ርክብ ኤርትራን ኣመሪካን ፡ ምኒስተር ዑስማን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ እንታይ ዘትዮም?

ምንጪ ስእሊ, @US_SrAdvisorAF
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ምስ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን መስዓድ ቡሎስ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ዘተዮም።
እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝዀነ ብሎስ፡ ብመንገዲ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ምስ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት ዘተኰረ "ጽቡቕን ኣፍራይን" ዝበሎ ዘተ ከም ዘካየደ ኣፍሊጡ።
መስዓድ ብዛዕባ እዚ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝርርብ "ኣብ ንግዲ፡ ዞባዊ ቍጠባዊ ምዕባለን ጸጥታን" ዘተኰረ ምንባሩ ሓቢሩ።
ክልቲኦም ሰብ መዚ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ተመሳሳሊ ዝርርብ ኣካይዶም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
ብመሰረት እቲ ድሕሪ ምልሶት ትራምፕ ናብ ዋይትሃውስ ዳግማይ ከምዝተበራበረ ዝተገልጸ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፡ ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፡ እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ክልዓልን፡ ዝምድናአን ናብ ንቡር ክምለስን ዝብል ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ ኣይርሳዕን።
ነዚ ዝምልከት ምዕባለታት ብቐጥታ ዘየመልከተ መልእኽቲ ብሎስ፡ ንዞባዊ ጸጥታ ከብርህ ከሎ፡ "ሓባራዊ ጻዕርታት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ዞባዊ ግጭታት ንምፍታሕን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘላቒ ሰላም፡ ምርግጋእን ብልጽግናን ንምስጓምን ብኣወንታዊ መገዲ ብሓባር ክንሰርሕ ከም ዘድሊ ኣስሚርናሉ" ይብል።
ብተወሳኺ፡ "ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዝተሓላለኸን መብዛሕትኡ ግዜ በዳሂ ዝዀነን ኵነታት ብምግንዛብ፡ ንምትሕግጋዝና ንምሕያልን ኣብ ንግዲ፡ ዞባዊ ቍጠባዊ ምዕባለን ጸጥታን ዘሎና ምትሕብባር ንምስፋሕን ዘለዉ ዕድላት ዳህሲስና፡" ክብል እውን ጽሒፉ።
እዚ ርክብ ዝካየድ ዘሎ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን ኰይኑ፡ ምስ ግብጻዊ መዘናኡ ዶክተር በድር ዓብደልዓጢ እውን ተረኺቦም ነይሮም።
ብመሰረት ሓበሬታ ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ እዞም ክልተ ምኒስተራት ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ዘሎ ስትራተጂያውን ታሪኻውን ዝምድና ንምድልዳል ተዘራሪቦም።
"ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ምዕባለታትን፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓታት መርገጺታቶም ንምውህሃድን ብዕምቈት ዘትዮም።"
ማዕከናት ዜና ግብጺ እውን ከም ዝገለጻኦ፡ ኣብዚ ርክብ ዝተላዕለ "ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ ጕዳይ ቀይሕ ባሕሪ" ኰይኑ፡ እቶም ምኒስተራት፡ "ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ጸጥታን ምምሕዳርን ቀይሕ ባሕሪ ፍሉይን ስሩዕን ሓላፍነት ናይተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ጥራይ ምዃኑ" ኣስሚሮምሉ።
እዚ ብግብጺ ዝዳሎ ዘሎ ተኸታታሊ ኣኼባታት፡ "ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ዘሎ ጸጥታውን ፖለቲካውን ኵነታት ንምዝታይን፡ ዞባዊ ሰላም ንምርግጋጽን ዝዓለመ" ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ብፍላይ ግብጺ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ንምዕባይን፡ ምስተን ሃገራት - ብፍላይ ምስ ኤርትራ፡ ሶማልን ሱዳንን ኣብ እትሰርሓሉ ዘላ እዋን፡ ፍሉይ ትርጕም ከም ዘለዎ እዩ ዝግለጽ።
እዚ ዝምድናታት እዚ ግን ብወገን ኢትዮጵያ ብጽቡቕ ዝርአ ኣይኰነን፤ እታ "ታሪኻዊት ጸላኢት" እትብላ ግብጺ ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓታተይ ክትሰርሕ ጸኒሓን ኣላን ብምባል ብተደጋጋሚ ክትከስስ ጸኒሓ እያ።
ድሕረ-ባይታ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን
ርክብ መስዓድ ብሎስን ዑስማን ሳልሕን፡ ነቲ ንዓመታት ዝዘሓለ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ንምምሕያሽ ዝግበር ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣመሪካ ኣብ 2021 ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ብዝነበረ ተሳትፎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣንን ትካላትን ኤርትራ ቍጠባውን ወተሃደራውን እገዳታት ኣንቢራ ምንባራ ይዝከር።
ይዅን እምበር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመንጐኝነት መንግስቲ ግብጺ፡ ክልቲአን ሃገራት ዝምድናአን ንምምሕያሽን ነቲ እገዳ ንምልዓል ዘኽእል ባይታ ንምፍጣርን ብተደጋጋሚ ክራኸባ ጸኒሐን እየን።
ምዕባለ ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ርክባትን ምልዓል እገዳን ዝምልከት ግን ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ድሕሪ ዳግማይ ምጅማር ውግእ ኣመሪካን ኢራንን፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ መሊሱ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ፡ ኣመሪካ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሑቲ ሻቕሎት ሓዲርዋ ከም ዘሎ እዩ ዝዝረብ።
ነዚ ዘጋጥም ዘሎን ክመጽእ ዝኽእልን ከቢድ ብድሆታት ጸጥታ ንምፍታሕ፡ ምስ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ነዊሕ ገማግም ባሕሪን ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣን ዘለወን ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ከተሐድስ ደጊማ ትደፍኣሉ ከም ዘላ እዩ ዝግመት።
እዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ መግለጺ ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ገና ዘይተፈትሐን ዘይተመልሰ ዲፕሎማስያዊ ርክብን ዝድህስሳሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ይግለጽ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
