እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣስመራ፡ ስእልታት ካርኒቫልን ምርኢታትን ቅንያት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት

  2. ሞትን መልከፍትን ሕማም ኢቦላ ይውስኽ ምህላዉ ስግኣት ፈጢሩ

    ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ተቐልቂሉ ዘሎ ደግሲ ሕማም ኢቦላ ብናህሪ ይላባዕ ከይህሉ ስግኣት ከምዘለዎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

    ገለ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ቀልጢፎም ይሞቱ ምህላዎም ፍርሒ ፈጢርሎም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

    ቁጽሪ ናይቶም በቲ ሕማም ዝሞቱ 131 በጺሑ ከምዘሎን፡ ልዕሊ 513 ከምዝተለኽፉን ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    እቲ ሕማም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከይሰፍሕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ዛጊት ኣብ ዩጋንዳ ሓደ ሰብ ሞይቱ'ሎ።

    ኣመሪካ ብሰንኪ እቲ ኩነታት ኣብ ዩጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳንን ኮንጐን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታታ ኣግልግሎት ቪዛ ምሃብ ከተቋርጽ ተገዲዳ ምህላዋ ይፍለጥ።

    ሓደ ምስ ገባሪ ሰናይ ማሕበር ዝሰርሕ ዝነበረ ኣመሪካዊ ሓኪም፡ በቲ ሕማም ድሕሪ ምልካፉ ኣብ ጀርመን ይእለ ከምዘሎ ሰበስልጣን ጀርመን ሓቢሮም። ካልኦት ነቲ ቫይረስ ዝተቓልኡ 6 ዜጋታቶም ንምውጻእ ይሰርሑ ከምዘለዉ'ውን ሰብመዚ ምቁጽጻርን ምክልኻልን ኣመሪካ ገሊጾም ኣለዉ።

  3. ትግራይ፡ 'ዕላማና ነቲ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጕጅለ ምእላይ እዩ' ዝብል ዘሎ 'ቤት ምኽሪ'

  4. ናብ ቦርንማውዝ ዘቋምታ ዘለዋ ኣዕይንቲ ደገፍቲ ኣርሰናል

  5. ዘይሕጋዊት ጃልባ መሪሑ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ኤርትራዊ ተኸሲሱ

  6. 'ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ግብጻዊ ሚኒስተር

  7. ደውታ ውግእ ወሽመጥ፡ ድሌት መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ንውሳነ ትራምፕ ቀዪሩዎ

  8. ኢቦላ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ይውስኽ ኣሎ

    ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ዳግም ተቐልቂሉ ዘሎ ሕማም ኢቦላ ዓለምለኻዊ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

    ዛጊት፡ ብውሕዱ 100 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም ከምዘለዉ ሰብመዚ ጥዕና ኣፍሪቃ ሓቢሮም ኣለዉ።

    ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ከምዝበሎ፡ 395 ሰባት በቲ ቀታሊ ቫይረስ ተለኺፎም ክኾኡ ከምዝኽእሉ ተጠርጢሩ'ሎ።

    እቲ መልከፍቲ ኣብ ኮንጐ ኣጋጢሙ ዘሎ'ኳ እንተኾነ፡ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከየስፋሕፍሕ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

    ኣብ ዩጋንዳ ድሮ ክልተ ሰባት በቲ ሕማም ተታሒዞም ከምዘለዉ ሓላፊ ናይቲ ትካል ጂን ካሰየ ኣፍሊጡ።

    ሰብመዚ ጥዕና ኮንጐ ብወገኖም፡ ኣብታ ርእሰከተማ ምብራቓዊት ዞባ ኢቱሪ ዝኾነት ቡኒያ ንሕሙማት ንምክንኻን ዘገልግል ተወሰኽቲ ማእከላት ተኸፊቶም ኣለዉ።

    ንፈለማ እዋን ኣብ 1976 ኣብ 'ዛየር' (ናይ ሕጂ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ) ዝተቐልቀለ ኢቦላ፡ ካብ መንካዕ ዝተበገሰ ምዃኑ'ዩ ዝእመን።

    ሕማም ኢቦላ፡ ቫይረስ 'ቡንዲቡጊዮ' ዝስዕብ ኮይኑ ዛጊት ፈውሲ ይኹን ክታበት ኣይተረኽቦን።

    ኣብዛ መበል 17 ክስተት ናይቲ ሕማም ኣጋጢምዋ ዘሎ ሃገር፡ ካብ 2018 ክሳብ 2020 ዝነበረ እዋን ዝበዝሑ (2,300) ግዳያት ዝቐዘፈሉ እዩ ነይሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ኣስታት 15,000 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም ኣለዉ።

    ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶ'ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዛዕባ ኩነታት ኢቦላን፡ እቲ ካልእ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ሃንታቫይረስን ብዝምልከት ሎሚ ጋዜጣዊ መብርሂ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ።

  9. ኬንያ፡ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ምድስካል ዘስዓበ ኣድማን ተቓውሞን

    ኣብ መላእ ኬንያ ክካየድ ዝወዓለ ተቓውሞታት ንንግዳዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ኣልሚስዎ ውዒሉ።

    እቲ ብቐንዱ ብወነንቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝተወደበ ኣድማ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን ዝርከብዎም ሰባት ዓዲ-ውዒል ክኾኑ ኣገዲዱ ይርከብ።

    ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ፡ ናዕበኛታት ጐደናታት ክዓጽዉን ጐማታት ከቃጽሉን ተራእዮም።

    እቲ ተቓውሞታት ብሰንኪ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተወሰነ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዝተበገሰ እዩ።

    ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንፈለማ እዋን ዋጋ ነዳዲ ብ20% ወሲኾም ኣለዉ።

    እቲ ንመላእ ዓለም ቅልውላው ኣስዒቡ ዘሎ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ንኬንያ'ውን ግዳይ ኮይና ኣላ

  10. 'ቈልዓ ክወልድ ኣይክእልን'የ ኢለ ሓሲበ ነይረ'፡ ደቂ ተባዕትዮ ሕቡእ 'ስፐርም' ንኽረኽቡ ዝሕግዞም ዘሎ ኤኣይ

  11. ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ደ/ሪ/ኮንጎ ብሰንኪ ኢቦላ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ

  12. ኤርትራ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ማህረምቱ እንታይ ኢሉ?

  13. ብቴክኒካዊ መዳይ ኣብ ኲናት ዝርከባ ጐረባብቲ፡ ኣየኖት ሃገራት ዓረብ'የን ንእስራኤል ኣፍልጦ ዝህባ?

  14. ኣኽል-ታርፍ ዝፈረየ ሕይወት ኣባ ኣልበሪኮስ (ጴጥሮስ)

  15. ታይዋን፡ ድሕሪ መጠንቀቕታ ትራምፕ ናጻ ሃገር'የ ኢላ

  16. ኤርትራን ግብጺን ዝተፈላለየ ስምምዓት ፈሪመን

  17. ጕዕዞ በይጂንግ ትራምፕ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ‘ማጋ’ ስክፍታታት ይፈጥር

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2016 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝገበሮ ናይ መረጻ ቅስቀሳ፡ ቻይና ቀንዲ ቍጠባዊ ተጻራሪት ኣመሪካ ምዃና ብንጹር ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ ጸረ-ቻይና ዘረባታትን ስትራተጅያዊ ጸቕጥታትን ንዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ’ውን ምስቶም ጸረ-ቻይና መርገጺ ዘለዎም ሰበስልጣን ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያትን ሓለፍትን ብምዃን፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና ዝኣትዉ ኣቑሑ ናይ ታሪፍ ወሰኽ ብምግባር ቍጠባዊ ውግእ ኣዊጁ እዩ።

    ይዅን’ምበር፡ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ቤጂንግ ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ብምቅርራብ ተራኺቡ፡ ርክብ ክልተአን ሃገራት ካብ ግምት ንላዕሊ ጽቡቕ ክኸውን ምዃኑ ገሊጹ።

    ኣብቲ ዘተ "ሉዑል ናይ ንግዲ ስምምዓት" ከም እተገብረ እኳ እንተ ተሓበረ፡ ብሰንኪ እቲ ንታይዋን ዝወሃብ 11 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ኣጽዋር መሸጣን ምስ ምስጢራዊ ድጋፍ ፋብሪካታት ቻይና ንኢራንን ዘለዎ ምስሕሓብ ግን ኵሉ እቲ ጸገማት ገና ኣይተፈትሐን።

    ኣብ ውሽጢ ምንቅስቓስ Make America Great Again (MAGA) ዘለዉ ሓለፍትን ተንተንትን ግን፡ እዚ ዝተቐየረ ዝመስል ቃና ትራምፕ ንመላእ ሰዓብቱ ክጸሉ ከም ዝኽእልን መጻኢ ታይዋን ኣብ ትሕቲ ሕቶ ምልክት ከም ዘሎን ይገልጹ።

  18. ኣመሪካ፡ ንመራሒ ኩባ ዝነበረ ራኦል ካስትሮ ክትከስስ መደብ ከም ዘለዋ ተገሊጹ

    ምኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ንዝተፈጸመ ናይ ክልተ ነፈርቲ ምውዳቕ ፍጻመ ብምግንዛብ፡ ኣብ ሽምግልና ንዝርከብ መራሒ ኩባ ነበር ራኦል ካስትሮ ብገበን ንምኽሳስ ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ ተገሊጹ።

    ብመሰረት ዝተረኽበ ጸብጻብ፡ እቲ ብቤት ምኽሪ ዳኛታት ኣመሪካ ክጸድቕ ዝግበኦ ክሲ ዝወጽአ፡ ዳይረክተር ማእከላይ ትካል ስለያ ኣመሪካ (CIA) ምስ ሰበስልጣን ኩባ ንምዝታይ ናብ ሃቫና ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ እዩ።

    ዕድሚኡ 94 ዓመት ዝዀነ ካስትሮ፡ ኣብ 2021 ካብ መሪሕነት ዴሳዊ ሰልፊ ኩባ ብምውራድ፡ ነቲ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን ዝቐጸለ ናይ ስድርኦም ስልጣን ዛዚሙዎ እዩ።

    ራኦል፡ ሓዉ ፊደል ካስትሮ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ ነታ ሃገር ን15 ዓመታት መሪሑዋ እዩ።

    እዚ ክውሰድ ተዳልዩ ዘሎ ናይ ክሲ ስጕምቲ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባ እተካይዶ ዘላ ቍጠባዊ እገዳ ነዳድን ሰፊሕ እገዳታትን ዘጠቓልል ናይ ጸቕጢ ወፍሪ መቐጸልታ ክፋሉ እዩ።

  19. ትራምፕ፡ ላዕለዋይ መራሒ ውድብ ሕብረት ምስልምና ከም ዝተቐትለ ገሊጹ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓይልታት ኣመሪካን ናይጀርያን ኣብ ኣፍሪቃ ብዘካየድዎ ወተሃደራዊ ስጕምቲ፡ ነቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃ “ካልኣይ መራሒ ውድብ ሕብረት ምስልምና (ISIS)” ኰይኑ ዝነጥፍ ዝነበረ ሰብ ከም ዝቐተሉዎ ገሊጹ።

    ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ እቲ ሓባራዊ ስጕምቲ፡ “ነቲ ኣብ ዓለም ብዝለዓለ ደረጃ ንጡፍ ዝነበረ ግብረ-ሽበራዊ” ኣቡ-ቢላል ኣል-ሚኑኪ ንምውጋድ፡ “ብዘይኰነ ይዅን ጌጋ ፍጹም ብዝዀነ መንገዲ ከም ዝተፈጸመ” ገሊጹ።

    ኣል-ሚኑኪ ብ2023 ብዋሽንግተን ፍሉይ ዓለምለኻዊ ግብረ-ሽበራዊ ተባሂሉ ተረቚሑ ነይሩ።

    ወተሃደራዊ ሓይሊ ናይጀርያ ግን ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝሃቦ መግለጺ የሎን።

    እዚ ቅትለት’ዚ እንተ ተረጋጊጹ፡ ስዒቡ ምስቲ ብ2019 ዝተፈጸመ ቅትለት መራሒ እቲ ጕጅለ ኣቡ በክር ኣል-ባቕዳዲ፡ ንውድብ ሕብረት ምስልምና (IS) ካልእ ዓብዪ ስዕረት ክኸውን ይኽእል እዩ።

    ቢቢሲ ንመንግስቲ ኣመሪካን ሰብስልጣን ናይጀርያን ርእይቶኦም ንምሃብ ኣዘራሪቡዎም ኣሎ።

    ኣል-ሚኑኪ (ኣቡ በክር ኢብን ሙሓመድ ኢብን ዓሊ ኣል-ማይኑኪ ተባሂሉ እውን ዝፍለጥ)፡ ነቶም ምስ ውድብ ሕብረት ምስልምና (IS) ምትእስሳር ዘለዎምን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከቡን ዋህዮታት ይመርሕ ነይሩ።

    ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ሓውሲ ተፋሰስ ቀላይ ጫድን ሳሕልን ዓሪዱ ዝርከብ ምስ ኒጀር፡ ጫድን ማሊን ዶብ-ሰገር ምትእስሳር ዘለዎ ግዝኣት ውድብ ሕብረት ምስልምና ምዕራብ ኣፍሪቃ ይመርሕ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ።

    እቲ ናይ ትራምፕ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ስጕምቲ ወይ እቲ ሓባራዊ ልኡኽ ዝተፈጸመሉ ግዜ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ትራምፕ፡ ሞት ናይዚ መራሒ ንኣፍሪቃን ዓለምለኻውን መርበባት ውድብ ሕብረት ምስልምና (IS) ሓያል ውቅዒት ምዃኑን ንእዝን ቍጽጽርን ከም ዝተበታተነ ገሊጹ።

  20. ትራምፕ ምስ ጂንፒንግ ድሕሪ ምርኻቡ ድሕሪ ሰዓታት ታይዋን ናጽነታ ከይትእውጅ ኣጠንቂቑ