እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ቴህራን ሰላማዊ ሰልፍታት ይካየዱ ኣለዉ

    ነቲ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት በይሩት ዘካየደቶ መጥቃዕትታት ስዒቡ፡ ኣብ ቴህራን ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ደገፍቲ መንግስቲ ሰልፊታት ዘርእዩ ምስልታት ይዝርግሑ ኣለዉ።

    ኣብቶም ኣሳእል ዘለዉ ሓያሎ ካብቶም ሰልፈኛታት፡ ባንዴራታት ኢራንን ሓዝቦላህን ኣለዉ።

  2. እስራኤል ካብ የመን ሚሳይል ከም ዝተተኰሳ ገሊጻ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ካብ የመን ናብ እስራኤል ዘቕንዐ ምውንጫፍ ሚሳይል ከም ዘለለየ ገሊጹ።

    እቲ ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣሃዱ ምክልኻል ስርዓተ-ኣየር፡ “ነቲ ሓደጋ ንምዕጋት ይሰርሑ ኣለዉ፡” ክብል ገሊጹ።

    ዘ ታይምስኦፍ እስራኤል ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብ መላእ ኢዮሩሳሌም፡ ቴል ኣቪቭን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ክፋላት ማእከላይ እስራኤልን ናይ መጠንቀቕታ ደውላት የቃልሑ ኣለዉ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ድሕሪ ዝገበሮ “ገምጋም ኵነታት”፡ ሰባት ሕጂ “ኣብ ኵሉ ከባቢታት እታ ሃገር ካብ ዝተዓቘብሉ ቦታታት ክወጽኡ ተፈቒዱሎም ኣሎ፡” ኢሉ ኣሎ።

  3. ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ምያዝያ ድሕሪ ምኽያዱ እንታይ ስዒቡ?

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ምቍራጽ ተዅሲ ብ8 ምያዝያ ኣብ ግብሪ ውዒሉ፡ እስራኤል ነቲ ስምምዕ እኳ እንተ ደጊፋቶ፡ “ንሊባኖስ ኣየጠቓልልን እዩ” ክትብል ግን ገሊጻ።

    ናይ ኢራን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ፡ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝግበር መጥቃዕትታት እንተ ቀጺሉ፡ “ጣዕሳ ዘስዕብ ግብረ-መልሲ” ከም ዝህብ ቃልኣትዩ።

    ካብኡ ንነጀው፡ እቲ ዘተኣማምን ዘይኰኑ ምቍራጽ ተዅሲ ተፈቲኑ እዩ። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ኲናት ንከኽትም ዝግበር ስምምዕ ብዝምልከት ድማ እተሓላለኸ መልእኽትታት ክመሓላለፍ ጸኒሑ።

    ካብኡ ንነጀው ዝነበረ ናይ ፍጻመታት ብቕደም ተኸተል ከምዚ ዝስዕብ እዩ፤

    • 8 ምያዝያ፡ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ዝጀመረሉ ዕለት፡ እስራኤል ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ኣብ ሊባኖስ ን100 ዒላማታት ከም ዝወቕዐት ኣዊጃ።
    • በዚ መጥቃዕቲ ልዕሊ 300 ሰባትከም ዝቐተለ ሰበስልጣን ሊባኖስ ይገልጹ። ኣብዚ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት እቲ ዝሓያለ ነይሩ። ሓደ ምኒስተሪኢራን “ከቢድ ግህሰት” ንስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክብል ገሊጹዎ።
    • 13 ምያዝያ፡ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ፓኪስታን ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ስምምዕ ከይበጽሐ ምስ ፈሸለ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ማያዊ ዕጽዋ ጀሚራ።
    • 16 ምያዝያ፡ ብትራምፕ ዝተኣወጀ ምቍራጽ ተዅሲ እስራኤልን ሊባኖስን ኣብ ግብሪ ውዒሉ፣ ንዓሰርተ መዓልታት ክጸንሕ ድማ ተወሲኑ።
    • 17 ምያዝያ፡ ኢራን እቲ ኣብ እዋን ኲናት ብቴህራን ተዓጽዩ ዝነበረ መጻብቦ ሆርሙዝ ንንግዳውያን መራኽብ ዳግማይ ከም ዝተኸፍተ ገሊጻ። እዚ ክሳዕ 18 ምያዝያ ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ቴህራን ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ኣመሪካ ማያዊ ዕጽዋ ነቲ መጻብቦ ክትዓጽዎ ምዃና ገሊጻ።
    • 23 ምያዝያ፡ ኣብ መንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ዝግበር ካልኣይ ዙር ዘተ ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ቈጸራ ተታሒዝሉ። ትራምፕ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝግበር ምቍራጽ ተዅሲ ንሰለስተ ሰሙን ከም ዝተናውሐ ገሊጹ።
    • 24 ምያዝያ፡ ፍሉያት ልኡኻት ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍን ጃሬድ ኩሽነርን ምስ ኢራን ዘተ ንምክያድ ናብ ፓኪስታን ከም ዝቅንዑ ተገሊጹ ነይሩ፣ እንተዀነ፡ ትራምፕ ኣመሪካ “ኵሉ ካርታታት” ኣብ ኢዳ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ነዚ ጕዕዞ ሰሪዙዎ። እዚ ዘረባኡ ዝመጽአ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ሃገሩ፡ “ኣመሪካ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ብሓቂ ዕትብቲ እንተዀይና ከተርኢ ከም ዘለዋ፡” ምስ ገለጸ እዩ።
    • 3 ግንቦት፡ ትራምፕ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብሰንኪ ምዕጻዋ ዝተዓግታ መራኽብ መንገዲ ንምኽፋት ዝዓለመ ‘ስርሒትሓርነት’ ብዝብል ኣዊጁ።
    • 5 ግንቦት፡ ይዅን እምበር፡ ኣመሪካን ኢራንን ናብ ስምምዕ ክበጽሓ ዝኽእላ እንተ ኰይነን ንምርኣይ እቲ ፕሮጀክት “ንሓጺር እዋን” ከም ዝቋረጽ ገሊጹ።
    • 12 ግንቦት፡ ትራምፕ እቲ ንሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ “ከቢድ ናይ ህይወት ደገፍ” ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ቓሊባፍ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን፡ “ንዝዀነ ይዅን ጽንፈኝነት ምላሽ ክህቡን ትምህርቲ ከቕስሙን ድሉዋት፡” ከም ዝነበሩ ገሊጹ።
    • 24 ግንቦት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ኢራን ዝግበር ስምምዕ “ብብዝሒ ዝተዘተየሉ”ን ዝርዝራቱ ድማድሕሪ ሓጺር እዋን ክግለጽን ምዃኑ ገሊጹ። ሓደ ወሃቢ-ቓል ምኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ግናመርገጺ ኣመሪካን ኢራንን ምቅራረብ፡ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ስምምዕ ክግበር እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ኣጠንቂቑ።
    • 6 ሰነ፡ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ወሽመጥ መጥቃዕትታት ተለዋዊጠን፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንናይ ኢራን ድሮናታትን ናይ ራዳር መዓስከራትን ዒላማ ክገብሩ ከለዉ፡ ኢራን ድማ ናብ መዓስከራት ኣመሪካ ሚሳይላት ተኲሳ።
    • 7 ሰነ፡ ኢራን ናይ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ “ሰሙን ምሉእ ንዝካየድ መጥቃዕቲታት ፈወንታ፡” ኢሉ ኣብዝጸውዖ ፍጻመ፡ ማዕበል ሚሳይላት ናብ እስራኤል ወርዊራ። እቲ ናይ ኢራን መጥቃዕትታት ዝመጽአ፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቤይሩት ንዝርከቡ ናይ ሕዝቦላህ ዒላማታት ከም ዝወቕዐት ካብ እትገልጽ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ።
  4. ‘ይኣኽለኩም በሉ። ሕጁ ናብ መኣዲ ዘተ ተመለሱ' - ትራምፕ ንኢራን

    ኢራን፡ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ሚሳይላት ድሕሪ ምውንጫፋ፡ ናብ መኣዲ ዘተ ክትምለስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ተማሕጺኑ።

    ዶናልድ ትራምፕ "ሚሳይላትኩም ተኲስኩም ኢኩም። እዚ እኹል እዩ። ናብ መኣዲ ዘተ ተመሊስኩም ውዕል ግበሩ" ክብል ከምዝተዛረበ ፎክስ ኒውስ ጠቒሱ።

    ዋሽንግተን ምስ ቴህራን ዝጸንሓ ግጭት ደው ንምባልን ክልቲኦም ወገናት ዝተሰማምዕሉ ምቊራጽ ተጻብኦታት ንምቕጻልን ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከተካይድ ምጽንሓ ይፍለጥ።

  5. ሰራዊት እስራኤል፡ ኢራን ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ሚሳይላት ከምዝተኮሰት ገሊጹ

    ሰራዊት እስራኤል፡ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ማዕበል ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ከም ዘምከነ ገሊጹ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ሳይረን ከምዝተሰምዐ ወሲኹ ሓቢሩ።

    እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ብወገኑ "እዚ ስርሒት ንምሉእ ሰሙን ክቕጽል'' ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

    "ጸላኢ ክሳብ ዝዕገትን ገበናቱ ክሳብ ዘቋርጽን ንዝቕጽሉ 7 መዓልታት ን24 ሰዓት ማዕበል ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ክውጨፉ እዮም" ይብል።

    "ንመሬት ኢራን ዒላማ ዝገበረ ድማ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ኣዕናውን ልዕሊ ዓቕምን ምላሽ ክወሃቦ’ዩ" ይብል እቲ መግለጺ።

  6. ፊፋ ናብ ስታድዮማት ዋንጫ ዓለም ከይኣትዉ ዝኸልከሎም ነገራት እንታይ'ዮም?

  7. ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኣብ ዝኽሪ መዓልቲ ዲ-ደይ፡ 'ኣውሮጳ ብስደተኛታት ተወሪራ' ክብል ነቚፉ

  8. ርእሰ ኣድባራት ደብረ ቢዘን፡ ክርስትያናዊ ውርሻ ኤርትራ

  9. ኢትዮጵያ፡ ንዳኛን በዓልቲ ቤቱ ነበርን ኣብ መጋባእያ ዝቐተለ ተኸሳሲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

  10. ኢራን፡ ኣገደስቲ ስታፋት ሃገራዊት ጋንታ ብኣመሪካ ቪዛ ከምዝተኸልኡ ከሲሳ

  11. ፈደራላዊ ዳኛ ንፖሊሲ ኢምግረይሽን ምምሕዳር ትራምፕ ውዱቕ ገይሩዎ

  12. ሓደገኛ ጕዕዞ ሰሃራ፡ ብጽምኢ ዝሞቱ 49 ሰባት ኣብ ሓደ ጋህሲ ተቐቢሮም

  13. ሶማልያ ኣብ ቀራና፡ ኣብ ሞቓድሾ ንምንታይ ብርቱዕ ተዅሲ ተሰሚዑ?

  14. ፊፋ ተጻወትተን ናብ ዋንጫ ዓለም ንዘሳትፋ ክለባት ንምንታይ 335 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል እዩ?

  15. ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ናይ 'ጽምዶ' ሓይልታትን መረጻን ዝሃቦ ሓድሽ መግለጺ

  16. ኤርትራዊ መበቈል ዘለዋ መንእሰይ ብዛዕባ መንሽሮ ደም ትጕስጕሶ ዘላ እንታይ እዩ?

  17. ዘለንስኪ ምስ ፑቱን ብኣካል ተራኺቦም ክዘራረቡ ብደብዳበ ጠሊቡ

  18. ንፈለማ እዋን ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ዝሳተፋ ዘለዋ 4 ሃገራት

  19. ሕዝቦላህ ኣብ መንጐ ሊባኖስን እስራኤልን ንዝተበጽሐ ስምምዕ ነጺጉ

    ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምንዋሕ ምቊራጽ ተዂሲ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

    እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሊባኖሳዊ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ተሪር መግለጺ፡ እቲ በመንጐኝነት ኣመሪካ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ንሊባኖስ "ዘሕስር'ዩ" ክብል ነጺግዎ።

    ሰለስቲአን ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኣኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ሕዝቦላህ "ምሉእ ብምሉእ ተጻብኦታት ደው እንተኣቢሉ" ዝፍጸም ምዃኑ ኣፍሊጠን ነይረን።

    ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዳግማይ ዝተወልዐ ግጭት ነቲ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

  20. ሶማልያ፡ ኣብ ርእሰከተማ ሞቓድሾ ከቢድ ግጭት ተፈጢሩ

    ኣብ ሶማልያ ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስቲን ዕጡቓት ተቓወምቲን ጽዑቕ ምልውዋጥ ተዂሲ ተሰሚዑ።

    እቲ ግጭት ብሰንኪ ምንዋሕ ምርጫ ዝተበገሰ እዩ።

    እብረ-ስልጣን ፕረዚደንት ሼኽ ሓሳን ማሕሙድ ብ15 ግንቦት ድሕሪ ምብቅዑ፡ ንሓደ ዓመት ምንውሑ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።

    ምንዋሕ ዕድመ-ስልጣን ናይቲ ፕረዚደንት ዘይቅዋማዊ'ዩ ክብሉ ዝነቐፉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ንሎሚ ሓሙስ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም ነይሮም።

    "መጠነ-ሰፊሕ ጸጥታዊ ስርሒታት" የካይዱ ምህላዎም ዝገለጹ ፖሊስ፡ ኣንጻር "ልዑል ዕጥቂ ዘለዎምን ብሞርታራት መጥቃዕቲ ዘካይዱን ሚሊሻ" ገጢሞም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

    ሓደ ካብ ተቓወምቲ ፕረዚደንት ማሕሙድ ዝኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሓሳን ዓሊ ካይረ፡ "ሰላማዊ" ተቓውሞ ንምግባር እናተዳለወ እንከሎ ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተጠረቕዐ ከሲሱ።

    ሓላፍነት ናይቲ ዝስዕብ ጉድኣት እቲ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ'ለ።

    ዛጊት ብዛዕባ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝተፈልጠ ነገር የለን።