ኣስመራ፡ መራሒ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ኤርትራ ኣትዩ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

መራሒ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ምስቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተቐበሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምርኻብ "ሰፊሕ ልዝብ" ከካይድ'ዩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ "ምዕባለታት ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ንክልቲኦም ወገናት ዘገድሱ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ጉዳያት" ክዘራረቡ እዮም።

ብወገን ሱዳን ዝወጸ መግለጺ ከምዘነጽሮ፡ ዑደት ናይቲ ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤምኽሪ ሱዳን ዝኾነ ኣልቡርሃን "ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኣብ መንጐ ኣስመራን ካርቱምንዝህሉ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ" ዘደንፍዕ ምዃኑ የመልክት።

"ክልቲኦም መራሕቲ፡ ብዛዕባ ገስጋስ ናይቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና ተዘራሪቦም" ክብል ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

"ኣብ መንጐ ክልቲኦም ኣሕዋት ህዝብታት ዘሎ ዓሚቚ ሕውነታዊ ርክባት ምሕያል ኣገዳሲ" ምዃኑ'ውን ጸብጻብ ሱና ይጠቅስ።

"ኣብቲ ዞባ ጸጥታን ምርግጋእን ንምስፋን" ሓባራዊ ምውህሃድ ናይቶም መራሕቲ ከም ዘሎ'ውን እቲ ብወገን ሱዳን ዝወጸ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ጸግዒ ሰራዊት ሱዳን ዝወሰደት ኤርትራ፡ ምትእትታው ሃገራት ወጻኢ ነቲ ጉዳይ ይሓላልኾ ከምዘሎ ክትነቅፍ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣስመራ፡ እቲ ደማዊን ኣዕናዊን ኲናት ኣብ መንጐ ሱዳናውያን ብዝግበር ልዝብን ብደገፍ ጐረባብቲ ሃገራትን ክፍታሕ ኣለዎ ብሃሊት'ያ።

እቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ግጭት ሱዳን ኣብ መንጐ ብጀነራል ኣልቡርሃንን መራሒ ሓይልታት ኣዳዕመ ኣልሰሪዕ ጀነራል ዳጋሎን ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ዝተበገሰ ምዃኑ ይፍለጥ።

እንተኾነ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ኲናት ናብ "በሪ ኣማን" ከብጽሖ ሓላፍነት ከምዘለዎ'ዩ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝምጉት።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት "ኣብ ሱዳን ክሳዕ ሎሚ ሓድሕድ ኲናት ኣይነበረን፣ የለን'ውን። ናይ ጀነራላት ግጭት ወይ ውድድር ኣይኰነን።

"እዞም ጀነራላት እዚኣቶም ይዅን ሰራዊት ከም ልዑላዊ ትካል ናይ ሱዳን እዋናዊ ሓላፍነት ወይ ድማ ተልእኾ ተዋሂቡዎ ዝኸይድ ዘሎ'ምበር፡ ኣብ ስልጣን ዘወዳድር ምኽንያት'ውን የብሉን" ክብል ብዛዕባ'ቲ ድሕሪ'ቲ ህዝባዊ ናዕቢ ዝተመስረተ ብሰራዊት ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ተንቲኑ ነይሩ።

ኤርትራ ንጉዳይ ሱዳን ንምርግጋእ ከምእትሰርሕ'ኳ እንተገለጸት፡ እንታይ ዓይነት ደገፍ ትህብ ከምዘላ ግን ንጹር ኣይኮነን።

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ኣብ ሰነ 2025 ንኤርትራን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ብምጥቃስ መጠንቀቕታ ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።

ሕመድቲ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ኰይኑ ብቪድዮ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ዳዕመ-ኣልሰሪዕ ዘካይዶ መጥቃዕትታት ኣብ ሱዳን ጥራይ ከም ዘይድረት ብምግላጽ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ንዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲታት'ውን ከም ዘይንሕፎም ተሓንዩ ነይሩ።

ኣብ ጥቅምቲ ናይቲ ዓመት ኣብ ዝሃቦ ተመሳሳሊ መግለጺ'ውን "ንነዊሕ እዋን ስቕ ኢልና ኢና። ሕጂ ግን ካባይ ነዚ ስምዑዎ . . . ቅድሚ ሕጂ ካልኦት ተዛሪቦሞ እኳ እንተዀኑ ኣብዚ እዋን'ዚ ካባይ ስምዑዎ. . . ካብ ጐረቤት ሃገር ተበጊሳ ቀረብ እተቐብል፡ ቦምባታት እትድርቢ ወይ እትቐትል ዝዀነት ነፋሪት - ድሮን ዝብገሰሉ - መዓርፎ ነፈርቲ ንዓና'ውን ሕጋዊ ዒላማ እዩ፡" ክብል ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ዛጊት ኣብቲ ግጭት ልዕሊ 150,000 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 12 ሚልዮን ካብ መንበሪ ኣባይቶም ተፈናቂሎም ይርከቡ።

ኣስታት 28 ሚልዮን ሰባት ከቢድ ጥምየት ኣጋጢምዎም ከምዘሎ'ውን ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት የመልክቱ።

ክልቲኦም ወገናት እቲ ግጭት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዞም ብምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ገበናት ኲናትን ክኽሰሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።