ኢራን ነቲ ዝሃብተመ ዩራንየም ንኣመሪካ ከተረክብ ተሰማሚዓ- ትራምፕ
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ ዝተሃብተመ ዩራንየም ከተረክቦ ከም ዝተሰማምዐት ገሊፁ።
እዚ ጠለብ፡ ሓደ ካብቶም ኲናት ኢራን ንኸብቅዕ ክፍተኑ ዝቐነዩ ልዝባት ቀንዲ ማሕንቘ ኰይኑ ዝጸንሐ ነጥብታት እዩ ነይሩ።
ትራምፕ ግን፡ ሓድሽ ዝርርብ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ክጅምር ከም ዝኽእልን፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ "ኣዝየን ቀሪበን" ከምዘለዋን ገሊጹ።
እዚ ድማ ትራምፕ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ካብ ዝተዛረቦም፡ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ገምጋም እዩ ተባሂሉ።
እቲ ኲናት "እናዓሞቐ" ይኸይድ ከምዘሎን ናይ ግድን ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእ ከምዘለዎን ገሊጹ።
ኣቐዲሙ ኣብ ዋይት ሃውስ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከይትረክብ ከም ዝተሰማምዐት ገሊፁ ነይሩ።
እቲ ዝሃብተመ ዩራንየም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣመሪካን እስራኤልን፡ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ናብ ሓመድ ከም ዝቐየረኦ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ከም ዝተቐብረን እዩ ዝእመን ።
ኢራን ብዛዕባ’ቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሃቦ መግለጺ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበትን ኣላ።
ሓድሽ ዙርያ ‘ፊትንፊት’ ዝርርብ ከምዝቐረበ ርግጸኛ ዝዀነ ትራምፕ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ዘብቅዕ ምስ ኢራን ዝተገብረ ተኹሲ ደው ምባል ምንዋሕ ከምዘድሊ ርግጸኛ ከምዘይኮነ ገሊጹ።