ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ትግራይን ኤርትራን እንታይ ኣልዒሉ?

  2. ረኽስን ቍስልን ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ዘለዎም ኣታኽልቲ- ሓድሽ ርኽበት

  3. ልዕሊ 2,000 ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝደሓንሉ ዓለማዊ ስርሒት

  4. ሕቡራት ሃገራት፡ መዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ክሕደስ ተወሲኑ

  5. ኣካታዒ ውሳነ ፊፋ ኣብ መቕጻዕቲ ተጻዋታይ ኣመሪካ፡ ትራምፕ ኸ እንታይ ኣረጋጊጹ?

  6. ሰነት ኣመሪካ፡ ብዛዕባ 'ኢድ ኣእታውነት' ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኲናት ሱዳን እንታይ ኢሉ?

  7. ዙር ፈረንሳ፡ ደል ቶሮ መድረኽ ተዓዊቱ፡ ብንያም 14 ነጥቢ ረኺቡ

    ኢሳቕ ዴል ቶሮ (የማናይ) ምስ ታዴይ ፓጋቻር ዓወቶም እናጸንበሉ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኢሳቕ ዴል ቶሮ (የማናይ) ምስ ታዴይ ፓጋቻር ዓወቶም እናጸንበሉ

    ጆናስ ቪንገጋርድ ንመሪሕነት ብጫ ማልያ ዓቂቡ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ንመጀመርታ ግዜኡ ዝሳተፍ ዘሎ ኣይዛክ ደል ቶሮ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ ዓወት ጨቢጡ።

    እቲ ወዲ 22 ዓመት ሜክሲካዊ ዴል ቶሮ፡ ኣብቲ ኣብ ሞንትጁይክ ስጳኛ ዝነበረ ሓጺርን ቍልቍልን ዓቐብ ፍጥነት ብምውሳኽ፡ ቅድሚ ወዲ ጋንታኡ ኣብ ዩኤኢ ቲም ኤሚሬትስ ታደይ ፖጋቻ መስመር ረጊጹ።

    ረምኮ ኢቨነፑል ሳልሳይ ክውድእ ከሎ፡ ቪንገጋርድ ድማ ምስቶም ቀዳሞት ክልተ ተቐዳደምቲ ብማዕረ ግዜ ራብዓይ ኰይኑ ዛዚሙ።

    "እዚ ብሓቂ ንዓይ ኵሉ ነገር እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣዝየ ዕድለኛ ከም ዝዀንኩ ተዛሪበ ነይረ እየ - ኣብዚ ንምብጻሕ ከም ጋንታ ክንደይ ዝኣክል ከም ዝዓየና ክትኣምኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፡" ክብል ደል ቶሮ ገሊጹ።

    "እዚ ፍረ ሓባራዊ ጻዕሪ እዩ - ናይ ስድራቤተይን ንእሽቶ ከለኹ ዘዕበዩኒ ኣዕሩኽተይን። ነዚ ፈተነ እዚ ምዕዋተይ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን፣ ብሓቂ ዘገርም እዩ። ምስቲ ኣብ ዓለም ብሉጽ ዝዀነ ታደይ ኣብ ሓደ ጋንታ ምዃነይ ምርዳእ’ውን ኣዝዩ ፍሉይ ስምዒት ዘለዎ እዩ።

    "ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዓቐብ ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ኣይከኣልኩን ነይረ፣ እንተዀነ ሓሊፈ ንማትያስ ስኬልሞሰ ክሕዞ ክኢለ። ንታደይ ዝኸውን ትልሚ ነይሩና - ኣነ ከምኡ ገይረ፣ እንተዀነ፡እቲ ፍልልይ ዓቢ ስለ ዝነበረ ብቐጥታ ናብ ናይ መወዳእታ መስመር ኣምሪሐ።

    "ከምዚኦም ዝበሉ ዕድላት ዳርጋ ፈጺሞም ኣይርከቡን እዮም፣ ነዚ ኵነታት እዚ ብምቍጽጻረይ ድማ ኣዝየ ይዀርዕ።"

    እቲ እንኮ ኣፍሪቃዊ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ ብንያም ግርማይ ኣብ ማእከል ኣብ ዝነበረት ናይ ነጥቢ ውድድር ንዓባይ ጕጅለ ብምስዓር 14 ነጥቢ ረኺቡ። ሰልስተ ተቐዳደምቲ ኣቐዲሞም ሃዲሞም ስለ ዝነበሩ ራብዓይ ብምዃን እዩ ሕንጻጽ ሰጊሩ።

    ብንያም መውደቕቲ ኣጋጢሙዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ውድድሩ ክዛዝም ግን ክኢሉ እዩ።

  8. ታሪኽ ዝሰርሐት ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርደ፡ ኣብ ዓዳ ውዕውዕ ኣቀባብላ ተገይሩላ

  9. ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ፡ ቀይሕ ካርድ ስለምንታይ ንእንግሊዝ ተዋሂቦም?

    ቤሊንግሃም ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ እናጸንበለ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እንግሊዝ ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ዘካየደቶ ወሳኒ ግጥም ብ10 ዝተረፉ ተጻወትቲ ንኣአንጋዲት ሃገር ሜክሲኮ ብምስዓር ናብ ዝቕጽል ጸወታ ሓሊፋ።

    ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ጁድ በሊንግሃም ኣብ ውሑዳት ደቓይቕ ብዘመዝገበን ክልተ ሸቶታት ኣብ ቀዳማይ እብረ 2 ብ 0 መሪሕነት ሒዛ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጁሊያን ኩዊኖነስ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቡላ።

    እቲ ጸወታ ኣብ ካልኣይ እብረ ብኽልተ ዓበይቲ ፍጻመታት ደሚቑ።

    ፈለማ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ጃረል ኳንሳ ኣብ መበል 54 ደቒቕ፡ንጂሰስ ጋላርዶ ከም ዝሃረሞ ብቪድዮ ድሕሪ ምግምጋሙ ካብ ሜዳ ብቐይሕ ካርድ ተባሪሩ።

    እዚ ፍጻመ’ዚ ንግዜኡ ንደገፍቲ ሜክሲኮ ዘተባብዕ እኳ እንተ ነበረ፡እንግሊዝ ግን ሃሪኬን ብፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ሸቶ ምስ ኣመዝገበ ነዊሕ ከይጸንሐት 3-1 ክትመርሕ ክኢላ።

    "እዚ ንጹር ቀይሕ ካርድ እዩ፡" ክብል ኣብ ዋንጫ ዓለም 2010 ኣብ ግጥም ፍጻመ ተሓጋጋዚ ዳኛ ዝነበረ ዳረን ካን ኣብ ቢቢሲ ዋን ተዛሪቡ።

    "ኳንሳ ፈለማ ኩዕሶ ተጻዊቱ እዩ፣ እንተዀነ፡ እዚ ኣብ ሕጊ እቲ ጸወታ ዋጋ የብሉን፡” ድሕሪ ምባል በቲ ዝፈጸሞ በደል፡ “እቲ ዳኛ ቀይሕ ካርድ ካብ ምርኣይ ወጻኢ ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን። 100% እያ፡" ኢሉ።

    እንግሊዝ ሃሪኬን ብፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ሸቶ ምስ ኣመዝገበ፡ ነቲ ጸብለልታ ክልተ ሸቶታት ክትመልሶ ክኢላ እኳ እንተ ነበረት፡ ሜክሲኮ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ረኺባ።

    ኬን ንብራያን ጉቲየረዝ ዝሓለፎ ይመስል ነይሩ፣ እቲ ዳኛ ዓሊረዛ ፋጋኒ ነቲ ፍጻመ ንምግምጋም ናብቲ ሞኒተር ድሕሪ ምኻዱ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ሂቡ፣ራውል ጂሜነዝ ድማ ናብ ሸቶ ቀይርዎ።

    "እዚ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ እዩ፡" ክብል ካን ወሲኹ ገሊጹ።

    "ኬን ብኣጋጣሚ ንእግሪ ተጻዋታይ ሜክሲኮ ረጊጹዎ እዩ። እዚ ምስቲ እንግሊዝ ኣብ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ዝረኸበትሉ ናይ ሉካ ሞድሪች ምትንኻፍ ቅሩብ ይመሳሰል እዩ። ኬን ብድሕሪኡ ይመጽእ ንዝነበረ ተጻዋታይ ኣየስተውዓለሉን።"

    እቲ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዝነበረ ጆ ሃርት ኵሎም ዝተመሓላለፉ ውሳነታት ቅኑዓት ከም ዝነበሩ ይሕብር።

    "እቲ ዳኛ ኣብ ሰለስተኦም [ክልተኦም ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕትታትን ቀይሕካርድን] ቅኑዕ ውሳነ ዝሃበ ይመስለኒ፡" ክብል ኣብ ቢቢሲ ዋን ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣቐዲመን ካብ ዝገጠማ ነርወይን ብራዚልን፡ ሃገራዊት ጋንታ ነርወይ ኣብ ካልኣይ እብረ ብመንገዲ ኤርሊን ሃላንድ ክልተ ሸቶታት ብምምዝብ ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፋ።

    ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ብራዚል ንዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ነይማር ኣመዝጊቡዋ። እንተዀነ፡ ነታ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ዝለዓለ ዝና ዘለዋ ሃገር ከተድሕና ኣይከኣለትን። ብራዚል ኣብ ቀዳማይ እብረ ንዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ ናብ ሸቶ ክትቅይራ ኣይከኣለትን።

  10. ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣብ ቀብሪ ኣያቶላ ክሳተፉ ከለዉ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ግን ኣይተራእየን

  11. ትግራይ፡ ኣብ ቤተክርስትያንን ቤት ትምህርትን ብዛዕባ ዝተፈፀመ ግፋ እንታይ ንፈልጥ?

  12. ኣብ ሓያል ረስኒ ዀይና መበል 250 ዓመተ ልደታ ዘኽበረት ኣመሪካ

    ኣብ ናሽናል ሞል ዋሺንግተን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናሽናል ሞል ዋሺንግተን

    እቲ ናይ 4 ሓምለ ፈደራላዊ በዓል፡ 13 ግዝኣታት ኣመሪካ ኣብ 1776 ኣዋጅ ናጽነት ብምፍራም፡ ምብቃዕ መግዛእቲ እንግሊዝ ንምዝካር እዩ ብቐንዱ ዝበዓል።

    ኣብ ካፒቶል ሂል ዝነበሩ ዝተኣከቡ ብዝሒ ዘይብሎም ፀምበልቲ፡ ቅልል ዝበለ ዝናብ ስለዝሃረመ ክበታተኑን ናብቲ መውጽኢታት ክጓየዩን ተራእዮም።

    ኣብቲ ፅመብል፡ ምርኢት ሓንቲ ሓዳስ ጀት ኤር ፎርስ ዋን፡ ከምኡ'ውን መደረን ርችትን ዘጠቓለለ ዝነበረ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ሓያል መብረቅን ነጎዳን ከምዝተቛረጸ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ምሉእ መዓልቲ፡ እታ ርእሰ ከተማ ኣብ ትሕቲ 100F (37C) ረስኒ ዳርጋ ትነድድ ነይራ - እዚ ኣካል ናይቲ ንምብራቓዊ ኣመሪካ ዝሸፈነ ዝዓበየ ማዕበል ሙቐት እዩ።

    ኣስታት 400 ኣባላት ‘ፀዓዱ ሃገራዊ ጉጅለ ሓርበኛታት’ ድማ፡ ዘብረቕርቕ ባንዴራታት ኣመሪካ ተሰኪሞም ኣብ ጎደናታት እታ ርእሰ ከተማ ብሓደ ድምጺ እናተጓዕዙ ተራእዮም።

    እዚ ጉጅለ ኣብ 2017 ኣብ ቨርጂንያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ‘ዩናይት ዘ ራይት’ ድሕሪ ዘጋጠመ ተቓውሞ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ካብ ካልእ ጉጅለ ተፈንጪሉ ዝወፅአ እዩ።

    ባንዴራ ኣመሪካ ዘንበልብሉ ፀምበልቲ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ መበል 250 ዓመት ልደታ ብድሙቕ ርችት፡ ብመርኢት ነፈርትን ካልኦት መደባትን ኣኽቢራ ውዒላ።

    እቲ መደባት ፅምብል ኣብ ትሕቲ ሓያል ማዕበል ሙቐት ኰይኑ እዩ ተፀምቢሉ።

    ነቲ ሰፊሕ ትርጉም ዝወሃቦ ታሪኻዊ በዓል እታ ሃገር ንፖለቲካዊ ረብሕኡ ይምዝምዞ ኣሎ ተባሂሉ ዝንቀፍ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ናሽናል ሞል ኣብ ዝተኻየደ ፅምብል መደረ ኣስሚዑ።

    ንሱ ብዕልልታ ደገፍቱ ተዓጂቡ ኣብ ዝስመዖ መደረ፡ "ሕልሚ ኣመሪካ ዳግም ተመሊሱ ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።

    ንሱ፡ ኣብ መዕፀዊ መደርኡ፡ "እዚ ምጅማር ወርቃዊ ዘመን ኣመሪካ ጥራይ እዩ" ብምባል ‘ብኣምላኽ ዝተጻሕፈ ዕጫ" ከምዝዀነ ተዛሪቡ።

    እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ዝተመቓቐለ ኩነታት እያ እትርከብ።

    ትራምፕ ንነብሱ ማእከል ናይቲ ምዕራፍ ብምግባርን ካብቲ ብኮንግረስ ዝተመደበ ፍጻመታት ኣመሪካ- 250፡ ዝተፈለየ “ጽምብል ሓርነት 250” ብምጅማርን ፖለቲካዊ ክገብሮ ፈቲና ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ ዘሎ።

    ፀምበልቲ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኤፍ 22 ራፕተር ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ናሽናል ሞል እናበረራ ነቲ ሓድሽ ስሪት ኣየር ፎርስ ዋን ዓጂበንኦ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ኤፍ 22 ራፕተር ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ናሽናል ሞል እናበረራ
    ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ልዕሊ ድልድል ብሩክሊን ንሰማይ ዘብርህ ርችት

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ልዕሊ ድልድል ብሩክሊን ንሰማይ ዘብርህ ርችት
  13. ዕሸላት እንታይ ተረዲእዎም እዮም ዝስሕቑ?

  14. ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ፡ ኣካታዓይ ተመራመሪ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን

  15. ናሳ፡ ናብ መሬት ዝወድቕ ዘሎ ተለስኮፕ ናብ ቦታኡ ንምምላስ ሓድሽ መንኮርኮር ወንጪፉ

  16. ስንብት ኬፕ ቨርደ፡ ዋንጫ ዓለም ፈጺሙ ዘይርስዖ ፍሉይ ታሪኽ

  17. ተይለር ስዊፍትን ትራቪስ ኬልሲን 'ናይዚ ዘመን ድግስ' ብዝተባህለሉ መርዓ፡ ቃል ኪዳኖም ኣሲሮም

  18. ኢትዮጵያ፡ 'ዕጡቓት' ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊጾም

  19. ቢንያም ግርማይ፡ ምስ ሓዳስ ጋንታኡ ዳግማይ ታሪኽ ዙር ፈረንሳ ክሰርሕ ዝዳሎ ዘሎ ኣፍሪቃዊ ኮኾብ

  20. ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት፡ ንምንታይ ናብ ዋንጫ ዓለም ኣይሓልፋን?