እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ዛዛሚ ጕዕዞ ናይታ ተሳፈርታ ብቫይረስ ዝተጠቕዑ መርከብ

  2. ኣብ መንጎ ስግኣት ድሮናትን ተስፋ ሰላምን፡ ፑቲን ካብ ቀይሕ ኣደባባይ ዝሃቦ መግለጺ

  3. በዳሂ ጕዕዞ-ህይወት ኤርትራዊ ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ሳልሕ መሓመድ

  4. ኢራን ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ንኽትሳተፍ ተረርቲ ጠለባት ኣቕሪባ

  5. ኢራን፡ 'ዘይሓላፍነታዊ ወተሃደራዊ ስጕምቲ' ክትብል ንኣመሪካ ከሲሳ

  6. ትግራይ፡ ኣብ ዛዕባ 'ቅድስና' ከተማ ኣኽሱም ሲኖዶስ ዘሕለፎ ሓድሽ ውሳነ እንታይ ይብል?

  7. ዓዲ እንግሊዝ፡ ንሞት ሓደ ኤርትራዊ 'ኢድ ዝሓወሱ' ክልተ ኤርትራውያን እንታይ ተፈሪዶም?

  8. ኤርትራ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ድጂታዊ ሓበሬታ ጀሚራ

  9. ፖለቲካዊ ቅልውላው ትግራይ፡ ክልተ ፕረዚደንት ክልተ ካቢኔ?

  10. 'ካብ ናብ ሶማልያ ዝምለስ፡ ኣብ ኣመሪካ ተሓቢአ ክነብር እመርጽ'

  11. ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ዘቃልዕ ጸብጻብ ቢቢሲ ክቡር ሽልማት ተዓዊቱ

  12. ኣብ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ 'ጽዩፍ' ተግባር ወተሃደር እስራኤል

  13. ክልተ ፕረዚደንታት ንሓንቲ ክልል - ብዓይኒ ሕጊ ከመይ ይርአ?

  14. ትራምፕ፡'14 ነጥብታት' ኣብ ዘለወሉ ኲናት ኢራን 'ብቕልጡፍ ከም ዘብቅዕ ኣተንቢሁ

  15. ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣጽኒዓቶ ዘላ እገዳታት እንታይ እዩ?

  16. 20 ደቂቕ ምስ ተፈጥሮ - ኣብ ጥዕናና ዘለዎ ረብሓ

  17. ሩስያ ዝደገፈቶን ቻይና ዓይና ዝሓሰየትሉን እገዳ ኣመሪካ ዓሎቚ'ዩ ነይሩ - ኤርትራ

  18. ህወሓት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲታት ምላሽ ሂቡ

  19. መስራቲ ሲ-ኤን-ኤን ቴድ ተርነር ዓሪፉ

    መስራቲ ኣመሪካዊ ትካል ተለቪዢን ሲ-ኤን-ኤን (CNN) ኣብ መበል 87 ዓመቱ ዓሪፉ።

    ቴድ ተርነር ኣብ 1980 ንፈለማ እዋን ናብ ዜና ጥራይ ዘድሃበ ፈነወ ተለቪዢን (Cable News Network) ዝመስረተ ብምዃኑ'ዩ ዝያዳ ዝፍለጥ።

    እቲ መደበር ኣብ መጀመርያ ሰንከልከል ኣጋጢምዎ'ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ኣብ 1981 ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ፕረዚደንት ነበር ሮናልድ ሬገን፡ ከምኡ'ውን ኣብ 1986 ዘጋጠመ ሓደጋ መንኮርኮር ናሳ ('ቻለንጀር') ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፍጻመታት ናብ ተኸታተልቲ ከብጽሕ ብምኽኣሉ ተፈላጥነቱን ተቐባልነቱን እናዓበየ ከይዱ።

    ነቲ ካብ 1990 -1991 ዝተኻየደ ኲናት ወሽመጥ (ንሓይልታት ዒራቕ ካብ ኲዌት ንምውጻእ ዝተኻየደ) ካብ ዓውደ-ውግእ ዝሃቦ ሸፈነ'ውን መሊሱ ንክዓቢ ድርዒ ኮይንዎ'ዩ።

    ተርነር፡ ነቲ ወላዲኡ ርእሰ-ቅለት ምስፈጸመ ዝተረከቦ ናይ ምውዕዋዕ ትካል ናብ ንእሽቶ መደበር ራድዮ ብምቕያር'ዩ ናብ ሚድያ ዓለም ተጸንቢሩ።

    "ቴድ፡ ውፉይን ተባዕን መራሒ'ዩ" ክብል ዝገለጾ ህሉው ኣቦመንበርን ዋና ኣካያዲን ሲ-ኤን-ኤን ማርክ ቶምሶን "ኣዛዚ መንፈስ ሲ-ኤን-ኤን ዝነበረን ወትሩ ኮይኑ ዝቕጽልን እዩ ነይሩ" ብምባል ንኢዱ።

  20. ዝቕበላ ስኢና ዝቐነየት መርከብ ዙረት ናብ ወደብ ክትኣቱ ተፈቒዱላ

    እታ ብሓደ ቀታሊ ቫይረስ ተጠቒዓ እትርከብ መርከብ 'ኤም-ቪ ሆንዲዩስ' ዝቕበላ ስኢና ቀንፈዘው ክትብል ድሕሪ ምቕናያ ናብ ሓደ ወደብ ስጳኛ ክትኣቱ ተፈቒዱላ ኣሎ።

    ኣብታ ናይ ዙረት መርከብ (ክሩዝ) ካብ ዝነበሩ ኣስታት 150 ገያሾ ዛጊት ሰለስተ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

    ሓደ ብጽኑዕ ሓሚሙ ዝቐነየ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ብሪጣንያዊ ሓኪም'ውን ሎሚ ብፍሉይ መጓዓዝያ ናብ ሆላንድ ይውሰድ ከምዘሎ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዝርከብ'ዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት።

    እታ ካብ ደቡባዊ ጫፍ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ተበጊሳ ንሰሜን ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ኣብ ውሽጣ ለበዳ 'ሃንታቫይረስ' ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ገለ ካብቶም ተጓዓዝቲ በቲ ሕማም ክጥቅዑ ጀሚሮም።

    ሓደ ኣብ ፍርቂ-መንገዲ እንከላ ክመውት እንከሎ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተወስዱ ክልተ ሰብሓዳር ድማ ኣብ ጆሃንስበር ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

    ኣብ ከባቢ ናይታ ኣብ ማእከል ውቅያስ እትርከብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ኬፕ-ቨርደ ምስ በጽሐት፡ ናብ ወደብ ክትጽጋዕ ጠለብ'ኳ እንተቕረበት፡ ነቲ ለበዳ ዝሰግኡ ሰብመዚ እታ ሃገር ንሕቶኣ ኣይተቐበልዎን።

    ክልተ በቲ ሕማም ዝተለኽፉን "ኣብ ሕማቕ ኩነታት" ኣለዉ ዝተባህሉን ሰባት ብምትሕብባር ውድብ ጥዕና ዓለም ካብታ መርከብ ከምዝግዕዙ ተገይሩ ኣሎ።

    ብኩነታት እቶም ዜጋታት 23 ሃገራት ዝኾኑ ገያሾ ዝሰግአ መንግስቲ ስጳኛ ብወገኑ፡ ናብተን ኣካል እታ ሃገር ዝኾና ደሴታት ካናሪ ክትጽጋዕ ከምእትኽል ኣፍሊጡ። እንተኾነ ፕረዚደንት ናይታ ደሴት ብተመሳሳሊ ስግኣት ንትእዛዝ ማእከላይ መንግስቲ ብምቅዋም፡ ናብ ወደባቱ ከምዘይትኣቱ ኣፍሊጡ።