እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ትግራይ፡ ንመረጻ ኢትዮጵያ ዝነቐፈ ህወሓት ምስ መንግስቲ ፌደራል ክዘራረብ ይሓትት

  2. ብዛዕባ ንትራምፕን ናታንያሁን ዘባኣሰ ርክብ ተሌፎን እንታይ ንፈልጥ?

  3. ኢትዮጵያዉያን 'ከስግር' ዝተታሕዘ ኤርትራዊ ናብ ፍርዲ ክቐርብ እዩ

  4. መራሒ ሰሜን ኮርያ- ኪም ጆንግ ኡን፡ ስለምንታይ'ዩ ብዛዕባ ኣዲኡ ዘይዛረብ?

  5. ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ዘይሳተፋ ዓበይቲ ሃገራውያን ጋንታታት

  6. ኲዌት፡ ህይወት ሰብ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ኢራን

    ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኲዌት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

    ኣብቲ ብሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት ልዕሊ 60 ሰባት'ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

    ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሰዱ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ሕነ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ነዳዲን ደሴት ቀሽምን ዝተኻየደ ደብዳብ ኣመሪካ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

    "ናይ ምክልኻል" መጥቃዕቲ ከምዝወሰደት ዝገለጸት ዋሽንግተን፡ ናብ ኲዌትን ባሕሬንን ዝተወንጨፈ ሚሳይላት ኢራን ከምዘበርዓነት ሓቢራ'ላ።

    ሓያሎ ዜጋታታ ከምዝተቐትሉ ዝገለጸት ህንዲ ብወገና፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብምዂናን ደው ክብል ጸዊዓ።

    "እቶም ወገናት መጥቃዕቲ ደው ከብሉ ደጊምና ንጽውዕ ይብል ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ዝወጸ መግለጺ።

    ደግሲ ናይቲ መጥቃዕትታት ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ዝተበጽሐ ምቊራጽ ተዂሲ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ይርከብ።

  7. ኤርትራ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝግበር ምክትታል ሕማም ኢቦላ

  8. ኣቡነ ማትያስ፡ ኣብ ኣርሲ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣመንቲ እንታይ ኢሎም?

  9. ብዛዕባ ጸረ መጥቃዕቲ ኣመሪካን ኢራንን እንታይ ንፈልጥ?

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣመሪካ "ካብ ደሴት ቐሽም ንደቡብ ዝርከብ ናይ መጸናጸኒ መደበራት ሰውራ ኢራን" ከምዘጥቅዐት ይገልጽ፡

    ሓይሊ ኣየር ኢራን ድማ፡ "ኣብቲ ዞባ ኣብ እትርከብ ሃገር ዝርከብ መደበር ኣየርን ሄሊኮፕተርን" ከምኡ'ውን፡ "ኣብ ባሕሬን ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሓሙሻይ መርከብ ኣመሪካ" ብምጥቃዕ ምላሽ ሂቡ።

    ብመሰረት ጸብጻባት እቲ ከባቢ፡ ኣብ ኩዌት ዝርከብ መዓስከር ኣየር ዓሊ ሳሌም ዒላማ መጥቃዕቲ ከምዝነበረ ይሕብር።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ኣረጋጊጹ፡ ኩሎም ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዝተዓገቱ’ውን ሓቢሩ።

    ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣባላቱ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ከምዘይበጽሖን ኣብ ልዕሊ ደሴት ቐሽም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ነብሰ ምክልኻል" ከምዝኾነን ገሊጹ።

  10. ኩዌት፡ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን ኢራን ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም

    በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኩዌት፡ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን ኢራን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም።

    መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኩዌት ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪትን ሚሳይላትን፡ መጉዳእቲ ከምኡ’ውን ምቁራጽን በረራታት ከምዘስዓበ ሓቢሩ።

    እቲ ጸብጻብ ንበዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኩዌት ብምጥቃስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንህንጻ T-1 ናይቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑን፡ በረራታት ናብ ካልእ ኣማራጺ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተመርሓን ገሊጹ።

    እቲ ማዕከን ዜና፡ ዜጋታት ካብ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ዝወድቁ ስብርባራት ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ።

  11. ኣመሪካን ኢራንን ዘተ ደው ኣብ ዘበላሉ ዳግማይ ሓዲሽ መጥቃዕትታት ጀሚረን

  12. 'ቍስልኻ ሓቢእካ ስቕ ምባል ዝያዳ የቐንዙ' - ይርጋኣለም ፍስሃ ኣብ መድረኽ ናጽነት ኦስሎ

  13. ኢትዮጵያ፡ ቆጸራ ድምጺ ይቕጽል ኣሎ

    ኣብ ዝተፈላለዩ ነቚጣታት ምርጫ ቆጸራ ድምጺ ይቕጽል ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ትማሊ ሰኑይ 1 ሰነ ዝተኻየደ፡ ትግራይን ሰፋሕቲ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘይተሳተፍዎ መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ከምዝተናውሐ ይፍለጥ።

    ካብቶም ኣስታት 54 ሚልዮን ንከድምጹ ዝተመዝገቡ ዜጋታት፡ ኣስታት 40 ሚልዮን ድምጾም ከም ዝሃቡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍሊጡ'ሎ።

    ቆጸራ መዓልታት ከምዝወስድ'ኳ ትጽቢት ዝግበር እንተኾነ፡ ብኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ክስዕር ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ ገለ ምርጫ ክካየደሉ ተመዲቡ ዝነበረ ቦታታት'ውን ብሰንኪ ጸጥታዊ ኲነታት መስርሕ ምድማጽ ተቛሪጹ ወይ ተደናጒዩ ነይሩ።

    ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ፌደራል ንመራሕቶም ብምእሳርን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ሕጋውን ምምሕዳራውን ዕንቅፋት ብምፍጣርን ከምዘዳኽሞም ይኸሱ። መንግስቲ ግን ነቲ ክስታት ከነጽጎ'ዩ ዝስማዕ።

  14. ኬንያ፡ ኣንጻር መወሸቢ ኢቦላ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም

    በቲ ኣመሪካ ኣብ ኬንያ ክትሃንጾ ወጢና ዘላ መወሸቢ ማእከል ሕማም ኢቦላ ዝተቖጥዑ ኬንያውያን ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣለዉ።

    ኣብታ ጥቓ'ቲ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ ማእክል እትርከብ ከተማ ናንዩኪ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

    ሓደ ካብቶም ግዳያት ኣብ ሆስፒታል ክመውት እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ሬሳኡ ጥራይ'ዩ ናብ ሆስፒታል ክበጽሕ ክኢሉ።

    እቲ ብኣመሪካውያን ሓካይምን ክኢላታት ጥዕናን ዝካየድ ማዕከል ነቶም በቲ ዛጊት ኣብ ዶሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ኣማኢት ሰባት ዝቐተለ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ዘዕቊብ እዩ።

    ዛጊት እቲ ሕማም ኣብ ኬንያ ኣይተራእየን ዘሎ።

    ኣብ ጐረቤት ሃገር ዩጋንዳ ግን ብውሕዱ 9 ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ንጠለብ ኣመሪካ ብምቕባል ነቲ ማእከል ክህነጽ ከምዘፍቀደ ብምግላጽ፡ እቲ ስግኣት ንፖለቲካዊ መዓላ ክውዕል የብሉን ብምባል ተቓውሞታት ክሃድእ ጸዊዑ።

    ሰብሞያ ጥዕና፡ ማሕበር ሓካይምን ገለ ኣካላት መንግስቲን እቲ ማእከል ንህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ ተቓውምኦም ከስምዑ ጸኒሖም'ዮም።

    ልዕሊ 20 ሚእታዊት ባጀት ጥዕና ኬንያ ብደገፍ ኣመሪካ ከምዝሽፈን ይፍለጥ።

    ኣብ ታሕሳስ 2025 ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ክልቲአን ሃገራት ዝፈረማሉ ስምምዕ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምቊጽጻር ዝዓለመ እዩ። ኣስታት 1.7 ቢልዮን ካብኡ ኣመሪካ እትሽፍኖ ኮይኑ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሕ ስምምዕ'ዩ ነይሩ።

  15. ዝርግሐ ኢቦላ ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ እዋን፡ ሰለስተ ክታበታት ኣብ ምምዕባል ይርከቡ

    እቲ ዛጊድ ኣስታት 250 ሰባት ዝቐተለን ሳሕቲ ዝረአን ዓይነት ኢቦላ ንምክልኻል ሰለስተ ክታበታት ኣብ ምምዕባል ይርከቡ።

    እቲ ሓደ ብዓለምለኻዊ ተበግሶ ክታበት ኤይድስ (IAVI) ዝምዕብል ክኸውን ከሎ፡ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ኣፍራዪ መድሃኒት ሞደርናን ድማ ካልኦት ጻዕርታት ይግበሩ ኣለዉ።

    ንነፍሲ ወከፍ ናይ ምርምር ጕጅለታት ዝምውል ዘሎ ‘ምህዞታት ድልውነት ለበዳ’፡ ኣብ መኸተ ኣንጻር እቲ ሕማም “ነፍሲወከፍ መዓልቲ ተገድስ እያ፡” ክብል ገሊጹ።

    ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ልዕሊ 1000 ሰባት ብቫይረስ ቡንዲቡግዮ ከም ዝተለኽፉ ዝግመት ኰይኑ፡ ኣብ ኡጋንዳ ድማ ትሽዓተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ተረጋጊጹ።

    ሓላፊ IAVI ዶክተር ማርክ ፋይንበርግ፡ "እዚ ሕጂ ዘሎ ለበዳ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝኸፍአ ናይ ምዃኑ ተኽእሎ ሓደጋ ኣሎ፡" ኢሉ።

    "ዋላ'ውን ከምኡ ከቢድ እንተ ዘይኰኑ፡ እቲ ቀዳምነት ክታበት ምውሳኽን ካልእ መከላኸሊ ስጕምትታት ምውሳድን'ዩ።"

    እቲ ኵነታት "ኣዝዩ ከቢድ" ምዃኑን ኣብ ሓጺር ግዜ ብዝሒ ዘለዎም ሕሙማት ከም ዝተመዝገቡን፡ ጕጅለ ሕክምናዊ ጕጅለ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ኣቃሊሑ ኣሎ።

  16. ትራምፕ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ምስ ኢራን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዝኽእል ገሊጹ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድትራምፕ: ምስ ኤቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ምስ ኢራን ተዅሲ ደው ምባል ንምንዋሕን መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋትን፡ ዝዓለመ ስምምዕ ክብጻሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ ገሊጹ።

    "ኣብዚ ሕጂ እዋን ነገራት ኣዝዩ ጽቡቕ ይኸዱ ኣለዉ። ንእሽቶ ጸገም ነይሩ፡ ከምቲ ትርእይዎ ዘለኹም ግን ቀልጢፈ ፈቲሐዮ፡" ክብል ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ።

    ትራምፕ እቲ ጸገም እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ምዃኑን እዚ ድማ ንኢራን ከም ዘቘጥዐን ገሊጹ።

    ትራምፕ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ናታንያሁን ወከልቲ ሕዝቦላህን ከም ዝተዘራረቡን "ተዅሲ ደው ምባል ከም ዝተሰማምዑን፡" ተዛሪቡ።

    ትራምፕ ወሲኹ፡ "ንሕዝቦላህ ደው ኣብሉ ኢለዮም፣ ንናታንያሁ’ውን ተዅሲ ኣቝሙ ኢለዮም። ክልቲኦም ተዅሲ ኣቋሪጾም፡" ኢሉ።

    እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝመጽእ ሰሙን ክኽፈት እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ።

  17. ቦርድ መረጻ፡ 40 ሚልዮን መረጽቲ ድምጾም ከም ዝሃቡ ኣፍሊጡ

    ኣብ መበል ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረጻ ንምምራጽ ካብ ዝተመዝገቡ 54 ሚልዮን መረጽቲ፡ ክሳብ ሰዓት 2፡00 ኣጋ ምሸት [ግ] ዳርጋ 40 ሚልዮን ድምጾም ከም ዝሃቡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍሊጡ።

    ነቲ ከይዲ ኣመልኪታ መግለጺ ዝሃበት፡ ዋና ሓላፊት ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ሜላትወርቅ ሃይሉ፡ ብሰንኪ ጸገም ኔትወርክን ተሌፎንን መረዳእታ ዘይተኣከበሎም ከባቢታት ከም ዘለዉ'ውን ኣመልኪታ።

    ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ቡርጂ [ክልል ደቡብ] ዝርከብ ነቝጣ መረጻ ፡ “ኣካየድቲ ስራሕ ኣብቲ ነቝጣ መረጻ ወረቓቕቲ ድምጺ ምልክት እናገበሩን ድምጺ እናሃቡን ስለ ዝተረኸቡ” ምሉእ ብምሉእ ክዕጸው ከም ዝተወሰነ ተዛሪባ።

    ኣብ ልዕሊ እቶም ፈጸምቲ ዝውሰድ ስጕምቲ ድሒሩ ከም ዝግለጽ እውን ተሓቢሩ።

    ትማሊ 24 ግንቦት 2018፡ ካብ ሰዓት ኣጋ ወጋሕታ ዝጀመረ መስርሕ ድምጺ ምሃብ፡ ሻውዓይ ሓፈሻዊ መረጻ፡ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ እኳ እንተ ተናውሐ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ግን ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝቐጸለ እታ ሓላፊት ተዛሪባ።

  18. ትራምፕ ኵናት ክውዳእ'ዩ ዝደሊ፡ ኢራን ግን ንድሕሪት ትምለስ ኣይትመስልን'ያ- ትንተና

  19. ኢራን: 20 ወተሃደራዊ ማእከላት ኣመሪካ ከም ዘዕነወት ሓድሽ መርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ

  20. ሓድሽ መጥቃዕቲ ሩስያ፡ ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ዝተደብዩ ዜጋታታ ትደሊ