ሎሚ ለይቲ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕታት ሓዲሩ
ኣብ ሓደ ለይቲ እስራኤል ምስ ኢራን መጥቃዕትታት ክትለዋወጥ እንከላ፡ ነበርቲ ደቡባዊ ቤሩት ድማ ካብቲ ቦታ ክወጹ ብሰራዊት ምክልኻል እስራኤል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም።
ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት’ውን ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተኻይዱ፡ እዚ መጥቃዕቲ ባርዕ ኣስዒቡ'ኳ እንተነበረ፡ ዝኾነ ጉድኣት ኣይበጽሐን።
ስዑዲ ዓረብ’ውን ኣብ ሓደ ለይቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘምከነት ክትሕብር እንከላ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ባሕረይን ድማ ዜጋታት ደወል መጠንቐቕታ ምስ ሰምዑ ናብ ውሑስ ቦታ ክኸዱ ኣጠንቂቑ።
ኣብ መንጎ ቴህራንን ዋሽንግተንን ተስፋ ዝህብ ዝዘርርብ ድሕሪ ምጅማሩ፤ ርኡይ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ተራእዩ ኣሎ።