ንብዙሓት ናብ ፍቕራዊ ስምዒት ብምእታው ኣታሊሎም ገንዘብ ብምጥፍፋእ ዝተጠርጠሩ ብዙሓት ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
ኣብቲ ኣብ ብሪጣንያን ናይጀርያን ዝተኻየደ ስርሒት 31 ውልቀሰባት ተታሒዞም ኣለዉ።
ሰብመዚ ጸጥታ ብሪጣንያ፡ ሓበሬታ ውልቃዊ ሕሳባት ባንኪ ብምሻጥ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ሒዞም ኣለዉ። ኣብ መንበሪ ገዝኡ £3,000 ፓውንድን 'ሮለክስ' ሰዓትን ከምዝጸንሐ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ብሪጣንያ ጥራይ ብከምዚ ኣገባብ መደናገርቲ ዓመታዊ ልዕሊ 100 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝረኽቡ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ዝካየድ ዘሎ 'ስርሒት ሰራፊም' ነቶም ኣብቲ ገበናት ዝተዋፈሩ ውልቀሰባት ንምህዳን ዝዓለመ'ዩ።
ሓንቲ ካብ ግዳያት ናይ ከምዚ ዝበለ ምጥፍፋእ ዝኾነት ክሪስቲ ገስት፡ ንሓደ ኣብ ስምዒት ፍቕሪ ዘእተዋ ዘይትፈልጦ ሰብ £80,000 ክትህቦ ከምዝገበራ ትዛረብ።
እቲ ዛንታ ዝነበራ ዝምድና ኣብ ዝፈረሰሉ እዋን'ዩ ዝጅምር። ኣብቲ ተነቃፊት ዝነበረትሉ እዋን'ያ ነቲ "ፓትሪክ" ዝተባህለ ሰብ፡ ብመገዲ መጻምድቲ ኣብ ምርካብ ዝሕግዝ መርበብ ሓበሬታ ረኺባቶ።
"ምሳይ ምቅርራብ ፈጢሩ። ዘሀውኽ ኣይነበረናን" ትብል ክሪስቲ፡ "ብዛዕባ ቁልዕነቱ፡ ብዛዕባ ዝነበረሉ ቦታታት ተዛሪብና፡ ኣበይ ከምዝዓበኹ ኣዕሊልና።
"ስለዚ፡ ናብ ሕማቕ ነገር ይኸይድ'ዩ ዝብል ዝኾነ ስምዒት ኣይነበረንን፡ መጠንቀቕታ ዝብሃል ኣይነበረን" ኢላ።
ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ክሰደላ ወይ ብተለፎን ከዛርባ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ትሕጐስ ምንባራ ትዝክር። "መዓልተይ'ዩ ዘሐድሶ ነይሩ"።
ካብተን መዓልታት ሓንቲ ግን፡ ብስራሕ ከምዝገሸ ድሕሪ መግላጹ፡ ሃንደበት ሓደጋ ከምዘጋጠሞ ይነግራ።
"ከምኡ ምስበለኒ፡ ክሕግዞ ጥራይ'የ ደልየ" ብምባል፡ ገንዘብ ከተሰጋግረሉ ናይ ባንኪ ሕሳቡ ሂቡዋ። ክሳብ ዝሓዊ ከተጻንሖ ስለዝሓተታ ድማ ክሳብ ትነጽፍ ቀጺላ። ካብ ሰብ ዘይደሊ ሃብታም ምንባሩ'ያ ትርዳእ ነይራ. . . ።
'ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ' ከምዝብሃል፡ ነገራት ክትርድኦ ምስ ጀመረት ብሕርቃን ተለፎና ናብ መንደቕ ክሳብ ምድርባይ በጺሓ።
"ኣዝየ እየ ሓሪቐ፡ ምኽንያቱ እንታይ ከምዝገበርኩ ተረዲኡኒ. . .ዝነበረኒ ኩሉ'የ ኣጥፊአየ። እንታይ ዓይነት ሰብ ከምዝኾንኩ ከሕንኸኒ ጀሚሩ" ብምባል ሰባት ካብኣ ክመሃሩ ትምሕጸን።