ከቢድ ፀገም ጥዕና ዘስዕብ ቫሪኮስ ቨይንስ እንታይ እዩ?

ኣብ ሸለፋን ዳንጋ እግራን ቫሪኮስ ቨይንስ ዝወፅኣ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/Johance

Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ብፍላይ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዳንጋ እግርኽን ወይ ሸለፍኽን፡ ንቆርበትኽን ሓሊፉ ደሚቖም ዝረኣዩ ፀለምቲ ወይ ናብ ሓውሲ ሰማያዊ ዝመስሉ ዝሓበጡ ሰራውር ደም ርኢኽን ትኾና ኢኽን።

ብፍላይ ኣብ ዳሕረዋይ ዳንጋ እግሪ ዝረኣይ ፀሊም ወይ ሓውሲ ሰማያዊ ዝመስል ሕብሪ ዝሓዘ ሰራውር ደም፡ ደሚቑን ጐሊሁን ዝረኣይ ብምዃኑ ምቾት ኣይህብን።

ኣብ ፈለማ ንዕኡ ዘየርእይ ነዊሕ ክዳን ወይ ስረ ብምኽዳን ክትሽፍንኦ ፈቲንክን ትኾና። ግዘ ብዝወሰደ ቁፅሪ ግና ሻቕሎት ዝፈጥር እዩ። እዚ ክስተት መዓልታዊ ብዝረኣኸንኦ ቁፅሪ፡ 'ኣብ ትሕቲ ቆርበተይ እንታይ እዩ ዝፍጠር ዘሎ? እንታይ'የ ኰይነ? ዝብል ሻቕሎት፡ 'ብኸመይ ከጥፍኦ?' ናብ ዝብል ሕቶ ደሪኹክን ይኸውን።

ብዙሓት ሰባት ነዚ ፀገም ኣብ ክንዲ ናብ ሕክምና ከይዶም ግቡእ ምርምራ ምግባር፡ ኣብ ዕዳጋታት ዝጋውሑ ክሬማት፣ ቅብኣታትን መድሓኒታትን ብምዕዳግ፡ ነቲ ደሚቑ ዝረኣይ ሰራውር ድም- 'ቫሪኮስ ቨይንስ' ንምጥፋእ ይፍትና።

ንክሬማትን መድሓኒታትን ብዙሕ ገንዘብ ኣውፂእኽን'ውን ግና፡ ኣብ ክንዲ ምጥፋእ ቀዋሚ ኰይኑ፡ ቃንዛ፣ ሕበጥን ቁስልን እንትፈጥር ተሻቒልክን ትኾና።

'ቫሪኮስ ቨይንስ' ግቡእ ሕክምና እንተድኣ ዘይተገይርሉ፡ ኣብ ሰብነትና ክንሪኦ ዘፅልእ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ከቢድ ጥዕናዊ ፀገማት ዘስዕብ እዩ።

ንምዃኑ ቫሪኮስ ቨይንስ እንታይ እዩ?

እዚ 'ክሮኒክ ቬነስ ኢንሳፊሸንሲ' ዝብል ሕክምናዊ መፀውዒ ዘለዎ ሕብጠት ሰራውር ደም ዝበዝሕ እዋን ኣብ መሓውር ኣእጋር ዝኽሰት እንትኾን፡ መብዛሕትኡ ግዘ ዝያዳ፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እዩ ዝረኣይ።

ስፔሻሊስት ካርዲዮቫስኩላር መጥባሕቲ ዶክተር ተስፋሁን ወልዳይ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ሕድሕድ ኣእጋር ሰለስተ ስርዓታት ቬነስ ማለት'ውን መለስቲ ሰራውር ደም ኣለዉ።

እቲ ሓደ ስርዓት፡ ኣብ ውሽጢ ጭዋዳታት ኣብ ጥቓ ቀዳሕቲ ደም ዝርከብ እንትኾን፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ፀገም ክፍጠር እንከሎ ብዓይኒ ክረኣይ ዝኽእል ኣብ ትሕቲ ቆርበት ዝርከብ ስርዓት ደም (ሲስተም) እዩ።

እቲ ሳልሳይ ስርዓት ድማ፡ ንኽልቲኦም ስርዓታት ማለት'ውን ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ስርዓታት ዘራኽቡ 'ፐፈረይቲንግ ቬነስ' እንብሎም መለስቲ ደማት ኣለዉ። ስለዚ እቲ ደም ዝምለሰሉ ዋሕዚ ካብቶም 'ሱፐርፍሻል' ዝበሃሉ ኣብ ውሽጢ ብዝርከቡ መለስቲ ደም ገይሩ፡ ናብ ልቢ ይምለስ።

ደም ካብ ልቢ ናብ ዝተፈላለየ ክፋል ሰብነትና ኣብ ዝቕድሓሉ ልቢ እያ ትቐድሕ፤ ደም ክምለስ እንከሎ ግና 'ፓምፕ' ዝገብር ዝተፈለየ ኦርጋን የለን። ቬነስ ቫልቭስ ድማ፡ ደም ንድሕሪት ንከይምለስ ዝዓግቱ እዮም።

ኣብዞም ስርዓታት እዚኦም ዝኾነ ናይ ዋሕዚ ፀገም እንትህሉ፡ ደም ብስርዓት ኣይምለስን። ደም ብስርዓት እንተዘይተመሊሱ፡ ናይ ምዕቛር ተኽእሎ ይህልው።

ስለዚ መለስቲ ደማት መጠኖም እንትዓብይ፣ ስሩዕ ስነ-ቅርፂ ኣካል (ኣናቶሚ) ስሒቶም ዝተጠዋወየ ሕልኽላኻት እንትፈጥሩ ወይ ደም ዓቑሮም ክሓብጡ እንከለዉ፡ ቫሪኮስ ቨይንስ ይበሃል።

መለስቲ ደማት፡ ዘይስሩዕ ቅርፅን ከይድን እንትሕዙ ድማ፡ "እቲ ደም ብስሩዕ ክምለስ እንተዘይኽኢሉ ደም ናይ ምዕቛር ተኽእሎ ይህልዎ። እንተዓቑሩ እዩ ፀገም ዝፍጠር" ይብል ስፔሻሊስት ካርዲዮቫስኩላር መጥባሕቲ ዶክተር ተስፋሁን ወልዳይ።

ስፔሻሊስት ካርዲዮቫስኩላር መጥባሕቲ ዶክተር ተስፋሁን ወልዳይ

ምንጪ ስእሊ, Doctor Tesfahun

መግለጺ ስእሊ, ስፔሻሊስት ካርዲዮቫስኩላር መጥባሕቲ ዶክተር ተስፋሁን ወልዳይ

ጠንቂ ቫሪኮስ ቨይንስ እንታይ'ዩ?

ደሚቕ ፀሊም ወይ ሓውሲ ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዎ ሰራውር ደም ሃንደበት ኣብ ቆርበትኹም ጐሊሆም እንትረኣዩ፡ 'እንታይ ኾይነ?' ኢልኹም ምሽቓልኩም ዘይተርፍ እዩ። እቶም ደረኽቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ነገራት ግና ዝስዕቡ እዮም።

  • ንብዙሕ ሰዓታት ጠጠው ወይ ኰፍ ኢልኻ ምስራሕ
  • ልዕሊ ዓቐን ክብደት ሰብነት
  • ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር
  • ኣብ ግዘ ጥንሲ ዕሸል ዝዓብየሉ ማህፀን ኣብ ውሽጢ ከብዲ ኣብ ዝርከቡ ዓበይቲ ሰራውር ደም ፅዕንቶ ብምፍጣር ደም ንከይምለስ እንትገብር
  • ስድራ ቤት ታሪኽ (ድሕረ ባይታ) ቫሪኮስ ቨይንስ እንተልይዎም
  • ሆርሞናዊ ለውጢ ደቂኣንስትዮ
  • ኣብ ውሽጢ ጭዋዳ ኣብ ዝርከቡ መለስቲ ሰራውር ደም ምርጋእ ደም እንተጋጥም
  • ኣብ ውሽጢ ከብዲ ምልክት መንሽሮ ክኸውን ዝኽእል ሕበጥ እንትህልው
  • ሓደሓደ ግዘ ድማ 'ኢድዮፓቲክ' (መበገሲኡ ዘይፍለጥ) ክኸውን ይኽእል።
ኣብ ፀጋማይ ሸለፋን እግራን ቫሪኮስ ቨይን ዝወፅኣ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/Jorge Aguado Martin

ደረጃታት ቫሪኮስ ቨይንስ

ቫሪኮስ ቨይንስ ሽድሽተ ደረጃታት እዩ ዘለዎ።

ደረጃ ዜሮ ቫሪኮስ ቨይንስ፡ ብዓይኒ ዘይረኣይ እንትኾን፡ እቲ ግዳይ እግሪ ናይ ምኽባድ፣ ደስ ዘይብል ስምዒት ወይ ብቃላት ንምግላፅ ዘፀግም ቃንዛ ክስምዖ ይኽእል።

ደረጃ ሓደ ቫሪኮስ ቨይንስ፡ 'ስፓይደር ቨይንስ' ዝበሃሉ ብጣዕሚ ቀጠንቲ ቀያሕቲ ወይ ሰማያዊ ሰራውር ደም ኣብ ቆርበት እቲ ግዳይ እንትረአይ።

ደረጃ ክልተ ቫሪኮስ ቨይንስ፡ ብጣዕሚ ዝተወጣጠሩን ዝሓበጡን ዓበይቲ ሰራውር ደም ኣብ ቆርበት ክረአዩ እንከለዉ።

ደረጃ ሰለስተ ቫሪኮስ ቨይንስ፡ ሙሉእ እግሪ እንትሓብጥ፣ እግሪ ፈሳሲ እንትዓቁርን እግሪ ናይ ድኻምን ምኽባድን ዓይነት ስምዒት ክፈጥር እንከሎን።

ደረጃ ኣርባዕተ ቫሪኮስ ቨይንስ፡ ኣብቲ ዝተጠቕዐ ቆርበት፡ ድርቀት፣ ሕማም ቆርበትን ምትራርን ሓዊሱ ርኡይ ምልዋጥ ሕብሪ ቆርበት እንተጋጥም።

ደረጃ ሓሙሽተ ቫሪኮስ ቨይንስ፡ ናይ ነዊሕ ዝፀንሐ ቫሪኮስ ቨይን ዝሓወየ ቁስሊ ወይ በሰላ እንትህሉ።

ደረጃ ሽድሽተ ቫሪኮስ ቨይንስ፡ ንጡፍ ዝኾነ ሓድሽን ዘቐንዙን ቁስሊ እንተልዩ።

'ስፓይደር ቨይንስ' ኣብ እግሪ ሓንቲ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/Javier Zayas Photography

መግለጺ ስእሊ, 'ስፓይደር ቨይንስ' ዝበሃሉ ብጣዕሚ ቀጠንቲ ቀያሕቲ ወይ ሰማያዊ ሰራውር ደም ኣብ ቆርበት እቲ ግዳይ እንትረአይ፡ ደረጃ ሓደ ቫሪኮስ ቨይንስ እዩ

ቫሪኮስ ቨይንስ ክሓውይ ይኽእል'ዶ?

ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዘለዎ ቫሪኮስ ቨይንስ ኣብ ቆርበት ኣእጋር ደሚቑ እንትረኣይ፡ ሓፂር ክዳን ንምኽዳን ምቾት ስለ ዝኸልእ፡ ሰባት 'ኮስሞቲካዊ ፀገም እዩ' ዝብል ርድኢት ይሕዙ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ዕዳጋታት ዝወዓውዑ ክሬማት፣ ቅብኣታትን መድሓኒታትን ብምዕዳግ ይጥቀሙ።

ደረጃ ዜሮን ሓደን ቫሪኮስ ቨይንስ ዘጋጠሞም ሰባት ቃንዛ እንድሕር ዘይፈጢርሎም፡ ናብ ሕክምና ናይ ምኻድ ተኽእሎኦም ክንድ'ቲ ኣይኰነን።

ኣብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ደረጃ ቫሪኮስ ቨይንስ ዝርከቡ ሰባት ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ግና፡ ከም ኮስሞቲካዊ ፀገም'ውን ስለ ዝርእይኦ ናብ ሕክምና ከም ዝመፅኣ ዶክተር ተስፋሁን ይገልፅ።

እንተኾነ፡ እቶም ዝተገለፁ ኩሎም ስምዒታትን ምልክታትን ዘለዎ ሰብ ግቡእ ሕክምና ክረክብ ከም ዝግባእ፡ እቲ በዓልሞያ የገንዝብ።

"ቫሪኮስ ቨይንስ ዝፈጥሮም ቁስለታትን ስምዒታትን፣ ብነርቭን ቀዳሕቲ ደምን ዝፍጠሩ ተመሳሳሊ ባህርያት ዘለዎም ካልኦት ኬዛትን ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም" ብምባል፡ እቶም ዝወፅኡ ደረጃታት ንተሓካሚ ዝወሃብ ሕክምና ንምፍላይ ከም ዝሕግዙ ይገልፅ።

ስፔሻሊስት ካርዲዮቫስኩላር መጥባሕቲ ዶክተር ተስፋሁን፡ ተሓከምቲ ብፍላይ፡ ምኽባድ እግሪ፣ ሕብጠት እግሪ፣ ብዓይኒ ዘይረኣዩ ሰራውር ደም፣ ቁስለትን ቃንዛ ለይትን ከጋጥሞም እንከሎ ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና ክመፅኡ ከም ዝግባእ ይምዕድ።

ዓይነታት ሕክምና ቫሪኮስ ቨይንስ

ንግዳያት ዝግበር ሕክምና ቫሪኮስ ቨይንስ ከከም ደረጅኡ ይፈላለይ እዩ።

  • እቲ ተሓካሚ ንብዙሕ ሰዓት ጠጠው ኢሉ ዝሰርሕ እንተኾይኑ፡ ነቲ ሰራውር ደም ንምእላይ ኣብ ማእኸል ስርሑ ክንቀሳቐስ ምግባር።
  • ንብዙሕ ሰዓት ኰፍ ኢሉ ዝሰርሕ እንተኾይኑ ድማ፡ ኣእጋሩ ምንቅስቓስ የድልይ። ምኽንያቱ ደም ብሓይሊ ጭዋዳ ምንቅስቓስ ስለ ዝኾነ፡ እዚ ሳዕቤን ከይመፅእ ስለ ዝገብር።
  • ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር። ብፍላይ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ምሸት ትርኣስ ገይሮም እግሮም ሓፍ ምባል።
  • ስሩዕ ንዝኾነ ክብደት ሰብነት ምትጋህ
  • ቀትሪ ቀትሪ 'ስቶኪንግ' (ከም ነዊሕ ካልሲ ዓይነት) ምግባርን

ዝብሉ፡ ኣብ ትሑት ደረጃ ቫሪኮስ ቨይንስ ዝርከቡ ሰባት እቲ ሳዕቤን ሓፍ ንከይብል ዘኽእሉን ቫሪኮስ ቨይንስ ዘይብሎም ድማ ኣቐዲሞም ንክከላኸሉን ዘኽእሉ እዮም።

እቲ ካልኣይ ዓይነት ሕክምና ቫሪኮስ ቨይንስ ድማ፡'ስክሎሮ ቴራፒ' ይበሃል። እዚ ዓይነት ሕክምና ነቲ ዝተጠቕዐ ሰራውር ደም ብመርፍእ ኬሚካል ብምውጋእ ዝግበር ሕክምና እዩ።

እቲ ሳልሳይ ዓይነት ሕክምና ራድዮፍሪኰንሲ ኣቢሌሽን ይበሃል። ነቶም ዝተጐድኡ ሰራውር ደም ንምዕፃው ካቴተር-ተዓፃፃፊ ቱቦ ብምእታው ሓይሊ ራድዮፍሪኰንሲ ብምጥቃም ዝግበር ሕክምና እዩ።

መጥባሕቲ ድማ እቲ ራብዓይ ዓይነት ሕክምና ቫሪኮስ ቨይንስ እዩ። እዚ ሕክምና 'ቨይን ስትሪፒንግ'- ምቕንጣጥ ሰራውር ብዝበሃል ከይዲ፡ እቲ ሰራውር ደም ካብቲ ዝርከበሉ ኣቀማምጣ ክወፅእ ብምግባር ቫሪኮስ ቨይንስ ዘጥፍእ ሕክምና እዩ። ድሕሪ እዚ ሕክምና'ውን ዝተርፍ በሰላ ኣይህልውን።

ፃዕዳ ጓንቲ ዝገበረ ዶክተር፡ 'ስክሎሮ ቴራፒ' ብዝበሃል ዓይነት ሕክምና ንተሓካሚ ብመርፍእ ኬሚካል እንትወግእ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/Cidmart

መግለጺ ስእሊ, 'ስክሎሮ ቴራፒ' ነቲ ዝተጠቕዐ ሰራውር ደም ብመርፍእ ኬሚካል ብምውጋእ ዝግበር ሕክምና እዩ።
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓንሳብ ካብ ቫሪኮስ ቨይን ዝሓወየ ሰብ፡ እቲ ሕማም ክምለስን ንከይምለስን፡ እቲ ተሓካሚ ኣብ ዝገብሮ ዓይነት ሕክምና ዝተደረኸ እዩ።

ዶክተር ተስፋሁን ነዚ ብኣብነት ከረድእ እንከሎ፡ 'ቨይን ስትሪፒንግ' ብንብሎ ዓይነት መጥባሕቲ ሕክምና፡ ብሙሉኡ መላሲ እቲ ሰራውር ደም እንድሕር ኣውፂእናዮ፡ መሊሱ ክፍጠር ኣይኽእልን። ቨይን ማለት'ውን መለስቲ ሰራውር ደም ብዙሕ ጨናፍራት ስለዘዎ፡ እቲ ዋና ስትሪም ኢና ንዓፅዎ ወይ ካብቲ ቦትኡ ነልቅቖ። ስለዚ ናይ ምምላስ ተኽእሉኡ ዳርጋ ዜሮ ክንብሎ ንኽእል ኢና" ይብል።

ቫሪኮስ ቨይንስ፡ ብዋናነት ናይቶም መለስቲ ደማት ፀገም እንተዘይኰይኑ፡ ናይ ኻልኦት ከበድቲ ሕማማት መግለፂ ወይ'ውን ምልክት ክኸውን ስለዝኽእል ብጥንቃቐ ምርምራ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።

"ንኣብነት፡ ኣብ እግሪ ቁስሊ እንድሕር ሃልዩ ምልክት መንሽሮ ክኸውን ይኽእል፣ ካብ ዝኾነ ቦታ ክለዓል ዝኽእል ኣብ ውሽጢ ኸብዲ ሕበጥ እንተልዩ ምልክት መንሽሮ ክኸውን ይኽእል፡ ናብቶም ሰራውር ደም ዝፅጋዕ ዝኾነ ሕበጥ 'ኮምፐረስ' ክገብሮም እንከሎ፡ ሰባት ቫሪኮስ ቨይንስ ክርእዩ ይኽእሉ እዮም፣ ቀዳሕቲ ደም እንትዕፀዉ ቁስለት ክፍጠር ይኽእል፣ ምስ 'ኒውሮፓቲ (ጉድኣት መትኒ) 'ውን ዝተሓሓዝ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ እዚ ብክሊኒካዊ ምርመራ ክፍለይ ኣለዎ።"

ንቫሪኮስ ቨይንስ ዘጥፍኡ እናተብሃሉ ብዙሓት ክሬማትን እፅዋታትን ዝኣመሰሉ ኣብ ዕዳጋ ይሽየጡ እዮም። ገለ ሰባት ውፅኢት ከም ዝረኣዩ እንትዛረቡ፡ ካልኦት ድማ ካልእ ሳዕቤን ከም ዝፈጠርሎም ይዛረቡ።

ዶክተር ተስፋሁን፡ "ኮምፕረሽን፣ ስክሎሮ ቴራፒ፣ ኣቢሌሽንን ቨይን ስትሪፒንግን ንቫሪኮስ ቨይን ዝግበሩ ሕክምናታት'ዮም። ካብዚ ወፃኢ ምቕባእ ዝበሃል ሕክምና የለን" ብምባል፡ ሰባት ኣብ ስሩዕ ትካል ጥዕና ሕክምና ክረኽቡ ከም ዝግባእ ይምዕድ።

ኣብ ዳንጋ እግሪ ዝወፅአ ቫሪኮስ ቨይንስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ እንተዘይኰይኑ'ኸ?

እቶም ኣብ ትሕቲ ቆርበት ዝርከቡ መለስቲ ሰራውር ደም እንትልጠጡ ወይ ደም ደም እንትዓቑሩ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ፡ ቅልጡፍ ምርመራን ሕክምና የድልዮ። እንድሕር ዘይኰይኑ ግና እቲ ዝረግዐ ደም ናብ ሳምባ ብምኻድ ናይ ህይወት ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ንብዙሕ ግዘ ኣብቲ ሰራውር ደም ዝፀንሕ እንድሕር ኰይኑ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ፀቕጢ ይውስኽ፣ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም'ውን ካብቲ ሰራውር ወፅዮም ናብ ትሕቲ ቆርበት ክዘልቁ ይኽእሉ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ቆርበትና ይደርቕ፣ ሕብሩ ይቕይር፣ የሕኽኸና፣ ይቖስል፡ እቶም መለስቲ ሰራውር ደም ዝተወጣጠሩ እንተኾይኖም ሓደገኛ መድመይቲ ከስዕብ ይኽእል።

መድመይቲ ኣብ ዘጋጥመሉ ድማ ልቢ ድኻምን ዋሕዲ ደምን ይፈጥር። ግድግዳ ናይቲ ሰራውር ደም ብምኽንያት ፀቕጢ ቁስለት ስለ ዝፈጥር ድማ ረኽሲ የስዕብ።