርከቦም ኩሎም ጸወታታት መበል 13 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ከምዚ ዝስዕብ ግምቱ ሂብሎም ኣሎ።

ቀዳም 25 ሕዳር

ማንቸስተር ሲቲ ምስ ሊቨርፑል

ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ሰሌዳ እቲ ግጥማት ቀዳመይትን ካልኣይትን ኮይነን ዝፍጽማ ይመስለኒ።

ንዳርዊን ኑኔዝ ዝሓዘን ብመሓመድ ሳላሕ ዝምራሕን መስመር መጥቃዕቲ ሊቨርፑል ሜላ ጸወትኡ ክቕይር ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣርእዩ ኣሎ።

ኣብ ጸረ-መጥቃዕቲ ሊቨርፑል ስግኣት ክትፈጥር እኳ እንተኸኣለት ሲቲ ኣጸዋውታኣ ኣይክትቕይርን እያ።

ሲቲ ኣብ ሜድኣ ብምዃኑ ግን ከርብሓ እዩ።

ተጻወትቲ ሲቲ፡ ሃላንድ ይሰለፍ ኣይሰለፍ ኣብ ሜዳኦም ዝካየድ ብምዃኑ ገለ ዕድል ዝህቦም እዩ።

ግምት፡ 2-1

በርንሊ ምስ ዌስትሃም

ሚካይል ኣንቶኒዮ ከምዘይስለፍ ርጉጽ ኮይኑ፡ ጃሮድ ቦዌንን መሓመድ ቅዱስን እውን ምስላፎም ኣጠራጣሪ እዩ።

በርንሊ ኣብ ሜዳኣ ኩሉ ጸወታታት ምስዓራ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ግጥም ንምግማቱ ኣጸጋሚ እዩ።

ጋንታ ቪንሰንት ካምፓኒ ኣብ ሰሌዳ ታርታ ኣብ ጭራ ስለእትርከብ ካብዚ ግጥም ነጥቢ ክትረክብ ክትደሊ እያ።

ዌስትሃም ብሰንኪ ማህረምቲ ኣገደስቲ ተጻወትታ ከተሰልፍ ብዘይምኽኣላ ካብዚ ግጥም ሓንቲ ነጥቢ ክትረክብ እያ።

ግምት፡ 1 – 1

ሉተን ምስ ክሪስታል ፓላስ

ሉተን ከይትወርድ ትቃለስ እኳ እንተላ፡ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ሮብ ኤድዋርድስ እትገብሮ ዘላ ጻዕርታት ዝድነቕ እዩ።

ሕጂ’ውን ክትወርድ ምዃና እኳ እንተገመትኩ፡ ብመንጽር እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘርኣየቶ ኣቃውማ ናይ ምትራፍ ዕድል ክህልዋ ይኽእል እዩ።

ኣሰልጣኒ ፓላስ ሮይ ሆጅሰን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግጥም፡ ልዕሊ ጸወታ፡ ውጽኢት እዩ ዘገድሶ።

ፓላስ ሸቶ ኣይክምዝገባን እዩ፤ ኤቤርቺ ከኣ ንክሪስታል ፓላስ ኣገዳሲ ተጻዋታይ ክኸውን እዩ።

ግምት፡ 0 – 1

ኒውካስል ምስ ቸልሲ

ኒውካስል ከም ኣለክሳንደር ኢሳቕ ዝኣመሰሉ ተጻወትታ ካብ ማህረምቲ እኳ እንተሓወዩ ክሳዕ ክንደይ ብቑዓት እዮም ዝብል ኣዘራራቢ እዩ።

ቸልሲ’ውን፡ ክሪስቶፈር ንኩንኩ ፈላሚ ግጥሙ ከካይድ ከተውርዶ ትኽእል እያ። ብርግጽ ትመሓየሽ ኣላ፡ ግና ብዙሕ ዝጐድሎም ኣሎ።

ግምት፡ 1 – 1

ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ብራይተን

ብራይተን ካብ ዘካየደቶ ሓሙሽተ ግጥማት ኣብቶም ኣርባዕተ፡ ማዕረ እያ ተፈላልያ፤ ሕጂ’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይክኸውንን እዩ። በዚ ከኣ ንዝበዝሕ ግጥማቶም 1 ብ 1 ከምዝፍጽሙ እግምት።

ብመንጽር ውጽኢት፡ ብራይተን ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምውድዳር ክትተኣማመነላ ዘይትኽእል እያ ኮይና ዘላ፤ ብዘይካ’ዚ ካሮው ሚቶማ ተሃሪሙ ምህላው ዓቢ ሃጓፍ እዩ።

ኣብዚ ግጥም ብራይተን ክትዕወት እያ ኢለ እኳ እንተገመትኩ፡ ሚቶማ ዘይምህላው ንፎረስት ዕድል እዩ።

ግምት፡ 1 – 1

ሸፊልድ ዩናይትድ ምስ በርንመዝ

ሸፊልድ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት እያ ዘላ። በርንመዝ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ግጥም ንኒውካስል ክትስዕር ክኢላ ኣላ።

ንምግማቱ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፡ ዶምኒክ ሶላንኬ ኣብቲ ግጥም ጸላዊ ከምዝኸውን እግምት።

ግምት፡ 0 – 1

ብረንትፎርድ ምስ ኣርሰናል

ብረንትፎርድ ብሊቨርፑል 3 ብ 0 እኳ እንተደከረት ክሳዕ መወዳእታ ተወዳዳሪት ኮይና እያ ተራእያ።

ስለዚ እዚ ንኣርሰናል ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ። ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ዓመት ስዒራታ እኳ እንተነበረት፡ ብረንትፎርድ ኣብ ሜዳኣ ምስዓራ ኣጸጋሚት እያ።

ኣቐዲመ ከምዝበልክዎ፡ ሎምዘበን፡ ሲቲን ሊቨርፑልን ቀዳሞት ክልተ ኮይነን ክዛዝማ እንከለዋ ኣርሰናል ካብ ሳልሳይ እትርሕቕ ኣይመስለንን። ነዚ እትደሊ እንተኾይና ከኣ ነቶም ከምዚ ዝኣመሰሉ ግጥማት ክትዕወት ከድልያ እዩ።

ግምት፡ 0 – 1

ሰንበት 26 ሕዳር

ቶተንሃም ምስ ኣስቶን ቪላ

ቶተንሃም ተጻወትታ ብማህረምትን መቕጻዕትን እኳ እንተስኣነት ሜላ ጸወትኣ ኣይክትቕይርን እያ።

ኣስቶን ቪላ ኣብ ትሕቲ ኡናይ ኤምሪ ዝተዋደደትን ዝተዳለወትን ብምዃና ከመይ ከምትቐርብ ምርኣያ ዝምስጥ እዩ።

ቶተንሃም ኣብ ኩዕሶ ኣብ ምሓዝ ጸብለል ንምባል ክትፍትን እንከላ ቪላ ጸረ-መጥቃዕቲ ምክያድ ትመርጽ።

መን ከምእትስዕር ክመርጽ ስለዘለኒ ንቪላ ምበልኩ። እንተኾነ ግና እቲ ግጥም ማዕረ ዝዛዘም ይመስለኒ።

ግምት፡ 2 – 2

ኤቨርተን ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ

ኤቨርተን ብሰንኪ ዝተዋሃባ መቕጻዕቲ ካብ ፕሪሚየር ሊግ ንከይትወርድ ኣብ ምቅላስ እያ ዘላ፤ ዝጸንሑ ከኣ ይመስለኒ።

እቲ መቕጻዕቲ ከምቲ ንኤቨርተን ከነቓቕሕ ዝኸኣለ፡ ንማንቸስተር ዩናይትድ’ውን ዕድል ክኸውን ይኽእል እዩ።

ህልው ኵነታታ ጽቡቕ ብምህላው፡ ተጻዋታይ ብቀይሕ እንተዘይስኢና ሰፊሕ ናይ ምዕዋት ዕድል ኣለዋ።

ብመንጽር ውጽኢት ዩናይትድ ካብ ዝኾነት ጋንታ ዝሓሸት ኮይና ኣላ፤ ካብ ሓሙሽተ ጸወታታት ነቲ ኣርባዕተ እኳ እንተተዓወተት ኣቃውማኣ ግና ጽቡቕ የለን።

ነቲ ኣብ ኤቨርተን ዘሎ ሃጓፋት መዝሚዞም ክዕወቱ ይኽእሉ እዮም፤ እንተኾነ ግና ኤቨርተን ትስዕር ይመስለኒ።

ግምት፡ 2 – 1

ሰኑይ 27 ሕዳር

ፉልሃም ምስ ዎልቭስ

ፉልሃም ካብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ግጥማት ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ እኳ እንተረኸበት፡ ብሉጽ ኣሰልጣኒ ስለዘለዋ ንዘይምውራድ ኣብ ዝግበር ቅልስ እትኣቱ ኣይመስለንን።

እቲ ዝዓበያ ጸገማ ንኣጥቃዓይ ኣለክሳንደር ሚትሮቪች ክትትክእ ዘይምኽኣላ እዩ።

ዎልቭስ ንፉዓት እኳ እንተዘይኮኑ ኣብ ዝሓለፉ ግጥማት ምምሕያሽ ብምርኣዮም ነዚ ጸወታ ክዕወቱሉ እዮም።

ግምት፡ 0 - 2