ማሊ፡ ሩስያውያን ዕጡቓት ካብ ሰሜን እታ ሃገር ኣንሳሒቦም

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ጐኒ ሰራዊት ማሊ ተሰሊፎም ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ሩስያ ካብ ሰሜን እታ ሃገር ከምዝወጹ ኣፍሊጦም።
ናይ ሩስያ 'ኮር ኣፍሪቃ' ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቲ ከተማ ኪዳል ትርከበሉ ከባቢታት ከምዝወጹ ኣረጋጊጹ።
ነታ ከተማ ተቖጻጺሩ ዘሎ ግንባር ሓርነት ኣዛዋድ (FLA) ብሰንበት ከምዝበሎ፡ ኣብ መንጎኦምን ሞስኮን ብዝተበጽሐ ስምምዕ'ዮም እቶም ሩስያውያን ዕጡቓት ብሰላም ክወጹ ክኢሎም ዘለዉ።
ብቐዳም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ርእሰከተማ ባማኮ ድምጺ ተዂሲን ነትጒን ተሰሚዑ ነይሩ'ዩ።
ሚኒስተሰር ምክልኻል እታ ሃገር ሳድዮ ካማራ እውን ኣብቲ ጥቓ ርእሰ-ከተማ ባማኮ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብዝተፈጸመ ነብሰ-ቅለታዊ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ብጀነራል ኣሲሚ ጎይታ ዝምራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣብ 2020 ከምኡ'ውን ኣብ 2021 ብዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ኮይኑ፡ ነቲ ካብ እስላማውያን ዝርከብዎም ዕጡቓት ተቓወምቲ ዝነቅል ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ከህድእ'ዩ ቃል ኣትዩ ነይሩ።





