እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኔታንያሁ፡ ‘እዚ እዋን ኲናት’ዩ’ ብምባል ምስ ሓማስ ተኹሲ ደው ምባል ነጺጕ

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ክብል ይሓታ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦ “ንሓማስ ኢድ ምሃብ’ዩ” ብምባል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነጺጉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. መሓዙት ኢራን፡ ሩስያን ቻይናን ናበይ ኣተዋ?

  2. እስራኤልን ኣመሪካን ስለምንታይ ንኢራን ኣጥቂዐን፡ እቲ ኲናትከ ክሳዕ መዓስ ክጸንሕ ይኽእል?

  3. መሪሕነት ኢራን ንምእላይ ዝወጽአ መደብ ዕላማኡ እንታይ'ዩ?

  4. ነቲ ድሙቕ ሰማያት ዱባይ ናብ ደልሃመት ዝቐየሩ ሚሳየላት

  5. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓያል ሃገረ እስራኤል ብኸመይ ተመስሪታ?

  6. ሕዝቦላህ፡ ኣብ ሊባኖስ ዘለዎ ደገፍን ተቓውሞን እንታይ ይመስል?

  7. ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ መሓዙት ኣመሪካ ብመጥቃዕቲ ኢራን ይሕመሳ ኣለዋ

  8. ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ንምቕታል ኣዋርሕ ዝወሰደ ውጥን ኣመሪካን እስራኤልን

  9. መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኢራን እንታይ ኢሎም?

  10. ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ብሞት ዘኽተመ ሓጺናዊ ሓይሊ

  11. ኣመሪካን እስራኤልን ስለምንታይ እየን ናብዚ ሓደገኛ ኩነታት ኣትየን? ተንታኒ ፖለቲካ ቢቢሲ

  12. ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን- ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ- መን'ዩ?

  13. ኢራን፡ ንመጥቃዕቲ ኣመሪካ-እስራኤል ዝሃበቶ ግብረመልሲ ብኸመይ'ዩ ቅጽበታዊ ኰይኑ?

  14. ወተሃደራት እስራኤል፡ ንፍልስጤማዊ ቈልዓ ብጥይት ሃሪሞም ክሳብ ዝመውት ደው ኢሎም ምርኣዮም ዘረጋገጸ ቪድዮ

  15. ኢማራት፡ ቱርኪን ስዑድያን ካብ ኢትዮጵያ እንታይ'የን ዝደልያ?

  16. ኣመሪካ ንኢራን እንተኣጥቂዓ ክስዕቡ ዝኽእሉ ሸውዓተ ተኽእሎታት

  17. ቦርድ ሰላም ትራምፕ፡ መን ተጸንቢሩ - ስለ ምንታይከ ኣካታዒ ኰይኑ?

  18. 'ሞት ምሓሸኒ፡ ጕዕዞ ሲኦል'ዩ ነይሩ' - ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ

  19. ‘እቲ ዝሓየለ ሰራዊት ዓለም ዳግማይ ከምዘይለዓል ክውቃዕ ይኽእል’ዩ’- ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ

    ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ፡ “እቲ ዝሓየለ ሰራዊት ዓለም፡ ማልሳይ ከም ዘይለዓል ክውቃዕ ይኽእል’ዩ” ብምባል ኣጠንቂቖም።

    ኻሜኒ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ እዮም፡ ነዚ መጠንቀቕታ ሂቦም ዘለዉ።

    ዶናልድ ትራምፕ ዋሽንግተን ምስ ኢራን ኣትያቶ ምስ ዘላ ውጥጥ ብዝዛመድ፡ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኩሉ ብዛዕባ ሓያልነት ሰራዊት ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ’ዩ።

    ናብ ኢራን መራኽብ ኵናት ዘፀግዐት ኣመሪካ፡ ኢራን ንዝቐርቡላ ቅድመ ኩነታት ተቐቢላ ኣብ ስምምዕ እንተድኣ ዘይበፂሓ፡ ስጉምቲ ከም ዝውሰዳ ትራምፕ ምጥንቃቑ ይፍለጥ።

    ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ “ፕረዚደንት ኣመሪካ ሰራዊቱ ኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይዛረብ። ሓደ ሓደ ግዘ እቲ ሓያል ዝተብሃለ ሰራዊት ከም ዘይለዓል ተገይሩ ክውቃዕ ይኽእል’ዩ” ብምባል ኣጠንቂቖም።

    እቶም ላዕለዋይ መራሒ ወሲኾም፡ ኣመሪካ ንመራኽብ ኵናት ናብ ኢራን ከም ዝለኣኸት ብተደጋጋሚ ትገልፅ ምህላዋ ብምጥቃስ፡ “እተን መራኽብ ሓደገኛ መሳርሒ’የን፤ እንተኾነ እቲ ዝበለፀ ሓደገኛ፡ እዘን መራኽብ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ክጥሕላ ዝገብር መሳርሒ (ኣፅዋር) እዩ” ኢሎም።

    ኣመሪካ ሰለስተ ኣዕነውቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዝመርሓ፡ ኤፍ 35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ሓዊሱ 90 ነፈርቲ፡ ከምኡ'ውን 5,680 ሰራሕተኛታት ዝፀዓነት መርከብ ኣብርሃም ሊንከን፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ናብ ዞባ ወሽመጥ ከም ዝተዋፈረት እኳ እንተተገለፀ፡ ዛጊድ ኣብ ምስሊ ሳትላይት ኣይተራእየትን።

    እታ መርከብ፡ ካብ ኢራን ኣስታት 700 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኦማን ተራእያ ነይራ።

    ኣመሪካ እታ ካልአይቲ ዝዓበየት ነፈርቲ እትሽከም መርከብ ኲናት ዓለምና ዝዀነት 'USS Gerald R Ford' ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ከም ዝሰደደትን ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ሰለስተ ሰሙናት ናብቲ ዞባ ክትበፅሕ ከም ትኽእልን ይግለፅ።

    ምምፃእ ኣብርሃም ሊንከን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርአ ዘሎ ምፅጋዕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ዝውስኽ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብቲ ዞባ ወሰኽ ኣዕነውቲ፡ መራኽብ ውግእን ነፈርቲ ውግእን ኣመሪካ ምህላወን ኣረጋጊፁ’ዩ።

  20. ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓቢ ዘሎ ጻዕሪ ሽምግልና ቱርክን ዝገጠምዎ ብድሆታትን