እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

'ሓላፍነት ዝጐደሎ ባህሪ ሩስያ ንኩላትና ሓደጋ'ዩ'- ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)

ሓንቲ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ሩስያ ኣብ ሮማንያ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንበሪ ህንጻ ድሕሪ ምውዳቓ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ተሪር ተቓውሞ ይቐርብ ኣሎ። "ሓደገኛ" ክብል ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ነቲ ፍጻመ ኮኒንዎ'ሎ። ሮማንያ ኣባል እቲ ኪዳን ብምዃና እቲ ኲናት ምስ ሩስያ ንዘሎ ምትፍናን ዘጋደደ ኮይኑ ኣሎ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ዘተ ሰላም ክቕጽልኦ ተማሕጺኖም። እቲ ግጭት "ኣብ ኢራን ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ንጹሃን ሰባት ንመከራ ኣቃሊዑዎም እዩ፡" ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
  • ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተሓዲሱ ዘሎ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን ዘሎ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
  • "ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ትራምፕ ኣፍሊጡ።
  • ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢራናውያን ስፖርተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ካብ ወገን ኣመሪካ ዝነገሮም ሰብ ከም ዘየሎ ገሊጹ። እንተዀነ፡ "ብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን 'ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን' ከም ጋዜጠኛታትን ኣሰልጠንቲ ስፖርትን ኣምሲሎም ናብ ሃገርና ሒዞሞም ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ፡" ኢሉ።
  • ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።ሉፍታንዛ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ብዛዕባ ምቁራጽ ተኹሲ ሊባኖስን እስራኤልን እንታይ ንፈልጥ?

    መራሕቲ እስራኤልን ሊባኖስን ክልቲኦም ነቲ ተበግሶ ዕርቂ ብሓጎስ ከምዝተቐበልዎ ይግለፅ ኣሎ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁ ድማ "ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ንምግባር ዓብዪ ዕድል" ክብል ተዛሪቡ።

    ውዕል ስምምዕ እቲ ተኹሲ ደው ምባል፡ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ዀይኑ፡ እቲ ልዝብ እናተመሓየሸ እንተኸይዱ ድማ፡ "ብሓባራዊ ስምምዕ ክናዋሕ" ከምዝኽእል ይገልጽ።

    ብመሰረት ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡

    • እስራኤል "ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ኣንጻር ዝዀነ ዝተወጠነ መጥቃዕቲ፡ ​​መሰል ዓርሰ-ምክልኻል” ዝተሓለወ ከምዝዀነ፤
    • ሊባኖስ፡ ንሕዝቦላህ ሓዊሱ ካልኦት ኩሎም "ዕጡቓት ጉጅለታት" ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ከይፍጽሙ "ትርጉም ዘለዎ ስጉምትታት" ክትወስድ፤
    • እቶም ኣብዚ ልዝብ ዝሳተፉ ኣካላት፡ ጸጥታ ሊባኖስ ኣብ ምሕላው ሙሉእ ሓላፍነት ዘለዎም ሓይልታት ጸጥታ ሊባኖስ ከምዝዀነ ይግንዘቡ፤
    • እስራኤልን ሊባኖስን፡ ኣመሪካ “ካልኦት ዝተረፉ ጉዳያት ንምፍታሕ" ዝያዳ ቀጥታዊ ዝርርብ ምምችቻው ክትቅጽል ሓቲተን።

    እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እቲ ዕርቂ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት "ናብ ቀዋሚ ስምምዕ ጸጥታን ሰላምን ዝወስድ" ልዝብ ንምክያድ ዝዓለመ፡ ኣብ ሰናይ ድሌት እስራኤል ዝተመርኰሰ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

    እቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ብወገኑ፡ ኣብቲ ሰምምዕ ሰላም ንምስታፍ ድሌት ከምዘለዎ'ኳ እንተ'መልከተ፡ ኣብ መላእ ሊባኖስ "ዝዀነ መጥቃዕቲ ከይፍፀምን፡ ቀይዲ በተኽ ምንቅስቓስ ሓይልታት እስራኤል" ምግታእን ዘጠቓልል ክኸውን ጠሊቡ።

  2. ማላካ፡ "መትኒ" ንግዲ ዓለም ዝዀነ ካልእ መጻብቦ ባሕሪ

    ኣብቲ ንዓለምና ወሳኒ መስመር ማይ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝካየድ ዘሎ ዕጽዋ ከይኣክል፡ "መትኒ" ንግዲ ዓለም ዝዀነ ካልእ መስመር መጓዕዝያ ባሕሪ ቈላሕታ ክረክብ ጀሚሩ ኣሎ።

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኢንዶነዥያ ወተሃደራዊ በረራታት ንምክያድ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ዝርከብ መጻብቦ ማላካ ዓለምለኻዊ ቈላሕታ ክረክብ ገይሩዎ ኣሎ።

    ንምዃኑ መጻብቦ ማላካ ኣበይ እዩ? ስለምንታይ እዩኸ ኣገዳሲ ዝኸውን?

  3. ኒዩክሌር ዘለወን ሃገራት በዓል መን'የን፤ ብኸመይ ከ ወኒነንኦ?

    ሓላፊ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶማዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ ብረቡዕ ኣብ ሴኡል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዮንግብዮን ኣብ ዝርከብ ህንጻር ኒዩክሌር፡ ሰሜን ኮርያ "ቅልጡፍ ወሰኽ" ምንቅስቓስ ኒዩክሌር ከም ዝተራእየ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ዓቕሚ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር "ኣዝዩ ከቢድ ወሰኽ" ክብል ዝገለጾ ኣመልኪቱ።

    ዛጊት ትሽዓተ ሃገራት ኒዩክሌሳዊ ኣጽዋር ከም ዘለወን ይፍለጣ፤ ከመይ ጌረን እየን ኣጥሪየንኦ፣ ሕጂ ድማ ካልኦት ክስዕባኦ ይደልያ'ዶ? ዝብል ሕቶ ድማ እዚ ትንታነ ዳህሲስዎ ኣሎ፤

  4. ኢራን ነቲ ዝሃብተመ ዩራንየም ንኣመሪካ ከተረክብ ተሰማሚዓ- ትራምፕ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ ዝተሃብተመ ዩራንየም ከተረክቦ ከም ዝተሰማምዐት ገሊፁ።

    እዚ ጠለብ፡ ሓደ ካብቶም ኲናት ኢራን ንኸብቅዕ ክፍተኑ ዝቐነዩ ልዝባት ቀንዲ ማሕንቘ ኰይኑ ዝጸንሐ ነጥብታት እዩ ነይሩ።

    ትራምፕ ግን፡ ሓድሽ ዝርርብ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ክጅምር ከም ዝኽእልን፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ "ኣዝየን ቀሪበን" ከምዘለዋን ገሊጹ።

    እዚ ድማ ትራምፕ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ካብ ዝተዛረቦም፡ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ገምጋም እዩ ተባሂሉ።

    እቲ ኲናት "እናዓሞቐ" ይኸይድ ከምዘሎን ናይ ግድን ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእ ከምዘለዎን ገሊጹ።

    ኣቐዲሙ ኣብ ዋይት ሃውስ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከይትረክብ ከም ዝተሰማምዐት ገሊፁ ነይሩ።

    እቲ ዝሃብተመ ዩራንየም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣመሪካን እስራኤልን፡ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ናብ ሓመድ ከም ዝቐየረኦ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ከም ዝተቐብረን እዩ ዝእመን ።

    ኢራን ብዛዕባ’ቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሃቦ መግለጺ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበትን ኣላ።

    ሓድሽ ዙርያ ‘ፊትንፊት’ ዝርርብ ከምዝቐረበ ርግጸኛ ዝዀነ ትራምፕ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ዘብቅዕ ምስ ኢራን ዝተገብረ ተኹሲ ደው ምባል ምንዋሕ ከምዘድሊ ርግጸኛ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

  5. እስራኤልን ሊባኖስን ምቊራጽ ተዂሲ ክግበር ተሰማሚዐን

    እስራኤልን ሊባኖስን ን10 መዓልቲ ዝጸንሕ ምቊራጽ ተዂሲ ክግበር ከምዝተሰማምዓ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ከምዝተዘራረበን "ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ንምስፋን" ነቲ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ጠቒሱ።

    "ምስቲ ኣዝዩ ዝተኸበረ ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሰፍ ዓውን፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢቢ [በንጃሚን] ነታንያሁ ጨለ ዝኾነ ልዝብ ጌረ ነይረ።"

    "እዞም ክልተ መራሕቲ፡ ኣብ መንጐ ሃገራቶም ሰላም ንምውሓስ ን10 መዓልቲ ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተሰማሚዖም ኣለዉ" ክብል'ዩ ትራምፕ ገሊጹ።

    "ብሰሉስ፡ ክልቲአን ድሕሪ 34 ዓመት ንፈለማ እዋን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ተራኺበን ነይረን፡ ሳላ ዓቢይ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት፡ ማርኮ ሩብዮ።"

    ንምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ፡ ሩብዮን ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ጀነራል ዳን ኬንን ምስ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ምስ ክልቲአን ሃገራት ብምስራሕ ክከታተልዎ መምርሒ ከምዝሃቦም ትራምፕ ገሊጹ'ሎ።

    እቶም እስራኤል ዒላማ ክትገብሮም ዝጸንሐት ዕጡቓት ሕዝቡላህ ግን ኣብቲ መግለጺታት ኣይተጠቕሱን።

    እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዝርከቡ ሓይልታት እስራኤል ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት ከይህልዎም ጸዊዑ'ሎ።

    እዚ ስምምዕ፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝግበር ዘሎ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ'ውን ድርኺት ዝፈጥር ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

    ሕብረት ኣውሮጳ ዝርከቦም ወገናት ድሮ ነቲ ውሳነ ዘለዎም ናእዳ ብምግላጽ፡ እፎይታ ዝፈጥር ምዃኑ ይእምቱ ኣለዉ።

  6. ቴህራን፡ ምቁራጽ ተዂሲ ንምጽናዕን ሰላም ንምውሓስን ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት

    ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ኔው-ነጀው ትብል ዘላ ፓኪስታን ምስ መራሕቲ ኢራን ትላዘብ ኣላ።

    ትማሊ ናብ ርእሰከተማ ቴህራን ዝኣተወ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ፓኪስታን ምስቲ ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኣፈኛ ባይቶ ኢራን ተራኺቡ።

    ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒር ምስ መሓመድ-ባገር ጋሊባፍ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ፡ እቲ ኣፈኛ ምስ ሊባኖሳዊ መዘናኡ ናቢሕ በሪ ብቴለፎን ከምዝተዘራረበ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።

    "ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ምስቲ "ኣብ ኢራን ዝግበር ምቁራጽ ተዂሲ" ብማዕረ ከምዝሰርዕዎ ጋሊባፍ ኣነጺሩ'ሎ።

    ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ኢስላማባድ ምስ ወከልቲ ኣመሪካ ዝተኻየደ ዘተን ድሕሪኡን፡ ኢራን "ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ክፍጠር ትጸቅጥ ከምዘላ እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ።

    ምቁራጽ ተዂሲ ምስተገብረ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ መጥቃዕትታት ብምቕጻላ፡ ቴህራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይትኸፍቶ ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር።

    ኣፈኛ ባይቶ ጋሊባፍ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝነበረ ኮይኑ፡ መራሒ ናይቲ ንዘተ ናብ ፓኪስታን ዝኸደ ጉጅለ ልኡኽ ኢራን'ዩ።

    ብትራም ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ ፊልድ ማርሻል ሙኒር፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ጸኒዑ ዝርከብ ኣብ መንጐ ቴህራንን ዋሽንግተንን ዝተበጽሐ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከይፈርስን፡ ቀዋሚ ሰላም ንምውሓስን ዓቢ ሓላፍነት ዝተዋህቦ'ዩ ዝመስል።

  7. መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ስልታዊን ቴክኒካዊን ምምሕያሽ የካይዱ ኣለዉ ተባሂሉ

    ሰበስልጣን ክፍሊ (ሚኒስትሪ) ኲናት ኣመሪካ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ጋዜጣዊ መብርሂ ሂቦም።

    ኣብቲ ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ መብርሂ፡ ጸሓፊ ኲናት ፒት ሄሰትን፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ተረኺቦም ነይሮም።

    ኣቦመንበር ጠቕላሊ ሓለቓታት ስታፍ ዝኾነ ጀነራል ዳን ኬን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣዊጃቶ ዘላ ዕጽዋ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓይልታቱ ኣብ ሰማይ፡ ምድርን ባሕርን ኣዋፊሩ ምህላዉ ሓቢሩ።

    ክሓልፋ ዝፈተና 13 መራኽብ ንግዲ ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ብዝተዋህበን ትእዛዝ መሰረት ከምዝተመልሳ'ውን ጀነራል ኬን ጠቒሱ።

    ኣብቲ ብካርታ ኣሰንዩ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሓያሎ መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዖማን ተዋፊረን ነቲ ዕማም የሳልጣ ከምዘለዋ ኣመልኪቱ።

    ኢራን "ለባም ምርጫ" ክትወስድ ዝተማሕጸነ ጸሓፊ ክፍሊ ኲናት ሄግሰት ብወገኑ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንዝቕጽል ትእዛዝ ጥይቶም መሊኦም ድሉዋት ከምዘለዉ ኣጠንቂቑ።

    "ትእዛዝ ፕረዚደንትና ኣብ ዝረኸብናሉ ክንከይድ ድሉዋት ኢና፡ ልጓም ምኽፋት ጥራይ'ዩ ዝተርፈና" ይብል ሄግሰት።

    ኣብቲ ኣብ ፐንታጐን (ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ኲናት ምክልኻል) ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፈ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ'ውን ሓይልታቱ ንዝቕጽል ትእዛዝ ቅሩባት ምዃኖም ኣፍሊጡ።

    ኣድሚራል ብራድ ኩፐር፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ናብቲ ዞባ ክልተ ግዜ ከምዝበጽሐ ብምግላጽ፡ ሰራዊቱ ናይ "ስልቲ፡ ቴክኒክን ኣገባባትን" ምምሕያሽ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ገሊጹ። ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተዋፈረ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ፡ ከባቢ ከተማ ታምፓ ኣብ ዘሎ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ማክዲል ከምዝርከብ ይፍለጥ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ እዚ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሑ ተራእዮም ነይሮም እዮም።

  8. ሊባኖስ፡ ምስልታት ዘየቋርጽ መጥቃዕታት እስራኤል

    ሓይልታት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ከካይድዎ ዝጸንሑ መጥቃዕትታት ሎሚ ኣሐይሎሞ ኣለዉ።

    በዚ ብቐንዱ ንዕጡቓት ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ ተባሂሉ ዝግለጽ መጥቃዕቲ ልዕሊ 2100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሮም።

    ክልቲን ሃገራት ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዝርርብ ኣካይደን ከምዘለዋ'ውን ይግለጽ ኣሎ።

    እንተኾነ፡ ንትሕተቅርጽታትን ህንጻታትን ዘይነሓፈ መጥቃዕቲ እስራኤል ሎሚ'ውን ዘፍ ኣይበለን። ኣብቲ ኣብቲ ሓድሽ ደብዳባት ከተማታት ናባቲህን ቃስሚየህን ዒላማ ኮይነን ኣለዋ።

    እቲ እንኮ ተሪፉ ዝጸንሐ ንደቡብን ሰሜን ሊባኖስ ዘራኽብ ኣብ ፈለግ ሊታኒ ዝርከብ ድለድል'ውን ግዳይ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝኾነ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    ካብቲ ቦታ ዝመጸና ስእልታት እነሆ፡

  9. ኣመሪካ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብዘንበረቶ ዕጽዋ፡ 10 መራኽብ ከም ዝመለሰት ገሊጻ

    ሰራዊት ኣመሪካ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ተግባራዊ ድሕሪ ዝገበሮ ዕጽዋ፡ ዛጊት ዝዀነት መርከብ ጥሒሳ ከም ዘይሓለፈት ገሊጹ።

    ሓይልታት ኣመሪካ፡ ናብ ገማግም ባሕሪ ኢራን ዝጓዓዛ ወይ ካብኡ ዝወጽኣ መራኽብ ክዓግቱ ወይ ክመልሱ ምዃኖም ይገልጹ ኣለዉ።

    ካብ ካልእ ቦታታት ዝሓልፋ ወይ ናብ ካልእ ዝኸዳ መራኽብ ግን በቲ መጻብቦ ክሓልፋ ክፍቀደለን እዩ ይብል።

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ካብቲ ዕጽዋ ዝጀመረሉ ሰኑይ ኣትሒዙ፡ ዛጊት ዓሰርተ መራኽብ ተመሊሰን ኣለዋ፣ ሓንቲ መርከብ እኳ ዝሰገረት የላን፡" ኢሉ።

    ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን መራኽብ በቲ መጻብቦ ንኽሓልፋ ትሓቶ ዝነበረት ክፍሊት ብምውጋድን ሰደድ ነዳዲኣ ብምንካይን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ጸቕጢ ክገብር ተስፋ ይገብር።

    ኢራን ነዚዕጽዋ "ቅርሰና [ሽፍትነት ባሕሪ]" ኢላ ክትጽውዖ እንከላ፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ፡ ወሽመጥ ዖማንን ቀይሕ ባሕሪን ዘለዋ መራኽብ ዒላማ ብምግባር ሕነ ከም እትፈዲ ኣጠንቂቓ ኣላ።

  10. ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ምስ ፕረዚደንት ሊባኖስ ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ

    ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ዓውን ክዘራረብ ምዃኑ፡ ኣባል ካቢነ ጸጥታ እስራኤል ጋልያ ጋምሊኤል ንራድዮ ሰራዊት እስራኤል ሓቢራ።

    እዚ ሓበሬታእዚ ዝወጽአ፡ ፕረዚደንትዶናልድ ትራምፕ ብረቡዕ ምሸት (ብኣቈጻጽራ ኣመሪካ) ኣብ ትሩዝ ሶሻል፡ "ጽባሕ መራሕቲ እስራኤልን ሊባኖስን ክዘራረቡ እዮም፡” ዝብል ጽሑፍ ድሕሪ ምስፋሩ እዩ።

    ብወገን ሊባኖስ ግን፡ ሓደ ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ሊባኖስ ዝሰርሕ በዓል ስልጣን ብሓሙስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስ እስራኤል ክግበር ብዛዕባ ዝተሓሰበ ርክብ ዝፈልጡዎ ነገር ከም ዘየሎ ገሊጹ ነይሩ።

    ሕጂ ግን እቲ ዘተ ክካየድ ዝኽእል ይመስል ኣሎ።

  11. ትራምፕ፡ መራሕቲ ሊባኖስን እስራኤልን ክዘራረቡ'ዮም ኢሉ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ መራሕቲ ሊባኖስን እስራኤልን "ጽባሕ" - ምናልባት ሓሙስ - ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝርርብ ከካይዱ ምዃኖም ገሊጹ።

    ንሱ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ነዚ ዝስዕብ መግለጺ ኣስፊሩ ነይሩ፤

    "ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ንእሽቶ መስተርሆ ንምርካብ ንጽዕር ኣለና። ክልቲኦም መራሕቲ ካብ ዝዘራረቡ ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ፡ 34 ዓመት። ጽባሕ ክዘራረቡ'ዮም። ጽቡቕ! ፕረዚደንት ዲ.ጀይ.ቲ።"

    እዚ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን እስራኤልን ሊባኖስን ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዘተ ከም ዘካየዳ ድሕሪ ምግላጹ ዝመጽአ ምዕባለ እዩ።

    እዚ ሳሕቲ ዝርአ ፍጻመ'ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ንምዕራፍ ዝዓለመ ታሪኻዊ ስጕምቲ እዩ።

  12. ኣብ ሊባኖስ ሓደ ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም

    ሓደ ሚልዮን ኣብ ሊባኖስ ተመዛቢሎም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ሓላፊ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት 'ህጹጽ' ደገፍ ክግበረሉ ይጽውዕ።

    ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ባርሃም ሳልሕ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንሊባኖስ "ህጹጽ ደገፍን ረድኤትን" ክገብረላ ጸዊዑ።

    ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ - ሓሙሽተ ክፋል ህዝቢ ሊባኖስ - በቲ ሳልሕ "ተራእዩ ዘይፈልጥ" ዝብሎ ግጭት ተመዛቢሎም ኣለዉ።

    ሳሊሕ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ሊባኖስ ናዋፍ ሳላም ድሕሪ ምርኻቡ፡ "ሊባኖስ ኣብ ተደጋጋሚ ዑደት ግጭት ክትጽመድ ኣይግብኣን'ዩ፣ ደገፍን ምርግጋእን የድልያ፡" ክብል ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

    ካብ 2 መጋቢት ጀሚሩ ልዕሊ 2,100 ሰባት ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ምኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሩ።

    እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እትገብሮ ስርሒታት ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ንምድኻምን ዜጋታታ ካብ ስግረ-ዶባዊ ምትኳስ ሮኬት ሓዊሱ ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጻ።

  13. ኣዛዚ ሰራዊት ፓኪስታን ናብ ኢራን ኣትዩ

    ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ፓኪስታን ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ኣመሪካን ኢራንን ንምዝርራብ ናብ ርእሰከተማ ቴህራን ኣትዩ።

    ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒር መልእኽቲ ዋሽንግተን ናብ ሰበስልጣን ኢራን ከብጽሕን ካልኣይ ዙር ዘተ ሰላም ንምስላጥን ጻዕርታት ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር'ውን ምስኡ ተጓዒዚ ኣሎ።

    እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ከም መንጐኛ ብምዃን ነቲ ዘተ ንምዕዋት ትንቀሳቐስ ዘላ ፓኪስታን ሸህባዝ ሻሪፍ'ውን ብዛዕባ "ዞባዊ ኩነታት" ምስ መራሕቲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንምዝርራብ ናብ ጂዳ ኣትዩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

    ፊልድ ማርሻል ሙኒር፡ ኣብ ዓይኒ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሞገስ ዝረኸበ ፓኪስታዊ መራሒ ምዃኑ ይፍለጥ። "ዝፈትዎ ፊልድ ማርሻል" ክብል ትራምፕ ብዛዕባኡ ደጋጊሙ ክዛረብ'ዩ ዝስማዕ።

  14. መጻብቦ ሆርሙዝ ይኽፈት ስለዘሎ መራኽብ ይመጻ ኣለዋ - ትራምፕ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ እቲ ኣገዳሲ ማሕንቖ ቀረብ ነዳዲን ፍርያት ነዳዲን ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኽፈት ምዃኑ ተዛሪቡ።

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጻብቦ "ይኽፈት" ስለዘሎ "መራኽብ ይመጻ ኣለዋ።"

    ኢራን፡ ዕግታ ኣመሪካ ደው እንተዘይሉ መራኽብ ብወሽመጥ ዓረብ ብዓቢኡ፡ ከምኡ'ውን ብወሽመጥ ዖማንን ቀይሕ ባሕርን ከይሓልፋ ክትዓግት ከምእትኽል ኣጠንቂቓ ምህላዋ ይፍለጥ።

    እቲ ምስ መደብ ንግዲ ፎክስ ኒውዝ ዝገበሮ ቃለመሕትት ቅድሚ'ቲ ብወገን ቴህራን ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ'ሎ።

    እንተኾነ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕትታት ክካየድ ከምዝኽእል ምግላጹ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሎ ሻቕሎት ዘህድእ ስግኣት ከምዘሎ ኣሚቱ።

    "ነቲ ኩነታት ከምዝዓርግ እንተጌረዮ፡ ነታ ሃገር ዳግም ንምህናጽ 20 ዓመታት ክወስደሎም ይኽል'ዩ" ይብል ትራምፕ።

    ሓደ ኣመሪካዊ ብዓልስልጣን'ውን ነቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ንምሕዳስ ምርድዳእ ከምዘይተበጽሐ ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ፈለማ ብሰራዊት ኢራን ዳርጋ ምሉእ ብምሉ ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቴህራን ጸቕጢ ንምፍጣር ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።

    ብኻልእ ወገን፡ ቴህራንን ዋሽንግተንን መልእኽትታት ምልውዋጥ ቀጺለን ከምዘለዋ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኢስማዒል ባጋኢ ሓቢሩ'ሎ።

    ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናይታ ከም መንጐኛ ተገልግል ዘላ ፓኪስታን ሎሚ ናብ ቴህራን ክኣቱ ትጽቢት ከምዝገብር'ውን እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።

    ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትሃንጽ ትደሊ'ያ ንዝብል ክሲ ኣመሪካ ዝነጸገ እቲ ኣፈኛ፡ ፕሮግራም ኑክሌር ኢራን "ሰላማዊ" ምዃኑ መጒቱ።

  15. ኢራን፡ ዕግታ ኣመሪካ እንተቐጺሉ ኣብ ወሽመጥ፡ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዖማንን መራኽብ ንዝኣትዋ መራኽብ ኣጠንቂቓ

    ዓሊ ዓብደላሂ፡ ኣዛዚ ናይቲ ንዕጡቓት ሓይልታት ኢራን ዘወሃህድ ዝለዓለ ስርሒታዊ እዚ እታ ሃገር ዝዀነ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኢራን ኻታም ኣል-ኣንቢያእ - ኣመሪካ ዕግታ መራኽብ እንተቐጺላን "ንንግዳዊ መራኽብን ታንከራት ነዳዲን ኢራን ውሕስነት እንተዘይፈጢራ"፡ ጠንቂ ምጥሓስ ተዅሲ ምቍራጽ መበገሲ ክኸውን'ዩ ክብል ኣጠንቂቁ።

    ዓብደላሂ ወሲኹ፡ እዚ ኣብ ዝዀነሉ ኵነታት ድማ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን "ዝዀነ ሰደድ ወይ ኣእትዎት ኣብ ወሽመጥ ፋርስ፡ ባሕሪ ዖማንን ቀይሕ ባሕርን ብውሕስነት ክቕጽል" ከምዘይፈቅድ ኣተሓሳሲቡ።

    እዚ ብኣዛዚ ኻትም ኣል-ኣንቢኣያእ ዝተጠቕሰ ማያዊ ኣካላት ኣዝዩ ሰፊሕ ጂኦግራፊያዊ ከባቢታት ዝሽፍኑ'ኳ እንተዀኑ፡ ኣየኖት ሃገራት ሃገራት ክጽለዋ ከም ዝኽእላ ግን ኣይገለጸን።

    ኣመሪካ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣትሒዛ እያ ንወደባት ኢራን እገዳ ጀሚራ ዘላ። ሰራዊት ኣመሪካ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብተን ቀዳሞት 24 ሰዓታት "ዝኾነት መራኽብ ኣይሓለፈትን" ብምባል፡ ሽዱሽተ ንግዳዊ መራኽብ ከኣ ናብ ወሽመጥ ዖማን ክጥወያ ተገዲደን ኢሉ።

    እቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ብመንጐኝነት ፓኪስታን ጸኒዑ ዘሎ ውዕል ተኹሲ ደው ምባል፡ ድሕሪ'ቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሐ ግጭት ብ8 ምያዝያ ዝተኣወጀ እዩ።

    ኣብ ኢስላማባድ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙርያ ዘተ ኢራንን ኣመሪካን ኣይተዓወተን፤ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ካልኣይ ዙር እቲ ዘተ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ መዓልታት ዳግማይ ክጅምር ከምዝኽእል ኣተንቢሁ'ሎ። መዓስን ኣበይን ግን ኣየነጸረን፤ ኢራን ብወገና ብዛዕባ'ዚ ዛጊት ኣየረጋገጸትን።

  16. ዋጋ ነዳዲ ብቕጽበት ክወርድ እዩ

    ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ፎክስ ቢዝነስ ኔትወርክ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ካብ ዝበሎ ተወሳኺ መግለጺታት። ትራምፕ ኣብቲ ምሉእ ቃለ መሕትት "ንኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር እንተሂብካያ ዓለም ክትፍንጀር እያ" እዩ ዝብል። ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ምስ ኢራን ዝነበረ ኲናት ምስተፈትሐ፡ ዋጋታት ነዳዲን ጋዝን "ኣዝዩ ኣዝዩ ክወርድ'ዩ" ይብል።

    ዋጋታት ጸዓት'ውን ክጎድል ምዃኑ ብምትእምማን ይዛረብ። ትራምፕ ነቲ ኣብ 2015 ዝተኸተመ ስምምዕ ኑክሌር ኢራን "እቲ ዝኸፍአ ስምምዕ" ክብል ዝዅንን ኰይኑ፣ እዚ ድማ እታ ሃገር ናብ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኽትበጽሕ ኣቋራጭ መንገዲ ዝፈጥረላ እዩ ይብል።

    ወሲኹ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ንመሳለጥያታት ኑክሌር ኢራን እንተዘይትድብድብ ነይራ፡ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ጎረባብታ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ብዓቢኡ ድማ ንኣመሪካ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ተጠቒማ መጥቅዓተን ነይራ፡ ይብል።

    ትራምፕ፡ ቻይና ንኢራን ኣጽዋር ትህብ ከምዘላ ዝገልጽ ጸብጻባት ምስ ሰምዐ፡ ንፕረዚደንት ሺ ደብደበ ጽሒፉ ከምኡ ንኸይገብር ከም ዝሓተቶ ብምግላጽ፡ ሺ ድማ፡ "ብመሰረቱ" ቻይና ከምኡ ኣይትገብርን እያ ክብል ምላሽ ከም ዝሃቦ እዩ ዝዛረብ።

  17. እስራኤልን ሊባኖስን ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዘተ ኣካይደን

    ሊባኖስን እስራኤልን ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝለዓለ ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ኣካይደን። እዚ ሳሕቲ ዝርአ ፍጻመ'ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ንምዕራፍ ዝዓለመ ታሪኻዊ ስጕምቲ እዩ። ካብ ኣመሪካ ዝወጽአ ወግዓዊ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ብኽልተኦም ወገናት ኣብ ዝውሰን ግዜን ቦታን ቀጥታዊ ዘተ ንምቕጻል ተሰማሚዖም ኣለዉ።

    እስራኤል ኣብቲ ዘተ፡ ኵሎም መንግስታውያን ዘይኰኑ ዕጥቃውያን ጕጅለታት - ብፍላይ ድማ ሕዝቦላህ - ዕጥቆም ክፈትሑ ከም እትደሊ ገሊጻ ኣላ። ሊባኖስ ብወገና፡ ተዅሲ ብህጹጽ ደው ክብልን ሰብኣዊ ቅልውላው መፍትሒ ክግበረሉን ጸዊዓ።

  18. ትራምፕ ዘተ ብቕልጡፍ ክቕጽል ከም ዝኽእል ገሊጹ

    ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዝካየድ ካልኣይ ዙር ዘተ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ክካየድ ከም ዝኽእል ኣሚቱ።

    እዚ ዝግለጽ ዘሎ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓኪስታን ዝተኻየደ ዘተ ድሕሪ ምፍሻሉ እዩ። ኣብቲ እዋን ዋሽንግተንን ቴህራንን ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝን መጻኢ ንዩክለሳዊ መደብ ኢራንን ስምምዕ ክበጽሓ ኣይከኣላን።

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ፡ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ኣብ ሓደ ለይቲ ክውገድ ከም ዘይክእል ተኣሚኑ። ይዅን እምበር፡ እቶም ኢራናውያን ተዛተይቲ ስምምዕ ንምግባር ድሌት ከም ዘለዎም ከም ዝኣምን ገሊጹ።

    ቫንስ፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክህልዋ የብሉን ዝብል ፖሊሲ ትራምፕ ኣብ ቦታኡ ጸኒዑ ከም ዘሎ ኣስሚሩሉ፤ ነዚ ንምጭባጥ ድማ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

    ትራምፕ ትማሊ ንኒውዮርክ ፖስት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናይ ሰላም ዘተ “ኣብ ውሽጢ ዝመጽኡ ክልተ መዓልታት ክካየድ ይኽእል እዩ፡” ኢሉ።

    ኒውዮርክ ፖስት ከም ዝሓበሮ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ናይ መጀመሪታ ናይ ተለፎን ቃለመሕትት፡ እቲ ዘተ “ይካየድ ኣሎ፣ ግን ከም እትፈልጥዎ ቍሩብ ዝሑል እዩ፡” ኢሉ። ቀጺሉ ድማ ተወሳኺ ዘተ ኣብ ኤውሮጳ ክካየድ ከም ዝኽእል ኣሚቱ።

    ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ፡ ትራምፕ ናብቲ ጋዜጠኛ ደዊሉ መብርሂ ሂቡ።

    “ብሓቂ ኣብኡ [ኣብቲ ዘተ ተኻይድሉ ዝነበረ ኢስላማባድ] ክትጸንሕ ኣለካ፣ ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ዝመጽኡ ክልተ መዓልታት ገለ ነገር ክፍጠር ይኽእል እዩ። ንሕና’ውን ብዝያዳ ናብኡ ከነብል ኣለና፡” ኢሉዎ።

    ቀጺሉ ድማ፡ “ናብኡ ምኻድ ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎ ንምንታይ ምዃኑ ትፈልጥ ዲኻ? ምኽንያቱ፡ እቲ ፊልድ ማርሻል ብሉጽ ስራሕ ይሰርሕ ስለ ዘሎ እዩ፡” ኢሉ።

    ትራምፕ ‘ፊልድ ማርሻል’ ክብል ዝጸውዖ፡ ነቲ ቀዲሙ “ፍቱወይ” ኢሉ ዝጸውዖ ናይ ፓኪስታን ፊልድ ማርሻል ጀነራል ኣሲም ሙኒር ንምምልካት እዩ።

  19. ድሕሪ ምእዋጅ ዕጽዋ ኣመሪካ፡ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ይሓልፋ ኣለዋ

    እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝኣወጆ ዕጽዋ መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ቀዳማይ መዓልቱ ንጹር ኣይነበረን።

    ተዓዛቢ ጸጥታዊ ጉዳያት ፍራንክ ጋርድነር፡ እቲ ዕጽዋ ንጹር ዘይኰነሉ ምኽንያት እኹል ምድላዋት ስለ ዘይተገብረሉን ናይ መራኽብ መለለዪ ምልክታት ምትእስሳር ስለ ዝተዛብዐን ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።

    ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተዓዘቦ ምንቅስቓስ መራኽብ ከም ዘመልክቶ፡ ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘለወን እንተ ወሓደ ኣርባዕተ መራኽብ ትማሊ ሰሉስ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ተሳጊረን እየን።

    ካብዚኣተን እተን ክልተ ናብ ወደባት ኢራን ዝበጽሓ እየን። ብተወሳኺ፡ ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘይብለን ካልኦት ሰለስተ መራኽብ ድማ እቲ ዕጽዋ ሰኑይ ካብ ዝእውጅ ንደሓር ነቲ መጻብቦ ክሰግራ ተራእየን።

    ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣድሚራል ብራድ ኩፐር ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዝተገብረ ዕጽዋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ኣሎ፡” ኢሉ።

    እቲ ዕጽዋ ካብ ዝጅመር ኣብ ውሽጢ 36 ሰዓታት፡ ሓይልታት ኣመሪካ ነቲ ብባሕሪ ናብ ኢራን ዝኣቱን ዝወጽእን ንግዳዊ ምንቅስቓስ ምሉእ ብምሉእ ደው ከም ዘበሉዎ እውን ገሊጹ።

    ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሽዱሽተ ናይ ንግዲ መራኽብ ካብ ሓይልታት ኣመሪካ ንዝመጽአን መምርሒ ተቐቢለን ንድሕሪት ብምምላስ ናብ ወደብ ኢራን ከም ዝኣተዋ ሓቢሩ።

    ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝገበሮ ምክትታል እውን፡ ክልተ ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘለወን መራኽብ ድሕሪ ምእዋጅ እቲ ዕጽዋ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ተሳጊረን ክኸዳ ከለዋ ኣንፈተን ከም ዝቐየራ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

  20. ትራምፕ፡ ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ልዮ ምንቃፍ ቀጺሉ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ዘለዎ ተሪር ነቐፌታ ብምቕጻል፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ከምዚ ኢሉ፤

    “ኢራን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ እንተ ወሓደ 42,000 ንጹሃንን ፍጹም ዕጥቂ ዘይብሎምን ተቓወምቲ ከም ዝቐተለት፣ ስለዝዀነ፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ቦምብ ክህልዋ ፍጹም ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ክነግሮ ዝኽእል ሰብ ኣሎዶ? ነዚጉዳይ’ዚ ቈላሕታ ስለ ዝሃብካዮ አመስግን። ኣመሪካ ተመሊሳ ኣላ!!!”

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ርእይቶ ምሃቦም ስዒቡ፡ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናይቲ ኣመሪካዊ ጳጳስ “ምሱጥ ደጋፊ” ከም ዘይኰነ ገሊጹ ነይሩ።

    ትራምፕ ወሲኹ፡ እቶም ጳጳስ “ኣብ ልዕሊ ገበን ድኹም፡ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ድማ ኣዝዮም ሕማቕ” ምዃኖም ብምጥቃስ ከሲሱዎም።

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ብወገኖም፡ ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ዝዀነ ይዅን “ፍርሒ” ከም ዘይብሎምን ርእይቶ ምሃብ ከም ዝቕጽሉን ሓቢሮም።

    ትራምፕ ብተወሳኺ፡ብዛዕባ ኔቶ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ “ኔቶ ንዓና ኣይነበረን፣ ኣብ መጻኢ እውን ንዓና ኣይክኸውንን እዩ!” ክብል ንተራ እቲ ኪዳን ኣናሽዩዎ።