ኣመሪካን ስዑድ ዓረብን ታሪኻዊ ስምምዕ ኑክሌር ተፈራሪመን

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ልዑል ስዑድ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ስምምዕ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ወራሲ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ንእስራኤል ዲፕሎማስያዊ ኣፍልጦ ክህብ ዘቕርቦ ዝነበረ ቅድመ-ኵነት ኣየልዓለን
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፡ እታ ሃገረ-ወሽመጥ ስቪላዊ መደብ ኑክሌር ከተማዕብል ዘፍቅድ ታሪኻዊ ስምምዕ ከም ዝኸተማ ተሓቢሩ።

ክፍሊ ጸዓት ኣመሪካ ከም ዝገለጾ፡ እዚ "ስምምዕ ሰላማዊ ኑክሌሳዊ ምትሕብባር" ተባሂሉ ዝግለጽ ስምምዕ ኰይኑ፡ "ንኣመሪካውያን ትካላት ኣብ መደብ ኑክሌሳዊ ጸዓት ስዑዲ ዓረብ ሰፊሕ ተሳትፎ ተበጻሕነት" ዘፍቅድ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ ወግዓዊ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ግን እዚ ስምምዕ ኣብ መጻኢ ስዑዲ ዓረብ ን'ዩራንየም' ከተሀብትም ከም ዘፍቅደላ ጸብጺበን ኣለዋ።

እዚ ዩራንየም ንመመንጨዊ ጸዓት ትካላት ከም ነዳዲ ኰይኑ ከገልግል ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ኑክሌራዊ ቦምባታት ንምስራሕ እውን ክውዕል ዝኽእል እዩ።

ክኢላታት ከም ዝብልዎ፡ እዚ ንኣመሪካ ፈላማይ ተርእዮ ዝዀነ ስጕምቲ፡ ኣብዚ ድሮ ዘይርጉጽን ተነቃፍን ዝዀነ ዞባ፡ ኣብ መጻኢ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ናይ ምስፍሕፋሕ ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል እዩ።

ክፍሊ ጸዓት ኣመሪካ ከም ዘመልከቶ፡ ምስዚ ስምምዕ ምትሕብባር ጐድኒ ንጐድኒ "ክልተኣዊ ስምምዕ ሓለዋ" እውን ተኸቲሙ ኣሎ።

እቲ መግለጺ፡ "እዞም ክልተ ስምምዓት ብሓባር ኰይኖም፡ ነቲ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሕን ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ወጻኢታት ዝጠልብን መሻርኽቲ ሕጋዊ ባይታ ዘንጽፉ እዮም። እዚ ድማ ካብ ምስፍሕፋሕ ኑክሌራዊ ጽዋር ምዕጋት ሓዊሱ ሓያሎ ቀዳምነት ዝወሃቦም ቍጠባውን ስትራተጂያውን ዕላማታት የሰጕም" ይብል።

መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ እውን ብወገኑ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ፤ እቲ ስምምዕ "ኣብ ጽላት ጸዓት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ህሉው ምትሕብባር ዘስፍሕ እዩ" ድሕሪ ምባል፡ እዚ ስምምዕ ልዑል ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ዋሽንግተን ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት ዝመጸ ምዃኑ ኣሚቱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ግጭት እናተጋደደ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ስዑዲ ዓረብ፡ ናይ ነዊሕ ስትራተጂያዊት መሓዛ ኣመሪካ ኰይና፡ ግዳይ መጥቃዕቲ ኢራን ካብ ዝዀና ሓያሎ ወተሃደራውያን መዓስከራት ኣመሪካ ኣብ መሬታ እተአንግድ እያ።

ከምኡ'ውን ቅድሚ ሒደት መዓልታታት፡ እቶም ኣብ የመን ዝመደበሮም መሻርኽቲ ኢራን ዝዀኑ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ንግስነት "ባሕራዊ እገዳ" ከም ዘንበሩ ገሊጾም ኣለዉ።

ብዛዕባ እቲ ኑክሌራዊ ስምምዕ ዝርዝራዊ ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይተዋህበ፡ ኣቐዲሞም ዝወጹ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ከም ዘመልክትዎ ግን፡ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣመሪካ ሓባራዊ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያዳ፡ ካብ ወጻኢ ኣብ ዝኣቱ ነዳዲ ጽግዕተኛ ካብ ምዃን፡ ብኣመሪካ ኣብ ዝተሃንጸ ትካል ብምጥቃም ኣብ ባይታኣ 'ዩራንየም' ከተሀብትም ክፍቀደላ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ውጥን ንኣመሪካ ብቢልዮናት ዶላራት ዘርብሕ ክኸውን ዝኽእል ኰይኑ፡ ኣመሪካውያን ትካላት ነቲ ንመመንጨዊ ጸዓት ትካላት ኰነ ኑክሌራዊ ቦምባታት ንምስራሕ ከገልግል ዝኽእል ዝሃብተመ ዩራንየም ዘፍሪ ትካል ኣብ ምህናጽ ክሳተፋ ዘኽእለን እዩ።

ጸሓፊ ክፍሊ ጸዓት ኣመሪካ ክሪስ ራይት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እዞም ስምምዓት ኣብ ጸጥታ ኑክሌርን ምዕጋት ምስፍሕፋሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋርን ነቲ ዝለዓለ ደረጃታት ዝሕልዉ ምዃኖም ርግጽ እዩ፤ እዚ ድማ ኣብዚ ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ዝተነድፈ ብሉጽ ኑክሌራዊ ተክኖሎጂን ተመራመርትን ዓለምና ዝምርኰስ እዩ" ኢሉ።

ሰብሞያ ኑክሌርን ነባራት ሰብመዚ እስራኤልን ግን፡ እዚ መደብ ስዑድ ዓረብ ኣብ መወዳእታ ኑክሌሳዊ ቦምባ ከተማዕብል ከም ዘኽእላ ስግኣቶም ገሊፆም።

ኣብ ትካል ምርምር ምክልኻል ኣመሪካ ዳይሬክተር ፕሮግራም ማእከላይ ምብራቕ ሮዝመሪ ኬላኒክ፡ ኣመሪካ ስዑድ ዓረብ ኣብ ገዛእ መሬታ ዩራኒየም ከተምዕብል እንተፈቒዳትላ "ኣዝዩ ዘሰንብድ" ክኸውን'ዩ ኢላ።

"ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ገይራ ኣይትፈልጥን፤ ካልእ ሃገር ኣብ ናይ ባዕላ ግዝኣት ዩራኒየም ከተማዕብል ሓጊዛ ኣይትፈልጥን፤ ምኽንያቱ ናይ በዓልኻ ዩራኒየም ከተማዕብል እንተኽኢልካ፡ ኣፅዋር ኑክሌር ንምፍራይ ዝያዳ ሓደጋ ኢኻ ትኸውን" ኢላ።

እዚ ስምምዕ ናብ ኮንግረስ ኣመሪካ ዝለኣኽ ኰይኑ፡ ገለ ካብ ሓገግቲ ክቃወምዎ ትፅቢት ይግበር።

ጸሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ "ኣመሪካ ስግኣት ሓደጋ ኑክሌር ምስ እተስዕብ ዝዀነት ሃገር ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ኣይትገብርን" ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታ ምላሽ ሂቡሉ።

ብዙሓት ሓገግቲ ዲሞክራት፡ ሩብዮ ቅድሚ ሕጂ "ንስዑድ ዓረብ ዝኾነ ኣፅዋር ኑክሌር ኣይፍቀድን ንዝብል ሕጊ" ደጊፍዎ ከም ዝነበረ ገሊፆም።

ሴናተር ኤድዋርድ ማርኪ፡ ትራምፕን ሩቢዮን "ግብዛትን ዘይሓላፍነታውያንን'ዮም" ብምባል ወቒሱ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ስዑድ ዓረብ ረዚን ምሕዝነት ንምምስራት ብዙሓት ስጕምትታት ወሲዱ'ዩ።

ዋሽንግተን ምስዚ ስምምዕ ብዝዛመድ ካብ ትረኽቦም ንግዳውን ስትራተጂያውን መኽሰባት ብተወሳኺ፡ ሩስያን ቻይናን ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ይዘራረባ ምህላወን፡ ነዚ ስምምዕ ክትክትም ደራኺ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ስምምዕ ንስዑድ ዓረብ ዓቢይ ዓወት እዩ። ሪያድ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ንምብፃሕ፡ ንዓመታት ክትፅዕር እያ ፀኒሓ።

መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ታሪኻዊ ስምምዕ ኑክሌር ቅድሚ ምኽታሙ፡ ስዑድ ዓረብ ብወግዒ ንእስራኤል ኣፍልጦ ንኽትህብ የቐምጦ ንዝነበረ ቅድመ ኵነት ዝገደፎ ከም ዝመስል፡ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ፀብፂበን።